ሰዲህኤ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ፡ ካናዳ፡ ኣካይዱ

2017-07-26 06:29:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4504 times

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ብሰንበት ዕለት 23 ሓምለ 2017 ኣብ ከተማ ቶሮንቶ፡ ካናዳ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

 

ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሩ፡ ሓው ትኩእ ተስፋይ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፓወር ፖይንት ዝተሰነየ ንንጥፈታት ናይ ሰዲህኤ ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ ድማ፡ ንዝኽሪ ናይ ሰማእታት ኣኼበኛታት ደው ክብሉ ጸዊዑ።

Toronto230717 public 4

ሓው ትኩእ ተስፋይ ብምቕጻል፡ ንዕድመ ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ ቶርኖንቶ ኣኽቢሮም ዝመጹ ኣጋይሽ ኣመስጊኑ፡ ሕጽር ዝበለ ታሪኽ ህይወት ናይ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ድማ ኣቕሪቡ

 

ብድሕር’ዚ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ብክልተ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝቐረበሎም ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም መግለጺ ዕታር ዕምባባ ተቐቢሎም። ብሓባር ድማ ንዝኽሪ ዝኸውን ስእሊ ተላዒሎም።

 

Toronto230717 MAGTandLetebrhan

 

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ መድረኽ ካብ ሓው ትኩእ ተስፋይ ተቐቢሉ፡ ንኣኼበኛታትን ነቲ ኣኼባ ዘዳለወት ጨንፈር ሰዲህኤ ቶሮንቶን ብምምስጋን ኢዩ መግለጺኡ ጀሚርዎ።

Toronto230717 MA

ኣስዒቡ፡ ሰዲህኤ መን’ዩ ዝብል ዛዕባ ኣልዒሉ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ። ማሕበራዊ፡ ዜናውን ህዝባውን መዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶም ንጥፈታት ብዝርዝር ሓቢሩ።

 

ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ሰዲህኤ፡ መስራቲ ኣባል ናይ’ቲ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ሰልፍታት ዝኣባላቱ ገስጋሲ ምሕዝነት (Progressive Alliance) ምዃኑ ሓቢሩ። ከምኡ’ውን፡ ምስ መራሕቲ መንግስታትን ሰልፍታትን ዓለም፡ ምስ ኣህጕራዊ ትካላትን ብኣካል ብምርኻብን ብመዘክራትን ኣቢሉ ንሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ፥ ኵነታት ደምበ ተቓውሞን ምስ ወጻእተኛታት ንምፍላጥ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ከምዝገብር ኣረዲኡ። ጕዳይ ስደተኛታት ድማ፡ ሓደ ካብ’ቶም ቀዳምነት ሂቡ ዝንቀሳቐሰሎም መዳያት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

Toronto230717 public 2

ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ድማ፡ ነቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ካብ 600-800 ዝዀኑ ህጻናት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ናይ ምክያድ ምሉእ ሓላፍነት ተሰኪሙ ይጓዓዝ ምህላዉ ኣረዲኡ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ምስ ኣሰን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ዝተባህሉ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር ከምዘካይዶ ድማ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ነዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ እግሪ ኣብ ምትካል፡ ሆላንዳውያን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ነፍስሄር ኣባ ማሪኖን ምሕዝነት ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራን ዝተጻወትዎ ተራ ዘኪሩ።

 

ኣስዒቡ ብመደብ ናይ ርሑቕ ወላዲ ዝጽዋዕ፡ ንዓቕሚ ዘይብሎም ኤርትራውያን ህጻናት ኣብ መደበራት ስደተኛታት ከምመጕዚት ወይ ወለዲ ኰይኖም ዝሕግዝዎምን ዘምህርዎምን ገበርቲ ሰናይ ዝዀኑ ኤርትራውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ውልቀሰባት ብምውዳድ ዝካየድ ንጥፈታት ከምዘሎ ሓቢሩ። ህዝቢ ድማ፡ ኣብ’ዞም መዳያት እዚኣቶም ተራኡ ክጻወት ተማሕጺኑ።

 

ብመዳይ ህዝባዊ ዕዮ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ ብደረጃ ጨናፍርን ዞባታትን ዝተሰርዑ ኣባላት ምህላዎምን ኣብ ዜናዊ መዳይ ሰልፍና ዝጥቀመሎም መሳለጢታትን ተራኦም ኣብ ምጕስጓስን ምጥርናፍን ብዝርዝር ገሊጹ።

Toronto230717 public 3

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ዝተዛረበሉ ካልኣይ ኣርእስቲ ድማ፡ እቲ ኣብ ከተማታት ኦክላንድ፡ ሳንዲየጎ፡ ቺካጎን ስያትል፡ ዊኒፐግ ዘቕረቦ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝምልከት እማመ ኢዩ ነይሩ።

 

ኣብ መወዳእታ፡ መድረኽ ንሕቶ፡ መልሲ፡ ርእይቶን ለበዋን ተኸፊቱ። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ሓው ትኩእ ተስፋይን ድማ ተሓባቢሮም ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልስታትን ሂቦምን ካብ ህዝቢ ዝቐረበሎም ለበዋታትን ርእይቶታትን ድማ ሰሚዖም።

Toronto230717 Ghere

ኣኼበኛታት እውን በቲ ዑደት ይኹን ዝተዋህቦም መግለጺታት ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጾም፤ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ብቐጻልነት ክካየድን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብሓባር ክሰርሑን ተላብዮም።

Last modified on Wednesday, 26 July 2017 08:58