
ስዉእ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ (ዓብዱልራሕማን ካይሮ)፡ ብ1 ጥሪ 1950 ኣብ ከረን ተወሊዱ። ታሕታዋይን ካልኣይ ደረጃን ትምህርቱ እውን ኣብ ከረን ወዲኡ። ኣብ ኣስመራ ብሞያ ናይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት (Nurse) ድሕሪ ምምራቑ ካብ 1971-1974 ዓ.ም ኣብ ከረንን ኣቑርደትን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1975 ዓ.ም ምስ ገለ ብጾቱ ካብ ሆስፒታል ኣቑርደት ብርክት ዝበለ መድሃኒትን መሳርሕታትን ሕክምና ሒዞም ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምርካብ ናብ ሱዳን ኣትዩ።
ስዉእ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ፡ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ኣብ ሱዳን ንኤርትራውያን ብናጻ ሕክምናዊ ኣግልግሎት ዘበርከተ፡ ኣብ’ቲ ምእንቲ ናጽነትን ዲሞክራስን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ድማ ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ግቡኣት እውን ዘበርከተ ተቓላሳይ ኣባል ኢዩ ነይሩ። ስዉእ ዓብዱልራሕማን ካይሮ፡ ብሱዳናውያን ዜጋታት እውን ከይተረፈ ብዝገበሮ ኣገልግሎት ኣዝዩ ምስጉንን ፍትውን ኢዩ ነይሩ።
ተጋዳላይ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ፡ ብ7 ለካቲት 2022 ኣብ ከተማ ፖርትሱዳን ተሰዊኡ። በዚ ኣጋጣሚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንስዉእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም ራሕሱ ድማ የውርደሎም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
(ስእሊ ኣነተ ወበር ካብ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ)
ኣነተ ወበር ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ (terrorists) ናይ ምውጻእ ምይይጥ ይካየድ ከም ዘሎን ብተግባር ክፍጸም ተኽእሎ ከም ዘሎን ብ12 ለካትቲ 2022 ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ከም ዝሓበራ ብእንግሊኛ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ እትሕተም ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ገሊጻ።
እተን ፍልይቲ ልእኽቲ ኣተሓሒዘን፡ እቲ ንህወሓት ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ናይ ምውጻእ ምይይጥ፡ ኣብ ፓርላማ ዝካየደ ምዃኑ ጠቒሰን፡ እዚ እንተደኣ ተዓዊኢቱ ተኹሲ ናይ ምቁራጽን ርክብ ናይ ምቕጻል ተኽእሎን ከም ዝህሉ ሓቢረን።
ኣነተ ወበር፡ ኣተሓሒዘን ብመሰረት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበረኦ ርክብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ “ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ኣሎ” ዝብል እምነት ከም ዝሓደረን ሓቢረን። ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ኣሎ ዝበላሉ ምኽንያታት ክገልጻ እነከለዋ ከኣ ኣብ ናይ 11 ለካቲት 2022 ዝርርበን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዘይምእታዉን ናይ ብዙሓት ብጃምላ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተጋሩ ምፍታሕን ስምዒት ከም ዘሕደረለን ጠቒሰን። ናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ ብ5 ጉንበት 2021 እዩ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ብኣዋጅ ቁጽሪ 1176/2020 ኣብ መዝገብ ፈጠርቲ ራኦዲ ኣስፊርዎም።
ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦቦሳንጆ ዝገበረኦ ርክብ ብምጥቃስ ከም ዝበለኦ ከኣ፡ ኣውንታዊ ተስፋ ከም ዘለዎም ጠቒሰን፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ፡ ዝሓስብዎ ናብ ምቑራጽ ተኹሲ ምኻድ እዩ ከም ዝበልወን እውን ተዛሪበን።
ኦባሳንጆ ብወገኖም ብ10 ለካቲት 2022 ንናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽን ጉዳያት ፖለቲካን ጸጥታን ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን መብርሂ ሂቦም። ኣብቲ መብርሂኦም ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት፡ ብዛዕባቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ኩነታትን ጭቡጥ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕርን ግደ ዞባውን ዓለም ለኻውን ውሁድ ምላሽን ምትሕብባርን ከም ዘድሊ ምጽውዖም ናይቲ ሕብረት ኮሚሽን ፖለቲካን ጸጥታን ኣፍሊጡ።
ዩኒሰፍ UNICEF ኣብ 4ተ ሃገራት 5 ሚልዮን ህጻናት ከም ዝሓከመ ገሊጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ(ስእሊ ዩኒሰፍ UNICEF)
ዩኒሰፍ UNICEF፣ ብ8 ለካቲት 2022 ኣብ ጄኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ኩነታት ቆልዑን ስድራቤታትን ኣዝዩ ኣሰካፊ ከምዘሎ፡ ብፍላይ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ጸገም ከም ዘለዉ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቤት ጽሕፈቱ መበል 18 ሓበሬታ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ብዝብል ዝዘርግሖ መግለጺ ምርዳእ ተኻኢሉ።
ዩኒሰፍ UNICEF ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማለት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልያን፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ንዝተጠቕዑ 5.5 ሚልዮን ቆልዑ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከም ዝሃበ ጥቒሱ ካብኣቶም ናይቶም 1.5 ሚልዮን ዝገደደ ምንባሩ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ እዋንዚ ጐንጽታት፣ ድርቅን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ተደማሚሩ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ከም መርኣያ ናይዚ ኣብዚ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን፣ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ቀረባት ማይን መግብን ከምዘድልዮም እቲ ኣህጉራዊ ትካል ቆልዑ ገሊጹ።ብዓንተቦ ዝናብ እንተዘይዘኒቡ ከኣ እቲ ኩነታት ዝያዳ ከም ዝብእስ ኣብቲ ናይ ዩኒሰፍ UNICEF ሓበሬታ ተጠቒሱ። ካብቲ ተጠቒሱ ዘሎ ሕክምና ናይ ዝረኸቡ ህጻናት ኣሃዝ እቶም 465,683 ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ካለኦት እዚ ሕክምና ክረኽቡ ዝግበኦም ግና ዘይረኸቡ 723 ሽሕ ምዃኖም ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ናይቲ ትካል ሰፊሩ ኣሎ።
ዩኒሰፍ UNICEF ኣብ ምቕራብ ክታበት ቆልዑ፡ ቫይታሚን ኤን መኣዛዊ መግብታትን ዘተኮረ ኣብዘን ኤርትር እትርከብን ኣርባዕተ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ህወይት ሰባት ንምድሓን፣ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2022 ኣብ ዘሎ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዜ ናይ 123 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ከምዘድልዮ ብምጥቃስ ናብ ሓገዝቲ ሃገራትን ትካላ ግብረ ሰናይን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጻኢ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝሓርፈፈ ዝምድናኡ ንምምሕያሽ ዘወጸኦ መደብ ዝሕብር ልሒኹ ዝወጸ ሰነድ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይቀባበላሉ ኣለዋ። እቲ ሰነድ ኣብ መበል 12 ገጹ ኣብ ቁጽሪ 4 ኣብ ዘስፈሮ፡ “ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ኤርትራ ብዘለወን ኣዝዩ ሓርፋፍ ዝምድና፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ምስታፉ፡ ነቲ ኩነታት ከም ዝሓላለኾን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጸጥታ ኢትዮጵያን ከባብን ኣሉታዊ ግደ ከም ዝነበሮን ብምጥቃስ ክኸስዎ ጸኒሖም። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ውግእ ክልል ትግራይ ይውጻእ ዝብል ሓሳብ ብተደጋጋሚ ከቕርብዎ ዝጸንሑ ክኸውን እነከሎ፡ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድና ዝያዳ ኣሕርፊፍዎ እዩ” ይብል።
እቲ 51 ገጻት ዘለዎ ምላቕ ሰነድ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ኣብ ገጽ 15 ቁጽሪ 7፡2 ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታት ንምብቃዑ ዝተፈጥረ ዝምድና ኩሎም ወገናት ብኣውንታ ተመልኪተምዎ ነይሮም። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነበረ እገዳ ከም ዘልዓሎ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪኡ ዘምጸኦ ናይ ፖሊሲ ለውጢ የለን ብዝብል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ፖሊሲኡ ክቕይር ተጽዕኖ ክፈጥር ኣይከኣለን ብዝብል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅሬታ ኣሕዲሮም እዮም። ብፍላይ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዝዮም ስለ ዝጸልእዎን ካብ ስልጣኖም ክውገዱ ስለ ዝደልዩን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስኡ ምትዕርራኾምን ሰራዊት ኤርትራ ቀልጢፉ ምሉእ ብምሉእ ካብ ውግእ ትግራይ ብዘይምውጽኡን ዘቖጠዖም ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዝነበሮም እምነቶም እውን ፍሒቑዎ እዩ።” ይብል።
ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ብዛዕባ ኣሉታዊ ተግባራት ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክንድቲ ክብሎ ዝግበኦ ኣይበለን ተባሂሉ ብኣንበብቱ ዝንቀፍ ዘሎ ሰነድ፡ “ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝፈጠረቶ ምትእስሳር ብኤውሮጳውያን ተቐባልነት ዘይምርካቡ ቀጻሊ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ቀጻሊ እውን ንርክብ ኢትዮጵያን ሃገራት ኤውሮጳን ብሓርፋፉ ዘቐጽሎ ክኸውን እዩ።” ዝብል ሓሳብ ኣብ መበል 29 ገጹ ቁጽሪ 2 ኣስፊሩ ኣሎ።
ንሕናውን ከም ሰዲህኤ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዝና ነዚ ሕጂ ብሰነድ ደረጃ ዝዝረበሉ ዘሎን ዘስዕቦ ጥፍኣትን ህልቂትን ኣብ ግምት ከየእተና ኣይኮናን ዝምድና ኢትዮጵያን ኢሳያስን ትካላዊ ክኸውንን ግሉጽነት ክህልዎን ካብ ብጊሓቱ ከነመልከት ዝጸናሕና።
(ኣርማ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ዘርኢ፡ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝተወስደ)
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 1991 ምስ ምውዳቕ ስርዓት ደርጊ ዝፈረሰ ሓይሊ ባሕሪ ዳግማይ ንምህናጽ ከካይዶ ዝጸንሐ መስርሕ ከምዘይተዓወተ ሬድዮ ኤረና ምንጭታታ ጠቒሳ ሓቢራ። ማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ (AFP) ብወገና ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፍራንሳን ብዛዕባ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ከም ዝነበረን ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምብርዑ ግና እቲ ውዕል ከም ዝተቛረጸ ጠቒሳ። ብመሰረ እቲ ናይ ሬድዮ ኤረና ዜና ጠንቂ ምቁራጽ ምስርሕ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምፍራስ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ምዃኑ ኣስፊሩ።
ብመስረት እቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድን መራሒ ፈረንሳ ኣማኑየል ማክሮንን ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ፡ ፈረንሳ ንኢትዮጵያ ኣብ ምምስራት እቲ ሓይሊ ባሕሪ ዝውዕል 85 ሚሊዮን ዩሮ ከተለቀሓ ቃል ኣትያትላ ነይራ እያ።
ብዘይካቲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ፡ ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ክኾኑ ዝተመልመሉ ኢትዮጵያውያን ወታደራት ኣብ ፈረንሳ ከይዶም ሰልጢኖም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ባህርዳርን ካልእ ማያዊ ከባብታትን መሰልጠኒ ከፊቱ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝኾኑ መንእሰያት ኣሰልጢኑ ኣመሪቑ እዩ። ብዘይካዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ፈርንሳ ብልቓሕ ክቐርበሎም ዝጠለብዎ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ኣጽዋርን ነፈርቲ ውግእን ክርከብዎ ከምዘይከኣሉ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኤረና ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝኾነ ይኹን ወታደራዊ ርክብን ምትሕግጋዝን የለን። መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ውግእ ምስ ጀመረ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ወታደራዊ ውዕል ከቋርጽ ግዜ ኣይወሰደን፡
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ክንሳ፡ ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ምንቅስቓሳ ናይ ብዙሓት ወገናት መዛራቢ ኮይኑ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ መደበር ሓይሊ ባሕራ፡ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ከተቋምት እንከላ ብወገን ኤርትራ ግና ነዚ ብዝምልከት ዝተባህለ ኣይነበረን።
ብስም ብሄር ኦሮሞ ዝነጥፋ 63 ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ማሕበር ክኢላታት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበረ ኮማትን ብ21 ጥሪ 2022 ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኣገዳስነት ሃገራዊ ዘተን መግለጺ ከም ዘውጸኣ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እተን ማሕበራት ኣብቲ መግለጺአን ካብ ዝተገደሳሎም 6 ነጥብታት ሓንቲ “ኤርትራ ብዘይቅድመ-ኩነት ሓይልታታ ካብ ኢትዮጵያ ትውጻእ” ትብል ከም ዝኾነት ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺአን ኣስፊረን።
እቲ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ተሳታፊኡ መን ምዃኑ ብንጹር ዘየስፈረ ሃገራዊ ዘተ ንምክያድ፡ ነቲ ዘተ ዝመርሑ ኮሚሽነራት ኣብ ምምምራጽ ከም ዝርከብ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሸሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ስለ ዘለዉ ንሳቶም እውን ተፈቲሖም ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ዝሳተፍሉ ኩነታት ክፈጥር ጸዊዑ።
ናይተን ማሕበራት መግለጺ ኣተሓሒዙ ቅድሚዚ ናይ 21 ጥሪ 2022 መግለጺ፡ ብ18 ነሓሰ 2021 እውን እቲ ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ናይ ኢትዮጵያ ጸገማት ንኹሉ ብዘሳትፍ ዘተ ክፍታሕ ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺአን ከም ዝነበራ ኣዘኻኺሩ። እቲ መግለጺ ነዞም ዝስዕቡ ዝያዳ ቆላሕታ ክግበረሎም እዩ ጸዊዑ።
1) ብህጹጽ ህውከት ጠጠው ምባልን ድሕሪኡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኦሮሞ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉምዝ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ተኹሲ ተጠው ብምባል፡ ስምምዕ ምቁራጽ ውግእ ምኽታም። ድሕሪኡ ብቐጥታ ንኹሉ ናብ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ዘተ ምእታው።
2) ብዘይ ቅድመ-ኩነት ናብ ኩሎም ኣብ ጸገም ዘለዉ ኣካላት ሰብኣዊ ረዲአት ምቕራብ። ከምኡ ከኣ ከም ባንክ፡ ተለፎን፡ መጐዓዝያ፡ ሓይሊ መብራህትን ዝኣመሰሉን ተቛሪጽዎም ኣብ ክልላት ኦሮሞ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ይሳቐዩ ንዘለዉ ኣገልግሎት ከም ዝረኽቡ ምግባር።
3) ኩሎም ብምኽንያት ናይ ህጽጹ ግዜ ኣዋጅ፡ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣባላትን መራሕትን ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ካለኦት ዓሌት መሰረት ብምግባር ተኣሲሮም ዘለዉን ብዘይቅድመ-ኩነት ብህጹጽ ክፍትሑ።
4) ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ጸጥታ፡ ወታደራትን ናይ ስለያ ኣሃዱታትን ክወጹ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባናን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ውግእ ጠጠው ኣብ ምባል ዝሕግዝ እዩ።
5) ናጻን ዘይሻራውን፡ በቶም ክሳተፉ ቅሩባት ዝኾኑ ኣካላት ተቐባልነት ዝረኸበ ኣሳታፍን ግሉጽን ሃገራዊ ዘተ ምጅማር። ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብ፡ እቲ ዘተ ንክዕወት ክሕግዝ። ምኽንያቱ መንግስቲ ነዚ ዓብይ ዕማም ከድምዕ ብዝኽእል በይኑ ክዓሞ ስለ ዘይክእል።
6) ናይቲ ዘተ ዝተፈላለዩ ውጽኢታት ምትእምማንን ምቹእ ከባብን ምፍጣር ብዘኽእል ምስራዕ። ነዚ ንምግባር መንግስቲ ንኣጠቓቕማ ሚዲያ፡ ናይ ታሕተዎት ኣካላት ዘተን ርክብን ንምፍጣር ክፉት ፖለቲካዊ መድረኽ ከስፍሕን ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ምምኽኻር ክቕጽልን።
ኣብ መወዳእታ እቲ 63 ማሕበራት ዝኸተማሉ ናይ ሓባር መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ሕቡራት መንግስታት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራቱን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባል ሃገራቱን፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ ቱርክን ኢራንን ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢኣን ዘሎ ህውከት ክዓርፍን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተሓሲቡ ዘሎ ዘተ ንክዕወትን ሃናጺ ስጉምቲ ክወስዳ ጸዊዑ።
ብናይ ሕቡራት ሃገራት ዘባዊ ምትሕብባር ዳይረክተር ልምዓት ኣፍሪቃ ዝምራሕን ሓሙሽተ ዞባዊ ዲረክተራት ዝርከብዎን 24 ዝኣባላቱ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ይበጽሕ ከም ዘሎ ነዚ ብዝምልከት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ሓሙሽተ ዳይረክተራት፡ ወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ፡ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ዕጸ-ፋርስን ገበን፡ ጉዳይ ስነ- ህዝብን ፕሮግራም መግቢ ዓለን ምዃኖም እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ምክትል ዞባዊ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት እውን ኣካልዚ ልኡኽ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካለኦት ወኪላተን ዝለኣኻ ዞባዊ ዳይረክተራት ከም ዘለዋ’እውን ተፈሊጡ።
እዚ ልኡኻ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሓሉ ተልእኮ፡ ብ25 ጥሪ 2022 ብምትሕብባር መንግስቲ ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ዝጅመር ናይ ቀጻሊ ዕቤት መርበብ ተሳታፋይ እዩ። እዚ መርበብ ልምዓት፡ ቀዳምነታት ኤርትራ ኣለሊኻ ብውሁድ ናይ ሕቡራት ሃገራት ወፍሪ ትልሚ ልምዓት 2022-2026 ኣብ ምንዳፍ ሓጋዚ ከም ዝኸውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
እዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓሉ ግዜ ምስ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ፡ ናይ ልምዓት መሻርኽትን ኣካላት ዲፕሎማስን ክራኸብ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ልኡኽ መንደፈራ፡ ድዋሩባን ዓረዛን በጺሑ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣካይድዎ ዝበሃል ልምዓታዊ ንጥፈታት ኣፈናዊ ሓበሬታ ክእክብ እዩ ተባሂሉ።
ነቲ ልኡኽ ዝመርሕዎ ዞባዊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ልምዓት ኣፍሪቃ ሕቡራት ሃገራት ያኮብ ኢል ሂሎ፡ ብዛዕባቲ ኣገዳሲ ዝበልዎ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝምልከት መግለጺ ሂቦም። ኣብቲ መግለጺኦም፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሓቢርካ ብምስራሕ ንሸቶ 2030 ቀጻሊ ልምዓት ንምዕዋት እቲ ምውህሃድ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ኣድላይ ምዃኑ ጠቒሶም።
ብናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ሚዛን፡ እቲ ክሳብ ሎሚ ብሓፈሻ ኣንጻር ኩሎም ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣንጻር ኣካላት ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፡ ንሰብኣዊ ግህሰታት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ሓበሬታ ከይወጽእ ማዕጾኡ ዓጽዩ ዝጸንሐ ህግደፍ ሎሚ ነዚ ልኡኽ ኣፍደገ ምኽፋቱ ናይ ምንብርካኹን ምግዳዱን መርኣያ እዩ ዝብል እምንቶ ኣለዎም።
በቲ ካልእ ወገን እቲ ኣብ ዕጽዊ ማዕጾ ካብ ክታብ ኮቪድ-19 ጀሚርካ፡ ኩሉ ደገፋት ተነፊጕኦ፡ ኣደዳ ኩሉ ሕሰምን መከራን ኮይኑ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ጸገማቱ ዘይሕበኣሉ ኩነታት ክፈጥር ስለ ዝኽእል፡ ንጉጅለ ህግደፍ ዘቃለዓሉ ዕድል ክረብ እዩ። እንተኾነ እቲ ማዕጾ ዓጺኻን ሓበሬታ ሓቢእካን ከምድላይካ ምኻድ ዝለመደ ጉጅለ ንቐጻልነት ናይዞም ኣካላት ኣብ ኤርትራ መሊሱ ከይዓጽዎ ዝሰግኡ ብዙሓት እዮም።
ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለወን ፍልልያት ብዘተ ክፈትሓ ተሰማሚዕና ኢለን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኢትዮጵያን ሱዳንን ብዛዕባቲ ኣብ መንጎአን ዘይምስምማዕ ዝፈጥር ጉዳያት መፍትሒ ንምርካብ ዘተ ከካይዳ ከም ዝተሰማምዓ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። እዚ ዝተገልጸ ናይ ሱዳን ምክትል ሓላፊ ኮሚተ ልኡላውነት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክልተ መዓልታት ምጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዩ። እቶም ሱዳናዊ ላዕለዋይ ሓላፊ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተረኽቡ ተሓቢሩ።
ኣምበሳደር መሓመድ ኣል ጋዛሊ ቲጂያኒ ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ዳይረክተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት፡ ብወገኖም እቶም መራሕቲ ብዛዕባ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከም ዝተዘራረቡ ገሊጾም። እዞም ሱዳናዊ ዳይረክተር ቲጂያኒ ኣተሓሒዞም፡ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ህዝብታት ረብሓ ንምዕቃብ፡ ክልተኣዊ ዝምድና ምዕባይን ግሉጽነት ምህናጽነት ከም ዘድሊ እውን ሓቢሮም።
ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ምክልኻል ዶር ኣብረሃም በላይ ብወገኖም፡ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ብዙሓት ክልተኣዊ ዛዕባታት ከም ዝዘተዩ ምግላጾም እቲ ዜና ሓቢሩ። ዶር ኣብረሃም ኣተሓሒዞም ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ተቐራሪብና ክንሰርሕ ተሰማሚዕና ኣለና እውን ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ሓረስቶትን ዕጡቓት መልሻን ፋሺቓ ካብ ዝበሃል ቦታ ብሱዳናውያን ምስጓጎም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝነበረ ዘይምስምማዕ ከም ዘጋደዶ ኣብዚ ናይ ሱዳን ትሪቡን ዜና ተጠቒሱ።
ኢትዮጵያ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጠንቂ ዘይምስምማዕ ኮይኑ ዘሎ ቦታ፡ ናተይ እዩ ክትብል እንከላ፡ ሱዳን ብወገና ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረሙ ናይ ዶብ ስምምዓት ብምጥቃስ ናተይ እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ። ብዘይካዚ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዓብይ ሓጽቢ ኣባይን ኢትዮጵያ ሱዳን ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ትሕግዝ ኣላ ብዝብል እተቕርቦ ክስን ድማ ናይቲ ዘይምስምማዕ ጠንቅታት እዮም።
ኣብ መጻኢ መዓስ ተራኺቦም ከም ዝዛተዩ ዝተታሕዘ ቆጸራ ኣይተገለጸን። እቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ብጉዳይ ሓጽቢ ኣባይ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ከም ዘቋረጾ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ኤርትራ ንወትሃደራዊ ታዕሊም ካብ ዝተላእኩ ሶማልያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ታዕሊም፡ 400 ብወትሃራት ኤርትራ ከም ዝተቐትሉ ሶማልያ ጋርዲያን ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ንሓደ ካብቲ ቦታ ዝሃደመ ጠቒሳ፡ ብ11 ጥሪ 2022 ብዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ። እታ መርበብ ኣተሓሒዛ፡ ነቲ ካብ ኤርትራ ዝሃደመ ዓብደልቃድር ኣብሽር ዝተባህለ ተዓላማይ ዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ገይራ ከም ዝገለጸቶ፡ ካብቶም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ብዙሓት ናብ ውግእ ናይ ኢትዮጵያ ክኣትዉ እንከለዉ ካለኦት ኣሸሓት ከኣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ከም ዝኣተዉ ሓቢራ።
እቲ ካብ ኤርትራ ከም ዝሃደመ ዝሓበረ ዓብደልቃድር ኣብሺር፡ ኣብ መጀመርያ ኣዋርሕ 2020 ናብ ኤርትራ ከም ዝተላእከ ጠቒሱ፡ ኣብ 6 ኣዋርሕ ታዕሊሙ ከም ዝወደአ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቶም ምስኡ ዝተዓለሙ ኣብቲ መደበር ታዕሊም ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ከም ዝገደፎም ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ዓብደልቃድር ነታ መርበብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ደሃዮም ዝጠፍአ ሶማላውያን ተዓለምቲ ብሕጽረት ሕክምናን መግብን ከም ዝሳቐዩን ብሰንክዚ መሰረታዊ ሕጽረታት ብዙሓት ከም ዝሞቱን ጠቒሱ። ብሰንክቲ ሕማቕ ኩነታት ኣብ መንጎ ሶማላውያን ተዓለምትን ኤርትራውያንን ብዝተፈጥረ ጐንጺ ብደርዘናት ዝግመቱ ኣስማቶም ዘይተፈልጠ ተዓለምቲ ከም ዝሞቱ ኣቃሊዑ።
በቲ ካብ ሶማሊያ ጋርዲያን ዝተረኽበ ዜና መሰረት ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ መንእሰያት ሶማላውያን ልዕሊ 5400 ኮይኖም፡ ናብ ሰለስተ መደበራት ታዕሊም እዮም ተኸፋፊሎም። ካብዚኣቶም መብዛሕተኦም መንግስቲ ሶማልያ ናይ ዝተመገብዎ፡ ዝሰተይዎን ዝተሓከምዎን ወጻኢ ንክኸፍን ብመንግስቲ ኤርትራ ተሓቲቱ ስለ ዘይከፈለ፡ ከም “ናይ ዕዳ ትሕጃ” ተታሒዞም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት እዮም ተዋፊሮም።
ካልኦት ካብ ኤርትራ ዝሃደሙ ሶማላውያን ከም ዝበልዎ ድማ፡ መንግስቲ ሶማልያ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባዚ ጉዳይ ርኢቶኡ ኣይሃበን። እቶም ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ዘለዉ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም እዩ ዝብል ትጽቢት ግና ኣሎ። እንተኾነ መንግስቲ ሶማልያ ታዕሊሞም ምስ ወድኡ ስለምንታይ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ነቲ ምምላሶም ከም ዘደንጐዮ ንጹር ከምዘይኮነ እቲ ዜና ጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት ሰማንያ ነብርቲ ዓዲ ንፋስ ብሓይልታት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተኣስሩ ተለቪዥን ኤሪሳት ምንጭታታ ጠቒሳ ካብ ብዘቕረበቶ ዜና ሓቢሩ። ካብዞም ዝተኣስሩ መብዛሕተኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ኮይኖም፡ ስድራቤት ተጋደልትን ነባራት ተጋደልትን ከም ዝርከብዎም እቲ ዜና ብተወስኺ ሓቢሩ።
ምስ ነበርቲ ዓዲ ንፋስ ምስሕሓብ ዝነበራ ኣመሓዳሪት ዞባ ኣኽርያ ኣስመራ፡ ሕኒኣ ንምፍዳይ መዝነታ ተጠቒማ ከም ዘእሰረቶም እዩ ተሓቢሩ። እቶም ግዳያት ማእሰርቲ መጀመርያ ብሓባር ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ከም ዝተዳጐኑ ደሓር ግና ናብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ህግደፍ ህዝቢ ከይቀስን ኣብ ናይ ዓድታት ውሽጣዊ ምምሕዳራዊ ጉዳይ እንዳኣተወ ህውከት ምፍጣር ልሙድ ተግባሩ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ምምሕዳር ዓድታት፡ ንኡስ ዞባታትን ዞባታትን ኢድ እንዳእተወ ዘይምርግጋእ ከም ዝፈጥር ተፈሊጡ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ መራሕቲ ናይዘን ዝተጠቕሳ ምምሕዳራት፡ “መደባት ክተት ብግቡእ ኣይተግበርኩምን” ብዝብል ህዝቢ ከም ዘንገላትዑን ከም ዝብድሉን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ቀጻሊ ግፋ ዘካይድ ዘሎ ኮይኑ፡ ምናልባት ኣብ ገጠራት ዝተሓብኡ መንእሰያት ከይልዉ ብዝብል፡ ኣባላት ጸጥታ ናይቲ መንግስቲ ናብ ገጠራት ከም ዝዋፈሩ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
More...
ኣብይ ኣሕመድን ባይደንን ይመያየጡ፡ ኢሳያስ ከኣ ምስ ኣሜሪካ ይጻረፍ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ኣሜሪካ ጆን ባይደንን ብ10 ጥሪ 2022 ብስልኪ ከም ዝተመያየጡ ሲኤንኤን ሓቢራ። ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ኣብቲ ብ8 ጥሪ 2022 ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ንምምሕዳር ባይደን ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ኣምሪሩ ክኸስስ ተሰሚዑ።
ፕረሲደንት ባይደን ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ዘካየድዎ ርክብ ብዛዕባቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ደብዳብ ነፈርቲ ኣልዒሎም መራሕቲ እታ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣፍሪቃ 2ይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ዝጅመር 14 ኣዋርሕ ኮይንዎ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኣብ ዝብለሉ ኩነታት ክመያየጡ ጸዊዖም።
እዚ ናይ ስልኪ ርክብ ዝተኻየደ፡ ፕረሲደንት ባይደን፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘርኣየቶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብቲ ኣሜሪካ ካብ ሳህራ ንታሕቲ ንዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ እትህበ ብዘይቀረጽ ፍርያተን ናብ ዕዳጋኣ ናይ ምቕራብ ዕድል ምስ ተሰረዛ ድሕሪ 9 መዓልታት እዩ። በቲ ሲኤንኤን ዘውጸኦ ዜና መሰረት ፕረሲደንት ባይደን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ነፈርቲ፡ ዝፍጠር ዘሎ ዘይምርግጋእ ከም ዝሻቕሎም ኣብቲ ነዚ ዝርክብ ብዝምልከት ካብ ዋይትሃውስ ዝወጸ መግለጺ ከም ዝተጠቕሰ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ብመሰረት ነቲ ርክብ ብዝምልከት ካብ ዋይትሃውስ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብዚ ርክቦም፡ ናይ ሰላምን ዕርቅን ዕድላት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተመያይጦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናብ ተኹሲ ምቁራጽ ዘብጽሕ ዘተ ዝቀላጠፈሉ ኩነታት ከም ዘልዓሉን ህጹጽነት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ኩነታት ዝመሓየሸሉ ኩነታት ምፍጣርን ኣገዳስነት ምድህሳስ ሰብኣዊ ሻቕሎት ኣብ መላእ እታ ሃገርን ከምኡ እውን ብዛዕባ ማእሰርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ብዝምልከት ተመያይጦም።
ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስቴር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣበቲ ርክብ ዝተኻየደሉ ዕለት ዝወጸ ፍሉይ መግለጺ ከም ዘስፈሮ ከኣ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ህልዊ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ክልትኣዊ ዝምድና ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዞባዊ ጉዳያትን ከም ዝተመያየጡ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ዶ/ር ኣብይ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ኢትዮጵያን መግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲአት፡ ሰብኣዊ መስልን ዳግመ ህንጻ ኣብቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ናጻ ዝኾነ ቦታታትን የካይዶ ብዛዕባ ዘሎ ስረሓት ንፕረሲደት ባይደን ከም ዝገለጽሎም ጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብ8 ጥሪ 2022 ዘካየዶ ቃለ መጠቕ፡ ከምቲ ልማዱ ንኣሜሪካ ብዓይኒ ጽልኢ ብምርኣይ መሪር ክስታት ኣቕሪቡ። ኣብቲ ክሱ ናቱ ኣቐሚጡ፡ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ደረጃ ንክትወድቕ ግደ ኣሚሪካ ዝለዓለ ምዃኑን ምስ ክልል ትግራይ ክትውግን ከም ዝጸንሐትን ብዝተፈላለየ መልክዑ ገሊጽዎ።
ነዚ ሓድሽ ርክብ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኣሜርካን በቲ ሓደ ወገን፡ ንናይ ኢሳያስ ኣንጻር ኣሚሪካ መግለጺ ምሃብን ናብ ቻይና ምዝንባሉን ዝተዓዘቡ ወገናት፡ እዚ ፍልልይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን መመሊሱ ይስዕርር ከም ዘሎ ከም ዘመልክት ገይሮም ይወስድዎ ኣለዉ። ብዘይካዚ ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብቲ ቅድሚ ውግእ ኣብ ትሕቲ ትግራይ ዝነበረ ወልቃይትን ራያን ከተውጽእ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ ግዜ፡ መልሻን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ትግራይ ይዋግኡ ምህላዎም ዝሕብር ዜናታት ምቅላሑ ካልእ ነቲ ፍልልይ ዘራጉድ ይመስል ይብልዎ ኣለዉ።

ናብ ኮሚሽን ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ብዝበጽሐ ኣፈናዊ ሓበሬታ መሰረት ብ7 ጥሪ 2022 ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ደደቢት ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዝተዓቖብሉ ቦታ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከም ዝተፈጸመ ተፈሊጡ። በቲ ዝተፈጸመ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ፡ ብዙሓት ስቪላት ከምዝተቐተሉን ከምዝተጎድኡን ካብ ኤኤፍፒ ዝተረኽበ ዜና ገሊጹ። ነዚ ዘሰንብድ ተግባር ተኸቲለን ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፋ ዝነበራ ትካላት ሰብኣዊ ረዲአት ተግባራተን ከቋርጻ ከም ዝተገደዳ ከኣ እቲ ካብ ኤኤፍፒ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።
ብሰንኪ’ቲ ደብዳብ ነፈርቲ ጉድኣት ዝበጽሖም ግዳያት ንምሕካም ዘኽእል ሕክምናዊ ናውትን ኣፋውስን ክርከብ ከምዘይተኽኣለ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ኩሎም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት መሰል ሰላማውያን ሰባት ከኽብሩ እቲ ሰብኣዊ ትካል ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ። ኣብዚ ዜና ከም ዝተሓበረ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ስርዓተ-ሕክምና ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ እዩ።
ሮይተርስ ብወገኑ ንሰራሕተኛታት ረዲአት ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝተፈፀመ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ፡ 56 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝተፈጸመ ደብዳብኳ ብቐጥታ ዝሃቦ ምላሽ እንተዘየለ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ናይ ሓይልታት ትግራይ መደበር ታዕሊም ኣብ ዝበሎ ቦታ ዕዉት ደብዳብ ኣካይደዱ ኣብ ልዕሊ ተዓለምቲ ጉድኣት ኣውሪደ ክብል ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜናኡ ከይተረፈ ሓቢሩ።
ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ መጽለሊ ተመዛበልቲ ዝተፈፀመ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነት ዝጥሕሰ እዩ ብዝብል ከም ዝኾነኖ እቲ ዜና ሓቢሩ። ዩኒሰፍ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ደብዳብ እውን ቁጠዐኡ ገሊጹ እዩ።
ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ሄንሪየታ ፎረ ኣብቲ ነዚ ብዝምልከት ዘውጽአኦ መግለጺአን፡ እቲ ዒላማ ደብዳብ ዝኾነ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ወሲኹ ተመዛበልቲ ህጻናትን ስድራ ቤቶምን ዘዕቆብሉ ቦታታት፡ መደበር ስደተኛታትን፡ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝወሃብሎም ሲቪላዊ ቦታታትን እዮም ኢለን። ነዞም ሲቪላዊ ቦታታት ኣብ ክንዲ ምሕላውን ምክልኻልን ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕትታት ምፍጻም ድማ፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነት ከም ምጥሓስ ዝውሰድ እዩ ኢለን።
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ማይዓይኒ፡ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ክልተ ህፃናት ዝርከብዎም ሰለስተ ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጠ ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣባላት ዝተፈላለዩ ውድባት ብምሕረት ካብ ማእሰርቲ ፈቲሑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤመንግስቲ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያ፡ ብ7 ጥሪ 2022 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኣባላት መሪሕነትን ጸለውቲ ባእታታትን ዝተፈላለያ ውድባት፡ ብምሕረት ከም ዝፈተሓ ሓቢሩ። ካብቶም ዝተፈትሑ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ስብሓት ነጋ፡ ካብ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ ጁሃር መሓመድን ካብ ሰልፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣቶ እስክንድር ነጋን ከም ዝርከብዎም ነዚ ብዝምልከት ካብ ናይታ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንፎርመሽን ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ቀንዲ መፍትሕ ናይ ቀጻሊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘተ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ነዚ ክሳብ መወዳእታ ከብጸሖ ድልዊ ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ጸገም ኣሳታፊ ብዝኾነ ኣገባብ ብዘተ ምግጣሙ ከም ዘድሊ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ናይ ዘተ ኮሚሽን ቆይማ ከምዘላ ዝጠቐሰ እቲ ናይ መንግስቲ መግለጺ፡ ካልእ ስጉምትታት ከም ዝቕጽል እውን ሓቢሩ፡ ካብ ናይ ዓወት መንገዲ ሓደ ምሕረት ምዃኑ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብዚ ሓቂዚ ነቒሉ ንዝተወሰኑ እሱራት ናይ ምምሓር ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ እዚ ስጉምቲ ናብ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ፍታሕ ዝኣመተ ምዃኑ ኣስፊሩ። እዚ ምሕረት ነቶም ኣቐዲሞም ዝተኣስሩን በዚ ሓዲሽ ኩነታት ውግእ ዝተቀየዱን ከም ዝምልከት ከኣ ኣብቲ መንግስታዊ መግለጺ ሰፊሩ። በቲ መግለጺ መሰረት ናይዚ ናይ ምሕረት ውሳነ ቀንዲ ዕላማ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዘይ ጐነጻዊ ኣገባብ ንምፍታሕ መንገዲ ንምጽራእ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ መስርሕ ዘተ ዝዛመድ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ እዞም ናይ ምሕረት ተጠቀምቲ ካብቲ ዝጸንሕዎ ተማሂሮም ኣብ መጻኢ ንህዝቦምን ሃገሮን ብዝሓሸ ክሰርሑ ተስፋ ከም ዘሎ እቲ መንግስታዊ መግለጺ ጠቒሱ። ካብቶም ብምሕረት ዝተፈትሑ እሞ ኣብቲ መግለጺ ኣስማቶም ብወግዒ ዝሰፈር እዞም ዝስዕቡ እዮም
- አቶ ስብሐት ነጋ
- ወሮ ቅዱሳን ነጋ
- አቶ ዓባይ ወልዱ
- አቶ አባዲ ዘሙ
- ወ/ሮ ሙሉ ገብረ እግዚአብሔር
- .ወ/ሮ ኪሮስ ሐጎስአቶ
- አቶ እስክንድር ነጋን
- .አቶ ጁሐር መሐመድን
በቲ ሓበሬታ መሰረት ምስ ፋይላት ኣቶ ጀሃር መሓመድን እስክንድር ነጋን ሓቢሮም ዝተማሕሩ ኣስማቶም ዘይተጠቕሰ፡ ብዙሓት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ፋይል ኣቶ ጀሃር መሓመድ ዝተሕቑፉ ኣስታት 20 ኣባላት ክህልዉ እንከለዉ፡ ኣብ ፋይል ኣቶ እስክንድር ነጋ እውን ሓያሎ ናይቲ ሰልፊ ኣባላት መሪሕነት ዝነበሩ ክፍትሑ እዮም። ካብ ኣባላት መርሒነትን ጸለውቲ ባእታታን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተማሒሮም ዘለዉ ከኣ ኣብቲ ዝርዝር ካብ ቁጽሪ 1 ክሳብ 6 ሰፊሩ ዘሎ እዮም።
ኮሚሽነር፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስድተኛታት ፊሊፖ ግራንድ፡ በቲ ብ6 ጥሪ 2022 ኣብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ብነፈርቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ደብዳን ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ናይ 3 ሰባት ሞት ዘኸተለን ጉድኣት ርኢተኦም ከም ዝሃቡ ናይቲ ኮሚሽን ትካል ዜና ሓቢሩ።
እቶም ኮሚሽነር ኣብቲ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ “ውነይን ቀልበይን” ምስቶም ብሰንክቲ ደብዳብ ዝሞቱ ግዳያት እዩ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ከኣ ብመሰረቲ ብዛዕባቲ ደብዳብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ካለኦት 4 ዝደተኛታት ከም ዝቖሰሉ እውን ፈሊጥና ኣለና ኢሎም። እቶም ዝተወቕዑ ስድተኛታት ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዝርከቡ ዝሓደሮም ተስፋ ጠቒሶም፡ ኮሚሽኖም እቶም ውቑዓት ሕክምና ከም ዝረኽቡ ኣብ ምግባር ክሕግዝ ምዃኑ ኣፍሊጦም።
ኮሚሽነር ግራንዲ ኣተሓሒዞም፡ ስደተኛታት ናይ መጥቃዕቲ ዕላማ ክኾኑ ኣይግባእን ኢሎም። ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባቲ ተረኽቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ይእክበሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ናይቲ ጐንጺ ኣካላት መሰል ናይ ሲቪላት እንተላይ ናይ ስደተኛታት ከኽብሩ ጸዋዒት ኮሚሽኖም ኣቕሪቦም። ኮሚሽነር ግራንዲ ፍሊፖ፡ መደበር ስደተኛታት ኩሉ ግዜ ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ግቡኣትን ሕግታትን ውሑሳት ክኾኑ ይግበኦም ክብሉ ከኣ ንዝምልከቶም ኣካላት ጸዊዖም።