ኣብይ ኣሕመድን ባይደንን ይመያየጡ፡ ኢሳያስ ከኣ ምስ ኣሜሪካ ይጻረፍ

2022-01-11 14:13:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 968 times

BAIDEN 1

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ኣሜሪካ ጆን ባይደንን ብ10 ጥሪ 2022 ብስልኪ ከም ዝተመያየጡ ሲኤንኤን ሓቢራ። ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ኣብቲ ብ8 ጥሪ 2022 ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ንምምሕዳር ባይደን ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ኣምሪሩ ክኸስስ ተሰሚዑ።

ፕረሲደንት ባይደን ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ዘካየድዎ ርክብ ብዛዕባቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ደብዳብ ነፈርቲ ኣልዒሎም መራሕቲ እታ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣፍሪቃ 2ይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ዝጅመር 14 ኣዋርሕ ኮይንዎ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኣብ ዝብለሉ ኩነታት ክመያየጡ ጸዊዖም።

እዚ ናይ ስልኪ ርክብ ዝተኻየደ፡ ፕረሲደንት ባይደን፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘርኣየቶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት  ካብቲ ኣሜሪካ ካብ ሳህራ ንታሕቲ ንዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ እትህበ ብዘይቀረጽ ፍርያተን ናብ ዕዳጋኣ ናይ ምቕራብ ዕድል ምስ ተሰረዛ ድሕሪ 9 መዓልታት እዩ። በቲ ሲኤንኤን ዘውጸኦ ዜና መሰረት ፕረሲደንት ባይደን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ነፈርቲ፡ ዝፍጠር ዘሎ ዘይምርግጋእ ከም ዝሻቕሎም ኣብቲ ነዚ ዝርክብ ብዝምልከት ካብ ዋይትሃውስ ዝወጸ መግለጺ ከም ዝተጠቕሰ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት ነቲ ርክብ ብዝምልከት ካብ ዋይትሃውስ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብዚ ርክቦም፡ ናይ ሰላምን ዕርቅን ዕድላት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተመያይጦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናብ ተኹሲ ምቁራጽ ዘብጽሕ ዘተ ዝቀላጠፈሉ ኩነታት ከም ዘልዓሉን ህጹጽነት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ኩነታት ዝመሓየሸሉ ኩነታት ምፍጣርን  ኣገዳስነት ምድህሳስ ሰብኣዊ ሻቕሎት ኣብ መላእ እታ ሃገርን ከምኡ እውን ብዛዕባ ማእሰርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ብዝምልከት ተመያይጦም።

ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስቴር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣበቲ ርክብ ዝተኻየደሉ ዕለት ዝወጸ ፍሉይ መግለጺ ከም ዘስፈሮ ከኣ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ህልዊ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ክልትኣዊ ዝምድና ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዞባዊ ጉዳያትን ከም ዝተመያየጡ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ዶ/ር ኣብይ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ  ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ኢትዮጵያን መግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲአት፡ ሰብኣዊ መስልን  ዳግመ ህንጻ ኣብቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ናጻ ዝኾነ ቦታታትን የካይዶ ብዛዕባ ዘሎ ስረሓት ንፕረሲደት ባይደን ከም ዝገለጽሎም ጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብ8 ጥሪ 2022 ዘካየዶ ቃለ መጠቕ፡ ከምቲ ልማዱ ንኣሜሪካ ብዓይኒ ጽልኢ ብምርኣይ መሪር ክስታት ኣቕሪቡ። ኣብቲ ክሱ ናቱ ኣቐሚጡ፡  ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ደረጃ  ንክትወድቕ ግደ ኣሚሪካ ዝለዓለ ምዃኑን ምስ ክልል ትግራይ ክትውግን ከም ዝጸንሐትን ብዝተፈላለየ መልክዑ ገሊጽዎ።

ነዚ ሓድሽ ርክብ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኣሜርካን በቲ ሓደ ወገን፡ ንናይ ኢሳያስ ኣንጻር ኣሚሪካ መግለጺ ምሃብን ናብ ቻይና ምዝንባሉን ዝተዓዘቡ ወገናት፡ እዚ ፍልልይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን መመሊሱ ይስዕርር ከም ዘሎ ከም ዘመልክት ገይሮም ይወስድዎ ኣለዉ። ብዘይካዚ ኣብዚ እዋንዚ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብቲ ቅድሚ ውግእ ኣብ ትሕቲ ትግራይ ዝነበረ ወልቃይትን ራያን ከተውጽእ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ ግዜ፡ መልሻን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ትግራይ ይዋግኡ ምህላዎም ዝሕብር ዜናታት ምቅላሑ ካልእ ነቲ ፍልልይ ዘራጉድ ይመስል ይብልዎ ኣለዉ።

Last modified on Tuesday, 11 January 2022 17:14