የማነ ገብረኣብ ኣብ ፓልቶክ

2016-04-12 18:40:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2869 times

የማነ ገብረኣብ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን የማናይ ኢድ ዲክታቶር ኢሳያስን ኣብ ከተማ ኣስመራ  ኮይኑ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ንዝነብሩ ኣስታት 250 ዝኾኑ ደገፍቲ ህግደፍ ብፓልቶክ ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ  ናይዚ ብ10 ማዝያ 2016 ዝተኻየደ ናይ ፓልቶክ ኣኼባ፡ ነቶም ካብ ህግደፍ ተስፋ ዝቖረጹን ሓድሽ ነገር ዝጠልቡ ዘለዉን ደገፍቲ ህግደፍ ንምብርባርን ኣቕጣጫ ቀይርካ ንምዝንጋዖምን ዝዓለመ ከም ዝነበረ ካብቶም ተሳተፍቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። የማነ ገብረኣብ ናይቲ ኣኼባ ምስሊ ንምጽብባቕ “ንቕሓት ኣባላት ህግደፍ ክብ ንምባልን፥ ከመይነት ናይቲ ኣባል ህግደፍ ውዲት ጸላኢ ንምቚጻይ ክጻወቶ ዝግብኦ ግደ” ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝሃቦ ከኣ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ። እቲ ምንጪ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ዋላ ሓደ እኳ ነቲ ብ3 ማዝያ 2016 ኣብ ከተማ ኣስመራ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፈጸመ ቅትለት ከም ዘይጠቐሶን ከምዚ ብምዃኑ ከኣ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖን ጠቒሱ።

እቲ ምንጪ ኣተሓሒዙ ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ገለ ካብ ኣባላቱ “እሱራት ይፈትሑ፡ ኤርትራን ህዝባን ካብዚ ዘለዉዎ ዝወጽሉ ብልሓት ይረኸብ” ዝብሉ ሓሳባት እንዳ ኣልዓሉ ኣብ ኣደባባያት ከይተረፈ ከዕልሉ ምጅማሮምን ካብ ምቁጽጻሩ እንዳወጸ ይኸይድ ብምህላዉን ኣዝዩ ኣሰኪፍዎ ኣሎ።

እዚ ናይ በዓል የማነ ገብረኣብ “ነብስኻ ናይ ምድሓንን ዕድመ ስልጣንካ ናይ ምንዋሕን” ወፈራ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሳምንታት እውን ክቕጽል’ዩ ዝብል ግምት ኣሎ። ሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ እምበኣር ነዚ መድረኻት ጉጅለ ህግደፍ “ምሳኻ የለናን” ዝብልሉ ኣጋጣሚ ገይሮም ክጥቀምሉ ይግበኦም።

Last modified on Tuesday, 12 April 2016 20:50