4ይ ጉባአ ፈዲምኤ ተኸፊቱ

2017-07-26 21:09:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3734 times

ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ 25 ሓምለ 2017 4ይ ጉባአኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊቱ። ኣብዚ  ኣብ ትሕቲ “ሕድሪ ስዉኣት ሰውራና ብምሕንጋጥ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ንምርሽ” ዝብል መሪሕ ጭረሖ ዝተኸፍተ ጉባአ፡ ብዘይካ መራሕትን ኣባላትን እቲ ምንቅስቓስ ወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተሳቲፎምን እውን ተሳቲፎም።

ናይቲ ምንቅስቓስ ኣቦመንበር ሓው በሽር ይስሃቅ ኣብቲ መኽፈቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ነጻነት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሕሱም መነባብሮ ብዝርዝር ጠቒሱ፡ ኤርትራ ካብቲ ብዙሕነታ ዝገልጽ መምዘንታት ናይ ሓድኡ ዘይኮነትስ ብመንጽር ሃይማኖት ይኹን ብሄር ወይ ብመንጽር ከበሳን መታሕትን ንኹሎም ኤርትራውያን ማዕረ እትብጸሖም እያ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንኤርትራን ህዝባን ካብዚ ዘለዉዎ ሓደገኛ ኩነታት ንምድሓን፡ ናይ ሰባት ዘይኮነስ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከም ዘድሊ ገሊጹ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ነፍሲ ወከፍ ምእንቲ ለውጢ ዝቃለስ ውድብ ይኹን ውልቀሰብ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ንምምጻእ ኩነታቱ መርሚሩ ከካብ ገዛእ ርእሱ ክጅምር ይግበኦ ኢሉ። ኣብዚ መኽፈቲ ስነስርዓት ናይቲ ጉባአ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቃል ተሰሚዑ፡ ውድባትን ሰልፍታትን ከኣ ገለን ብኣካል ገለን ድማ ብመልእኽቲ  ናይ ምሕዝነት መልእኽተን ኣቕሪበን።

ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡   ንዓወት እቲ ጉባአ  ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ምስ ገለጸ፡  “ሰዲህኤ ኣብዚ እዋንዚ  ዝርዝር ትሕዝቶኡ፡ ናብ ኩሉኹም ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍናታትን ደምበ ተቓውሞ በጺሑ ዘሎ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚት ዝሰርዓ፡ ኣብቲ ውሱን ንሰማመዓሉ ነጥብታት ዘትከለ ብሓባር ከስርሕ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ንምፍጣር ንምዝታይ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ኣሎ።  እዚ መጸዋዕታ ካብቲ ኩልና ብዝተፈላለዩ መልከዓትን ኣጋጣምታትን  ነቃልሖ ዘለና ናይ “ብሓብር ምስራሕ መተካእታ የብሉን” ጭርሖ ስለ ዝነቅል ከሰማምዓና ተስፋና ልዑል እዩ።” ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቑ።

Last modified on Wednesday, 26 July 2017 23:15