መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ብዕቱብ ንምምዛን ብዕለት 21 ሕዳር 2020 ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ እቲ ብ2019 ዓ.ም ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ፡ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልላትን ብሄራትን ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ግርጭታት ንምብላሕ ዝኽተሎ ዘሎ ሻራዊ ፖሊሲ ኰኒኑ ምንባሩ ተመልከተ። ከምኡ’ውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝገብሮ ዝነበረ ስዉር ውዕላትን ስምምዓትን ንዝሓለፍናዮ መሪር ተመኵሮ ዝደግም ከይከውን ጕባኤ ስግኣት ከምዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ልዑላውነቱ ደው ክብል ጸዊዑ ምንባሩን ዘኪሩ።
እንሆ እምበኣር ስግኣት 3ይን ሓድነታውን ጕባኤና ጋህዲ ኰይኑ ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ህልቀትን ስደትን፣ ሃገርና መናሃርያ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ህዝብና ድማ ግዳይ ናይ ዘይምልከቶ ውግእ ኰይኑ ኣብ ዲቕ ዝበለ ስቓይን ሓዘንን ይርከብ ኣሎ። ካብ’ዚ ሓቅታት’ዚ ብምንቃል ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕለፈ።
- ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።
- ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ መንግስታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን፡ ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና፣ ብፍላይ ድማ፡ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ’ዚ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ ምሕጽንታኡ የቕርብ።
- እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሓደ ካብ ዕላማታቱ ነቲ ኣሽሓት ህይወት ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ልዑላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ዝህብ ስለዝዀነን ድሮ እውን ተጋሂሱ ስለ ዘሎን፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ንምልኪ ስርዓት ኢሳያስ ብዘየዳግም ንምምሓዉ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ እዋኑ ስለዝዀነ ክልዓል ንጽውዕ።
- ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብስርዓት ኢሳያስ ተፈቒዱሉ ብኣየር፡ ብምድርን ብባሕርን ናብ ሃገርና ኣትዩ ንልዑላውነትና ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ይርከብ። ስለዝዀነ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ናብ ባዕዳውያን ኣሕሊፉ ብምሃቡ ክኹንኖን ኣብ መሬትና ዝርከብ ዝዀነ ይኹን ባዕዳዊ ሓይሊ ብቕልጡፍ ንኽወጽእ ጸቕጥታቱ ከሐይልን ንጽውዕ።
- ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ። እዚ ሰራዊት እዚ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።
- ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵሉ ዓይነት ዓሌታዊ ምቅትታል ደው ክብል ንጽውዕ። ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጅምላ ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ድማ ብትሪ ንዅንን።
- ሰልፍና ንዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝግበር ዝምታን ሲቪላዊ ዓመጽን ኣይቅበልን። ስለዝዀነ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ጉልባብ ጌርካ ዝዝመት ንብረት ህዝቢ ምስዝህሉ ብገበን ዘሕትትን ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንብረት ናብ ዋንኡ ክምለስ ስለዝግባእን፤ ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝዀነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።
- ቅድም ክብል ብመግዛእቲ፡ ድሒሩ’ውን ብሰንኪ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝወረዶ ጭቆናን ኣደራዕን ተማሪሩ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝብና ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሉ ኣብ ስደት ክነብር ተገዲዱ እዩ። ነዚ ህዝብና ወሪዱዎ ዘሎ ሕሰም ተረዲኦም ዓቕሞም ዝፈቕዶ ሓገዝ ካብ ዝገብሩ ገበርቲ ሰናይ ጐረባብቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝጥቀሳ እየን። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታትና ኣብ ዝተፈለየ ከተማታትን ዞባታትን ተበቲኖም ምህላዎም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መዓስከራት ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ሎሚ ምስ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ውግእ ኩነታት ሃለዋት ዜጋታትና ኣብ ከቢድ ፈተና ከምዝወደቐ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ኵነት’ዚ ኣብ ኣእሙሮ ኣባላትናን ህዝብናን ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ባይቶ መዚኑ።
ኣብ’ዛ ፈታኒት እዋን እዚኣ ነዞም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታት ዜጋታትና ኣድላዪ ሓገዝን ሓለዋን ክግበረሎም ንኹሎም ብቐረባ ዝምልከቶምን ንኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ብሓፈሻን ኣጥቢቕና ንሓትት። ነቶም ካብ ናይ ውግእ ዞባ ወጻኢ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ድማ ንድሕነቶም ህጹጽ ኣቓልቦን ደገፍን ክግበረሎም ምሕጽንታና ነቕርብ።
- ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ’ዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2020 ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ተቐራሪቦም ክሰርሑ ይርኣዩ ብምህላዎም ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ጽምዶ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምቅርራብ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳትን ሲቪክ ማሕበራትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ። ይኹን እምበር ምስ’ቲ ሕጂ ገጢሙና ዘሎ ብድሆታት ዝመጣጠን ኣይኮነን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም እቶም ዛጊት ዝተፈላለየ ናይ ሓድነት ጻውዒት ዝገበሩ ይኹን ዘይገበሩ ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ተቐራሪቡ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ እናኣረጋገጸ፥ እቲ መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ ብዝለዓለ ናህሪ ክቀላጠፍ ጻውዒቱ የቕርብ።
ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ
21 ሕዳር 2020
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ሰዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝመረሖን ኣባላት መሪሕነት ዝተሳተፍዎን ሓፈሻዊ ኣኼባ መሰረታት ሰዲህኤ ብ22 ሕዳር 2020 ተኻይዱ። ናይዚ ኣኼባ ዕላማ፣ ብዛዕባዊ ህልዊ ምዕባለታት ሰዲህኤ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን፣ ዞባዊ ኩነታትን ዝምልከት መብርሂ ንምሃብን መድረኻዊ ዕማማት ንምኽዕባት ካብ ሰረታት ሰልፊ ዝቐርብ ርእይቶታትን ሓሳባትን ንምጥርናፍ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ኣቦ-መንበር ሰልፊ፣ ተስፋይ ነዚ ኣኼባ ኣብ ምጅማር፡ ድሕሪ ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ምቕራቡ፡ ነቶም መንቀሊ ናይቲ ኣኼባ ዝኮኑ እዋናዊ ዛዕባታት ዝምልከት፤ መበግሲ ሓሳብ መብርሂ ኣቕሪቡ።
ኣብዚ ኣኼባ መብርሂ ዝተዋህበሎም ዛዕባታት፡ መስርሕ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ ኣገዳስነት ምሉእ ሓድነት ናይቶ ኣዝዮም ዝቀራረቡ ሓይልታት፡ ብዛዕባ ብሓፈሻ ኣብዚ ዞባ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዝካየደ ዘሎ ውግእን ገለ ካብ ሰልፋዊ ምሕዳራዊ ጉዳያትን እዮም። ነዞም ዝተጠቕሱ ዘዕባታት ብዝምልከት በቶም ኣብዝተፈላለያ መዳያት ናይቲ ዕማም ክሰርሑ ዝጸንሑ ሽማግለታት ዝርዝር መብርህታት ተዋሂቡ።
ኣብቲ ዝተዋህበ መብርሂ ናይቲ ምጥርናፍ ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ ኣካልን ሓይልታት ዕማምን ስረሓቶም ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም። ብዘካይዚ እቲ ዝሰፍሐ ምጥርናፍ ከም ዘለዎ ኮይኑ ናይተን ፖለቲካዊ መደባተን ዝሰማመዓ ውድባት ምሉእ ሓድነት ንምግባር ዘለዎ ኣገዳስነትን ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይዚ ከይተሓለለ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐን ንመጻኢ እውን ከም ዝቕጽሎ በቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ኣባላት ሽማግለ ዝርዝር ሓበሬታ ቀሪቡ። ነቲ ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎን ዞባዊ መልክዕ ከይሕዝ ዘስግእን ውግእ ኣብ ዝምልከት ከኣ ኣብቲ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ15ን 22ን ሕዳር 2020 ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ንወድዓዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ግደ ኣዕናዊ ጉጅለ ህግደፍን እዚ ውግእ ብኸመይ ክዓርፍ ከም ዝግባእን ዝእምቱ ኣገደስቲ ውሳነታት ወሲዱ ከም ዘሎን መገለጺ ተዋሂቡ። ንውሳነታት ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝምልከት መግለጺ ኣብዚ ቀረባ ክስዕብ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
ድሕሪዚ ዝያዳ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ መግለጽታት፣ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ መብርሂ ዝተዋህበሉ ዛዕባታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣገዳስነት ሓድነትን ምጥርናፋትን፡ ብዝያዳ ድማ ኣብዚ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ዘስግእን ንዞባና ንብ ዓውደ ውግእ ከይቅይር ዓብይ ስኽፍታ ኣሕዲሩ ዘሎ ምዕባለታት ዘተኰሩ ሕቶታት ቀሪቦም። ኣኼባ ብኣቦ-መንበር እንዳተማእከለ፣ በቶም ነቲ ኩነታት ክከታተሉን ክዋስኡን ዝጸንሑ ኣባላት ሽማግለ ሰፋሕቲ መብርህታትን መልስታትን ተዋሂብዎም። ብዘይካዚ ኩሉ ኣሰራርሓና ምስዚ ንርከበሉ ዘለና ምዕባለታት ዝሰማማዕ ብፍላይ ድማ ነቲ ብመስዋእቲ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ሃገርና ንዳግማይ ጎበጣ ዝመጣጠር ዝመስል ሓደጋ ዝገጥም ኣገባብ ኣሰራርሓ ክንቅይስ ከም ዝግበና ዘገንዝቡ ሃነጽቲ ርኢቶታትን ለበዋታትን ካብ ብዙሓት ተሳተፍቲ ብጾት ቀሪቦም። ብዘይካዚ መላእ ደምበ ተቓውሞ ቀጻልነቱ ምስ ምትዕርራይ ናይዚ ኲነታት ዝተኣሳሰር’ውን ስለዝኮነ፡ ኩሉ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ ንቀጻልነት ሃገረ ኤርትራ ዝጠመተ ሓባራዊ ዕማማት ከካይድ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣማሕጺኖም።
ኣቦ-መንበር ተስፋይ ድሕሪቲ ንዳርጋ 7 ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ ከጠቓልል እንከሎ፡ ኣባላት ሰልፊ ንዘቕረብዎም ኣዝዮም ጠቐምትን ኣገደስትን ሓሳባት፡ መሪሕነት ብግቡእ ገምጊሙ ኣድላይ ዝበሎም ውሳነታት ከም ዝወስደሎ ኣረጋጊጹ። ኣስዒቡ ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት ቀጻሊ ከምዝኸውን ብምጥቃስ፡ መሪሕነት ብናይ ክሳብ ሕጂ ኩሉ መዳያዊ ኣበርክቶ ኣባላት ሰልፊ ሕጉሱን ሕቡንን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣባላት ኣብ መጻኢ እውን ሓድነት ሰልፎም እናዓቀቡ ኣበርክተኦም ከሕይሉ ሓደራ ኢሉ።
ብዕለት 21 ሕዳር 2020 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብኣማእት ዝቑጸር ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ብሻርነታዊ ዝርያ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውልቀ መራሒ ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ውግእ ደው ንኽብል፡ ብሰላምን ልዝብን ንኽፍታሕ ዝጸውዐን እዩ ነይሩ።
ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት፣ ብኡቡንትን (Ubunt Jugendhaus) ዩናይትድ ፎር ኤሪትርያን (United for Eritrea) ዝተባህሉ ናይ መንእሰያት ማሕበራት፣ ሽግር ሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ንምቅላል ዝጽዕቱን ዝሳተፉን ክኸውን ከሎ፡ ምስ ይኣክል ፍራንክፎርት ብምስናይ ዝተጸውዐን ዝተዳለወን ሰልፊ እዩ ነይሩ።
ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት፡ ናይቶም ሰብ ቀንዲ ጉዳይ ዝኾኑ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተሳትፎ ዝነበሮ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ኮይኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ፣ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቓ ክልሕም ዝኽእል ምዃኑ ዝተገንዘቡ ገለ ሶማላውያን፡ ሱዳናውያንን ናይጀርያውያን እውን ተሳቲፎሞ ነይሮም።
ውግእ መፍትሒ ፖለቲካዊ ሽግር ከምዘይኮነን፡ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣብ ጠረጴዛ ብልዝብን ብሰላምን ክፍታሕ ከምዝግባእ ዝኣምኑን ዝጸውዑን ሰልፈኛታት ምሉእ ጉዕዞ ሰልፎም ብዓውታን ብነድርን እንዳኣቃልሑ እዮም ኣብቲ ዝተወሰነሎም ቦታ ዝበጽሑ።
ሰልፈኛታትካብ ዝሓዝዎን ዘቃልሕዎን ዝነበሩ ቀንዲ ጭርሖታት፡
- Stopp dem Krieg ውግእ ደው ይበል!
- Nein zum Krieg
- Say No to war! Yes for Peace እምቢ ንውግእ! እወ ንሰላም
- Krieg ist keine Lösung ውግእ መፍትሒ ሽግር ኣይኮነን!
- ልኡላውነት ኤርትራ ይከበር!
- ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ይውጻእ!
- ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ንኹንን!
- ኣህጉራዊ ትካላትን ናይ ረዲኤት ማሕበራት ድሕነት ስደተኛታት ከረጋግጽ
- መሰልን ድሕነትን ስደተኛታት ይታሓሎ!
- ዓልየት ተኮር፡ ቅትለትን ቅዝፈትን ንኹንን!
- መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ይውረዱ! ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት ኣብቲ ሰልፊ ዝቃልሑ ዝነበሩ ጭርሖታት እዮም።
ሰላማዊ ሰልፊኛታት፡ ካብ ዝተወሰነሎም ቦታ ተበጊሶም ኣብ ቀጽሪ ላዕላዋይ ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ድሕሪ ምብጽሖም፡ ብዝተፈላለዩ ሰልፈኛታትን ኣዳለውትን ዕላማታት ሰልፍን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኲነታት ናይቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ክልል ትግራይን ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝምልከቱ መግለጺታት ብኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ሓደ ናይጀርያውን ቀሪቦም።
ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብዝተወሰነሉ ግዜ፡ ንተሳተፍቲ ሰልፍን ንኣኽበርቲ ስነ+ስርዓትን ሰላም ዝኮኑ ፖሊስ ጀርመን ኮነ ህዝቢ ጀርመን ብምምስጋን፣ ሰልፍና፣ ውግእ ደው ክሳብ ዝብል ክቕጽል ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ብሰላም ተደምዲሙ።
ምስጋና ንኣሰናዳእቲ ሰልፊ
ብዕለት 14 ሕዳር 2020 ዓ.ም.ፈ. ብምልኣተ ተሳታፍነት ኣባላት ሙዉቅ ኣኼባ ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ጨንፈር ቁ. 2 ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሃገር ሽወደን ናይ ክልተ ሰዓታት ኣኼባ ኣሳላሲሎም። ኣቦ መንበር ጨንፈር ንኩሉ ኣባል ካብዚ ግና ተላኻፊ ሕማም ድሓን ብምህላዎም ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ ኣኼባ ብ5ተ ኣጀንዳታት ኮይኑ ብሌላ ሓደስቲ ኣባላት ከፈቶ። ቀጺሉ ኣብ ቀረባ መዓልታት ካባና ዝተፈልዩ ተቃለስቲ 1. ነብሰሔር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ብሱዳን ናው ዝፍለጥ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕረፍቲ ፡ 2ይ ገዲም ተጋዳላይ ኣብርሃም ኣንቶንዮ ኣብ ስዊዘርላንድ ብምዕራፍ ናይ ሓዘን ተሳተፍቲ ሓጺር መግለጺ ሃበ። ቀጺሉ ቀደም ተኸተል ኣጀንዳ ብህልዊ ኩነታት ኣባላት ጨንፈርን ሃለዋት ሰልፍናን ምጣኔ ሃብታዊ ህጡር ዉፉይ ተሳታፍነት ብዝርዝር ተሓቢሩ ። ብምቅጻል ዝኸይድ ዘሎ ሓባራዊ ቃልሲ ናይ ኩለን ተቋወምቲ ዉድባትን ሰልፍታት ኤርትራን ቆይመን ዘሎዋ ናይ ሓይሊ ዕማም ሽማገለታት ስራሓት ብሰፊሕ ተማያይጡ። ኣብ መወዳእታ ኣጀንዳኡ ከኣ እዚ ኣብ ጎረበት ሃገርና ተወሊዑ ዘሎ ውግእን ተሃዋስነቱን ንዓና ከም ኤርትራውያን ከመይ ከም ዝጸልወና ሓሳብ ንሓሳብ ተላዋዊጥና ውግእ ክሳራን ዕንወትን ስለ ዝኾነ ብዘተ ክፍታሕ ኣሎዎ ኢሎም ብምስማር፡ ኣብ ቀረባ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ መሪሕነት ሰልፊ ብሩህን ንጹር ሓበሬታ ክንረክብ ብምስምማዕ ኣኼባ ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።
ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰኑይ ዕለት 16 ሕዳር 2020 ወራሓዊ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ዓበይቲ ጨንፈራውን ሰልፋውን ሃገራውን ጉዳያት ብስፍሓት ንምዝርራብ ነዞም ዝስዕቡ ኣጀንዳታት መምዩ ብዕቱብ ዘቲዩ።
ሀ - ንጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ብዝምልከት
1 - ውደባን ሰልፋዊ ጎስጓስን
2 -ምጣኔ ሃብታዊ ጉቡኣትን ወፈያን
3 - ተራ ኣባል ኣብ ሰልፋዊ ጉዳያትን ምስ መሓሱት ደምበ ተቓውሞን ብፍላይ ህዝባዊ
ምንቅስቓስ ይኣክልን
ለ - ሰልፍናን ደምበ ተቓውሞ ብመንጽረ ፓለቲካዊ ውድባትን ኤርትራ ብሰፊሑ
ሓፈሻዊ ሓበሬታ ምስ ዝተኻየደ ስርርዕ (ታስክ ፎርሳት) ብምትሕሓዝ መብሪሂ ተዋሂቡ ዝተረፈ
ድማ ንዝመጽእ ናይ ምሉእ ኣባል ኣኼባ ክንጽበየሉ ተሰማሚዕና።
ሐ - ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታትን፡ ዘሕዝን ውግእን ብዕቱብን ሓላፍነት
ብዝመልኦ ተረድኦን ዘቲናልሉን ኮኒንናዮን።
ብሰንኪ ጠላሚ ሰርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርታት ዓመታት ኣደዳ ውግእን ኣደራዕ ዘይውዳእ ዕስክርናን ኮይኑ ምህላዉ እንደገና ኣስሚርናሉ።
*ንምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ብፍላይ ንህዝብና ድማ ብሓፈሻ እምቢ ንውግእ ክብል ጻዊዕትና ቀጻሊ ክኸውን ኣስሚርናሉ።
ብኩሉ መሳሪሒና ንህዝቢ ዓለምን ኣሎዋ ዝበሃላ ዓለም-ለኻዊ ውድባት ጸረ ኣዕናዊ ዝኾነ: ንስልጣኖም ጥራይ ዝጠመተ ኩናት ድው ክብል ግዴኦም ክበርክቱ ጻዊዒትና ክንደጋግሞ ወሲንና።
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራን፡ ዝኽሪ ንምእንቲ ዝገሃስ ዘሎ ልዑላውነት ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉ ደቁን።
ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዕለት 8 ሕዳር 2020፡ ሓያለይ ኣርእስትታት ዝዳህሰሰ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። እዚ ካልኣይ ኣኼባ’ዚ ድሕሪቲ ብዝሓለፈ 14 ነሓሰ እተጋብኤ ምጽንባራዊ ኣኼባ ናይ ዝጸንሐ ጨንፈራት ሰዲህኤን ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን እተገበረ ምዃኑ ይፍለጥ።
መለለይ (ሰንደቕ ዕላማታት) ካንቶናት ዙሪክ፡ በርን፡ ኑሻተል ጅኔቭ።
እዚ ካብ ካንቶናት ዙሪክ፡ በርን፡ ኑሻተል ከምኡ ከኣ ካንቶ ጅኔቭ ዝቕመጡ ኣባላት ሰልፊ እተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ብኲነታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብናን፡ ብጸገማት ስደተኛታትን ናይ ተኸሲቱ ዘሎ ኲነታት ዳግመ-ውግኣትን ብሰፊሑ ተዘራሪቡ። ኣባላት ጨንፈር ዝኾኑ ክልተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ (ማለት ብጾት ወልደሱስ ዓማርን ዮውሃንስ ወረደን) እውን ተረኺቦም ኣብቲ ክትዓትን መግለጽታትን ተሳቲፎም።
ካብኡ ብምቕጻል፡ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ትስፉው ሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂቡሉ። ንሃለዋት ጨንፈር ሰዲህኤ ብዝምልከት ከኣ ብወገን ኣካየድቲ ጨንፈር ብሩህ ዝኾነ መግለጽታት ተዋሂቡ። ብፍላይ እዚ ቅድሚ ገለ ዓመታት ክብ ዝበለ ብዝሒ ኣባላት ዝነበሮ ጨንፈር ስዊስ፡ ብብዙሕ ምኽንያታት ዓቕሙ ጐዲሉ ምህላዉ ተመዚኑ። ኣብ መሪሕነት ጨንፈር ንዝጸንሔ ሃጓፋት መሊእካ ሓዲሽ መደባት ጐስጓስ ክተኣታቶ ከኣ ኣኼባ ወሲኑ።
ካብዚ ብምንቃል እውን ብጻይ ተስፋጋብር ገብረ ክሳዕ ብኣካል ተራኺብካ ጉባኤ ዝግበር፡ ንጨንፈር ከም ጊዚያዊ ኣቦ መንበር ኰይኑ ከገልግል እሞ ኣብቲ ዕማም ብጻይ ዮውሃንስ ወረደ ከም ዝተሓባበሮ ተገይሩ። ኣብ ስርዒታዊ መዳይ ብጻይ ዓውተና ሃብተዝጊ ብምትሕብባር ብጸይቲ ምሕረት መኰነን፣ ኣብ ገነዘባዊ ጐስጓስ ከኣ ብጻይ ምሓሪ ዓማር ብምትብባር ብጸይቲ ለተኣብ ተወልደ ብግዚያውነት ከም ዝምደቡ ተወሲኑ።
ፍልይቲ ልእኽቲ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ክራቨትዝ ብሱዳናዊ ጠበቓ ተተኪአን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ መዝነተን ንዝለቐቓ ፕሮፈሶር ዳኒየላ ክራቨትዝ፡ ንክትክኡ ንሱዳናዊ ጠበቓ ከም ፍሉይ ወሃቢ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ከም ዝመዘዞም ብ8 ጥቅምቲ 2020 ጸብጺቡ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርያ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ኣብ መበል 45 ርክቡ ዳኒየላ ክራቨትዝ ንሓደ ዓመት ኣብ መዝነት ክጸንሓ ከም ዘናወሓለንን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መጋቢት 2021 ናይ ቃል ጸብጻብ ከቕርባ ትጽቢት ከም ዝነበሮን ዝዝከር እዩ።
እዘን ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ እናተኸታተላ ጸብጻብ ከቕርባ ተመዚዘን ዝጸነሓ ጓል ቺለ፡ ስለምንታይ ካብ መዝነተን ከም ዝወረዳ ዝተገለጸ ምኽንያት የለን።
ዳኒየላ ክራቨትዝ ኮና ቅድሚአን ዝነበራ ሸይላ ኪታሩዝ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኮይነን ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ክከታተላ ካብ ዝምዘዛ 8 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እዘን ልኡኻት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ወጻኢ ኮይነን ክከታተላ ዝተገዳደ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጉጅለ ናብ ኤርትራ ክኣትዋ ስለ ዘየፍቀደለን እየን። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ወይ፡ ካልእ ትካል ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ዝወሰድዎ ስጉምቲ የለን።
እቲ ኣብዚ እዋንዚ መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ስኽፍታ፡ መጻኢ እንታይ ከም ዝስዕብን እዞም ተመዚዞም ዘለዉ ሱዳናዊ ጠበቓ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ዘቕርብዎ ጸብጻብ እንታይ ከም ዝኸውንን እዩ።
Special UN Human Rights Rapporteur Kravetz Replaced by Sudanese Lawyer
Written by EPDP Information OfficeThe UN Human Rights Council reported on 8 October 2020 that it appointed Mohammed Abdusalam Babikir from the Sudan to replace Professor Daniel Kravetz who resigned as the UN Special Rapporteur for Eritrea.
It is to be recalled that the 45th Session of the UN Human Rights Council had earlier this summer extended the mandate of Daniela Kravetz for a one year period and was expecting her to summit an oral update on the human rights situation in Eritrea in March 2021.
No reasons were given as to why Professor Kravetz of Chile resigned after serving two years holding the mandate to monitor human rights situation in Eritrea.
It has been 8 years now since the mandate holders, Daniela Kravetz, and before her Sheila Keetharuth before her, were obliged to report from outside Eritrea because the Asmara regime denied them entry to the country. The UN HR Council or the UN system did nothing to overcome that problem.
Growing concerns among Eritreans now is what will happen next, and how the Sudanese lawyer will report on the situation in Eritrea
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝመርሖ ኣብ ኣወስትራልያ ናይ ዝርከቡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣኼባ፡ ብ10 ጥቅምቲ 2020 ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኣወስትራሊያ ዝርከቡ ኣባላት ሰልፍን ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን ተሳቲፎም።
ኣቦ-መንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ ኣወስትራልያ ብኣቀማምጣኡ ምስቲ ናይ ካልእ ከባቢ ብዘለዎ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ነዚ ኣኼባ ብፍሉይ ምስራዕ ከም ዘድለየ ሓቢሩ። ድሕርዚ ነቶም ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ንነጀው ኣብ ኩሉ መዳያት ካብ ዝተዓሙ ስረሓት ቀንዲ ቀንዶም መብርሂ ሂቡ። ኣብ መብርሂኡ ድሕሪ ሰልፋዊ ምዕባለታት ምጥቃሱ፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተጠርኒፎም ብሓባር ክቃለሱ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ከኣ ብፍላይ ገሊጹ። ነዚ ንምዕዋት ግደ ሰዲህኤ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ’ውን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ንመጻኢ እውን፡ ሰዲህኤ ንጉዳይ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ቅድሚት ሰሪዑ፡ ክደፍኣሉ ምዃኑ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ግደ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኣወስትራልያ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣዝዩ ዕዙዝ ምንባሩን ንመጻኢ እውን ትጽቢት ሰልፊ ካብ ኣባላቱ ኣብ ኣወስትራልያ ዝለዓለ ምዃኑ ሓቢሩ።
ድሕሪ መብርሂ ኣቦ-መንበር ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያት፡ ፋይናንስን ዜናን ብዛዕባ ምንቅስቓስ ናይተን ዝመርሕወን ኣብያተ ጽሕፈት ሓጸርቲ መብርህታት ኣቕሪቦም። ናይተን ዝተረፋ ኣብያተ-ጽሕፈት ምንቅስቓስ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ ከኣ፡ ነቲ ኣኼባ ብዝመርሐ ኣቦመንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓጺር መብርሂ ተዋሂቡ። ብዛዕባ ሃለዋት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣወስትራልያ ከኣ፡ ብሓለፍቲ ዞባ ጸብጻብ ቀሪቡ።
ድሕሪዚ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ምድልዳል ውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ፡ ሰዲህኤ ምስ ካለኦት ኣካላት ዘለዎን ንመጻኢ ክህልዎ ዝግባእን ዝምድና፡ ብዛዕባ ሰዲህኤ ምስ ውድባት ዘካየዶ ምሉእ ሓድነትን ዝተጓዕዘሉ መስርሕን፡ ኣድላይነት ምክያድ ቀጻሊ ኣኼባታት፡ ወሳኒ ተሳትፎን ግደን መንእሰይ ብዛዕባ ዝሕይለሉ፡ በብኹርናዑ ዝምዕብሉ ብዛዕባ ዘለዉ ከም ይኣክል ዝኣመሰሉ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኣብ ከባቢና ሃገራት ዝረአ ዘሎ ንሃገርና እውን ዝጸልዉ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ሕቶታት ኣቕሪቦም ዝርዝር መልስታት ከኣ ተዋሂብዎም። ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘቕረብዎም ኣገደስቲ ለበዋታት ከኣ ተመዝጊቦም።
ኣብ መዕጸዊ ኣኼባ ኣቦ-መንበር ተስፋይ ንተሳተፍቲ ደጊሙ ኣመስጊኑ፡ ኣብቲ ንደልዮ ዓወት ንክንበጽሕ ናይ ኩልና ኣበርክቶ ወሳኒ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ተሳትፎም ኣብ ኩሉ መዳያት ዝያዳ ክሐይሉ ተላብዩ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ቀጻሊ ንክኸውን ኣድላይነት ከምዘለዎ ጠቒሶም፡ ብዘለዎም ዓቕሚ ሰልፎም ከሐይሉ ከም ወትሩ ቅሩባት ምዃኖም ብምርግጋጽ ኣኼባ ተደምዲሙ።
ብጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተወደበ ን“ህዝባዊ ምልዕዓል” ዝምልከት ኣስተምህሮ ብ4 ጥቅምቲ 2020 ተዋሂቡ። ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ብጻይ ያሲን ዑስማን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት እዩ።
ነዚ ኣስተምህሮኣዊ ኣኼባ ዝመረሐ ብጻይ መንግስተኣብ ስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ፡ ቅድም’ቲ ኣስተምህሮ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ ንተሳትፎኦም ምስ ኣመስገነ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን በዚ ጥምረት ዝተዳለወ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ብብጻይ ኣማኑኤል በራኺ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኣስተምህሮ ከም ዝተዋህበ ሓቢሩ፡ ንመጻኢ እውን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ቀጻሊ ኣስተምህሮ ከም ዝወሃብ ገሊጹ።
ብጻይ ያሲን ዕዑስማን ኣብዚ ኣስተምህሮኡ ህዝባዊ ምልዕዓል ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምብራህ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ “ተመሳሳሊ ድሌትን ሓሳብን እንዳሃለዎ ፋሕ ዝበለ ዓቕሚ ምጥርናፍ፡ ብመጽናዕትን ተቐባሊ ባይታ ብዘለዎን ክውደብ ከም ዝግባእ፡ ናይ ቁጠዐን ሲቪላዊ እምቢታን ባህሪ ዘለዎ ምዃኑ፡ ኣብ ምሕያሉ ግደ ጸለውቲ ኣካላት…ወዘተ” ዝብሉ ኣምራት ኣስፊሑ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ናይ ህዝባዊ ምልዕዓል ናይ ለውጢ ሓያልነት ንምብራህ ብሓፈሻ ንናይ ዓረብ ምልዕዓል፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ከባቢና ካብ ቱኒዝያ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝተራእዩ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኣብ ኤርትራውያን ዝተጋህደ “ይኣክልን” ካለኦት ተበግሶታትን ከም ኣብነት ጠቒሱ። ብፍላይ ከኣ ንግደ መንእሰይ ኣብ ምዕዋት ህዝባዊ ምልዕዓል ኣዕዚዙ ገሊጹ።
ድሕሪ እዚ መበገሲ ሓሳባት ብተሳተፍቲ እቲ ኣስተምህሮ፡ “ግደና ኣብ ምሕያል ይኣክል ክሳብ ክንደይ እዩ?፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ንክዕወት ዝግበር መጽናዕቲ ከመይ ይትግበር? ህዝባዊ ምልዕዓልን ነብሰ-ምክልኻል ዘውሓሰ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልስን ብኸመይ ይመጋገቡ? ህልዊ ናይ ኤርትራውያን ምልዕዓል ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ናይ ካለኦት ተመክሮ ብኸመይ ይዛመድ?” ዝብሉ ዝርከብዎም ሕቶታት ቀሪቦም።
“ኣብዚ ልኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ እንሰግኣሉ ዘለና እዋን ግደ ናይቲ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ዝውርወር ዘሎ ህዝባዊ ምዕዓል ኤርትራውያን ዕዙዝ እዩ” ዝበለ ብጻይ ያሲን ዑስማን፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ ሕቶ ንምምላስ ብኣብነት እናሰነየ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ድሕሪ እዚ ተሳተፍቲ መድረኽ ሕቶን መልስን ምስተወደአ፡ ዝተፈላለዩ ምስቲ ኣርእስቲ ዝዛመድ እዋናዊ ጉዳያትን ንመጻኢ ናይ ለውጢ ዓቕሚ የሕይሉ ኣብ ዝበልዎምን ዛዕባታትን ርኢቶታት ሂቦም። ዝያዳ ከኣ ሰዲህኤ ኣብቲ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓቢርካ ንምቅላስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣድማዒ ግደ ንክጻወት ንምሕያል ሰልፋዊ ዓቕሚ ዕዙዝ ቆላሕታ ምሃብ ዘይስገር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ምእንቲ ከብቀዓና እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ናይ ምድላብ ኣስተምህሮ ቀጻሊ ንክኸውን ተላብዮም።
More...
ብኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝተመርሐ ኣኼባ ንኡስ ዞባ ጀርመን ተኻይዱ
Written by ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመንብኣባላት ማእከላይ ባይቶ፣ ሓው ንጉሰ ጸጋይን ሓብትና ትዕበ ተኪኤን ዝተመርሔ፡ ኣኼባ ኣባላት ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ኣብ ዕለት 19.09.2020 ብመራኸቢ ብዙሓን ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ብናይ ሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰናይ ትምኒትን ካብዚ ለበዳ ኮሮና ቫይሩስ (Covid-19) ብደሓን ኣጽንሓናን ዝብል ትስፉው መግለጽን ንተሳተፍቲ ኣባላት ዘለዎ ኣድናቆ ብምሕባር እዩ ተኸፊቱ። ኣስዒቡ ዕላማን ናይቲ ኣኼባ ሓጺር መእተዊ ብምቅራብ ኣኼባ ንኣባላት ማእከላይ ባይቶ ኣሕሊፉ። ኣባላት ባይቶ ሒዞሞም ዝመጹ ኣጀንዳታት፡
- ሓፈሻዊ ሓበሬታ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ሰልፍን ሃገርናን፣
- ኣብ ከባቢና ብፍላይ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝረኤ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጥታትን ኣብ ህዝብናን ሃገርና ዝህልዎ ጽልዋ፤
- ኩነታት ደንበ ተቓውሞን ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃን፤ዝብሉ ነይሮም።
ብቐዳምነት ሓው ንጉሰ ጸጋይ ሰልፍና ሒዝውዎ ዘሎ መርሆ ናይ ቃልስን ዘጥርዮ ዘሎ ባይታን ተቐባልነትን ድሕሪ ምግላጽ፥ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት እዩ ዝሰፍሐ መግለጺ ሂቡ። ህዝብና ኣብ ልዕልቲ ብስርዓት ኢሳያስ ክወርድድዶ ዝጸንሔን ዘሎን ኩሉ መዳያዊ ግፍዕታት፡ ተወሳኺ ብኮረና ቫይረስ (Covid-19) ኣምሲልካ ዝወርዶ ዘሎ ኣሰቃቒ መርጋጥ ዝብል ኩነታት ከይኣኽሎ፡ ብባህርያዊ ሓደጋታት ምዕልቕላቕ ናይ ዝናብን፡ ዕስለ ኣንበጣን እውን እህሰ ከም ዘሎ ብሰፊሑ ኣብሪሁ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ተደራራቢ ሕሰማት ድማ ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተወሳኺ ጻዓትን ምቅልጣፍን ከድልየና ምዃኑ ሓቢሩ። ብካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን፡ ካብ 1.5 ሚልዮን ዘይውሕድ ህዝቢ ብሓደጋታት ዝናብ ምዝንባሉን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ነቲ ብኢሳያስን ማሓዙቱን ዝግበር ዝነበረ ፈኸራ ኣፍሺሉ ምርጫ ተኻይዱ፡ ኣባላት ፓርላማ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ‘ውን ምርጫ ክካየድ ከምዝካኣል ይዛረቡ ምህላዎን ዝኣመሰሉ ምዕባለታት ንዓና ከም ህዝብን ሃገርን ጸለውቲ ምዃኖም ብሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።
ካብዚ ብምቕጻል እቲ ዝያዳ ግዜ ዝወሰደ እቲ ካልኣይ ዛዕባ ኣተሃላልዋን ምዕባለታትን ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ እዩ። ኣብዚ እውን ሓው ንጉሰ ጸጋይን ሓብትና ትዕበ ተኪአን ኣባላት ማ/ባይቶን፡ ሓው ይሳቕ ወ/ማርያም ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳን፡ እናተመላልኡ ዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቦም። እዚ ዝኸይድ ዘሎ ምቛም ሓይሊ ዕማማት እውን ናብ ዝለዓለ ተግባራውነት ናይቲ ጥምረት ከብጽሓና ከም ዝኽእል ኣብሪሆም። ብዘይካዚ ኣባላት ሰልፊ ንዘለና ድርብ ዕማማት ንምዕዋት ኣብ ሓባራዊ ስራሓት ኮነ ሰልፋዊ መደባት ትግሃትን ተጻዋርነትን ክህልወና ከምዝድለ ኣመልኪቶም። ደምበ ተቓውሞ ኣብዚ ፈታኒ እዋንዚ፣ ኩሉ ገዲፉ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ተደራራቢ ፖለቲካዊ ኮነ ባህርያዊ ሕሰማት ንሓቢርካ ምስራሕ ዝደፍእን ኣብ ምውጋድ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ደፋኢ ተርእዮ ምዃኑ ተገንዚቡ ካብ ምቕልጣፍ ንላዕሊ መዋጽኦ ከምዘይብሉ ኣገንዚቦም።
ብድሕርዚ እቲ ኣኼባ ብሕቶን መልስን ተሰንዩ፡ ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶታት‘ውን ነቲ ዝተዋህበ መግለጺ ብዝያዳ ከም ዝሰፍሕ ከምዝህብትምን ጌሩዎ። ብዘዕግብ መልስታት ኣኼባ ኣብ ምድምዳም፣ ኣኼበኛ ንዝኸይድ ዘሎ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሞጒሱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትውን ብስፍሓቱ ደረጃ ናይ ለውጢ ተራኡ ከበርክት፡ ኣኼባታትና ብምሉእ ሕልናን ትግሃትን ክንቅጽሎ ተማሕጺኑ ሰላስተ ሰዓታት ካብ ሰዓት 20፡00 ክሳብ 23፡00 ዝወሰደ ምርድዳእን ናይ ሓሳባት ምልውዋጥን ኣኼባ ተደምዲሙ።
ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ሃገረ ጀርመን ኣብ ዕለት 18.09.2020 ሰዓት 20፡00 ጀሚሩ ሰዓት 22፡30 ዘወደኤ፡ ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ በዚ ንዓለምና ኣሸጊሩ ዘሎ ኮረና ቫይረስ (Covid-19 ) ምኽንያት ብምገባር ብኣካል ንምርኻብ ዝድፋኣሉ ብዘይምዃኑ ብመራኸቢ ብዙሓን እዩ ተኻይዱ። ኣኼባ፡ ብናይ ኣቦ መንበር ጨንፈር ናይ እንቋዕ ካብዚ ዘሎ ቀዛፊ ለበዳ ሕማም ቫይሩስ ብጥዕናን ሰላምን ኣጽንሓና ብምባል፡ ነቶም ሰዓቶም ኣኽቢሮም ኣብ ኣኼባ ዝተረኽቡ ብምምስጋን እዩ ኣኼባ ከፊቱ።
ኣብቲ ኣኼባ ካብዝቐረቡ መዛረቢ ዛዕባታት ድማ፡-
- ምምሕዳራዊ ጉዳያት ጨንፈር ሰልፍ፡
- ብሓፈሻ ኲነታት ደምበ ተቓውሞን ንምዕዋት ሓባራዊ ዕማማት ዝሰላሰል ዘሎ ናይ ስራሕ ውዳቤታትን፡ ህልዊ ዞባዊ ኩነታትን ኣብ ሰልፋዊ ጉዳያትን ዝተመርኮሰ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ፤
- ጉዳይ መንእሰያትን ምንቅስቓሳቶምን ዝብሉ ነይሮም፤
ብመጀመርያ ብኣባላት ሽማግለ ዝቐረበ ውሽጣዊ ኩነታት ጨንፈርና፡ በዚ ህልዊ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ቫይሩስ (Covid-19 ) ከይተዓናቐፍና ስሩዕ ኣኼባታትና ብመራኸቢ ብዙሓን ክቕጽል ምኽኣሉ፡ ውሽጣዊ ዲሲፕሊን ጨንፈርና ብዝምልከትን መግለጺ ቀሪቡ። ግዜ ዘምጽኦ ተክነሎጂ ተጠቂምካ እቲ ንቡር ዝኾነ ወርሓዊ ኣኼባታትካ ምትግባር ናብ ቀጻሊ ምዕቡል ናይ ርክብ ኣገባብ ክንምርሽ ከም ዘሎና ተገሊጹ። ኣባላት ጨንፈር‘ውን ብዛዕባ ውሽጣዊ ጨንፈራዊ ጉዳያቶም ስፍሕ ዝበለ ምርድዳኣትን ዝርርብን ኣካይዶም። ንዘጋጥም ሕጽረታት ብግቡእ ክንምልስን ክገጥምን ድማ፡ ሕድሕድ ምትሕግጋዝ ከምዘድሊ ብሰፊሕ ተዘሪብሉ።
ብድሕሪኡ ኣብቲ ካልኣይ ኣጀንዳ ተኣትዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ‘ውን ሰልፍናን፡ ደምበ ታቓውሞን፡ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዘለዎ በዳሂ ኩነታት ሓበሬታ ድሕሪ ምልውዋጥ፤ ኣቦመንበር ዞባ ኤውሮጳ ሓው ይሳቕ ወልደማርያም ብወገኑ፡ ንምጥርናፍ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ኣብዚ ኣኼበኛታት ብሕቶን መልስን ሰፊሕን ዓሚቍን ሓበሬታታት ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ንተበጺሑ ዘሎ ምጥርናፍ ካብ ፈላሚ ደረጃ ሓሊፉ ኣብ ምቛም ሓይሊ ዕማማት ምብጽሑ፡ ኣብ ተግባር ንምእታው ንዝተበጽሔ መስርሕ ኣኼበኛታት ብምድጋፍ ሓደ ስጉምቲ ኣብ ምጥርናፍ ሓይልታት ተቓውሞ ከምዝኮነ ርእዮም። እዚ ዝካየድ ዘሎ ተወሃሂድካ ናይ ምስራሕ መደባት፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ከየዐወትናዮ ዝጸናሕና “ጠመተ ናብ ድሕነት ሃገር” ዓቢ ናይ ዓወትና መንገድን ንህዝብና ድማ ዓቢ ብስራትን ስለ ዝኾነ፡ ኩላትና ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ከይሰልከና ናብ ዝዓበየ ደረጃኡ ንምብጽሑ ክንቃለስ ከም ዝግባእ ኣኼበኛ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ‘ዚ ንመንእሰያት ዝምልከት ዛዕባ‘ዚ ብቐዳምነት ኣባል ሽማግለ ጨንፈር መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብዚ ግዜ‘ዚ ዘጓንፎም ዘሎ ጸገማትን፡ ጸገማቶም ንምፍታሕ ልዕሊ ዓቕሞም ስለ ዝኾነን ኣብ ዘይተደልየ ስጉምትታት እኣትዉ ከም ዘለዉን ኣብነታት ዘሰነዮ ብሰፊሑ ኣብሪሁ። ነዚ ጸገማት እዚ ንምቅላልን ብዝምልከቶም ኣካላት ጠመተ ክግበረሉን ድማ ነቲ ቅድሚ ሕጂ መንእሰያትን ደለይቲ ፍትሕን ብጠቕላላ ዝተሳተፉዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ፍራንክፎርትን ኣብ በርሊንን ዝተኻየደ ኣሞጒሱ። መንእሰያትና እቲ ኩሉ ብምልካዊ ስርዓት ዝወርዶ ዘሎ ሽግራት ከይኣኽሎም፡ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ሰገረ ድማ ናይ ስድራ-ቤት ምጥርናፍ መሰል ዘይምርካቦምን፡ ናይ ተቐባልነቱ መሰል ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምስንኻሉን ስለ ዝቕጽል ዘሎ፤ ኩላትና ከይሰልከና ደጋጊምና ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድን መዘክራት ብምጽሓፍን ጉዳይ መንእሰያትና ክንቃለሰሉ ኣሎና ብማለት ስምዒት ኣኼበኛ ዝማርኽ መግለጺ ሂቡ። ኣኼበኛ‘ውን ሰልፍና ንሽግር መንእሰያት ንምፍታሕ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብምትሕብባር ከይሰልከየ ንከካይዶ ዝጸንሐ ንጥፈታት፡ ሕጂ‘ውን ክቕጽሎ ከም ዝኾነ ብምትእምማን ቅሩብነቱ ብምግላጽ ኣኼባ ኣብ ተደምዲሙ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣበጊሱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጋዘጣዊ መግለጺ
17 መስከረም 2020
ኣብ 24 ሰነ 2020፣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ክሰርሑ ናይ ሓባር መግለጺ ምውጸኦም ዝዝክር እዩ። ንዕኡ ንምትግባር ከኣ ኣብ ብዙሕ ኣገዳሲ መዳያት፣ ከም ዲፕሎማሲ፣ ሚዲያን ናይ ህዝቢ ምልዕዓልን ዝኣምሰሉ ስርሖም ጀሚሮም ይርክቡ። እቶም ፖለቲካ ሓይልታት ድማ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒን እዮ። ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ውሕደት ስራሕ ዋና መሪሕ፡ (1) ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ናጽነትን ምሕላው፣ (2) ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ብናይ ህዝቢ ሓይሊ ምስዓር፣ (3) ኣብ ኤርትራ ብዙሐ-ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር፣ ክምኡውን (4) ልዑላውነት ናይ ሕጊ ብምቕባል ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ናጻነቱን መሰላቱን ምርግጋጽ እዩ።
በቲ ናይ ሓባር መግለጺ መሰረት፣ ኣብ 9 ሐምለ 2020 ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዓሰርተሓደ ኣባላት ዝሓዘ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ መስሪቶም። እዚ ሽማግለ’ዚ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ለውጢ ንምምጻእ ሓባራዊ መርሓ ግብሪ ንምድላውን ንምትግባርን ዝዓለመ እዩ። ናይዚ ሽማግለ ኣባላት ድማ፡ ዶ/ር መሓመድ በሽር (ኣቦ-መንበር)፣ ኣድያም ተፈራ (ምክትል ኣደ-መንበር)፣ ብሉጽ ኢያሱ (ጸሓፊ)፣ ኢድሪስ ሑመድ (ጸሓፊ)፣ ኣብርሃም ኢያሱ፣ ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ፣ ማሕሙድ መሓመድ ዓሊ፣ መንግስትኣብ ኣስመሮም፣ ሱሌማን ሰዲግ፣ ተኽለሰንበት ተኽላይን ዮሴፍ ኣስገዶምን እዮም።
ኣብ 22 ነሐሰ 2020፣ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ነዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ ሰለስተ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም ስርሑ ጀሚሩ ይርከብ።
ዲፕሎማሲ፡- እዚ ሓይሊ ዕማም እዚ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ንምትግባር ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ እዩ። ምምሕዳሩ ከኣ ብ ሃይለማርያም ተስፋይ ዝምራሕ፣ አቤል ሃይለ ጸሓፊ ኮይኑ፣ ብዓለምለኸ ደረጃ ከኣ ወከልቱ ኣብ ሓሙሽተ ዞባዊ ቤት ጽሕፈታት ዘዋፈረ ቅርጻ ኣለዎ። እዚኣቶም ከኣ ብብርሃነ ደበሱ ዝምራሕ-ናይ አፍሪቃ ቤ/ጽ፣ ብወልደየሱስ ዓማርን፣ ጽገየውሃንስ ኪዳነን ዝምራሕ-ናይ አውሮጳ ቤ/ጽ፣ ብሓሰን አል-አሳድ ዝምራሕ-ናይ ማእከላይ ምብራቕ/ኣስያን ቤ/ጽ፣ ብዶ/ር ተሾመ ብርሃነመስቀልን ብኪዳነ ተስፋገብርኤልን ዝምራሕ-ናይ ሰሜን አሜሪካ ቤ/ጽ፣ ከምኡውን ብ ተዓረ ሃይለን ብ ያሲን አብርሃምን ዝምራሕ-አውስትራሊያ/ኒውዚላንድ ቤ/ጽ ይህልዎ፡፡ ናይዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ሓላፍነት ከኣ፡ (1) ንናይ ህዝብና ሰብኣዊ መሰላት ምጥባቕ፣ (2) ነቲ ናይ ዲሞክራሲ ቃልስና ብዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ድጋፍ ምርካብ፣ ከምኡውን (3) ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብምምጻእ፣ ሾቶና ንቕድሚት ንምስጓም እዩ።
ሚድያ፡- እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ናይ ሚዲያ ስራሓት ንምውህሃድን ንምክያድን ሓላፍነት ኣለዎ። ናይ ሚድያ ሓይሊ ዕማም ብሓናን መሓመድ ሳልሕ ዝምራሕ፣ ተኽሉ (ቶማስ) ገብረየሱስ ጸሓፊ፣ ኣባላቱ ድማ፡ ዓብዱላ ዑመር፣ ደበሳይ በየነ፣ ድራር ማንታይ፣ ሃብቶም ብርሃነ፣ ከዋኒ ገብረስላሴ ስዩም፣ መሓመድ ሳልሕ ሓጎስን፣ መሓመድ ብርሃን ብላታን ወልዱ ነጋሲን እዩም። እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ኣብኩሉ ናይ ሚድያ መድረኻት፣ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከምኡውን ካልኦት ተቓወምትን ዓለምለኻውያን ሚድያን፡ ብምውህሃድን ስራሕ ኣብ ምቅልጣፍን ይነጥፍ። ተሓባቢርካ ክስራሕ ዘለዎ ዕላማ ድማ፣ (1) ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዘይሕጋውን፣ ዘይሞራላውን ዘይፍትሓውን ምዃኑ ምግላጽ፣ (2) ንኤርትራውያን ኣብ ሃገሮምን ኣብወጻእን ዘጋጥሞም ዘሎ ስቅያት፣ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ማሕበራውን ፣ ኤኮኖምያውን ፖለቲካውን ፍሽለታት ምዃኑ ምጕላሕ፣ ከምኡውን (3) ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምስዓር ከኣ ናይ ተቃውሞ ሓይልታት ቃልስን ዓቅሚታትን ምትብባዕ እዩ።
ህዝባዊ ምልዕዓል፡- እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓበራዊ ናይ ህዝቢ ምውዳብን ምስራዕን ሓላፍነት ዘለዎ እዩ። ብብርሃነ ገብረክርስቶስ ዝምራሕ፣ ግርማይ ተኪእ ጸሓፊ ኮይኑ፣ ኣባላቱ ከኣ ኣብርሃም ተስፋግዮርጊስ፣ አስገደት ተስፋዮሃንስ፣ ባህታ ተስፋማርያም፣ ደስበለ ገብረህይወት፣ ኢዮብ የማነ ወልደገብርኤል፣ ገብረህይወት መለስ፣ ሓየሎም ዳንኤልን፣ ትዕበ ተኪአን እዮም። ናይዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ሽቶታት ድማ፡ (1) ናይ ኤርትራ ስርዓት መግዛእቲ ብምቅዋም ብሓድነት ደው ብምባልን (ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን) ንህዝቢ ኤርትራ ምልዕዓል፣ (2) ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ (ብቐጥታውን ዘይቀጥታውን) መንገዲታት ተጽዕኖ ንምግባር ናይ ፖለቲካ ስጉምቲታት ምውሳድ፣ ከምኡውን (3) ቀጻሊ ናይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ስራሓት ብምውህሃድ ናይ ኤርትራ ልዑላውነትን፣ ናይ ህዝባ ሓድነትን ምዕቃብ ይኸውን።
ንናይ ፖለቲካ ሓይልታት ውህደት ስራሕ ንምሕያል ብጸጥታ፣ ብፋይናንሳዊ ጉዳይን ብእስትራተጂያዊ ውጥንን ተወሳኺ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ስሩሑ ክቕጽል እዩ። እዚ ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣቦ-መንበራት ላዕለዋይ ተኸታታልነት ዝሰርሕ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ’ዚ ነቲ ብ ኣቦ-መንበራት ዝዋሃቦ ቀጻሊ መምሪሕታትን ሓገዛትን ምስጋኑኡ የቅርብ።
ዶ/ር መሓመድ በሺር
ኣወሃሃዲ ሽማግለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
لجنة التنسيقية للقوى السياسية الإرترية تطلق العديد من الأنشطة السياسية المشتركة
Written by EPDP Information Officeتصريح صحفي
17 سبتمبر 2020
دشنت القوى السياسية الإرترية في 24 يونيو 2020 إعلانًا مشتركًا تعهدت فيه بتنسيق جهودها لإحداث التغيير الديمقراطي في إرتريا ، وقد حددت عملها المشترك في عدد من المجالات المهمة ، بما في ذلك الدبلوماسية والإعلام وأنشطة التعبئة الجماهيرية.والقوى السياسية هى: المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي، الجبهة الوطنية الإرترية، حزب الشعب الديمقراطي الإرتري ، تنطيم الوحدة من أجل التغيير الديمقراطي وتنظيم الوحدة الإرترية من أجل العدالة. اتفق الموقعون على المبادئ التالية: (1) حماية سيادة إرتريا وسلامتها الإقليمية ؛ (2) إزالة النظام الاستبدادي بقوة موحدة للشعب ؛ (3) النجاح في تحويل إرتريا إلى نظام متعدد الأحزاب للحكم الديمقراطي ؛ و (4) الانصياع لسيادة القانون وضمان الحريات والحقوق الأساسية للشعب الإرتري.
في 9 تموز 2020 ، وتنفيذاً للإعلان المشترك ، شكلت القوى السياسية الإرترية لجنة تنسيقية من أحد عشر شخصاً. هذه اللجنة مسؤولة عن تطوير وتنفيذ خطة عمل مشتركة من أجل التغييرات الديمقراطية في إرتريا.
أعضاء اللجنة : الدكتور محمد بشير (رئيسا) ، أديام تفرى (نائبا للرئيس) ، بلوظ إياسو (السكرتير المشارك) ، إدريس همد (السكرتير المشارك) وعضوية كل من : أبراهام إياسو ، الحاج عبد النور الحاج ، محمود محمد علي (علاج) ، منغستاب أسمروم ، سليمان صديق ، تخلى سنبت تخلاي ويوسيف اسقدى.
هذا وقد باشرت اللجنة التنسيقية عملها اعتباراً من 22 أغسطس 2020م بإنشاء فرق العمل الثلاثة التالية:
الدبلوماسية: - فريق العمل مسؤول عن القيام بمهمة دبلوماسية مشتركة للقوى السياسية الإرترية. و يتألف فريق العمل الذي يرأسه المناضل هايلي مريم تسفاي ، وأبيل هايلي كسكرتير ، من ممثلين على مستوى العالم يغطون خمسة مكاتب إقليمية: أفريقيا برئاسة السيد برهان ديبيسو ؛ أوروبا بقيادة ولدسوس عمار وظقايهنس كيدان. الشرق الأوسط / آسيا برئاسة حسن الأسد. أمريكا الشمالية برئاسة الدكتور تيشوم برهانميسكل وكيدان تسفاجبريل ؛ وأستراليا / نيوزيلندا برئاسة تيري هايلي وياسين إبراهيم. مهمة فريق العمل تتلخص في : (1) الدفاع عن قضايا حقوق الإنسان لشعبنا ، (2) حشد دعم المجتمع الدولي لحركتنا المؤيدة للديمقراطية ، و (3) دفع هدفنا المتمثل في إحداث تغيير ديمقراطي في إريتريا.
الإعلام: - يرأس فريق العمل الأستاذة حنان محمد صالح وتيكلو (توماس) غبريسوس كسكرتير ، ويتكون أعضاء الفريق من : عبد الله عمر ، وديبيساي بييني ، وديرار مانتاي ، وهبتوم برهان ، وكواني جبريسلاسي سيوم ، ومحمد صالح حقوص ، ومحمد برهان بلاتا ، وولدو نيغاسي. عبر جميع المنابر الإعلامية ، وتتلخص مسؤولية فريق العمل في التنسيق وتسيير الأنشطة الإعلامية المشتركة للقوى السياسية الإرترية. كما عليه القيام مع القوى السياسية الإرترية ، فضلاً عن وسائل الإعلام المعارضة والدولية الأخرى ، للعمل بشكل تعاوني من أجل: (1) فضح الأعمال غير القانونية وغير الأخلاقية والظالمة للنظام الإرتري ؛ (2) تسليط الضوء على معاناة الشعب الإرتري داخل وخارج البلاد بسبب الإخفاقات الاجتماعية والاقتصادية والسياسية للنظام في إرتريا ؛ و(3) تعزيز نضال قوى المعارضة لهزيمة النظام الديكتاتوري في إرتريا.
التعبئة الجماهيرية: - ومسؤولية فريق العمل هي تنظيم وتنسيق أنشطة التعبئة الجماهيرية للقوى السياسية الإرترية. برئاسة برهان غبريكريستوس وجيرماي تيكي كسكرتير ، يتكون أعضاء فريق العمل من أبراهام تسفارجيس ، أسقدت تسفايوهانيس ، باهتا هايلي مريم ، ديسبلى جيبرهوت ، أيوب يماني ويلديجبريل ، جبرهوت ميليس ، هيلوم دانيال ، وتيهيلوم دانيال. مهام الفريق هى: (1) تعبئة الجماهير الإرترية (داخل وخارج البلاد) للوقوف معًا في مواجهة النظام الإرتري ، (2) تنظيم الأعمال السياسية (بشكل مباشر أو غير مباشر) للتأثير على التغييرات الديمقراطية في إرتريا و (3) تنسيق أنشطة سياسية وغير سياسية مستدامة لحماية سيادة إرتريا ووحدة شعبها.
ستستمر لجنة التنسيق في إنشاء المزيد من فرق العمل في مجالات المتابعة والحماية والشؤون المالية وغيرها من المجالات لتعزيز الجهود المنسقة للقوى السياسية. إن لجنة التنسيق التي تعمل تحت المسؤولية الإشرافية لرؤساء القوى السياسية الإريترية ممتنة لما وجدوه من رؤساء القوى السياسية لتوجيههم ودعمهم المستمر.
دكتور محمد بشير
اللجنة التنسيقية للقوى السياسية الإرترية