ንኤርትራ ዘግለለ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ናይ ሓባር ኣኼባ ተኻይዱ
2025-09-13 10:11:41 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 121 timesብጸውዒት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት፡ ኣሜሪካ፡ ግብጺ፡ ሳዑዲ ዓረቢያን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ንሰላም ሱዳን ዝምልከት ሰፊሕን ዓሚቕን ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ብ12 መስከረም 2025 ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ ድሕሪ ሰፊሕ፡ ምይይጥ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ; ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝኸፍኤ ደረጃ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበን ንዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ሓደገኛ ከም ዝኾነን ተጠቒሱ። እቶም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሽግር ሱዳን ንከብቅዕ ዝከኣሎም ዘበለ ከም ዝገብሩ ቃል ምእታዎም’ውን ተመልኪቱ።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ መፍትሒ ዝበልዎም፡ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣስፊሮም ይርከቡ። ናይ ሱዳን ልኡላውነትን ሓድነትን ንሰላም ወሳኒ ምዃኑ። ሽግር ሱዳን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይፍታሕ ኮይኑ፡ ኩሎም ወገናት ንጽጉማት ሰብኣዊ ረዲኤት ዝቐርበሉ መንገዲ ኣብ ምኽፋት ክተሓባበሩ ወሳኒ ከምዝኾነ፡ መጻኢ ምምሕዳር ሱዳን ህዝቢ ብዝመርጾን ዝውስኖን ኣሳታፊ ክኸውን። ናይ ግዳም ሓይልታት ኣጽዋር ብምቕራብ ውግእ ንኽጋደድ ካብ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታውነት ክቑጠቡ። ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺኦም ኣስፊሮም።
እቶም ሚኒስተራት፡ እዚ ዝተጠቕሰ ውሳነታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ውሕስነት ዘለዎ ተኲሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕ መሰረታዊ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ህዝቢ ሱዳን ብጸበብትን ሕሉፋትን ዘይዝወር ሲቪላዊ መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕድል ንክህልዎ ኣስሚረምሉ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ሚኒስተራት ናይቲ ዘቕረብዎ መፍትሕታት ኣተገባብራ ከም ዝከታተሉ እውን ተሰማሚዖም።
ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት መንገዲ ሰላም ንክሕዙ ተጽዕኖኦም ከሕይሉ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ድሕንነት ሲቪላውያን ክሕልዉ፡ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ምዝራግ ንክቑጠቡ፡ ኣብ ምምዝባልን ምዝራግን ንዝሳተፉ ናይዚ ዞባ ሓይልታት ካብ ተግባሮም ንክእደቡ፡ ከም ዝሰርሑ ኣብ ስምምዕ ምብጸሖም ከኣ ኣብቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺኦም ኣስፊሮም።
እዘን ወገን ፈልየን ኣብ ውግእ ሱዳን ደገፍ ብምቕራብ ብተጻራሪ ተሰሊፈን ዝጸንሐ ኣብዚ ስምምዕ ምብጸሓን ተስፋ ዝህብ ኮይኑ፡ ኤርትራ ወገን ፈልያ ምስ ግብጽን ሱዕድ ዓረብን ተሰሊፋ ዝጸንሐት ክነሳ፡ ኣብዚ ኣሜሪካ ጸዊዓ ዘተሓባበረቶ ኣኼባ ዘይምስታፋ ክሳብ ክንደይ ብኣሜሪካ ትንጸል ከም ዘላ የመልክት።