ካባኻ ምስ ዝሓመቐ፡ ናይ ምውድዳር ሸፈጥ

2023-10-23 10:37:57 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 879 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ክሳብ ክንደይ ኣዝዩ ዝኸፈአ ኮይንኑ ከምዘሎ ምምርማር ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ምረት “ኣብዚ ይሓሽ” ዘይበሃሎ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ዝረአ ምዃኑ ከኣ ዝያዳ ዘገርም ይገብሮ። ኣብ ትሕቲ ካለኦት ዲክታተራት ካብ ዝርአ ህይወት ዝኸፈአ ዝገብሮ ከኣ ንሱ እዩ። እዚ ሕሱም መነባብሮ ብዘይካ ኣብ ውሱናት መሳርሒ ኢሳያስ ክኾኑ ዝመረጹ ኣካላት፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይኣፈላላይ ዝረአ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ዋና ሃገሩ ንክኸውን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ እዚ ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት ንዓኡ ዘይምጥን ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ኣንጻርቲ ናይቲ ሕሰም ጠንቂ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ይርከብ ኣሎ።

ናይዚ ዝተጠቕሰ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ጠንቅን ዕምቆትን ዝርዝራዊ ኮይኑ፡ እቲ እንኮ ዝሕተተሉ ጉጅለ ኢሳያስ እዩ። “ህግደፍዩ ተሓታቲ” ክበሃል እንከሎ ካብ ጽልእን ምጽብጻብ ዝሓለፈ ፍልልይን ዝነቅል ዘይኮነ ካብ ህልዊ ጸረ ህዝቢ ተግባሩ ዝነቅል እዩ። ፖለቲካዊ ጥልመት፡ ቁጠባዊ ድኽነት፡ ግህሰት መሰላት፡ ጸጥታዊ ስግኣት ብኩራት ፍትሒ፡ ……ወዘተ ኩሎም ነናቶም ዝርዝራዊ ኣፈጻጽማን ሳዕቤንን ዘለዎም ናይቲ ሕሰም መርኣያታት እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ድማ እቲ ሕሱም ምምሕዳር ህግደፍ መነባብሮ ህዝቢ ካብ ምምስቓል ሓሊፉ፡ ንህልውና ኤርትራ ከም ሉኡላዊት ሃገር፡ ኣብ ሓደጋ  ከየውድቃ እውን እዋናዊ መደረታት  ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ መረጋገጺ እዩ።

ህግደፍ “ናይቲ በደላት ተሓታቲ ኣነ እየ” ኢሉ ክእመንኳ ባህርያቱ እንተዘይፈቐደሉ፡ እቲ ጸገማት ብሰፊሑ ከምዘሎ ግና ዝኽሕዶ ኣይኮነን። እኳዳ ብኣብነታት ኣሰንዩ እዩ ደጋጊሙ ዝዝርዝሮ። ብህዝቢ ዝቐርብ ኩለ-መዳያዊ ሕቶታት ተሓቲቱ ክምልስ ዝግበኦ ክነሱ ፡ ተመሊሱ ሓታታይ ኮይኑ ዝቑዝመሉ መድረኻት  እውን ብዙሕ እዩ።

ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ንምድዕዓስ ካብ ዝጥቀመሎም መዳህለሊ ስልትታት “ካብዚ ናትካ ዝኸፈአ መነባብሮ ዘለዎም ህዝብታት ስለዘለዉ ኣማሪርካ ኣይትሕተተኒ” ዝብል እዩ። ዘይውዳእ ናይ “ኣብ መጻኢና ክንዕረይ ኢና” መብጸዓታት እውን ይውሰኾሉ እዩ። ገበናቱ ሓቢኡ ንሓንሳብ ንኣሜሪካ፡ ንሓንሳብ ንሃገራት ኤውሮጳን ከምኡ’ውን ንትግራይ ተሓተቲ ጌርካ ምቕራብ ድማ ካብቲ መህደምታቱ እዩ። ብዘለዎ ጸላእቲ  ናይ ምርባሕ ተመኩሮ ኣብ መጻኢ ድማ ንኢትዮጵያ ወይ ንሱዳንን ተሓተቲ ጌሩ ዘየቕርበሉ ምኽንያት የለን። ብዛዕባቶም ንልኡላውነቶም ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዘይከፈሉ ክንሶም፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓሸ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ልምዓትን ዝነብሩ ህዝብታት ዛንታ ክለዓል ኣይደልን እዩ። ብኣንጻሩ እኳደኣ ንምውናን ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ምክያድ ምርጫን ናጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ናይ ዲሞክራሲ መግለጺ ኣይኮኑን ኢሉ ክሰብኽ ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን።

ምናልባት ናይ ጽቡቕ ይኹን ናይ ሕማቕ መወዳእታ ጫፍ ስለ ዘየለ፡ ካብዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝነብሮ ዘሎ ህይወት ዝኸፈአ መነባብሮ ዘሕልፉ ህዝብታት ይህልዉ። ዝሓለፈን ዝቕጽል ዘሎን ተመኩሮ ህዝቢ ሱርያ፡ ሊቢያ፡ የመን፡ ሶማሊያ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምጥቃስ ይከኣል። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ተኹሲ-ኣልቦ ናይ ህልውና ስግኣት ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። እምበርከ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብስእነት ዝስተ ማይ፡ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ሕጽረት ሕክምናን ብኩራት መራኸብታትን፡ ከምኡ እውን ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ዝተኣስረ ቤተሰብካ ኣይኮነንዶ ፍትሒ ክረክብ ኣበይ ከምዝተዳጐነ ዘይትፈልጠሉ ኩነታት ኤርትራ ናይ ሰላም ምልክት እዩ ማለት ድዩ?

 ስለምንታይ እዩኸ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ምስቲ ካብ ናቱ ኣብ ዝኸፈአ ህይወት ዝነብር ዘሎ ህዝብታት፡ ምስቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰላሙ፡ ልምዓቱ፡ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላቱ ተሓልይሉ ኣብ ቀጻሊ ጐደና ልምዓት ዝነብር ህዝብታት ዘየወዳድሮ። ካብዚ ሓሊፉ ኢሳያስ “ከም ናይ ህዝቡ መነባብሮ ዝነብር መራሒ” ዝብል ናእዳ ንምርካብ ኮንጎ ሳእኒ ወድዩ ብምኻድን ጐልፎ ተኸዲኑ ኣጋይሽ ብምቕባል ክሽቅጥ ይፍትን። በዚ ዘታለሎም ሒደት ወገናት’ውን ኣለዉ።

ምናልባት እቲ ኢሳያስ ዝፈጥሮ ድራማ ሓቂ ተዝኸው እውን፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌት ድኻ መሲሉ ዘድክዮ ምምሕዳር ምፍጣር ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ኣብ ገዛእ ሃገሩ “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ተባሂሉ ሃገሩን ነብሱን ዝጠቕመሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ። ከይዛረብ ኣፉ ለጒሙ፡ ሓሪሱን ነጊዱን ከይነብር ኣእዳዉ ኣሲሩ፡ ኣብ ሃገሩ ከይነብር ናብ ስደት ደፊኡ፡ ፍትሒ ነፊጉ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብልዩ፡ ክፉት ሳእኒ እናወደየን ዝኣረገ ጃኬት እንዳተኸደነን ዝዋሰኦ ድራማታት  ኪኖ ኣሽካዕላል ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። እቲ ሕቡኣት ስቪል ዝተኸድኑ ሓለዋ ኣዋፊሩ ኣብ ጐደናታት ዝንቀስቐሶን ኣብ  ህዝባዊ ጓይላታት ዝሳተፎን እውን ካብዚ ዝተፈልየ መዳህለሊ መልእኽቲ የብሉን።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ካልእ ኣሽካዕላል ከኣ “ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ፈስቲቫላት ዝውድብሲ ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ኣብኡ ንዝዓብዩ ኤትራውያን ህጻናት ባህሊ ሃገሮም ንከይርስዑ መድረኽ ንምፍጣር እዩ” ዝብል ካልእ ማይ ዘይጠዓመ ምህዞ እዩ። ንምዃኑ ናብ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ምምጥጣር ይጽነሓሉ እሞ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ኣብ ሃገሮም ዝዓበዩ ዘለዉ ህጻናት ባህሎም ይፈልጡን ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን የስጠማቕሩ ኣለዉ ማለት ድዩ?፡ ወዮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘለዎ ጽልእን ቅርሕትን ዝተላዕጠጠ ህግደፍሲ ብዛዕባ ሃናጺ ባህሊ ከስተምህርከ ባህሪኡ ይፈቕደሉ ድዩ። ስለዚ ቀንዲ ዕላማኡ ንፈስቲቫል ከም ጉልባብ ተጠቒምካ ጉጅላዊ ካዝናኻ ምህጣር  እዩ።

Last modified on Monday, 23 October 2023 12:46