ሓባራዊ ኣኼባ ጨናፍር ሰዲህኤ ኣወስትራልያ

2017-05-21 09:09:59 Written by  ወኪል ዜና ኣወስትራልያ Published in EPDP News Read 2265 times

ኣብ ኣወስትራልያ ዝርከባ ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንበት 14 ጉንበት 2017 ናይ ሓባር ኣኼባ ከም ዘካየዳ ወኪል ዜና ሰዲህኤ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

እተን ጨናፍር ኣብ ኣኼባአን፡ ንሃገርን ንሰልፍን ኣብ ዘገድሱ ዓበይቲ ጉዳያት ብሰፊሑ ተመያይጠ፡ ከም ውጻኢቱ ናብ መርሕነት ሰልፊ፤ እዋናውያን ኣገአደስት ለበዋታትን መተሓሳሰብታትን ኣቕሪበን። ኣብ ርእሲ እዚ፡  ኣብ’ዚ ኣኼባ'ዚ ሰልፊ ንምሕያል $2500 (ክልተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን) ኣወስትራልያን ዶላር ተወፍዩ።  እቲ ወፈያ ኣብ መጻኢ’ውን ቀጻሊ ከም ዝኸውን ተገሊጹ። ነዚ ዝተጠቕሰ ወፈያ ዘበርከቱ፡ 1- ደስታ ተኽለ (ብርኮይ)  $1000፡ 2- ብንያም ሃይለ $500፡ 3- ተኪአ ተስፉ  $500ን 4- ሃይለ ገብሩ $500ን እዮም።

Last modified on Sunday, 21 May 2017 11:30