“በኣፍሪቃ ውስጥ ኣንድ ዕብድ ኣለ”-ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ጽሉል ኣሎ

2023-10-10 08:46:05 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1223 times

ርእሰ ዓኣንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ናብቲ ኣርእስቲ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ምእታውና ብመንቀሊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ክንጅምር ይሓይሽ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሰላማውን ፖለቲካውን ኣገባብ ዝጀመሮ ናይ መሰልካ ምሕላውን ከም ዓለሙ ሃገራዊ ክብሩ ዓቂቡ ናይ ምንባርን ቃልሱ ሰማዒ ኣይረከበን። ብኣንጻሩ ግዳይ ምብርራይ መግዛእታዊ ሕልምታቶም ንኽኸውን፡ ዘጥረዮ ህዝባውን ሃገራውን ሓድነት በታቲኖም ኣብ ሕድሕዱ ንኽቓተልን ምትእምማን ንኸየጥርን መፈላላዪ ሜላታት እንዳፋሓሱ ከናቑትዎ ፈቲኖም። ጎበጥቲ መንግስታት ኣዕጢቆም ዘዋፈርዎን ዝፈጸምዎን ቅትለታት፣ ኤርትራውያን ኣብ ሕድሕዶም ከምዝፈጸምዎ ኣምሲሎም ክጥቅንዎ ተሰሚዖም። ሓያላን መንግስታት ብወገኖም ወታሃደራውን ፖለቲካውን ስትራተጂካዊ ጠቕምታቶም ንኸረጋግጹ፡ ብስም ምውናን ኣፍ-ደገ ባሕርን ወደብን  ዝብል ሜላ ንኤርትራ፤ መጋበሪያኦም ንዝኾነ መስፍናዊ ስርዓት ሃይለስላሰ  ኣሕሊፎም ንማሃብ ውዲታዊ ኣኼባታትን ሽምግልናታትን ኣካይዶም።

ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ እወ ንነጻነት ኤርትራ ዝብል ብዝሒ ድምጺ ኤርትራውያን ጓዕጺጾም በቲ ክከላኸልሉ ዘይኽእሉ ውዲታዊ ውዑል ፈደረሽን ዝበልዎ፡ ምስ ኢትዮጵያ ንኽተኣሳሰር ፈረድዎ። እዚ ውዲት’ዚ ድማ’ዩ ነቲ ኣቀዲሙ ዝተሓስበ ጎባጢ ዕላማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ መሰጋገሪ ዕድል ዝኸፈተ። ምኽንያቱ ውዕል ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣጣጢሐ እግራ ንኽትረግጽ መግዝኢ ግዜ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዘቆሞ ኣካልውን ክከላኸለሉን ክሕልዎን ሰለዘይኽእል ንክትግበር ባይታ ኣይንበሮን። ስለዚ ድማ’ዩ ብኡ ንብኡ እቲ ውልዶ ዝቆመ ሃገራዊ መንግስትን ትካላቱን ብሓይሊ ብረት ክድምሰስ ዝጅመረ። ቀጺሉ “ካብ ሎሚ ንዳሓር ኣብ ጠረጴዛ ናይ ኢትይጵያ እንተዘይኮይኑ፤ ናይ ኤርትራ ዝባሃል ጉዳይ የለን” ዝብል ውዱእን ናይ መወዳእታን መግለጺ ተዋሂቡ። ኤርትራውያን ግን፡ በዚ ከይሰንበዱ ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ፣ “ናብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ከምዝባሃል፡ መልሱ በትርን ጥይትን ስለዝኾነ ተገዲዶም ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማሮም ታሪኽ መስዋእቶም ዝዝክሮ እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ምስ ኩሉ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማቱ፡ ንሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ  ገጠራት ካብ ዝነበሮ መደበራት ናብ ከተማታት እንዳኾብኮበ ኣብ 1974 ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዋና ከተማ ኤርትራ በጺሑ። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ብምሉእ ዓቕማ ሰላማዊ ህዝቢ ከተጽንት፡ ንብረትን ማልን ከተብርስ ዘይተኣደነ ግፍዕን በደልን ፈጸመት። ኣብዚ ኣዋን’ዚ እዩ ማዓመር ገዳፊ ናይ ሊብያ መራሒ ነበር፡ ኤርትራ ካብ መግዛእት ኢትዮጵያ ነጻ ክትወጽእ ኣለዋ፡ ክብል ድምጹ ዘስመዐ።  በዚ ዝሰንበደ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ሕታምን ዕለትን ገዲፍና ኣብ መጠረስታ ወርሒ ናይ 1974 ኣብ  “ኣዲስ ዘመን” ኣብዝተባሀ ጋዜጣ “በኣፍሪቃ ውስጥ ኣንድ ዕብድ ኣለ” ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ጽሉል ኣሎ፡ ክትብል ኣስፊራ፡  ኣንጻር ገዳፍን፡ ብሓፈሻ’ውን ኣንጻር ሃገራት ኣዕራብ ብዙሕ ኢላን ፈኪራን። ክሳብ ብራድዮ ቴለቪዝዮንን “ግደፊ እባ ሶርያ ኣሽንኳይ ንዓኺ ምስ ሰብ ጀለብያ፡ ክንደይ ኣራኢና ኢና ኣብ ኮርያ” ዝብል ፈኸራ ወሲኾምሉ። ካብዚ ንላዕሊ ናይቲ እዋን ጽላለ መንግስት ኢትዮጵያ ግን ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ከምቲ ናይ ገዳፊ ልሳኑ መሊኡ ዝዛረብ መንግስታት እንተዝነብር ድማ፡ እቲ ክሳብ 1991 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐጸለ ውግእ ዝጠፍኤ ሂይወትን ዝወረደ ኩሉ መዳያዊ ብርሰትን ምዳሓነ። ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ነጻነቱ ኣረጋጊጹ። ድሕሪ 1993 ኤርትራ ኣብ መጋባእያ ዓለም ሉኣላዊት ሃገር ኮይና፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ንኤርትራውያን ዝተዓጽወ ፋይል እዩ። ድሕር’ዚ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ክሕብኡን ክነብሩን  እንተዘይደልዮም ንዋንነት ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ብዝምልከት ከተመ፡ ብስምምዕን ፍታውን ኤርትራውያን እንተዘይኮይኑ ከምጡብ ኣዲኦም ክቐብጽዎ ይግባእ።

ሓባራዊ ዕብየትን ሰናይ ጉርብትናን ብውግእን ፈኸራን ክረጋገጽ ከምዘይክእል ኣሚንካ፣ ሃገራውን ኣህጉራውን ሕግታት ቀሪጽካ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ክረጋገጽ ስለዝካኣል ድማ’ዩ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ራብዓይ ጉባኤኡ፡ “ልኡላዊ ዋንነት ወደባት ኤርትራ ዘኽብር፣ ሃገራውን  ኣህጉራውን ሕግታትን ውዑላትን ዘሰነዮ፣ ነጻ ተጠቓምነትን ኣገልግሎትን ዝህብ ንኽኸውን” ዝውሰነ።  እዚውን ኣብቲ ኣንብህጎን እንቃለሰሉን ዘለና ምቋም ቕዋማዊ መንግስቲ ምስተበጽሔን ብእኡ ዝብየንን እምበር፡ ብሓደ ሰልፊ ወይ ምንቅስቓስ ዝውዳእ ከምዘይኮነ እንግንዘቦ እዩ።

ህልዊ መራሕ መንግስታት ኢትዮጵያን ሚኒስተራቱን ግን፡ ካብቲ ዝፈሰሰ ደምን ህልቂትን ገና ዝተማህሩ ስለዘይመስሉ፡ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ዝብል ሕማም ርእሲ ዘለዎም ንሳቶም እዮም። ገዳፊ ግን መንቀሊኡ ብዘየገድስ ናይ ኤርትራ መሰል ይታሓሎ። ውግእን ጥፍኣትን ደው ይበል  ስለዝበለ ጥራሕ’ዩ ናይ ኣፍሪቃ ጽሉል ተባሂሉ። ብጸለመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1974 ዓ.ም ናይ ኣፍሪቃ ጽሉል ዝበልዎ ሓደ ጥራሕ እዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ኣብ ኣፍሪቃ ዘይኮነስ ኣብቲ ብብልጽግናን ኢዜማን ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህርፋን ባሕርን ወደብን  ኣብ ጽላለ ዘድሃበሎም ብዙሓት ምዃኖም፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ሓደ ዝሓለፎ ዕቡድ ምህላዉ ካብ ልሳናቶምን ተግባራቶምን ንዕዘብ ኣለና።

ብኤርትራ ዝጀመረ “ንኢትዮጵያ ፋሕ ፋሕ ከየበልና ክንገዝኣ ኣይንኽእልን ኢና፡ ንኽንገዝኣ  ፋሕ ፋሕ ከነብላ ኣለና፡ ምስዚኣቶም ክደፍዶ ብሓባር ክትነብር፡ ብሓባር ክትልምንውን ኣይካኣልን እዩ”፡ ክብል ከምዘይጸንሐ  “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ” ዝብል ሕቡእ ሕልምታት ዘግሃደ ናይ ዕብዳን መግለጺ ኢሳያስ ብቐዳምነት ዝስራዕ ክኸውን ከሎ፡ ካብዚ ብዘይፍለ  ኣቢዪ ኣሕመድ እውን፡ “ኣፈራሪሰ ኣምጺኤ ክሕውሳ እየ ኤርትራ፣ መኣስ ከምዝኸውን ግን ኣይነግረኩምን እየ፡ ዓሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ቀይሕ ባሕሪ ወሲኽና ዋናታት ስለ እንኸውን ኤርትራ ትባሃል ሃገር ኣይክትህሉን እያ። ንሰርሕ ኢና ዘለና፡ ናይ ቀይሕ ባሕርን ዓሰብን ዕንቅፋት ኮይኑና ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ነቲ ህዝቢ ኣምበርኪኹ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እዩ፡ ኣብኡ ዘሎ ኣገዛዝኣ ከነወግዶ ኢና” ምባሎውን ልዕሊ ዕብዳን ካልእ ክባሃል ኣይካኣልን እዩ። የድሕነና እምበር፡ ኣብዚ እዋን ካብዚ ናይ ክልቲኦም፡ ሃገራት ኣፈራሪሶም ክገዝኡ ዝደልዩን ዝሓልሙን ዝዓብን ካብ ሕድሕድ ዘይሕሹ ጽሉላት ምዃኖምን እዩ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ክግንዘብ ዘለዎ። ዘየፍረስዎን ዘየዕነዉዎን እንታይ ዝተረፈ ስለዘሎ እዩ  ኸ ተመሊሶም ዝፍክሩ ዘለዉ?

ኣብዘን ዝሓለፋ 5 ዓመታት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ፈኸራን ጉዳይ ዋንነት ወደብ ዓሰብን ኣብ መንጎ ኣቢይን ኢሳያስን ኣቐዲሙ ኣብ ቃልዕ ዝወጸ ስምምዕ እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ዓበይቲ ምልክታት ክረአ ጸኒሑ እዩ፡ ናይ ውልቀ ሰባትን ጋዜጠኛታትን ወስታታት ከምዘይነበረ ድማ እዚ ሕጂ ዝስማዕ ዘሎ ሰለስትኤን ሃገራት ኣብ ጎንደር ዝገበርኦ ስምምዕ ቀንዲ ዕላምኡ ብኮንፈደረሽን ንምውህሃድ ዝዓለመ ምንባሩ ኣቢዪ ኣሕመድ ቅድሚ 2 ኣዋርሕ ንጋዜጠኛታት ከምዝሐበረ፡ ናይቲ ኮንፈደረሽን ፕረሲደንት ኢሳያስ ክኸውን፤ ኣቢዪ ኣሕመድ ድማ ጠቕላይ ሚኒስተር ኮይኖም ክማስሕዎ  ምስጢራዊ ስምምዕ ከምዝነበሮም፣ ኢትዮ ፎርም ኣብ ናይ ዕለት 07.10.2023 ፈነዋኡ ኣብሪሁ ኣሎ።  

ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ እንሓንሳብ “እኔና ኢሱ ተደምረን ኣሰብ ኣንካፈልለን፡ ጸኒሑ “በሰላም ካልተቻለ በሓይል ኣሰብን እንመልሰዋለን” እንዳተባህለ፡  ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ልዕሊ ዜናን ብሂልን፡ ካልኦት ኣካላት ብድሕሪኡ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ተገንዚቡ፡ ብተገዳስነት ክርእዮን፣ ህዝብና ኣብ ህልውና ኢሳያስን ናይ ጥፍኣት ፖሊሲታቱን ብሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ክነብር ከምዘይኽእል ኣሚኑ፡ ካብ ተደጋጋሚ ህልቂትን ውግእ ከነድሕኖ፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንስርዓት ኢሳያስ ንምውጋድ መሳርዑ ከስምር ይግባእ ንብል።

Last modified on Tuesday, 10 October 2023 10:50