ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ጀነሬተር ካብ ሕሙም

2017-05-17 18:53:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3118 times

ኣብ ኤርትራ ተመርሚሮም መጥባሕቲ ከም ዘድልዮም ዝተረጋገጸ ሕሙማት፡ እቲ ሆስፒታል ንመስርሕ እቲ መጥባሕቲ ዝኸውን ሓይሊ ኤለትሪክ ከቕርብ ስለ ዘይክእል ሕሙማት ናቶም ጀነሬተር ከቕርቡ ኣብ ዝግደድሉ ደረጃ ተበጺሑ ከም ዘሎ ካብ ወጻኢ ኣብ ኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ቤተ-ሰቦም ዝወረደ ጸገም ብምጥቃስ ሓቢሮም። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ብብዝሒ ይረአዩ ካብ ዘለዉ ሕማማት እቶም ቀንዲ፡ ወቕዒ፡ ሽኮር፡ ብዝሒ ደም ከምኡ ውን መንከስቲ ተመን ምዃኖም ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ በዞም ሕማማት ተታሒዝካ ናይ ምሕዋይ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ይሕብሩ። ኣብዚ መዳይዚ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝሕዝ ጸገም ስእነት መድሃኒት ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ ኣብያተ-መድሃኒት ጥራዩ ገረውረው ከም ዝብልን ዋናታቱ ግና፡ ዝሽየጥ መድሃኒት  ዘይብሎም ክነሶም ብቐጻሊ ግብሪ ክኸፍሉ ከም ዝግደዱ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ምስዚ ብዝተተሓዘ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ኤርትር ስእነት ዝስተ ማይ ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ከተማ ኣስመራ እቲ ሕጽረት ዝወለዶ ክብሪ ዋጋ ንፊስቶ ማይ ናብ ኣማኢት ናቕፋ ደይቡ ከም ዘሎን እቲ በዚ ክቡር ዋጋ ዝግዛእ ማይ ጽሬቱ ዘይተኣማምን ምዃኑን እውን እቶም ብኣካል ዝተዓዘብዎ ወገናት ገሊጾም። 

Last modified on Wednesday, 17 May 2017 21:05