ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ከምዘይቀጸለ ተሓቢሩ

2022-01-27 19:38:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 850 times

(ኣርማ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ዘርኢ፡ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝተወስደ)

 መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 1991 ምስ ምውዳቕ ስርዓት ደርጊ ዝፈረሰ ሓይሊ ባሕሪ ዳግማይ ንምህናጽ ከካይዶ ዝጸንሐ መስርሕ ከምዘይተዓወተ ሬድዮ ኤረና ምንጭታታ ጠቒሳ ሓቢራ። ማዕከን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ (AFP) ብወገና ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፍራንሳን ብዛዕባ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ከም ዝነበረን ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምብርዑ ግና እቲ ውዕል ከም ዝተቛረጸ ጠቒሳ። ብመሰረ እቲ ናይ ሬድዮ ኤረና ዜና ጠንቂ ምቁራጽ ምስርሕ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምፍራስ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ምዃኑ ኣስፊሩ።

ብመስረት እቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድን መራሒ ፈረንሳ ኣማኑየል ማክሮንን ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ፡ ፈረንሳ ንኢትዮጵያ ኣብ ምምስራት እቲ ሓይሊ ባሕሪ ዝውዕል 85 ሚሊዮን ዩሮ ከተለቀሓ ቃል ኣትያትላ ነይራ እያ።

ብዘይካቲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ፡ ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ክኾኑ ዝተመልመሉ ኢትዮጵያውያን ወታደራት ኣብ ፈረንሳ ከይዶም ሰልጢኖም እዮም።  መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ባህርዳርን ካልእ ማያዊ ከባብታትን መሰልጠኒ ከፊቱ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝኾኑ መንእሰያት ኣሰልጢኑ ኣመሪቑ እዩ። ብዘይካዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ፈርንሳ ብልቓሕ ክቐርበሎም ዝጠለብዎ  ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ኣጽዋርን ነፈርቲ ውግእን  ክርከብዎ ከምዘይከኣሉ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኤረና ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝኾነ ይኹን ወታደራዊ ርክብን ምትሕግጋዝን የለን።  መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ውግእ ምስ ጀመረ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ወታደራዊ ውዕል ከቋርጽ ግዜ ኣይወሰደን፡

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ክንሳ፡ ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ምንቅስቓሳ ናይ ብዙሓት ወገናት መዛራቢ ኮይኑ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ መደበር ሓይሊ ባሕራ፡ ናብ ቀይሕ ባሕሪ  ከተቋምት እንከላ ብወገን ኤርትራ ግና ነዚ ዝምልከት ዝተባህለ ኣይነበረን።  

Last modified on Thursday, 27 January 2022 20:51