ዓብዪ ህዳሰ ሓጽቢ/ግድብ ኢትዮጵያ ተመሪቑ

2025-09-09 10:58:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 493 times

ህንጸቱ ኣብ ወርሒ ማዝያ 2011 ዝተጀመረ ዓብይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ፡ ብ9 መስከረም 2025 ብወግዒ ተመሪቑ። ኣብቲ ምምራቕ መራሕቲ ኬንያ፡ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማሊያን በርባዶስን ከምኡ እውን ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ዋና ጸሓፊ ኢጋድን ወሲኹ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያንን ወጻእተኛታት ዕዱማት ተረኺቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ካብ ዘስመዖ ዘረባ “ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ኑክሌር ስራሕ ክትጅምርያ” ዝብል ይርከቦ። 

 እዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ምዕራብ 718 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ፡ ህንጸቱ 14 ዓመታት ዝወሰደ ሓጽቢ  ካብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣስታት 40 ኪሎ ሜተር ርሑቑ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ጉባ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝተደኮነ፡ ንዓቕሚ ኤለክትሪክ ናይታ ሃገር ብዕጽፊ ከዕብዮ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።

እዚ 170 ሜትሮ ዝንውሓቱ፡ 145 ሜትሮ ዝውርዱ፡ ኣስታት 74 ቢልዮን ሜትሮ ኪዩብ/ኩቢክ ሜትሮ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ፡ 5,150 ሜጋዋት ዘመንጩ፡ 13 ተርባይት ዘለዎ፡  ንህንጸቱ ከባቢ 5 ቢልዮን ዶላር  ዝሓተተ እዩ። ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሓይሊ ኤለክትሪ ዘመንጩ ሓጽቢ  ምዃኑ ከኣ ይንገረሉ። እቲ ናይ ምምንጫው ዓቕሙ ካብ ናይ  ግብጺ ሓጽቢ ኣስዋን ዝያዳ ዕጽፊ ምዃኑ ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት።

እቲ ሓጽቢ ብዝዓቖሮ ማይ ተፈጢሩ ዘሎ ቀላይ፡ “ንጋት/ወጋሕታ” ዝብል ስም ተዋሂብዎ። እዚ ሓድሽ ቀላይ ካብቲ ጣና ዝበሃል ዝዓበየ ተፈጥሮኣዊ ቀላይ ኢትዮጵያ ልዕሊ ዕጽፊ ኮይኑ፡ 145 ኪሎ ሜተር ንውሓትን ኣስታት 70 ናእሽቱ ደሴታትን ኣለዎ። ኢትዮጵያ ካብዚ ሓጽቢ ኣብ ዓመት 1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክትረክብ ትጽቢት ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ነዚ ሓጽቢ ተመርቖ ዘላ፡ ብግብጽን ሱዳንን ተሪር ተቓውሞ ይቐርባ እናሃለወ እያ። ምኽንያቱ ክልቲአን ሃገራት ናይዚ ሓጽቢ ብዘይናታተን ስምምዕ ተሃኒጹ ማይ ምምልኡን ምምሕዳሩን ኣብ ልሊአን ዋሕዲ ማይ ከየጋጥመን ዝሰግኣ ብምዃነን’የ። መንቀሊ ቀላያት ፈለግ ኒል፡ ኣብ  ኡጋንዳ ዝርከብ ቪክቶርያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጣናን እዮም። መዓርፎኡ ከኣ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዘራኽብ ቀላይ መዲተራኒያን እዩ።

ናብዚ 6,650 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ፈለግ ኒል ዝተፈላለየ ዓቐን ማይ ዘበርክታ ሃገራት፡ ዲሞክራሲያዊት ረፐብሊክ ኮንጎ፡ ታንዛንያ፡ ቡሩንዲ፡ ሩዋንዳ፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳንን ግብጽን እየ። ማያዊ ዓቕሚ ፈለግ ኒል ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ዝናብ ግዜ 7, 620 ቢልዮን ሜትሮ ኪዩብ/ኩቢክ ሜትሮ ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ካብዚ እቲ 85% ካብ ኢትዮጵያ ዝፈስስ እዩ።

Last modified on Tuesday, 09 September 2025 17:19