ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንn ዝርከቡ ኣባላት ሰዲህኤ ዝተኻፋልዎ ቀዳማይ ክፋል ናይ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ኣብ ጐንደር ተጀሚሩ

2015-07-17 09:47:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3085 times

ኣቦ መንበር ሰልፊ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ካልኦት ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ተወከልቲ ዝተኻፈልዎ፡ ቀዳማይ ክፋል ናይ ካልኣይ ጕባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ15 ሓምለ 2015 ኣብ ጐንደር ተኸፊቱ። ካልኣይ ክፋል ናይ'ዚ ጕባኤ ኣብ ጀርመን፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ'ዚ ዘለናዮ ወርሒ ክካየድ ኢዩ።

Opening Session 2

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣብ መኽፈቲ 2ይ ጕባኤ ሰዲህኤ ኣብ ጐንደር ክዛረብ ከሎ

ናይ ደገፍ መልእኽቲ ከቕርቡ ኣብ'ቲ ጕባኤ እተሳተፉ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ህግሓኤ)፡ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ነይሮም። ካልኦት 7 ኣሓት ውድባት ዝለኣኽኦ ናይ ደገፍ መልእኽትታት ድማ ኣብ'ቲ ጕባኤ ተነቢቡ። ሓው ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ እውን፡ ካብ'ቲ ዝሕከመሉ ዘሎ ሆስፒታል ኣብ ካርቱም ጕባኤ ብዓወት ክዛዘም ዝገልጽ መልእኽቱ ሰዲዱ።

ነቲ ናይ መኽፈቲ ስነስርዓት ዝመርሕ ዝነበረ ሓው ደበሳይ በየነ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ንሓው ጅምዕ ኣሕመድ፡ ከም ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ መግለጺ ክህብ መድረኽ ገዲፍሉ። ሓው ጅምዕ ኣሕመድ ከኣ፡ ነቶም ንዕድመ ሰዲህኤ ኣኽቢሮም፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ወከልቲ መሓዙት ውድባት፡ ከምኡ'ውን፡ ንጕባኤኛታት ምስጋናኡን መጐሱን ገሊጹ። ብድሕር'ዚ ቃል ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ወይዘሮ ኣድያም፡ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ተነቢቡ።

Opening Session 3

ኣቶ ጀማል ሳልሕ፡ ኣቦ መንበር ደግሓኤ፣ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ሰፈር፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን ኣቶ ዑቝባዝጊ ድቡስ፡ ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ጕባኤ ኣብ ግዜኡ ክካየድ ምብቅዑ ዘለዎም ናይ ዮሃናን መጐስን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ካብ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ (ሰናኤ)፡ ዲሞክራስያዊ ፈደራላዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ግሃድኤ)፡ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)፡ ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ባይቶን (ኤህባ) ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን (ተሓኤ) ዝተላእኩ ናይ ደገፍ መልእኽታት ኣብ'ቲ ጕባኤ ተነቢቦም። ድሒሮም ድሕሪ ምዝዛም መኽፈቲ ጕባኤ ካብ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍአ) ናይ ደገፍ መልእኽቲ ከምዝተሰደ ውን ተሓቢሩ።

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብ ዘስምዖ ቃል ሰልፊ፡ ነቶም ኣብ ግዜ ረመዳንን ኣብ ድሮ ዒድ ኣልፈጥርን፡ ኣብ ጕባኤ ክሳተፉ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ኣባላት ሰልፍን ዕዱማት ኣጋይሽን ምስጋናኡን መጐሱን ገሊጹ። ነቶም ኣብ ጕባኤ ዝመጹን ክመጹ ዘይከኣሉን ኣሓት ውድባትን ሰልፍታትን ድማ፡ እቲ ጕባኤ ኣብ ግዜ ጾም ዝዛዘመሉን ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባርክ ዝኣትወሉ እዋን ምክያዱ ይቕሬታ ሓቲቱ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ጕባኤኛታት ዘድሊ ምድላዋት መታን ክገብሩ ቅድሚ ዓመት ስለዝተወሰነ፡ ንረመዳንን ዒድ ኣልፈጥርን ኣብ ግምት ኣየእተወን ኢሉ። ኣቦ መንበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኣድላዪነት ስኒትን ሓባራዊ ስርሓት ደምበ ተቓውሞን ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መስርሕ ለውጢ ኣዝዩ ኣገዳስን ናይ እዋኑ ዕዮ ገዛን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

Opening Session 4

ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓታት ድማ፡ ንጕባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጻ። ኣቦ መንበር ድማ፡ ነቲ 29 ገጻት ዝሓዘለ ጸብጻብ ማእከላይ ባይቶ ናይ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣንቢቡ። እዚ ኣብ ጐንደር ዝካየድ ዘሎ ቀዳማይ ክፋል ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ፡ ንጸብጻብ ማእከላይ ባይቶን ንድፍታት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ውሳኔታት ተኻቲዑ ከጽድቖም ኢዩ።

Last modified on Sunday, 19 July 2015 06:39