ዜናዊ ጸብጻብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኦስሎ

2017-11-12 16:00:34 Written by  ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3425 times

ብዕለት 11 ሕዳር 2017  ብብዝሕን ብዙሕነትን ተሳተፍቱ ካብ  ናይ ቅድሚ ሕጂ  መዳርግቲ ዘይረኸበ  ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ተኻይዱ።  ሊዕሊ  ሰለስተ ርብዒ ተሳተፍቲ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፍዚ መንእሰያት ኮይኖም፣  ተራእዩ ዘይፈልጥ ቁጽሪ ደቂ ኣንስትይዮን፣ ሰብ ዕድመ ኣደታትን ኣቦታትን እውን ብብዝሒ ተረኺቦም ነይሮም። ተሳተፍቲ ካብ ኦስሎን ከባብን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ርሑቕ ከተማታት በርገን፣ ስታቫንገር፣ ሽየን፣ ሶገንዳል፣ ድራመንን ካልኦትን ብብዝሒ ተወዲቦም ሊዕሊ ሸውዓተ ሰዓታት ብምጉዒዝ ተሳቲፎም ከምዝነበሩ ምንጭታት ሓበረታ ሓርነት ኦርግ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ሰልፍኛታት ልክዕ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቕትሪ ካብ ዝተመደበሎም ነቆጣ ብፈረሰኛታት ፖሊስ ተዓጂቦም ብምብጋስ፣ ድሕሪ ናይ ፍርቒ ሰዓት ጉዕዞ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ በጺሖም። ኣብ ጉዕዞ ሰልፊ ኮነ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ሰልፈኛታት ብቋንቋታት ኖርወይ፣ ኢንግሊዝ፣ ዓርብን ትግርኛን ብልዑል ድምጺ ብምጭራሕ፣ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ኩሉ እከይ ተግባራቱን ዝኹንን፣ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ንምኽባር ኤርትራዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሊዕሊ ስርዓት ኣስመራ ዘድሊ ስጉምቲ ንኽወስድ ዘዘኻኽር ጭርሖታት ኣስሚዖም።

Norway Demonstration 11.11.2017

 ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ እውን ቃል ኣዳላዊ ሽማገለ ሰላማዊ ሰልፊ ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ዕረበኛን ኖርወይን ምስተሰምዐ፣ ቀጺሉ ብቋንቋታት ትግረ፣ ትግርኛን ዓረበኛን ብርክት ዝበሉ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎም ግጥምታት ብደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተነቢቦም።

ብምቅጻል ሰልፈኛታት ኣብ ዝተዳለወሎም ኣድራሽ ኣትዮም፣ ዝተቐረበሎም እኽለ ማይ እንዳተመገቡ ድማ ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት፣ ርእይቶታትን ለበዋታትን ተመጋጊቦም፣ ዝተፈላለየ ግጥምታት ብቋንቋታት ሳሆን፣ ዓፋርን፣ እውን ተነቢቦም፣ ሓያለይ መደረታትውን ተሰሚዕም።

ናይቲ ኹሉ ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ለበዋታትን ትሕዝቶ ድማ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባውን ሓባራውን ምንቅስቃስ ቃጻልነት ክረክብን፣ ኣድማዒ ኮይኑ ኣብ ዓወት ከብጽሓናን ኩሎም ሰብ ዕድመ ኣቦታትን ኣደታትን ኣብነት ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ተኸቲሎም ንሓቅን ፍትሕን ክሕለቁን ክማጎቱን፣ ኩሎም መንእሰያት ድማ ወረስቲ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኮይኖም ንስለ ሓቒ ደው ዝበሉ ክኾኑ ዝጽውዕን ዘዘኻክርን ነበረ። ኣብ መወዳእታውን ኣብ ዘዘሎናዮ ከባቢ ሓያል ውዳቤታት መስሪትና ብምንቅስቃ፣ ኣብ ዘሎናዮ ሃሊና  ንመሰልና ሓደ ድምጺ ኮና ክንማጎት፣ ሓደ ኢድ ኮና ድማ ክንቅለስ ለበዋን ምሕጽንታን ቀሪቡ።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ንባዕሉ፣ ብውህደትን ማዕረ ተሳታፍነትን ናይ ሊዕሊ ዓሰርተ ዝኾና ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራትን ግዱሳትን ውልቀሰባትን ተዳልዩ፣ ዕዉትን ኣድማዕን ስራሕ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፣ ሓደ ኣብነት ናይ ሓድነት ኣብ ብዙሕነትን፣ መርኣያ ውጺእት ሓቢርካ ምስራሕን ከምዝነበረ ምንጭታት ሓርነት ኦርግ ካብቲ ቦታ ጠቂሶም።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ!

ክብርን ሞገሰን ንስዉኣትና!

  

Last modified on Sunday, 12 November 2017 22:12