ብሕታዊ ንግዳዊ ትካላት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስለያ

2017-05-19 18:01:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2333 times

ስርዓት ህግደፍ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ትካላት ዝዘርግሖ መርበብ ስለያ ዝያዳ ከም ዘሕየሎ ካብ መርበብ ዓዋተ ዝሰፈረ ሓበሬታ ገሊጹ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ሰራሕተኛታት ስለያ ሃገራዊ ድሕነት ናብቶም ነቲ መንግስቲ ህግደፍ ዘውጸኦ ናይ ቸክ ስርዓተ ምንቅስቓስ ናቕፋ ጥሒሶም፡ ጥረ ገንዘብ የንቀሳቕሱ ኣለዉ ዝበሃሉ ነጋዳ ኣድሂቦም ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ እንከሉ ብመንጽር ንትካላትን ንውልቀሰባት ዝመደቦ ዓቐን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ባንክ ዘሎ ካብቲ ዝተጸበዮ ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑን፡ ነቲ መምርሒ ጥሒሶም ጥረ ገንዘን ዝሓብኡ ወገናት ከም ዝህሰዩን ከከም ክብደት ናይቲ ጉዳይ ከም ዝእሰሩን ትካላቶም ከም ዝዕጾን እውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ብመሰረት እቲ ስርዓት ኣውጺእዎ ዘሎ ሕጊ፡ ኣብ ባንክ ሕሳብ ዘለዎም ኣብ ወርሒ 5 ሺሕ ናቕፋ ወጻኢ ይግበሩ፡ እንተኾነ ነዚ 5ሺሕ ኣብ ምንታይ ከም ዘውዓልዎ መረጋገጺ እንተዘይኣቕሪቦም ዋላ ኣብ ሕሳቦም ገንዘብ ይሃልዎም ቀጻሊ ከውጽኡ ኣይፍቀደሎም እዩ።

ነዚ ምንቅስቓስ ገንዘብ ንምክትታል ተወሰኽቲ ኣባላት ስለያ ተቖጺሮም ከም ዘለዉን፡ እዞም ሓደስቲ ሰለይቲ ከም መቕሹስ፡ ኣብ ምዕዳል ራሽን ዝያዳ ኩቦን ከም ዝወሃቡን ካብ ኣብ ገጠር ኣብ ከተማ ናይ ምምዳብ ዕድል ከም ዝረኽቡን እዚ ካብ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ሓደ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈረ ሰብ ብክኢላዊ ዘይኮነ ጸብጻብ ናይቶም ሰለይቲ ተገምጊሙ፡ ንግዳዊ ምንቅስቓሱ ካብ ዓቕሚ’ቲ ዘዋህለሎ ገንዘብ ንላዕሊ እዩ እንተተባሂሉ ይሕተት እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብዞም ነጋዶ ዝስላዕ ግብሪ ኣፍልጦ ብዘይብሉ ግምት ናይዞም ሰለይቲ እዩ። በዚ ናይ ሓለፍቲ ቀጻሊ ኢድ ኣእታውነትን ዘይሓጋዚ ፖሊሲ ገንዘብን ንግድን ብዙሓት ኤርትራውያን ነጋዶ ትካላቶም ክዓጽዉ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ኣብ ዝኣምንዎም ወገናት ብጸሊም ዕዳጋ ክነግዱ ተገዲዶም ኣለዉ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብቶም ብሕጊ ክነግዱ ዝፍትኑ ክሳብ ክንድዚ ገንዘባዊ ምቁጽጻር ዝገብር ዘሎ፡ ኣሙናቱን ናይ ስልጣኑ ሓለውትን ግና ሚሊዮናት ናቕፋ ኣብ ገዛውቶም ከም ዝኽዙኑን ክሳብ ናብ በዓል ሱዳን ወሲዶም ናብ ዶላርን ካልእ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ከም ዝቕይሩ እንዳፈለጠ እዩ። 

Last modified on Friday, 19 May 2017 20:09