ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ መጻኢ መደባታ ሰሪዓ

2017-11-09 12:06:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2601 times

ኣባላት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ  ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ኤውሮጳን ዝተሳተፈኦ ኣኼባ ብ4 ሕዳር 2017 ኣካይደን። ኣብዚ ኣኼባአን ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዳህሲሰን ብፍላይ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ብምኽንያት እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣልእስላምያ ብህግደፍ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝተላዕለ ነቲ ተግባር ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ኣብ ጐድኒ እቶም ግዳያት ደው ከም ዝብላ ኣረጋጊጸን። ከምኡ እውን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር ክለዓልን ንሃገራዊ ረብሓ ልዕሊ ኩሉ ክሰርዕን ኣዘኻኺረን፡ ካብኣተን ዝድለ ኩሉ ከበርክታ ድልዋት ምህላወን እውን ኣረጋጊጸን።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ዓመታዊ መደብ ዕዮ ናይቲ ቤት ጽሕፈትን ምምሕያሽ ምምሕዳሩን ኣብ ዝምልከቱ  ዛዕባታት ተመያይጠን። ነቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክስራሕ ዝግበኦ  መደብ ዕዮን ኣተገባብራኡን ብዝምልከት ተመያይጠን መደባት ሰሪዐን። ኣብ ምክፍፋል መደብ ስራሕ ከኣ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ፡ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ያቆብን ወ/ሮ ኣልጋነሽ ይስሃቅን ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን። ኣብዚ ኣኼባ ንምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ብኣደ ወንበር ናይቲ ምትእስሳር ወ/ሮ ገርግሽ ነጋሽን ምክትላ ወ/ሮ ገነት ሃብተገርግስን ናይ ዝሓለፈ ስረሓት ገምጋም ቀሪቡ።

ኣብዚ ኣኼባ ንተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሱዳን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ወድ-ሸሪፈይ ዝምልከት ፕሮጀክት ኣውጺአን ብዝቐልጠፈ ግዜ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ መጽናዕቲ ከካይዳ ተሰማሚዐን። ኣብ ርእሲ እዚ ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ  ምስ ኩለን ኣብ ውድባትን  ማሕበራትን ዘለዋን ብውልቀን ዝንቀሳቐሳን ደቂ ኣንስትዮን ሓቢርካ ንምስራሕን ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ ንክሕይልን ብዙሓት ከም ዝሳተፈኦ ንምኽኣልን ጻዕረን ከም ዘሐይላ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣረጋጊጸን።

Last modified on Thursday, 09 November 2017 13:09