ኣኼባ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ

2017-11-13 11:12:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2694 times

ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ12 ሕዳር 2017 ኣኼባ ኣካይዳ። ኣብዚ ኣኼበኣ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዝተሰወአ ናይታ ጨንፈር ኣቦመንበርን ወኪል ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ኣብ ኢትዮጵያን ዝነበረ ስዉእ ኪሮስ ወልደኣብ ፍሰሃየ ዘኪራ፡ ብዛዕባ ኣገደስቲ እዋናዊ ኤርትራውን ሰልፋውን ዛዕባታት ብሰፊሑ ተመያይጣ።  ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ኣኼበኣ ካብ ዝተመያየጠትሎም፡ ተሳትፎ ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈረንስ ፍራንክፈርት፡ ተመሃሮን ወለደን ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያ፡ ኣንጻር ዓማጺ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ንዘርኣይዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምድጋፍ በብኹርንዑ ዝረአ ዘሎ ናይ ደገፍ ሰልፍታትን ኣገዳስነት ሓቢርካ ምስራሕን ዝብሉ ጉዳያት ይርከብዎም።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብቲ ብመድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝተዓደመ ኣብ 20-22 ጥቅምቲ 2017 ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ምስታፉ ንኢዶም፡ ንመጻኢ እውን ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ እንካን ሃባን መድረኽ ተሳቲፍካ ርኢቶኻ ኣብ ኣገዳስነትን ከመይነትን ሓቢርካ ምስራሕ ብመንጽር እማመ ሰልፍና ሓቢርካ ንምስራሕን ካልኦት ሃገራዊ ዛዕባታትን ምንጽብራቕ ቀጻሊ ክኸውን ከም ዝግበኦ መዚኖም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ መጻኢ ዝግበር ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ስምምዓት ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዝተማህረን ንድሕሪት ዘይምለስን ክኸውን ከም ዝግባእ ኣዕዚዞም ኣገንዚቦም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣኽርያ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ክርስትናን እስልምናን ዘይፈሊ ኣልማማ ግህሰታቱ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ተረኽቦ ከም ናይ ከፋፊልካ ምግዛእ መሳርሒ ንከይጥቀመሉ ኩልና ኤርትራውያን ብጥንቃቐ ክንሕዞን ናብ ሰፊሕ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ማዕበል ከነዕብዮ ከም ዝግበኣናን ኣንጸባሪቖም።

ኣብ መወዳእታ ነቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ ስዉእ ኣባል ጨንፈሮምን ኩሎም በሃግቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ኤርትራውያን ሰማእታት ዝገደፍሎም ሕድሪ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕን መትከላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ኣብ ሕጋውን ስርዒታውን መስመር ብምጽናዕ ክቃለሱ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Last modified on Monday, 13 November 2017 12:16