ጨንፈር ሰ.ዲ.ህ.ኤ.ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ

2017-11-13 12:05:03 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2715 times

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን  ብዕለት 12.11.2017 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ሰዓት ብኣቦ መንበር ጨንፈር ብናይ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ምስ ተኸፈተ ኣብቲ ቀንዲ ዛዕባ ተኣትዩ።

ዝነበረ ዛዕባ ድማ፡-

  1. እዋናዊ ሰልፋውን ዞናውን ዓለማውን ሓበሬታታት ምልውዋጥ፤
  2. ገምጋምና ናይቲ ብዕለት 11.11.2017 ዝተገብረ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት፤
  3. እምነት ሰዲህኤ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን  ንዝህሉ ዝምድና ዝብሉ ኔሮም።

ኣኼበኛ ነዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ሓደ ብሓደ ተዘራሪቡሎም። እቲ ዝበዝሐ ግዜ ዝወሰደ ምርድዳእ ድማ ኣብቲ 2ይ ነጥቢ እዩ። ኣባላት ጨንፈርና ኣብዚ ዝነበረ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ‘ዚ ብምስታፍ ዓቢ ተራ ስለ ዝተጻወቱ ሽማግለ ማሕበር ኣሞጒሱ። ብቐዳምነት እዚ ሰላማዊ ሰልፊ‘ዚ፡ ኣካል ናይ‘ቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣብ ምሉእ ዓለም ብደለይቲ ፍትሒ ምእንቲ መሰል ክካየድ ዝቐነየ ሰላማዊ ሰልፍታት ምዃኑ ኣኼበኛ ተረዳዲኡሉ። እዚ ኩሉ ክካየድ ዝቐነየ ሰላማዊ ሰልፍታት‘ዚ ድማ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ምዃኑን፤ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝካየድ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፍታት ፍልይ ዘብሎ ድማ፡ ብመንእሰያትን ህዝብን ኣስመራ፡ ኣብ ውሽጢ ርእሰ ከተማና ዝተጀመረን ብእኡ ጌሩ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝለሓመን ብምንባሩ እዩ። ኣካያዲ ቤት ትምህርቲ እስላሚያ ኣኽርያ ኣቦና ሸኽ ሙሳ መሓመድ ኑር ድማ፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወስደ ስጉምቲ ናይ ኣብ ሃይማኖት ኢድ ምእታው፡ መሰል ህዝቢ ምግፋፍ ስለ ዝኾነ፡ ዝመጸ ሽግር ይምጻእ ክንቃወሞ ኢና ብምባል ዝሃብዎ መግለጺ፡ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ንፍርሂ ስዒሩ ተባዕ ተቓውሞ ከም ዘርኢ ጌሩዎ‘ዩ። ገለ ካብቶም ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝነበሩ ጭርሖታት ድማ፡ መሰል ህዝቢ ይተሓሎ፡ ኩሎም ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ይፈትሑ ዝብሉን፡ ስእልታት ናይቶም ንልዕሊ 11 ዓመት ብስርዓት ህግደፍ ተኣሲሮም ዘለዉ ብጹእ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስን፡ ኣብቲ ብዕለት 31.10.2017 ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣስመራ ዝተኣስሩ ሸኽ ሙሳ መሓመድ ኑርን ኔሮም። ኣኼበኛ ድማ ነዚ ሰላማዊ ሰልፍ‘ዚ ብምድጋፍን ምምጓስን፡ ኣብ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሓደ ካብቲ ካብ ውሽጢ ዝብገስ ተባዕ ተቓውሞን ምዃኑ ድሕሪ ምግምጋምን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ክሳብ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝወድቕ ክቕጽሎን ጸዊዑ።

ብተወሳኺ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ንትሕዝቶን መልክዕን ናይቲ ዝተራእየ ተቓውሞ ምእንቲ መሰል ህዝቢ፡ ናይ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ጌሩ ብምግላጽ ከጸልሞን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣፋላላይን ግርጭትን ክፈጥር ዝገብሮ ዘሎ ፍሹል ፈተነ ዝኹንንን፥ ሓድነት ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ ሰላማዊ ሰልፊ ምንባሩን‘ውን ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ። 

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣኼበኛ ነቲ ሰልፊ ሰደህኤ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ዘሎ ዝምድና ኣብ ቁዋሙ ኣስፊሩዎ ዘሎ ኣርእስቲ ብምግላጽ፡ ንመሰል ሃይማኖታት ዘኽብር ምዃኑ ተረዲኡ። መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም‘ውን ከም ኣባል መንእሰያት ሰዲህኤ መጠን ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ጸረ እቲ ዝውጽዖምን ዝገፍዖምን ዘሎ ስርዓት ክምክቱ ሎሚ እዋኑ ምዃኑን፡ ንሕና‘ውን ኣብ ጎኖም ከም ዘሎናን ዝገልጽ ናይ መጸዋዕታ ጽሑፍ ኣንቢቡ። ኣኼባ ብዝክረ ስዉኣት ተዛዚሙ

 

      

Last modified on Monday, 13 November 2017 13:10