ቃል ደገፍ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ኣብ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ

2015-07-19 19:18:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2548 times

ENSF Hdri on EPDP Congress 1

ክቡራንን ክቡራትን ኣደ-መንበርን ኣባላትን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ክቡራንን ክቡራትን ኣቦ-መንበርን ኣባላት መሪሕነትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)

ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኩሎም ወከልቲ ኣባላት ተሳተፍቲ ጉባኤን ብሓበራ

ቅድሚ ኩሉ ምሉእ ጥዕና ንክትረኽቡ ካብ ልቢ ዝነቐለ ሰናይ ምንዮትና ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ። ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም መዓልታዊ ናይ ቃልሲ ንጥፈታትኩም ኣሳልጦ ክትጓጸፉ ዘለና ጽቡቕ ትምኒት ክንገልጸልኩም ከለና ዝስመዓና ባህታ ልዑል እዩ። ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብምውሳድ ድማ ናብ’ዚ ጉባኤኹም’ዚ ክንሳተፍ ንዝገበርኩሙልና ክቡር ዕድመ ምስጋናና ክንገልጽ ደስ ይብለና።

ክቡራንን ክቡራትን ተሳተፍቲ እዚ ጉባኤ’ዚ!

ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ ከም ቀዳማይ ኰይኑ ዝቐርብ ዛዕባ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ምዃኑ ዘጠራጥ ጉዳይ ኣይኰነን። እዚ ኣብ ግምት ወሲድና፣ ንሕና ከም ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ኣብ ቅድመኹም ኰና ብዛዕባ ኲነታት ኤርትራ ኩሉ ዘርዚርና ምዝራብ ከም ንቀባራይ ምርዳእ ከይኰነና መታን ብዙሕ ንብሎ ኣይክህሉን እዩ። ይኹን እምበር ሃገርና ኤርትራ ካብ ሕማቕ ናብ ኣዝዩ ዝሓመቐ ኩሉ እንተናዊ ኲነታት ትኸይድ ከም ዘላ ህዝብና ብቓንዛ ዝሓልፎ ዘሎ ጽንኩር መድረኽ ምዃኑ ግን ከነስምረሉ ንደሊ። ክልተ ነገራት ክንጠቅስ ፍቓድኩም ድሕሪ ምሕታት እዩ።  

በቲ ሓደ ወገን፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ካብ’ተን ሰላም፡ ቅሳነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ብልጽግናን ከስተማቕራ ዕድል ዝረኸባ ሃገራት ኣይኰነትን። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪር ጭቆና ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ትርመስ ዘላ ሃገር ከም ዝዀነት ግሉጽ መጽሓፍ ኰይኑ ኣሎ። ህዝብና ግዝኣተ-ሕጊ ብምርግጋጽ ኣቢሉ ዝደልዮ መንግስቲ ናይ ምምራጽ መስርሕ ከካይድስ ይትረፍ፣ ልዑላውነት ሃገርና ኤርትራ ብውሽጢ ብስርዓት ህግደፍ ብብርቱዕ ይህረምን ይፈራርስን ከም ዘሎ ንማንም ተዓዛባይ ብሩህ ምዃኑ ይርድኣና እዩ። ህዝብና ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ዓንዲ ሕቖ ሃገር ዝዀነ መንእሰይ ኤርትራ መነባብርኡ ሓሲምዎ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣማዕዲዩ ክርእዮ ዝኽእል ብሩህ መጻኢ ዕድልን ተስፋን ብምስኣን ናይ መጻኢ ዕድሉ ደልሃመት ስለ ዝዀኖ፣ ሃገር ጠንጢንዋ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍኣሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና። ከም ውጽኢቱ ከኣ ሃገር ጠንጢኑ ዝወጽእ ዘሎ ኣካል ህዝብና ኣደዳ ዝተፈላለዩ ኣድራዓትን ቅዝፈትን ክኸውን ከሎ ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ።

ብቊጠባዊ መዳይ እንተረኣና’ መሬት ተሃጊሩ፡ ጉልበት ደቂ-ሰባት ንረብሓ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተመዝሙዙ፡ ኩሉ ናይ ቊጠባ ንጥፈታትን ዕዳጋታትን ተገቢቱ ከም ውጽኢቱ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ድኽነት ክሳብ ዓጸቦ ዝኸደ ኲነታት እንዳሃለወ፣ ዝያዳ ንኽደክን ኣጸቢቑ ከኣ ክደክምን ብዘይ ብቑዕ ምኽንያታት ህግደፍ ገዛውቲ ናይ ህዝብና ከፍርሶ ይውዕል ኣሎ። ኣብ ማሕበራዊ ሸነኽ’ውን እንተዀነ ንክቡር ያታታትና ኣብ ክንዲ ምምዕባል ምፍራስ፡ ዘይስነ-ምግባራዊ ስራሓት ምዕንባብ፡ ህዝቢ ብስኒት ከይነብር ምጽዓር፡ መሰረት ሕብረተ-ሰብ ዝኸኑ ስድራ-ቤታት ከም ዘይሰርሑ ምግባር፡ ሕማምን ድንቁርናን ከም ዝስዕርሩ ምግባር፣ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ከኣ ኣብ ክንዲ ቅኑዕ ዲፕሎማሲ ወተሃደራዊ ቋንቋ ጥራሕ ዝጥቀም ምስ ጐረባብቲ’ውን ውግእ ወረ ውግእ እንተዘይኰይኑ ካልእ ቋንቋ ዘይፈልጥ፡ ምዃኑ ኩልና ንፈልጦ ጉዳይ እዩ። ጌና ከኣ ስርዓት ህግደፍ ውራየይ ኢሉ ሒዝዎ ዘሎ መስርሕ’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ ኣድማሳዊ ሰብኣውን ፖለቲካዊ ደሞክራስያውን መሰላት ምኽባርስ ይትረፍ፣ ብመሰረቱ መሰል ጠቀስ ዝዀነ ኣምር ኣብ መዝገበ-ቃላት ህግደፍ ከም ዘየሎ ዝበርሀ ኰይኑ፣ ኣብዛ ግዝኣተ-ውልቀ-ሰብ እምበር ግዝኣተ-ሕጊ ክህልዋ ዘይተዓደለት ብፍርሕን ራዕድን ተሸቒሪራ እትነብርን ትመሓደርን ዘላ ሃገርና፣ ዘውዲ ዘይደፍአ ውልቀ-መላኺ መራሒ ህግደፍ ከም’ቶም ኣብ ማእከላይ ዘመናት ዝገዝኡ ዝነበሩ ነጋዉስ ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ልዕሊ-ሕጊ ኰይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጸሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና።

ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ግሉጽ ዝዀነ ብኣህጉራዊ ደረጃ ብሕቡራት ሃገራት ዝቖም ኣጻራዪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶን ዝመስከርዎን ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ብውዱብ መልክዕ ተወጢኑ ብሽርሒ ዝግበር መጠነ-ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ምስጢር ንምርካብ ተባሂሉ ዝፍጸም መግረፍቲ፡ ግዱድ ናይ ባርነት ዕዮ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ዝረውይሉ ናይ ስጋዊ ርክብ ባርነት፡ ካብ ውልቀ-ሰብ ጀሚርካ ክሳብ ጅምላዊ ቅትለት ወዘተ ኣብ ኤርትራ ደረት ዘይብሉ ተርእዮ ምዃኑ ንዓለም ግሉጽ ኰይኑ’ሎ።

በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጽገም ናይ ደምበ ተቛሞ እዩ። ደምበ ተቛውሞ፣ ነዚ ህዝብን ሃገርን ንምጥፋእ ደይመደይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምቕያር ብስም ደምበ-ተቛውሞ ዝጽውዑ ኣካላት ኣብ ክንዲ ንህግደፍ ዝገጥም ሜላን ስትርተጅን ኣውጺኦም ዝቃለሱ፣ ንርእሶም ጸገማት ከም ዘለዎም ንዕዘብ ኣለና። ገለ ካብቶም ብዙሓት ጸገማት ውሑዳት ንምጥቃስ ዝኣክል፡- ተቛወምቲ

  • ሓባራዊ ቅደም ተኸተል ናይ ዕማማቶም ዘይሰርዑ፣
  • ኣሎ ዝበሃል ዓቕምታቶም ጠርኒፎም ንናይ ሓባር ኣፍራዪ ስራሕ ክሰርሑ ድሉዋት ዘይኰኑ፣
  • ድምጽን ቃልዛን ህዝቢ ብግቡእ ዘየንበቡ፣
  • ኣብ ክንዲ ብሓባር ምስራሕ ነንሕድ-ሕድካ ምጽራፍን ምትሕንዃልን ከም ዕማም፡ ኣገባብን ባህልን ዝወሰዱ ወዘተ እዮም።

ነዚ ናይ መኣዝኑ ዝጠፍኦ ኣገባብ ኣከያይዳ ንምእራምን ንምቕልባስን እምበኣር ተቛወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ካብ’ዞም ዝተጠቕሱ ኣሉታዊ ኲነታቶም ከማሓይሹን፣ ኣብ ዝተሓተ ነጥበ-ስምምዕ ብውሕዱ ንስርዓት ህግደፍ ንምግጣም ዘትከለ ብሓባር ክሰርሑን ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ናይ ሎሚ ዕማሞም ገይሮም ክሕዝዎን ክሰርሕሉን ከም ዘለዎም ንርኢ።

ንምዃኑ ንሕና ኤርትራውያን ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን መታን ብሓባር ክንሰርሕ ካብ’ዚ ልዕል ኢሉ ተዘርዚሩ ዘሎ በደላት ንላዕል እንታይ ክርከብ ንጽበ ኣለና? ብኩልና እንፈልጦ ምኽንያታት እዚ ኩሉ ኣብ ግምት ተወሲዱ እዚ ስርዓት’ዚ ፈጺሙ ክልወጥ ዘለዎ ስርዓት ምዃኑ ርግጽ’ዩ። ስለ’ዚ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳዩ ኣብ ኢዱ ክሕዞ ይግባእ ዝብል ከም ኩሎም ተቛወምቲ ኣካላት እምነት ናይ ግሃድኤ-ሕድሪ እዩ።

እዚ ኣጋጣሚ ብምውሳድ እምበኣር ግሃድኤ-ሕድሪ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፣ ምስ ኩለን ምሳና ክሰርሓ ድሉዋት ዝዀና መሓዙት ውድባት ኣብ ንጹርን ተግባራዊ ዝዀኑ ዕማማትን ንምእታው ብካእባዊ፡ ብሳልሳዊ፡ ወዘተ ርኽክባት እንዳ-ገበርና ናብ ብሓባር ከስርሓና ዝኽእል ናይ ስራሕ መደብ ክንትልም ድሉዋት ምዃና ነረጋግጽ ኣለና። ብሓባር ብምስራሕና ተጠቐምቲ ንሕናን ህዝብና ክከውን ከለና፣ ጠቕሚ ዘይብሉ ከኣ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ብሓባር ዘይምስራሕና ተጐዳእቲ ንሕናን ህዝብናን ካብ ኰና፣ ተጠቃሚ ከኣ ስርዓት ህግደፍ ካብ ኰነ ስለ ምንታይ እታ ቀዳመይቲ ዘይንመርጽ?። መኣስ? ብሸነኽና መልሱ ሕጂ እዩ።

ኣብ ምጨረስታ ጉባኤኹም ብዓወት ዕማማቱ ክዛዝም ንምነ። ብሓባር ክንሰርሓሉ እንኽእል ኣዐዋቲ መደብ ሒዙ ክወጽእ ከኣ ንትስፎ።

ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር

ክብርን ሞጎስን ንኹሎም ንሰማእታትና

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ

ዕለት 15-07-2015

Last modified on Sunday, 19 July 2015 21:35