መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣባላት ዝተፈላለዩ ውድባት ብምሕረት ካብ ማእሰርቲ ፈቲሑ

2022-01-08 12:00:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 890 times

መንግስቲ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያ፡ ብ7 ጥሪ 2022 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኣባላት መሪሕነትን ጸለውቲ ባእታታትን ዝተፈላለያ ውድባት፡ ብምሕረት ከም ዝፈተሓ ሓቢሩ። ካብቶም ዝተፈትሑ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ስብሓት ነጋ፡ ካብ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ ጁሃር መሓመድን ካብ ሰልፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣቶ እስክንድር ነጋን ከም ዝርከብዎም ነዚ ብዝምልከት ካብ ናይታ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንፎርመሽን  ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ቀንዲ መፍትሕ ናይ ቀጻሊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘተ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ነዚ ክሳብ መወዳእታ ከብጸሖ ድልዊ ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ጸገም ኣሳታፊ ብዝኾነ ኣገባብ  ብዘተ ምግጣሙ ከም ዘድሊ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ናይ ዘተ ኮሚሽን ቆይማ ከምዘላ ዝጠቐሰ እቲ ናይ መንግስቲ መግለጺ፡ ካልእ ስጉምትታት ከም ዝቕጽል እውን ሓቢሩ፡ ካብ ናይ ዓወት መንገዲ ሓደ ምሕረት ምዃኑ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብዚ ሓቂዚ ነቒሉ ንዝተወሰኑ እሱራት ናይ ምምሓር ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ እዚ ስጉምቲ ናብ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ፍታሕ ዝኣመተ ምዃኑ ኣስፊሩ። እዚ ምሕረት ነቶም ኣቐዲሞም ዝተኣስሩን በዚ ሓዲሽ ኩነታት ውግእ ዝተቀየዱን ከም ዝምልከት ከኣ ኣብቲ መንግስታዊ መግለጺ ሰፊሩ። በቲ መግለጺ መሰረት ናይዚ ናይ ምሕረት ውሳነ ቀንዲ ዕላማ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዘይ ጐነጻዊ ኣገባብ ንምፍታሕ መንገዲ ንምጽራእ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ መስርሕ ዘተ ዝዛመድ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ እዞም ናይ ምሕረት ተጠቀምቲ ካብቲ ዝጸንሕዎ ተማሂሮም ኣብ መጻኢ ንህዝቦምን ሃገሮን ብዝሓሸ ክሰርሑ ተስፋ ከም ዘሎ እቲ መንግስታዊ መግለጺ ጠቒሱ። ካብቶም ብምሕረት ዝተፈትሑ እሞ ኣብቲ መግለጺ ኣስማቶም ብወግዒ ዝሰፈር እዞም ዝስዕቡ እዮም

  1. አቶ ስብሐት ነጋ
  2. ወሮ ቅዱሳን ነጋ
  3. አቶ ዓባይ ወልዱ
  4. አቶ አባዲ ዘሙ
  5. ወ/ሮ ሙሉ ገብረ እግዚአብሔር
  6. .ወ/ሮ ኪሮስ ሐጎስአቶ
  7. አቶ እስክንድር ነጋን
  8. .አቶ ጁሐር መሐመድን

በቲ ሓበሬታ መሰረት ምስ ፋይላት ኣቶ ጀሃር መሓመድን እስክንድር ነጋን ሓቢሮም ዝተማሕሩ ኣስማቶም ዘይተጠቕሰ፡ ብዙሓት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ፋይል ኣቶ ጀሃር መሓመድ ዝተሕቑፉ ኣስታት 20 ኣባላት ክህልዉ እንከለዉ፡ ኣብ ፋይል ኣቶ እስክንድር ነጋ እውን ሓያሎ ናይቲ ሰልፊ ኣባላት መሪሕነት ዝነበሩ ክፍትሑ እዮም።  ካብ ኣባላት መርሒነትን ጸለውቲ ባእታታን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተማሒሮም ዘለዉ ከኣ ኣብቲ ዝርዝር ካብ ቁጽሪ 1 ክሳብ 6 ሰፊሩ ዘሎ  እዮም።

Last modified on Saturday, 08 January 2022 13:08