ልኡላውነትና፡ መሰረት ቃልስና ንለውጢ እዩ

2023-10-27 08:53:52 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 922 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን እናተበራረዩ ቀዳምነት ዘይወሃቦም፡ መህደሚ ኣጀንዳታት እናዘርግሑ ህዝቢ ብምድንጋር፡ ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ምጽናሖም ዝዝከር እዩ። ምድንጋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንክ’ዚ ዘይሓላፍነታዊ ኣጀንዳታቶም ናይ ኣማኢት ኣሸሓት ህይወት ንጹሃት ክቕዘፍን ዕንወትን ብርሰትን ህዝባዊ ትካላት ክፍጸም ምጽንሑን ከኣ ብመሪር ሓዘን ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ብሰንኪ ምኽታም ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈጥረ ኩራን ምርሕሓቕን ኢሳያስን ኣብይን ብዝመስል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ወደብ ተጠቃምነት ጥራይ ዘይኮነ፡ “ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ምውናን መሰል ኣለዋ”  ዝብል፡  ናብ ድፍረት ልኡላውነት ኤርትራ ዘቕነዐ፡ ናይ ብዙሓት ትጽቢት ዘይነበረ ኣጀንዳ ሒዙ ብምቕራብ ብርቱዕ ነውጺ ፈጢሩ ኣሎ። ብዙሓት ወገናት ብዛዕባ ብድሕሪ እቲ ኣጀንዳ ተሓቢኡ ኣሎ ዝብልዎ ደፋኢ ምኽንያት ርኢቶታቶም የቕርቡ ኣለዉ። ናብቲ ዝግመት ምኽንያታት ከይከድና  ብመንጽርቲ ብጋህዲ ዝተሰምዐን ዝተነበን መጎት ጥራይ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጭረሖ ኢትዮጵያውያን ገዛእቲ ናይ ቅድመ-ታሪኽ ኣብ ኤርትራን ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይውስኽ ምህላዉን ደጋጊምካ ብምጥቃስ ጥራይ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን ታሪኻዊ፡ ኣህጉራዊ ኮነ ልኡላዊ ተቐባልነት ዘየብሉ ዓቕሊ-ጽበት ዝወለዶ ዕዉር ጠለብ ምዃኑ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብ ርእሲኡ እቲ ሓሳብ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ቻርተር 1964ን ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኣገልግሎት ዝረኽባሉ ውዕላትን ውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝጥሕ ስለ ዝኾነ፡ ነታ መስራቲት ሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ሕቡራት ሃገራት ብምዃና እትንየት ኢትዮጵያ እውን ዘዋርድን ዘፍኩስን እዩ። ሓደ ሕብረተ ሰብ ንኣብነት ዓፋር ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስለ ዘሎ ብእኡ ተንጠልጢልና ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኢና ምባል ድማ ዘገርም እዩ። እዚ ኩናማ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ስለ ዘለዉ ባረንቱን ከባቢኡን የድልየና እዩ …… ወዘተ ናብ ዝብል ዕብዳን ከይወስዶም ዘየስግእ ኣይኮነን። መሰረታዊ ኣንፈቱ ዶብ ኣፍሪስካ ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ምግሃስ ድሌት ከም ዝኾነ ከኣ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እዚ ወስታት ብገለ ደረስቲ፡ ፖለቲካዊ ባእታታትን ጋዜጠኛታትን ክስማዕኳ ሓድሽ እንተዘይኮነ፡ ብደረጃ ቀዳማይ ሚኒስተር ብወግዒ ናብ ሓጋጊ ኣካል ናይታ ሃገር ምቕራቡ ግና ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብዙሓት ፍትሓውያን ኢትዮጵያውያን እውን ብዛዕባ ዘይርጉእነት መንግስቶም ከስተብህሉ ደሪኽዎም ዘሎ እዩ።

እዚ ኣብ ዝተሰምዓሉ እዋን፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንለውጢ ስለ ዘለና ልኡላውነት ቀዳምነትና ኣይኮነን ዝብል ድምጺ ሓሓሊፉ ብገለ ኤርትራውያን  ይስማዕ ኣሎ። እቲ ሓቂ ግና ጉዳይ ልኡላውነት ዝኾነ ኣጀንዳ ይተሓዝ  ይጽነሓለይ ዘይበሃል ቀዋሚ ሓለዋ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ብናይ ለውጢ ቃልሲ እነረጋግጾ፡ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን ካልእ መሰረታዊ መሰላትን ዘሳፍሓሉ ልኡላውነት እንተዘይሃልይዎ ትርጉም ስለ ዘየብሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ክዝክሮ ዘለዎ፡ ዋላኳ ኣዘራራቢ እንተነበረ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ኢህወደግ፡ ናታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ክነሳ፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ኮነ ዓለም ኣብ ዝርዝር ቅልጡፍ ዕቤት ዘርኣያ ሃገራት ቅድሚት ዝተሰርዓትሉ ዓመታት ነይሩ እዩ። ሎሚ ናይ ወደብ ኣጠቓቕማ ለውጢ ኣብ ዘይገበረትሉ ናብዚ  ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው ምውራዳ፣ እቲ ጠንቂ ናታ ወደብ ስለ ዘየብላ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ዶ/ር ኣብይ ብዘይሕብእብእ ኣብ ክንዲ “ባሕርን ወደብን ምውናን ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ” ምባል፡ ካብቲ ኩሉ ዝርእዮን ዓገብ ዝብሎ ዘሎን ቀጻሊ ውግኣትን ዘኸትሎ ዕንወትን፡ ንምግልጋል ክሰርሕ ይግበኦ። ነቲ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክኣትዎ ዝጸንሐ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ውዕላትን ዝኸዶ ጌጋ መስርሕን ኣሚኑ ንመጻኢ ከይደግሞ እዩ ክመሃርሉ ዝግበኦ እምበር፡ ብሕርቃን ግጉይ ኣንፈት ምሓዝ ካብ ጸገም ዘውጽእ ዘይኮነስ፤  ዝገደደ መዘዝ ዘኸትል ምዃኑ ክግንዘብ ይግበኦ።

ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝውንን ርግጸኛ መሲሉ ምዝራቡ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምጥሓስ ክሳብ ክንደይ ርሕቀት ከም ዝኸደ ርዱእ እዩ። እዚ ድማ ምስቲ ንልኡላውነቱ ከም ብሌን ዓይኑ ዝሕልዋ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ረጽሚ ምእታው እዩ። ምኽንያቱ ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ህዝባ እምበር፣ ናይ ህግደፍ ስለ ዘይኮነ። ብሰንክዚ ውግእ እንተተኸሲቱ ከኣ ኣብ መንጎቲ ብሰናይ ጉርብትናን ሓባራዊ ተጠቃምነትን ኣሳንዩ ክነብር ዝብህግ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ ክኸውን።  ከምዚ ዓይነት ውግእ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ኣዕናዊ ምዃኑ ከኣ ስለ ዘይስሕትዎ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ዝንገር ኣይኮነን።

እቲ ድሌት ጉዳይ ተጠቃምነት ወደብ እንተኮይኑ ግን፡ ሎሚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጅመር ዘይኮነ፡ ኣህጉራዊ ሕግታት ወጺእሉ፡ ናይ ወሃብን ተቐባልን ኣገልግሎት ግቡኣትን መሰላትን ተነጺርሉ፣ ልኡላውነትን ጽቡቕ ድሌትን ዋና ወደብ ብዘይግህስ ተነጺርሉ፡ ብዘሓት ሃገራት ዝመሓደራሉ ዘለዋ እዩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ደሓር ደኣ ብውግእ ተኾሊፉ እምበር፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ልኡላውነት ኤርትራ ንዝተወሰነ ዓመታት ሰሪሐናሉ እየን። ኣብቲ እዋንቲ ኪኖ ክልተኣዊ ቁጠባዊ ተጠቃምነት፡ ኣብ ምቅርራብ ክልቲኡ ህዝብታት እውን ዓብይ እጃም ከም ዝነበሮ ብዙሓት ኣብቲ መስርሕ ዝተዋስኡ ዝምስክርዎ እዩ። ሎሚ ነቲ ኣቛሪጹ ዝጸንሐ ብሓደስትን ብዝማዕበሉ ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ኣበሪኽና ናብ ንቡር መሊስና ንስረሓሉ እንተዝበሃል፡ ሰማዒ እውን ምረኸበ። ብናይ ቀደም ግዝኣት ኣሉላ ጭረሖታትን ቅልጡፍ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣመኻኒኻ “መኒኻ?” በሃሊ ዘየብልካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንተዘይሓንበስኩ ምባል ግና ንክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዘየርብሕ “ዓገብ” ንብሎ።

Last modified on Friday, 27 October 2023 11:06