ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2016-04-12 11:47:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2573 times

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፥ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፣ ብዕለት 09 ሚያዝያ 2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣገዳስነት ናይቲ ኣኼባን ምስጋና ንተሳተፍትን ብዘቐደመ መኽፈቲ ቃል ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም እዩ ኣኼባ ተጀሚሩ።

 

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብ መኽፈቲ ቃሉ፡ እቲ ኣኼባ መቐጸልታ ናይታ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከካይዶ ዝጸንሐ ልዝብ እኳ ይኹን እምበር፡ ብኣኼባ መልክዕ ገጽ ንገጽ ተራኺብካ ክትላዘብ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ሰለስተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ሒዙ ምቕራቡ ገሊጹ።

 

ዕላማ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ክገልጽ ከሎ፡ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ምህናጽ ኢዩ ኢሉ። ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር ከኣ፡ መሰረታዊ ለውጢ እምበር፡ ከም’ቲ ገለገለ ሸነኻት ዝብልዎ ጽገና ኣይኰነን ክብል ኣስሚርሉ።

FFT Meeting090416 2

ንተልእኮ ሰዲህኤ ኣመልኪቱ ድማ፡ ሓርነት ህዝቢ ምውሓስ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ምሕላው፡ ድኽነት፡ ሕማምን ድንቍርናን ምስዓርን ንሰብኣዊ መሰላት ምጥባቕን ምዃኑ ኣብሪሁ። ሰዲህኤ፡ ልዑላውነት መሬትን ህዝብን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ቅርሺ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሓቢሩ። ናይ ህዝቢ ልዑላውነት፡ ብዘይ ናይ መሬትን ኣብ መሬት ዝርከቡ ጸጋታትን፡ ብዘይ ባሕርን ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ጸጋታትን፡ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ኣረዲኡ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ድማ፡ እቲ ልዑላውነት ናይ ህዝቢ እምበር ልዑላውነት ናይ ስንጭሮታትን ጎቦታትት ኣይኰነን ዘድልየና ዝብል ኣበሃህላ ግጉይ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ራእይ ሰዲህኤ ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ ነዞም ዝስዕቡ 8 ነጥብታት ጠቒሱ።

 

1. ህዝቢ ምንጪ ስልጣንን እምነ-ኵርናዕ ናይ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ዕብየት ምዃኑ፤

2. ሓድነት ናይ ብዙሕነት ዝብል መትከል ይኣምን፤

3. መሰረታዊ ናጽነታት ኤርትራዊ ዜጋ ምኽባር፤

4. ፍትሓዊ ማሕበረ-ቍጠባዊ ዕብየት ምርግጋጽ፥

5. መራኸቢ ብዙሓን ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ናጻ ክዀኑ፤

6. ዘይምእኩል ስርዓተ-ምሕዳር ምኽታል፤

7. ግደ ሃይማኖትን መንግስትን ምፍልላይ፤

8. ኣህጕራዊ ስምምዓትን ውዕላትን ምኽባር።

 

ንጕዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስርሓትን ኣመልኪቱ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ንናጽነትን ንሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ምንባሩ ገሊጹ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ንሰዲህኤ ማእከላይ ዕላማ ኢዩ ኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእቱ ዝተፈተኑ ናይ ምምቕቓል ፈተነታት ኣብነታት እናጠቐሰ ከምዘፍሸሎ ሓቢሩ። ናይ መግዛእቲ እንግሊዝ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምምቕቓል፡ ብስርዓት ደርግ ዝተፈተነ ናይ ቆላን ከበሳን ምፍልላይ መደባት ብሓድነቱ ኢዩ ኣፍሺልዎ ኢሉ። ብሰላማውን ብረታውን ተጋድሎኡ ንዘረጋገጾ ናጽነቱን ሓድነቱን ድማ ብሪፈረንደም ኣቢሉ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዛዚምዎ ኢዩ ኢሉ።

 

ንሓድነት ደምበ ተቓውሞ ብዝምልከት ከኣ፡ ርእይቶ ሰዲህኤ፡ ናይ ሓባር ራእይ ዘለዎም ውድባት ተጸናቢሮም ሓደ ውድብ ክምስርቱ፥ ዝተፈላለየ ራእይ ዘለዎም ውድባት ድማ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ሓቢሮም ክቃለሱ ዘኽእሎም ልፍንቲ ክምስርቱ ዝብል ምዃኑ ሓቢሩ።

 

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሰዲህኤ ድሕሪ ካልኣይ ውድባዊ ጕባኤኡ ዘካየዶም ኣገደስቲ ንጥፈታት ብዝርዝር ገሊጹ። ንህልዊ ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ ምስ’ቲ ኣብ 3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፈጸመ ባርባራዊ ናይ ቅትለት ስጕምቲ ኣዛሚዱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባቱን ነዚ ኣረሜናዊ ተግባራት ብሓባር ክዅንንዎ ድማ ኣዘኻኺሩ።

Last modified on Tuesday, 12 April 2016 14:05