ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ

2023-02-08 09:38:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 667 times

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ጨንፈር መቐለ

መንግስታዊ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ካብ 7 ጥሪ 2023 ጀሚሩ ኣብ 31 ጨናፍሩ ናይቲ ክልል ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ ከም ዝጀመራ ተፈሊጡ። በቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ መሰረት እተን ኣገልግሎት ዝህባ ጨናፍር ብተሌኮም፡ ናይ ኢንተርነት መስመር ኣብ ዝተዘርገሓሉ ከባቢ ዝርከባ እየን። ኣብተን ዝተረፋ ጨናፍር ድማ ናይ ኢንተርነት መስመር ኣብ ዝተዘርገሓሉ እዋን ኣገልግሎት ምሃብ ክቕጽል እዩ።

በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ከምቲ ናይ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ተጠቀምቲ ኣብ ሓደ ግዜ ክሳብ 50 ሺሕ ብር ከውጽኡ ከም ዝኽእሉን ብነባር ኮነ ሓድሽ ሕሳብ ማዕረ ከም ዝግልገሉን ተሓቢሩ። እንተኾነ ሓደ ሰብ ናይዚ ኣገልግሎት ተጠቃሚ ክኸውን ዝኽእል ኣብቲ መጀመርያ ሕሳብ ዝኸፈተሉ ጨንፈር ጥራይ እዩ። ካብ ወጻኢ ዝለኣኽ ገንዘብ እውን ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ናብ ሕሳብ ናይቲ ተቐባሊ ምስ ኣተወ ኣውጺኡ ክግልገለሉ ይኽእል እዩ።

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ነዚ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ተዛተይቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ድሕሪ ምምይያጦም፡ ናብ ትግራይ 5 ቢልዮን ብር ንክለኣኽ እሞ ናብ ባንክታት ክከፋፈል ምስተወሰነ  እዩ።

ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ትግራይ ተኸፊቱኳ እንተነበረ፡ ብዘይካ ካብ ወጻኢ ካብ ዝተላእከ ገንዘብ ኣብ ሓደ ግዜ 2,000 ብር ምሃብ፡ ስሩዕ ባንካዊ ኣገልግሎት ክህብ ኣይጸንሐን። ካብዚ ንደሓር መንግስታዊ ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩለን ባንክታት ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ክህባ ትጽቢት ኣሎ። ምጅማር ስሩዕ ኣገልግሎት ባንክታት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ምቕራብ ረዲአት እውን ሓጋዚ እዩ።

Last modified on Wednesday, 08 February 2023 10:49