ዲፕሎማስያዊ ዕግርግር ምብራቕ ኣፍሪቃ

2024-07-09 11:20:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 225 times

ኣብ ንቡር ዝምድና ዘለዉ  ዝበሃሉ መራሕቲ ኤርትራን ሶማሊያን

ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ድሕሪ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ወጥሪ ምእታዎም፡ ብ8 ሓምለ 2024 ንሳልሳይ ግዜኡ ኣስመራ ኣትዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ብ9 ሓምለ 2024 ብኡጋንዳ ኣቢሉ ናብ  ፖርት ሱዳን ከም ዝኸደ ሱዳን ነውስ/SUDAN NEWS  ሓቢራ። ፍሉይ ልኡኻ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ድማ ብ9 ሓምለ 2024 ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ጅቡትን ሶማሊላንድ ከኣ ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ከይምዕብል ኣብ ዘስግእ ምፍጣጥ ኣትየን ኣለዋ።

Untitled 2ኣብ ዘይምትእምማን ደረጃ ዘለዉ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን

ናይቲ ዲፕሎማሲያዊ ዕግርግር መንቀሊ፡ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብ1 ጥሪ 2024 ብዛዕባ ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ኣገልግሎት ወደብን መመስረቲ ሓይሊ ባሕር መሬት እትረኽበሉን ምስኡ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊ ሃገር ኣፍልጦ እትህበሉን ዝተፈራረምዎ መረዳድኢ ሰነድ፡ ኣብ ሱዳን ካብ 15 ለካቲት 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናሓደረ ዝሕርፍፍ  ዘሎ ዝምድናን ዝጥቀሱ እዮም።

Untitled 3ኣብዚ እዋንዚ ዝፋጠጡ ዘለዉ መራሕቲ ጅቡትን ሶማሊላንድን

መራሒ ሶማሊያ ድሕሪ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣንካራ ዘካየድዎ ዘተ ምፍሻሉ ደገፍ ኢሳያስ ንምርካብ እዩ ገይሹ። ኣብይ ኣሕመድ ናብ ፖርት ሱዳን ዝኸደሉ ድማ ኢትዮጵያን ዓረብ ኢማራትን ኣብ ኣፈታትሓ ጉዳይ ሱዳን ዘለወን ርኢቶ ንምግላጽ ምዃኑ ተፈሊጡ። ናብ ኡጋንዳ ዝኸደሉ ምኽንያት ድማ ፕረሲደንት የወሪ ሞሰቪኒ ናይቲ ብኢጋድ ጉዳይ ሱዳን ክከታተል ዝተመዘዘ ኣካል መራሒ ስለ ዘሎ እዩ። ኣምበሳደር ማይክል ሃመር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸደሉ ድማ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ዝግምገመሉ ዝርርብ ንምስታፍን ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ከምቲ ናይ ትግራይ ብዘተ ንክትፈትሖ ንምትሕስሳብ እዩ።

Untitled 4ፈረምቲ ኣመያየጥን ተዓዘብትን ናይቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ውዕል ፕሪቶርያ

እዚ ኩነታት ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ዋዒ ምውሳኹ ዘርኢ እምበር፡ ነቲ ዝጸንሐ በቲ ሓደ ወገን ሱዕድያ፡ ግብጺ ኤርትራ፡ ሶማሊያ፡ ወገን ጀነራል ኣልቡርሃን ጅቡትን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓረብ ኤመረት፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊላንድን ወገን ጀነራል ሕመቲን ሒዘምዎ ዘለዉ ተጸራሪ ኣሰላልፋ ዝቕይር ኣይኮነን። እዚ ኩነታት ነቲ ካብ ቀደሙ ዘቤታዊ ጉዳዩ ጓስዩ ደገደገ ዘማዕዱ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ውዲታት ንክኣልም ዕድል ዝህቦ ዘሎ ይመስል።

ንገዛእ ርእሳ ሃዲኣ ከባቢ ኣብ ምትህድዳ ግደ ክህልዋ ትጽቢት ዝተገብረላ ኤንያ ኣብ ሓድሽ ህዝባዊ ናዕብን ዕግርግርን ምእታዋ ከኣ ንኩነታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጋድድ እዩ።.

Last modified on Tuesday, 09 July 2024 13:46