ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ምስ ኣባላት ሰልፊ

2025-12-07 09:35:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 614 times

ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ፡ ዝወደቦ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ዝመርሖን  ኣባላት ሰልፊ ዝተሳተፍዎን ኣኼባ ብ6 ታሕሳስ 2025 ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ ዓመተ 2025 ኣብ ኩሉ መዳያት ሰልፋዊ ምንቅስቓስ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን መዳያት ዝተራእዩ ምዕባለታትን ምስ ግደ ሰልፊ ብምትሕሓዝ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መጻኢ ዓመት 2026 ክዕመሙ ብዛዕባ ዝግበኦም እውን ኣሚቱ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብ መግለጺኡ ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት ካብ ዝተዓሙ፡ ዓቕሚ ሰልፊ ንምሕያልን ዝሓሸ መንገዲ ንምኽታልን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣተኲረን መጽናዕቲ ዘካይዳ ሽምግለታት ቆይመን ኣብ ስራሕ ከም ዘለዋ ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ  ኣብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ዝተኻየደ ስረሓት ኣመጒሱ፡ ኣብ ዜናዊ ስረሓትና ዝረአ ዘሎ ዕቤት ብምጥቃስ ከኣ ዝያዳ ንምስፍሑ ከም ዝስራሕ ኣመላኺቱ። ኣብ ቀጻሊ ዓመት ድማ ነቲ ኩለ-መዳያዊ ጻዕሪ ዝያዳ ንምብራኽ ከም ዝስራሕ ሓቢሩ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰዲህኤ ብቤት ጽሕፈተን ኣቢለን፡ ካብ ፖለቲካዊ መዳይ ሓሊፈን ነገራዊ ዓቕሚ ሰልፊ ኣብ ምዕባይ ክገብረኦ ንዝጸሓ ጻዕሪ ጠቒሱ፡ ውደባዊ ዓቕሚ ንምሕያል ድማ ኣባላት ሰልፊ ንምስሳን ክግበር ንዝጸንሐ ጻዕሪ ዘኪሩ። ኣብ ቀጻሊ ዓመት ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣብዚ መዳይ ተዋፊሩ ኣድማዒ ውጽኢት ንከመዝግብ ጸዊዑ። ዓመት 2025 ምንቅስቓስ ሰልፊ ንምልላይን ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝቐነዐ ወፈራ ኢትዮጵያ ንምቅላዕን ኣብ ሓያሎ ማሕበራዊ መድያታት ሓበሬታ ክህብ ከም ዝጸንሐ ከኣ ጠቒሱ።

ኣተሓሒዙ ድማ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ ዘተባብዕ ደረጃ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ፡ ጽላል ንምስፋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክግበር ዝጸንሐ ዘተታት’ውን ክንድቲ ትጽቢትና’ኳ  ዛጊት ውጽኢት እንተዘየመዝገበ፡ ዝተመሃርናሉ እምበር ዝኸሰርናሉ ከምዘይነበረ  ሓቢሩ።  ኣብ መጻኢ ከኣ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ጉባአኡ ንሰፊሕ ጽላል ዘሕይል ውሳነ ክውስን ዘለዎ ተስፋ ብምጥቃስ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምርምርን ሓበሬታን፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ተቐራሪቦም ሓቛፊ ጽላል ንክምስርቱ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ውጽኢታዊ ንክኸውን ዘለዎ ተስፋ ኣስፊሩ።

ህልዊ ኣህጉራውን ዞባውን ምዕባለታት ኣብ ዘልዓለሉ ዛዕባ ኣቦመንበር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዓለምና ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝረኣዩ ዘለዉ ፖለቲካዊ ቅልውላዋትን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕግታትን ዘርዚሩ። ኣብዚ ከባቢና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ዝረኣዩ ዘለዉ ኣሰከፍቲ ምዕባለታት ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝለዓል ዘሎ ወስታ ምኹኑይ ንክመስል ብዝሕግዝ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያን ካለኦትን ንረብሓ ህዝብናን ሰላም ሃገርናን ዘዕንቅፍ ምዃኑ ኣብሪሁ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኸዶ ዘሎ ክሳብ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣፍልጦ ዝነፍግ ዓመጸኛ ሃቐነ ከኣ ብኹሉ መለክዒ ተቐባልነት ዘየብሉን ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ዘየርብሕን ብምዃኑ ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላት’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክእደብ ተጽዕኖኦም ከሕይሉ  ጸዊዑ።

ድሕርቲ ዓሚቕ መብርሂ ኣቦ መንበር፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብዚ መወዳእታ 2025ን ድሮ 2026 ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ምፍጣሩ ንኢዶም፡ ኣብ መጻኢ ዓመት ድማ ቀጻሊ ንክኸውን ዘለዎም ተስፋ ኣንጸባሪቖም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ መግለጺ ዝተዋህበሉ ዛዕባታት ከኣ ተወሳኺ መብርሂ ብምሃብ፡ ሕቶታት ብምሕታትን ንዝያዳ ኣድማዕነት ይሕግዙ ዝበልዎም ርኢቶታት ብምቕራብን ነቲ ኣኼባ ኣህብቲመምዎ።

ኣቦመንበር ኣብ መወድእታ ኣኼባ፡ ተሳትፎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝነኣድ ምጽንሑ ደጊሙ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎዝተፈላለዩ ገጻት ዘለዉዎ ብደሆታት ዝምክት ኣበርክቶኦም ከሕይሉ ብምዝኽኻር ኣኼባ ደምዲሙ።

Last modified on Sunday, 07 December 2025 10:41