ግብጽን ሱዳንን ተሳትፎ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኣባይ ተቓዊመን
2025-09-04 16:57:52 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 72 timesወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሱዳንን ግብጽን ኣብ ካይሮ
ሚኒስተራት ግብጽን ሱዳንን ብ3 መስከረም 2025 ኣብ ካይሮ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ ማየን ናብቲ ካብ ዓለም ዝነወሐ ፈለግ ኣባይ (ኒል) ዝፈስስ ሃገራት ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ንምስታፈን ዝግበር ፈተነ ነጺጎም፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ጥራይ ክሕጸር ይግበኦ ከም ዝበሉ ቢቢሲ ሓቢራ።
እዚ ዝተገልጸ፡ ኣብቲ ናይ ክልቴን ሃገራት ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያትን መስኖን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ እዩ። እቲ መግለጺ ኣብቲ ንኢትዮጵያን ኣብ ታሕተዋይ ኣካል ናይቲ ፈለግ ዝርከባብ ክልቲአን ሃገራትን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ነተን ዝተረፋ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ዝርከባ ማይ ዘበርክታ ሃገራት ከም ዝሳተፋ ምግባረን ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሉ። ክልቲአን ሃገራት ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ (EGRD)፡ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝጠሓሰን ኣብ ልዕሊ ግብጽን ሱዳንን ስግኣት ዝፈጥርን እዩ ኢለን ከም ዝገልጸኦ ኣብቲ ዝወጸ መግለጺአን ሰፊሩሎ።
እቲ መግለጺ ከም ዘነጸሮ፡ ናይ ኢትዮጵያ በይናዊ ስጉምቲ ኣብ ምምላእ ኣገባብ ማይ፡ ድሕንነት ናይቲ ሓጽብን ብዘይገደብ ማይ ናብቲ ሓጽቢ ምምላእን ብፍላይ ኣብ ናይ ደርቂ ግዝያት ሓደገኛት ተግባር እዩ ኢሉ። እቶም ሚኒስተራት ኣተሓሒዞም፡ ኣስታት 85% ማያ ናብቲ ፈለግ ዝፈስስ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትሕግጋዝ ኣፍደገ ዝኸፍት ፖሊሲ ንክትቅይስ’ውን መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።
ግብጽን ሱዳንን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ወሲኽካ፡ ኣብቲ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ፈለግ ዝርከባ 6 ሃገራት ዝፈረመኦ ስምምዕ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ኒል ካብ ቅድም እየ ዝቃወመኦ። ኣብ ክንድኡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ 1959 ዝተፈረመ እሞ ፡ ካብቲ ማይ ንግብጺ 55.5 ቢልዮን ንሱዳን ድማ 18.5 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ዘውሕስ ስምምዕ እየን ዝድግፋ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንምህናጹ 14 ዓመታት ዝወሰደን ካብ 5 ቢልዮን ዶላር ንላዕሊ ወጻኢ ዝተገብረሉን ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ሓድሽ ቀላይ “ወጋሕታ (ንጋት)” ዝብል ስያመ ሂቡ፡ 9 መስከረም 2025 ንምምራቑ ኣብ ምሽብሻብ’ዩ ዝርከብ።