ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንድ ኣለምዋጭ በጺሖም

2023-02-08 09:49:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1078 times

ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሊፖ ግራንድ ብ7 ለካቲት 2023 ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ዳባት/ጎንደር ናብ ዝርከብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከም ዝበጽሑ ካብ ቢቢሲን ድምጺ ኣሜሪካን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቶም ኮሚሽነር ድሕሪ ምብጸሖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብቲ መደበር፡ ካብተን ኣብ ትግራይ ዝነበራ  ብሰንኪ ውግእ ዝፈረሳ ኣርባዕተ መደበራት ዝመጹ 23 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ጠቒሶም። ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ መደበር መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርትን ምስቲ ኮሚሽን ንዝገብርዎ ምትሕብባር ከም ዘመስገኑ እውን ተሓቢሩ።

ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንድ ምስ ተወከልቲ ናይቶም ስደተኛታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ እቲ መደበር ዘለዎ ጸገም ከም ዝርድኡን ንምፍታሑ እቲ ኮሚሽን ዝከኣሎ ከም ዝገብር ቃል ከም ዝኣተዉሎምን ቢቢሲ ንተለቪዥን ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ሓቢሩ። እቶም ኮሚሽነር ናይቶም ስደተኛታት ጸገም ብጽሑፍ ከም ዝበጸሖም ጠቒሶም፡ ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ተወሳኺ በጀት ከም ዘድልን ነዚ ንምምላእ ካብ ግብረ-ሰናይ ትካላት ከም ዝሓቱን ኣረዲኦም።

እቶም ስደተኛታት ብወገኖም እቲ መደበር ብባህሪኡ ንስደተኛታት ከምዘይጥዕም ጠቒሶም፡ ናይ ቀረባት ጸገምን፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ  ዕጡቓት ምህላዎምን ናይ ድሕንነት ስግኣት ከምዘጋጥም እዮም ብተደጋጋሚ ክጠቕሱ ዝጸንሑ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንድ ናብ ክተማ መቐለ ተጓዒዞም ናይቶም ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ኣብ መጽለሊ ቦታታት ዘለዉ በጺሖም ኩነታቶም ከም ዝተረድኡ ተሓቢሩ።

Last modified on Wednesday, 08 February 2023 10:57