EPDP Sends Solidarity Message to Both German Foreign Minister, and to Chancellorship Candidate
Written by EPDP information OfficeIn a solidarity message sent to the German Foreign Ministry and the Social Democratic Party (SPD), the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) wished heartfelt success to Vice-Chancellor Sigmar Gabriel, who recently assumed the post of foreign minister, and to Mr. Martin Schulz, former president of the EU parliament who is now SPD candidate in the September 2017 elections for German Chancellorship.
Dated 10 February 2017, the EPDP memorandum appealed to the new German Foreign Minister and, through him, to the German Federal Government to give adequate attention Eritrea and "help end the distressing political and human rights situation" in the country.
EPDP also seized the opportunity to express good wishes to Mr. Schulz in his candidature to the German Chancellorship and reassured fraternal SPD that a good number of German citizens of Eritrean origin will, as usual, stand on the side of Mr. Schulz and his party.
The memorandum also requested both addressees - Mr. Sigmar Gabriel and Hon. Martin Schulz - to refer to the numerous memoranda the EPDP has addressed to both the Foreign Ministry and the SPD headquarters in the past and kindly take action on all those modest requests to help build the capacity of Eritrean democratic forces struggling for positive change in their unfortunate country.
ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፣ ብዕለት 05.02.2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ። እቲ ጉባኤ ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ከተማታት ጀርመን ብዝመጹን/ብዝመጻን ብርክት ዝበለ ቁጽሪ መንእሰያት ተሳትፎ ናይ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝነበሮ እዩ ነይሩ። ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ሓው ዓብደቃድር ሽፋ ኣብ-መንበር መሪሕነት ምንቅስቓስ መንእሰያት፡ ጉባኤ ከሰላስሎም ዘለዎ ዕማማት ድሕሪ ምሕባር፡ ሓጺር ግን ከኣ ገላጺ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ ነቲ ምንቅስቓስ ኣብ ምምራሕ ንዝጸንሑ ሓለፍቲ ትካላት ናይቲ ማሕበር ዝሰፍሐ ዕድል ረኺቦም ዝርዝር ዓመታዊ ዝተዓመ ዜናዊ ስራሓትን ምስ ካልኦት ኤርትራውያ ምንቅስቓሳትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝተፈጸመ ሓባራዊ ዕዮን ምትእስሳራትን ብሰፊሑ ብሓው ድራር ብርሃነ ኣካያዳ ዜናዊ ስራሓት ሓቢሩ ።
ንጥፈታት ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ ከምዘብርሆ፡ ምንቕስቓስ ማሕበር ኣብ ጀርመን ጥራሕ ዝተደረተ ዘይኮነስ፡ ምስቶም ኣብ እስራኤል፡ ኣመሪካን ኖርወይን ካልእን ዝርከቡ ምንቅስቃሳት ናይ መንእሰያት ሓያል ምትእስሳር ሓባራዊ ስራሓትን ከምዘለዎ እውን ተገሊጹ። ነዚ ዝምድናታትዚ ንምርግጋጽን ሓባራዊ ልዝባት ኣብ ምክያድን ዝተጓዕዝዎ መስርሕ እውን ምስ መርትዖታቱ ብሓው ሮቤል ኣርኣያን ኣማኒኤል ኣብራሃምን ቀሪቡ።
ድሕርዚ፡ ታሓዝ ገንዘብ ሓው ኣብራሃም ኪሮስ ዓመታዊ ገንዘባዊ ጸብጻብ ኣታውን ወጻእን ብዘየካትዕ ጽፉፍ ኣገባብ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣቕሪቡ። ብሓፈሻኡ እቲ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ሓባራዊ ስራሓት ደለይቲ ለውጢ ዝብህግ፡ ተፈላሊኻ ክረጋገጽ ዝኽእል ለውጥን ዓወት ሃገራዊ ድሕነትን ከምዘየለ ዝሕብር፡ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዋላውን ዝተራሓሓቐ ሓሳባት ይሃልዎ ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቆና ግን ሓባራዊ ስራሓት ክካየድ ዝዕንቅፍ ከምዘየሎ ዝጠመተ እዩ ነይሩ።
ድሕርዚ፡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብዝቐረበ ጸብጻባት ዝተመርኮሰ ሕቶታትን፡ ኣብዝሓለፈ ጉዕዞ ዝጋጠሞም ዕንቅፋታትን ናይ ምፍልላይ ጸገማትን ብሰፊሕ ኣልዒሎም ተዘራሪበምሉ። ኣብ ዝተላዕለ ሕቶታት፡ ነቲ ምንቅስቓስ ኣብ ምምራሕ ካብዝጸንሑ ሓው ዓብደልቃድር፡ ያቆብን ካሕሳይን ኣገደስቲ መብርሂታት ኣቕሪቦም። ብዘይካዚ ካብ መግለጺ መንእሰያት ዋላዃ^ዝተሰግረ ይኩን እምበር: ኣብ እስራኤል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ዘጋጠሞም ካብ ኣሰራርሓ ማሕበር ወጻኢ ዝኮነ ናይ ምትእትታውን ምፍልላይን ሽግራትን: ብቐረባ ሓብሓቢ ክኾኖም ዝኽእል ኣካል ዘይምርካቦምን ብምረት ካብዝተላዕሉ ጉዳያት ምንባሮም ክጥቀስ ይካኣል::

ብዘይካዚ: ኣብ ጉባኤ ካብዝተሳተፉን ዝተሳተፋን ዕዱማት: እቲ ማሕበር ሓድነቱ ሓልዩ: ብዝኮነ ጠብላሕታታት ከይተድናገረ ንቕድሚት ክስጉምን: ውሽጣዊ ሕግታቱን ውዑላቱን ከክብር ዝሕግዝዎ ኣገደስቲ ሓሳባትን ለበዋታትን ቀሪቦም ጉባኤ ብመተባብዒ ግጥሚ ተደምዲሙ።
መሪሕነት ህዝባዊ ዲሞክራስዛዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ሓባራዊ ስራሓት ደምበ ተቓውሞ ንምርግጋጽን ንምንሕያልን ዓሊሙ፡ ንኩሉ ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝርከብ ደላይ ለውጢ ብሓባር ተራኺቡ ንኽዛተ ተበግሶ ወሲዱ ሰለስተ ተከታተልቲ ናይ ልዝብ ኣኼባታት ኣብ ምስልሳል ግዲኡ ዘበርከተ ምንቅስቓስ ምዃኑ ክዝከር ይካኣል።
ተጋዳላይ ወልደሱስ ዓማር፣ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና ንዕለት 11.02.2017 ርክብ ምስ ህዝቢ ክገብር ተዓዲሙ ኣሎ። ተጋዳላይ ወልደሱስ ዓማር "ግጉይ ኣጀማምራ ድሕሪ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991፡ ንዘለናዮ ሃለዋት ከመይ ይጸልዎ"፡ ዝብል መጽናዕታዊ መደብ ሒዙ ክቐርብ እዩ።
መደብ ዝጅመረሉ ሰዓት ልክዕ፡ ሰዓት 20፡00 ብናይ በርሊን ኣቈጻጽራ ማለት ሰዓት 08.00 ናይ ምሸት ክኸውን እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ደላይ ለውጢ ነቲ መደብ ንኽከታተል ብኽብሪ ንዕድም።
ሰናይ ምክትታል!
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ሰዲህኤ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ግደታኡ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዳግማይ ኣዘኻኺሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሕብረት ኣፍሪቃ (ሕኣ) ብዛዕባ ትጽቢት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ብኣኡ ክውሰድ ዝግበኦ ምርመራን ምጽራይን ብዛዕባ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ሜላዊ ገበንን ዝሕተቱን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ናብ ሕጊ ምቕራብን፡ ኣዘኻኺሩ።
ኣብቲ ብ3 ለካቲት 2017 ብኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓድሽ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዝተላእከ መዘክር፡ ኣቦመንበር ሰደህኤ ብምምራጽ እቶም ሓድሽ ኮሚሽነር ዝተሰምዖ ሓጐስ ገሊጹ። እቲ መዘክር ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ንሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ዘሕፍር ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣብዚ ብቕዳሕ ናብ ግዝያዊ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ኣልፋ ኮንደ መራሒ ጊኒያ፡ ናብ ምክትሎም ጋናዊ፡ ካለኦት 8 ኮሚሽነራትን ኩሎም ኣብ መበል 28 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ዝተላእከ መዘክር፡ ነቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብ2016 ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ዝወሰኖ፡ ነቶም ኣብቲ ብ483 ገጻት ዝተመዘበ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ሜላዊ ሰብኣዊ ገበን ዝፈጸሙ እሞ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝግበኦም ዝምልከት ሰፊሩ ዘሎ ውሳነት ክግደሰሉ ኣዘኻኺሩ። ብመሰረት እዚ ብሰደህኤ ዝቐረበ መዘክር፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ 26 ዓመታት ናጽነት፡ ቅዋም፡ ምኽባር ዝኾነ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል፡ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምእካብ፡ ምምላኽ፡ ብሰላም ናይ ምንባር፡ ውሕስነት ህይወት፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ፡ ብሕታዊ ዋንነት ምጥራ፡ ብቑዕ ትምህርቲ ምርካ፡ ዝኽፈሎ ስራሕን ስርዓተ ጡረታን የለን።
መበል 28 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃ፡ “ነዚ ብኣሰፋፍራ ዝተፈጥረ ፍልልይ፡ ብወፍሪ ኣብ መንእሰያት ነቀራርቦ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ብ30 ጥሪ 2017 እዩ ተጀሚሩ። እዚ ኣኼባ ብዛዕባ ምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን ኣብዛ ክፍለ ዓለም መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ኣኼባ፡ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ኣንቶኒዮ ጉተርስን ኣቶ ማሕሙድ ዓባስ ፕረሲደንት ምምሕዳር ፍልጥኤን ዝርከብዎም ብዙሓት ላዕለዎት ዕዱማት ተሳቲፎም ።
EPDP Reminds AU Its Mandate on Eritrea Given it by the UN Human Rights Council
Written by EPDP Information OfficeThe Eritrean People's Democratic Party (EPDP) reminded the African Union (AU) that it is expected by the UN Human Rights Council "to investigate, prosecute and bring to justice [Eritrean authorities] responsible for violations and abuses of human rights, including any that may amount to a crime against humanity."

In a memorandum addressed on 3 February 2017 to the newly elected AU Commission Chairman, Mr. Moussa Faki Mahamat, the EPDP Chairman, Mr. Menghesteab Asmerom, congratulated the election of the Chadian foreign minister to head the executive body of the continental organization and urged him to waste no time in addressing the situation in Eritrea which the memo described as "an utter shame to the very idea of African independence."
In the memorandum to the AU, also copied to the new AU chairman, Mr. Alpha Conde of Guinea, to his Ghanaian deputy, other eight commissioners and all African Heads of State who attended the 28th ordinary summit just ended in Addis Ababa, the EPDP chairman appealed to the AU Commission to heed to the call of the UN Human Rights Council decision of June 2016 and establish an accountability mechanism "to prosecute and bring to justice" the Eritrean authorities whose systematic crimes have been recorded in the 483-page report of the UN Commission of Inquiry on Eritrea, and updates of the UN Special Human Rights Rapporteur to that country, where, according to the EPDP memo, "no constitution exists after 26 years of its statehood; no basic human rights are respected; no freedoms of press or assembly are allowed; no free worship permitted; no security to life is guaranteed; no free mobility; no private sector; no quality education at any level; literally no paid work, no pension system ....."

The 28th Summit of the Heads of State and Government of the AU, held under the theme “Harnessing the Demographic Dividend through Investments in the Youth” , was opened on 30 January with a call for unity to uphold the maintenance of peace and stability in the continent. It was attended by honour guests who included the new UN Secretary General, Mr. Antonio Guterres, and Mr. Mahamoud Abbas, President of the State of Palestine.
ፈደራላዊ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ብ2 ለካቲት 2017 ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ውሳነኡ ስድተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ካብ ኤርትራ ስለ ዝመጹ ጥራይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣየውህቦን እዩ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ካብ ወርሒ ሰነ 2017 ጀሚሩ ብናይታ ሃገረ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኣቢሉ ኣብ ግብሪ ዝውዕል እዩ።
እዚ ኣብታ ሃገር ሕጊ ኣብ ምትርጓም ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ፡ ዝኾነ ካብ ኤርትራ ዕቑባ ዝሓትት ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ብላዕለዎት ሰብ መዚ ግፍዒ ከም ዘጋጥሞ ብቑዕ መረጋገጺ እንተዘየቕሪቡ ናይ ስደተኛነት መረጋገጺ ክወሃቦ ኣይክእልን እዩ።
ብቋንቋ ፈረንሳ ዝሕተም ዕለታዊ “ጀነቫ ትሪቡን” ኣብ ናይ 3 ለካቲት 2017 ሕታሙ ከም ዝጠቐሶ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ስዊዘርላንድ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ስደተኛታት መሰል ምስ ረኸቡ ቀልጢፎም ናብ ሃገሮም ከም ዝገሹን ሓበሬታ ከም ኣለዎምን እዚ ድማ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም እንተተመልሱ ዘጋጥሞም ጸገም ከም ዘመልክትን ሓቢሩ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓደ ናይታ ሃገር ናይ የማናይ ክንፊ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ከም ዝበጽሐን ኣብዚ እዋንዚ “ኤርትራ ናብኣ ንዝምልለሱ ዜጋታታ ሰላም” እያ ዝብል ጸብጻብ ሒዙ ከም ዝተመልሰ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ጥራይ 25 ሺሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዮም እዮም።
Switzerland Hardens Process of Accepting Refugees from Eritrea
Written by EPDP information OfficeThe Federal Administrative Tribunal of Switzerland decided on 2 February 2017 that "illegal escape from Eritrea" alone cannot be presented as a justification for Eritrean asylum seekers to be accepted as political refugees. The law will be put into effect as of June 2017 by the Federal office for migration and refugees.
The Federal Administrative Tribunal, which is the supreme court in interpreting laws in the country, made it clear that any asylum seeker from Eritrea will no longer be eligible for refugee status unless he/she presents sufficient evidence of political persecution by the Eritrean authorities.
Tribune de Genève, the French daily, reported on 3 February that the Swiss authorities have collected information that a number of Eritrean refugees had travelled to their home country, Eritrea, soon after obtaining political protection in Switzerland and that this showed they have no problem to go back to their country of origin.
It is to be recalled that delegations of right-wing Swiss parties visited Eritrea in recent years and came with reports which claimed that Eritrea "is safe for the return of refugees" who fail to obtain political protection in Switzerland.
In the last few years alone, Switzerland was a destination for over 25,000 Eritrean asylum seekers.
ብስርዓት ህግደፍ ወግዓዊ ፈቓድ ንግዲ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ግዳይ ተደራራቢ ግብሪ ይኾኑ ከምዘለዉ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣቃሊዑ። በቲ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ንኩነታት ንግዲ ዝምልከት ሓበሬታ መሰረት፡ ነጋዶ ካብ ሱዳን ይኹን ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ንህዝቢ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ናብ ኤርትራ ከእትዉ እንከለዉ ኣብ ከም በዓል ተሰነይ ዝኣመሰሉ ናይ ዶብ ከተማታት ቀረጽ ይኸፍሉ እሞ ቅብሊት ይወሃቦም እዩ። ኣብ ማእከል ኤርትራ ምስ ኣተዉ ድማ ዋላ ዝኸፈልሉ ቅብሊት እንተርኣዩ ዳግማይ ቀረጽ ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎምን እንተዘይከፊሎም ድማ ዝሓዝዎ ንብረት ከም ዝራሰን እዞም ምንጭታት ይጠቕሱ።
ብዘይካዚ ኣብ ምኽፋል ዘይፍትሓዊ ግብርን ቀረጽን ዝተዋፈሩ ናይቲ መንግስቲ ኣካላት ኣብ ፈቐዶ ድንኳናት እንዳዞሩ „እዚ ንብረት ካበይ ኣምጺእኩምዎ?“ እንዳበሉ ንዋናታት ከም ዘዋጥርዎምን ቀረጽ ክኸፍሉ ከም ዘገድድዎምን እንተዘይከፊሎም ድማ ንብረቶም ከም ዝውሰድን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።
ብኻልእ ወገን ድማ ብሰንኪ ወጻዒ ሕግታትን ምምሕዳርን ስርዓት ህግደፍ ዘማረሩን ኩሉ መዳያት ዘጸገሞምን እሞ ናብ ውሕስነት ዘየብሉ ስደት ክኸዱ ዘይመረጹን ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ፈቐዶ ገዳማትን ስቱር ቦታትን ክሕብኡ ይግደዱ ምህላዎም ካብ ኤርትራ ዝተላእከ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሓት ቀውዒ ዝበጽሑ ደቆም ናብ ግዱድ ኣገልግሎት ዝተወስድዎም ብዕድመ ዝደፍኡ ኤርትራውያን፡ ብደቂ-ደቆም እውን ክሕገዙ ከም ዘይከኣሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ኤርትራ ገይሾም ናብቲ ዝነብርሉ ወጻኢ ሃገር ዝተመልሱ ምንጭታት ሓቢሮም። ከም ሓበሬታ ናይቶም ምንጭታት እዞም ዝኣኸሉ ደቆም ብግፋ ዝተወስድዎም ሽማግለታት ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣኑ ካብ 14 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ-ደቆም ናብ ስረሓት ቀውዒ ምስ ኣዋፋሩ እቶም ህጻናት እውን ብሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ከም ዝተገፈፉን ናበይ ከም ዝተወስዱ ከም ዘይለጡን ሓቢሮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ብዕድመ ንዝደፍኡ ዜጋታት መሬት ኣይወሃብን ዝብል ዘይፍትሓዊ ሕጊ ስለ ዝወጸ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት እታ ሃገር ተቓውሞታት የስዕብ ከምዘሎ እዞም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ምንጭታት ይሕብሩ። ዋላ‘ኳ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት „መሬት እንተዘይተዋሂብዎም ደኣ ብምንታይ ክነባበሩ“ ዝብል ሕቶታት ይልዓል እንተሃለወ ላዕለዎት ሰብ መዚ ናይቲ ስርዓት ግና ክምልስዎ ከም ዘይደለዩ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት ምናልባት ብዝሕን ዋሕድን ስድራቤት ወይ ተወሳኺ ኣታዊ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ካብ ምሉእ መገበር ኣትሕት ኣቢልካ ምዕዳል ሓደ ጉዳይ ምዃኑ፡ ካብዚ ሓሊፉ ግና ንሰባት ኣብ ገዛእ ሃገሮም እሞ ድማ ኣብቲ ዝያዳ ኣላዪ ዝደልይሉ ደረጃ ዕድመ መሬት ኣይግበኣኩምን ምባል መወዳድርቲ ዘየብሉ በደል ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ተጋዳላይ ይኹን ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዘገልገሉ ዘረጋግጽ ወረቐት ዘለዎም እንተዘይክይኖም ካብዚ ውጻኢ ብዜግነትካ ኣብ ዝኾነ ስራሕ ምውፋር ከምዘይፍቀድ ንኩነታት ኤርትራ ብቐረባ ዝተኸታተሉ ወገናት ይምስክሩ።
ስውእ ኢንጂኔር ተስፋሁነይ ተኽለ ተስፋማርያም ብ16 ጥሪ 2017 ልክዕ ሰዓት 6፡30 ናይ ምሸት ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስውእ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራኡ፡ ቤተ-ሰቡን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም፡ ጠሉ ድማ የውርደሎም እናበለ ናይ ወሪድኩም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።
ሓጺር ታሪኽ ስውእ ኢንጂነር ተስፋሁነት ተኽለ ተስፋማርያም
ስውእ ተስፋሁነይ፡ ካብ ኣቦኡ ተኽለ ተስፋማርያም ሃብተጋብር፡ ካብ ኣዲኡ ሰማእቱ ጓንጕል ሓጐስ ብ20 መጋቢት 1943፡ ኣብ ዓዲ ዓጓ፡ ኣውራጃ ሰራየ ተወሊዱ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ (መንደፈራ)፡ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ (ኣስመራ)፡ ኣብ ትካል ተለኮሚኒከሽን (ኣዲስ ኣበባ) ድማ ተማሂሩ።
ስውእ ተስፋሁነይ ተኽለ ፡ ካብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ስሳታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረ ምስጢራዊ ስርርዓትን ስርሒታትን ተሓኤ ብተወፋይነት እተቓለሰን ብ1967 ኣብ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ኣትዩ ብዙሕ ስቅያት ዘሕለፈን ገዲም ተጋዳላይ ኢዩ ነይሩ። ካብ 1975 ክሳብ 1981 ኣብ ተሓኤ ተሰሊፉ፡ ኣብ ክፍሊ ፍርድን ወኪል ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ ኰይኑ ድማ ኣብ ፖርትሱዳን ተመዲቡ ተቓሊሱ።
ተሓኤ ካብ ሜዳ ምስ ወጸት፡ ንኣመሪካ ተሰዲዱ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትምህርቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኮለጃት ከተማ ቺካጎ ቀጺሉ። ካብ ትካል ተክኖሎጂ ናይ ኢሊኖይ (Illinois Institute of Technology (IIT) ኣብ ናይ ኤለክትሪክን ኮምፕዩተር ኢንጅነሪንግ ብናይ ባችሎር ዲግሪ ተመሪቑ። ኣብ 1990 ካብ ቺካጎ ናብ ክሊቭላንድ ብምቕያር፡ ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቑ። ኣብ ናይ ኣመሪካ ናይ ጠፈር ምርምር ትካል (National Aeronautics and Space Administration/ NASA) ን24 ዓመታት ሰሪሑ።
More...
ጋዜጣዊ መግለጺ መሃዘ/ሰደህኤ
ኤርትራዊ ልኡኽ ተሓላቒ ደሞክራሲ ብ23ን 24ን ጥሪ 2017 ኣብ ጀነቫ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን፡ ላዕልዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታትን ተራኺቡ። እቲ ልኡኽ ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣባል ቦርድ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተን ኤሪ- መድረኽን ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ሰደህኤን ዝርከብዎ እዩ።
ኣብዚ ዝተኻየደ ኣገዳሲ ርክብ ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን፡ ኤርትራውያን ሃገሮም ክለቁ ዝድርኹ ዘለዉ ረቛሒታት፡ መንእሰያት ኤርትራ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝውሕዝሉ ዘለዉ ጠንቅታት፡ ኩነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ መደበር ስደተኛታትን ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን፡ ግደ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ዝጽበዮ ግደታን ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታት። ከምኡ እውን ሓላፍነት ናይተን ስደተኛታት ዝዓርፉለን ሃገራትን ከዳልዋሎም ዝግበኣን መዕረፊ፡ ክህባኦም ዝግበአን ውሕስነትን ናይ ምንባርን መነባብረኦም ዝመርሕሉ ኣታዊ ዝረኽብሉ ናይ ስራሕ ዕድላት ዝብሉ እዮም።
እቶም ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ብወገኖም ነዚ ኤርትራዊ ልኡኽ ብዛዕባቲ፡ ላዕለዎት ኪሚሽነራት ሰብኣዊ መሰልን ጉዳይ ስደተኛታትን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘገብርዎ፡ ንምምሕያሽ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ርክባት መብርሂ ሂበምዎም። ምስዚ ኣተሓሒዞም እቶም ሓለፍቲ ርኢቶኦም ኣብ እዋናዊ ኣድማሳዊ ገምጋም፡ መንግስቲ ኤርትራ በቲ ዝኣተዎ ቃል ከም ዘይጸነዐን ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል እዚ ዝበሃል ኣውንታዊ ውጽኢት ከም ዘየመዝገብ ገሊጸምሉ።
ኣቲ ኤርትራዊ ልኡኽ ተሓላቒ ደሞክራሲ፡ ነቲ መብርሂ ምስ ሰምዐ ኣብ ኤርትራ በቲ ስርዓት ካብ ዝፍጸሙ ዘለዉ በደላት እቶም ቀንዲቀንዲ ኣምዝጊቡ። ካብቶም ዝጠቐስዎም፡ ሜላውን ሰፊሕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ደረት ዘየብሉን ብዘይክፍሊት ዝካየድን ግዱድ ኣገልግሎት፡ ንሕስያ ዘየብሉ ፖለቲካዊ ጭቆና፡ ምንፋግ ንቡር ስድራቤታዊ መነባብሮን ስሩዕ ትምህርትን ከምኡ እውን ሕሱም ቁጠባዊ ድኽነት።
ኣብዚ ርክብ ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ንምምሕያሽ ኩሉ ዝኽእልዎ ክገብሩ ድልዋት ምዃኖም ቃል ኣትዮም። ኣተሓሒዞም ከኣ ኤርትራውያን ጉዳዮም ኣብ ምዕራይ መሪሕ ግደ ክሕዙ ከም ዝግበኦም ኣዘኻኺሮም። ኤርትራውያን ዕዉት ውጽኢት ከመዝግቡ ዘለዎም ተስፋ ከኣ ገሊጾም። ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት በገኖም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ልዕሊ ወገናቶም ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክሳተፉ ዘለዎም ተስፋ ጠቒሶም።
ኣብ መወዳእታ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዞባን መላእ ዓለምን፡ ከምኡ እውን ኩነታት ሰብኣዊ መሰልን ጉዳይ ስደተኛታትን ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ናይ ሓባር ረቛሕታት ንምርካብ፡ ተራኺብካ ዘተን ምልውዋጥ ሓበሬታን ቀጻሊ ክኸውን ተሰማሚዖም።
Eritrean Activists Meet with UN Officials in Geneva
Written by NDF/EPDP Press ReleaseNDF/EPDP Press Release
A delegation of Eritrean pro-democracy activists met with senior officials in the Office of the United Nations High Commissioner for Human Rights (OHCHR) and the United Nations High Commissioner for Refugees (UNHCR) in Geneva on Monday and Tuesday, 23-24 January 2017. The delegation included Ambassador Andebrhan Welde Giorgis, Board member of the Forum for National Dialogue (FND) and Eri-Platform, and Mr. Woldeyesus Ammar, Head of Foreign Relations of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP).
The extensive discussions centered on the prevailing human rights situation in Eritrea; the push and pull factors driving the continuous flight of Eritrean youth from the country; the plight of young refugees living in the squalor of refugee camps in Eritrea's neighbourhood; abuses and insecurity in the refugee camps and human trafficking; the role of the relevant UN agencies; and the obligation, under international humanitarian law, of the countries of destination in the region and the Global North to host and provide fleeing Eritreans due protection, including granting them residence and work permits to enable them earn their living pending changes conducive to their safe return home.
The UN officials briefed the Eritrean delegation on the state of play in the ongoing engagement of the OHCHR and the UNHCR with the Government of Eritrea aimed to improve the human rights situation in Eritrea. They shared their perspectives regarding the status of the Universal Periodic Review (UPR), the failure of the government to act on its pledges and the general lack of real progress and tangible improvement in the human rights situation of the Eritrean people.
In turn, the Eritrean pro-democracy delegation underscored the primacy of the push factors: the systematic and widespread abuses of basic human rights with impunity; indefinite active national service without due remuneration; the state of harsh political repression; the denial of the opportunity for normal family life and proper education; and severe economic hardship.
The OHCHR officials expressed their readiness to do all they can to help improve the human rights situation of the Eritrean people. At the same time, they urged Eritreans to take a leading role towards addressing their own problems. The officials hoped that Eritreans would undertake a more effective advocacy work. The UNHCR officials also expressed hope that Eritreans in the diaspora would engage more actively to play their part in helping address the refugee problem affecting their own people.
In conclusion, it was agreed to continue the discussions and exchange information on the human rights situation in Eritrea, the condition of Eritrean refugees in the region and elsewhere in the world, and explore areas of cooperation to improve respect for human rights in Eritrea and the lot of Eritrean refugees, especially in the country’s immediate neighbours.
ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ዝርከብ ጨንፈር ሰዲህኤ ንሓድሽ ዓመት ብሓዱሽ ናይ ቃልሲ መንፈስን ናህርን ንምግጣም ብዕለት 22.01.2017 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ጀሚሩ። ኣኼባ ሰዓት 13፡00 ዝጀመረ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 14.01.2017 ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተኛታት ንገለ ደቓይቕ ደውታ ክፍጸም ምሕባሩ እዩ ተኸፊቱ።
ቀጺሉ፡ ሽማግለ ጨንፈር፡ እዚ ኣኼባ‘ዚ ዓመተ 2016 ተወዲኡ ናይ ዓመተ 2017 ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብምዃኑ፡ ተኣትዩ ዘሎ ዓመት፡ ዓመተ ራህዋን ዓወትን ክንቅይሮ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ከም ዘሎና ድሕሪ ምግላጽ፥ ኣብ ዓመተ 2016 ብህግደፍ እናከፍአ ክኸይድ ዝጸንሐ ፍጻሜታትን፡ ብኣንጻሩ ድማ ብደንበ ተቓውሞ ይኹን ብህዝብና ብጠቕላላ ዝተፈጸሙ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ናይ ተቓውሞ ንጥፈታትን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ተዋሂቡ።
ስዒቡ፣ ኣብቲ ቀንዲ ንኣተሃላልዋ መንእሰያት ዝምልከት መዛረቢ ዛዕባን ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2017 ክቃለሱሉ ዘለዎም ጉዳያትን ብምእታው፤ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ። እዚ ኣርእስቲ‘ዚ ከም ናይ ልዝብ ነጥቢ ኣብዝተላዕለሉ እዋን፡ ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተረኽበ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ጥፍኣት ስደተኛታት፡ ቀንዲ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑን፤ ንሕና ኣባላት ደምበ ተቃውሞ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣብ‘ዚ ግዜ‘ዚ ካብ‘ዚ ኩሉ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ወጺእና ኣብ ውሑስ ቦታ በጺሕና፡ ንዝተኣስሩን ዝጠፍኡን መንእሰያት ኣሓትናን ኣሕዋትናን መታዓብይትናን ከይረሳዕና፡ ኣፍ ክንኮኖም ይግበኣና ዝብል ርእይቶታት እዮም ሂቦም። ወለድና ዘጽንሕዎ ቃልሲ ብምቕጻልን ብምትካእን ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ሕግን ሰላምን ተረጋጊጹ መሰል ኩሉ ዜጋ ዝሕለወሉ ስርዓተ መንግስቲ ክሳብ ዝረጋገጽ ብትሪ ክንቃለስ ኢና ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ነዚ ንምዕዋት ድማ፡ ንሕና ንህግደፍ ብኣተሓሳስባ ክንስዕሮ ምእንቲ፡ ዝማዕበለን ዝነቕሐን መንእሰይ ክህልዉና ስለዝግባእ፤ ክንምሃርን ክንፈልጥን እዩ ዘለና። ካድራትና‘ውን ንመንእሰያትና ብፖለቲካ ከዕጥቕዎም ብርቱዕ ተወፋይነትን ጻዕርን ይሓቶም ኣሎ። ብቀንዱ ግን፡ ንሕና መንእሰያት ኣብ ዓዲ ትምህርትን ዓዲ ምዕብልናን ስለ ዘሎና፣ ነፍስና ኣብ ምምዕባል እምበር፡ ግዜና ኣብ ከንቱ ከይነሕልፍ ክንጥንቀቕ የድልየና። ነቶም ኣብ ደምበ ህግደፍ ከይዶም ኩሉ‘ቲ ህግደፍ ዝጠልቦ እናኣማልኡ ተወሳኺ ሓይሊ ዝኮኑዎ ዘለዉ መንእሰያት እውን ከይተነጻጸግና ከነረድኦምን ብትሪ ክንምክቶም እዩ ዘለና። ኣብ ዓመተ 2017 ሓድሽ ሜላ ናይ ቃልስን ምጥርናፍን ውደባን ከነርኢ ኣሎና ብዝብል መንፈስ ናይ ቃልሲ ድልውነቶምን ጽንዓቶም ገሊጾም። በዚ ከኣ፡ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ተዓጽዩ።
ሓርነት ኦርግ ድሕርቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ዓወት ደሞክራስያዊ ምርጫ ህዝቢ ጋምብያ ብ1 ታሕሳስ 2016 ኣመልኪቱ ነቲ ብሰላም ተኻይዱ ውጽኢቱ ድማ: ዝነበረ ፕረሲደንት ጋምብያ ተቐቢለዮ ምባሉን: ንህዝቢ ኣፍሪቃ ኣየር ደሞክራሲ ዘተንበሀ ፍጻመ ምንባሩን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊርዎ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ዝነበረ ፕረሲደንት ስልጣነይ ኣየረክብን ኢሉ ሓንጊዱ ምጽንሑን ኣበይ ከም ዝውድእን ነቲ ምዕባለ ኣብ ምጽንታው ዝጸንሐ ዓለምን ህዝቢ ጋምብያን: ብሓይልታት ደገፍቲ ምርጫ ህዝቢ ጋምብያ ብፍላይ ሰነጋል ውረድ ወይ ድማ ብሓይሊ ከነልግሰካ ኢና ዝብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ቡራኬ ዝተሓወሶ ስምዕታ: ያሕያ ጃሚህ ከዕጠጢ ድሕሪ ምጽናሕ ነታ ሃገር ገዲፉ ክወጽእ ተቐሲቡስ እቲ ዝሰዓረ ፕረሲደንት ኣዳማ ባረው ክትክኦ ኣብ ምድላው ኣሎ። ኣብዚ ዝጸንሐ ደሞክራስያዊ ምውጣጥ ናይ ስላጣን ሰራዊት ጋምብያ ንውጽኢት ብዝሒ ድምጺ ህዝቢ ጋምብያ ደጊፉ ድው ምባሉ ንኻልኦት ሰብ ጹረራ ትምህርትዩ።
ህዝቢ ጋምብያ 1,849,285 ሚልዮን ኮይኑ: ጋምብያ ብመጠን ስፍሓታ; ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዋ ሃገርያ። ወግዓዊ ቋንቋ ህዝቢ ጋምብያ እንግሊዝዩ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ጋምብያ ግን ቦታዊ ቋንቁኡዩ ዘዘውትር። ካብ ዓሰርተ ጋምብያውያን ትሽዓተ ሃይማኖት ምስልምናዮም ዝኽተሉ ኢዮም። ጋምብያ ረፓብልኪካዊት ሃገር ኮይና ብመሰረት ቁዋም’ታ ሃገር ደሞክራስን ብዝሐ ሰልፍታትንያ ክትመሓደር ዝግባእ። ይኹን እምበር ብግብርስ ኣብዚ ዝሓልፈ 22 ዓመት ብሓያል ምልካዊ ፕረሲደንት ያሕያ ጃሚህ ኢያ ክትደሃኽ ጸኒሓ። ብ1994 ብዕልዋ (ኩደታ) ኣብ ስልጣን ዝደየበ ጃሚህ ኣብቲ ግዜ 29 ዓመት ነይርዎ። ብገለ ክፋል ናይቲ ህዝቢ ደገፍ እኳ ይንበሮ እምበር ቀንዲ ንምልኩ ዝሓገዘ ረቛሕስ ዝተባታተነ ተቛውሞ ካብ ቀንዲዩ ነይሩ። በዚ ዝሰኸረ ጃሚህ ኣምላኽ እንትፈቒዱስ ንሚልያርድ ዓመታት ክመርሕየ ይብል ነይሩዩ።
ዕብዳን ስልጣን ዝዓዘሮ ያሕያ ጃሚህ ኣብ ሓደ ታሕሳስ ዝተኻየደ ውጽኢት ምርጫ ህዝቢ ጋምብያ ኣይቅበልን ብምባል ሓንጊዱ ጸኒሑ: ኣብቲ ምርጫ ኣዳማ ባረው ዝመርሖ ወገን ብ 45.5 ክዕወት ከሎ: ጃሚህ 36.7 ብምምጻእ ተሳዒሩ ኢዩ። እንተኾነ ዕውር ስስዐ ስልጣንን ብልሽው ዘይዓግብ ሸውሃቱን ካብ ምልኪ ብቐሊሉ ከገላግሎ ኣይከኣለን። ኣይወርድን ብምባል ክሕንግድ ፈቲኑ።
ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ሰንጋል ግን ምስ ውጽኢት ምርጫ ህዝቢ ጋምብያ ደው ብምባል: እንተዘወሪድካ ሓይሊ ክንጥቀም ኢና ዝብል መልእኽቶም ነታ ሕብእቲ ፍርሒ ምልካውነት ያሕያ ፊሒራ ምስ ኣውጸአት: ሕራይ ክብል ተቐሲቡስ ሃገር ገዲፉ ወጺኡ። ኣብ ውሽጢ ናይ 22 ዓመት ምልካውነቱ ንብረት ህዝቢ ጋምብያ ክዘርፍ ዝጸንሐ ጃሚህ: መላእ ዝዘረፎ ንብረት ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ። ካብታ ሃገር ክወጽእ ከሎ ግን ዓሰርተ ናተይ ዝብለን መካይን ክማላእ ሓቲቱ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ህዝቢ ጋምብያ ኸኣ ምልካዊ ያሕያ ካብታ ሃገር ለቒቑ ክወጽእን ብዝረኸቦ ደሞክራስያዊ ድምጹ ክዛነን ጀሚሩ ኣሎ።