ኣብ ኤርትራ ምጥፍፋእ መመሊሱ ይስዕርር

2017-05-18 05:27:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3274 times

ነበርቲ ከተማ ኣስመራ፡ ንመካይን ዝኸውን ነዳዲ ኮነ ኣብ ገዛ ንመብሰልን መብራህትን ዝጥቀምሉ ላምባ ንምርካብ፡ ከምቲ ናይ ባኒ ሪጋ ተሰሪዕም ይሓድሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። ኣብ መስርዕ ሓዲርካ እውን፡ ደሓር የለን ወይ ተወዲኡ ኢሎሙኻ ጥራይ ኢድካ ምምላስ ከኣ ዝተለምደ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ምናልባት እንተተረኽቡ እውን እቶም ዝሸጥዎ፡ ብኣባልነቶም ናብ ህግደፍ ቅርበት ዘለዎም ገንዘብ ንምኽዕባት ማይ ሓዊሶም ስለ ዝሸጥዎ ተሽከርከርቲ ዘበላሹ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብቲ ናይ ገዛ ኣገልግሎት እውን ጸገማት ይፈጥር ኣሎ። እዚ ድማ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ብእኹል ደረጃ ዘየቕርብ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ዝኣምኖም ኣባላቱ ኣብ ምጥፍፋእ ጥሒሎ ከም ዘለዉ ዘመልክት እዩ።

ምስዚ ምጥፍፋእ ብዝዛመድ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ኩሉ ኣባል ህግደፍ እዩ ካብ ዝብል ሸፈጥ ነቒሉ ኣገዲዱ ናይ ኣባልነት ውጽኢት እንዳኣከበ ካዝናኡ ከም ዘህጥር ተገዲዶም ዝኸፍሉ ወገናት ኣቃሊዖም። እቲ ክፍሊት ኣብ ከታማታት ብውሕዱ ኣብ ወርሒ ናይ ሰብእይን ሰበይትን 24 ናቕፋ ከም ዝበጽሕ ይጠቕሱ። ሕሉፍ ሓሊፉ ናይ ቃል ኣዋዲ እንዳተባህለ ብስም ኣብያተ-ክርስትያን ዝዋጻእ ገንዘብ‘ውን ኣብ ካዝና ህግደፍ እዩ ዝኣቱ። እዚ ናይ ግዱድ ግብሪ ጉዳይ ኣብ ከተማታት ጥራይ ዝተደረተ ዘይኮነ ኣብ ገጠራት እውን ብሰፊሑ ከም ዝዝውተር እሞ ህግደፍ ንሓረስቶት ብደረጃታት መዲቡ ኣብ ዓመት ታሕተዎት 75-80 ናቕፋ ላዕለዎት ድማ 80-16 ናቕፋ ከም ዝኸፍሉን እዚ ገንዘብ ኣብ ካዝና ህግደፍ ከም ዝኣቱን እቶም ከፈልቲ የረድኡ። እቲ ዘገርም ከኣ እቲ ግብሪ ግዱድን ብዘይንጹር ሕጊ ዝእከብን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ከፋሊ ግብሪ፡ ካብቲ ግብሪ ዝእክብ ኣካል ዝረኽቦ ኣገልግሎት ዘይምህላዉ እዩ።

Last modified on Thursday, 18 May 2017 07:40