ወዮ ህዝባዊ ማዕበል ንከይዕንቀፍ

2023-09-10 07:56:22 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1178 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራዊ መንእሰይ ብሰንኪ ዘየናሕሲ ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ሃገሩ ክነብር ስለ ዘይከኣለ፡ ከም ምርጫ ናብ ስደት ካብ ዘምርሕ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ክሳዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት እውን ኤርትራ ምስተን ካብ  ህዝበን ብብዝሒ ዝተሰደ ከም ኣፍጋኒስታንን ሱሪያን ዝኣመሰላ ቀዳሞት 10 ሃገራት ተሰሪዓ ትርከብ። መጀመርታኡ እምበር መወዳእቱ ዘይፍለጥ መደብ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ካብቶም ኤርትራውያን ብብዝሒ ክስደዱ ዘገደድዎም ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ሓደ እዩ። እቲ ተገዲዱ ሃጽ ኢሉ ዝተሰደ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ስደት ግዝያዊ መዕገሲ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘይኮነ ይርዳእ እዩ። እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ነቲ ጠንቂ ስደት ካብ ሱሩ ምውጋዱ ምዃኑ ብምርዳእ ኣብ ዝተፈላለየ መልክዕ ቃልሲ ኣንጻር’ቲ ጠንቂ ስደት ህግደፍ ካብ ዝስለፍ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ናይ ሸፈጥን ሸርሕን ፈስቲቫላት ዝረአ ዘሎ ውዕዉዕ ተቓውሞታት ከኣ፡ መቐጸልታ ናይቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ውዳበ ኣንጻር ህግደፍ  ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ እዩ። 

ኣብዚ እዋንዚ ዝርአ ዘሎ ንህግደፍ ዘርዓደ ህዝባዊ ማዕበል ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነ፡ ውጽኢትን መቐጸልታን ናይቲ ንነዊሕ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ መኸተታት እዩ። እነሆ ከኣ ከምቲ ጸባ ቅድም ንክረግእ፡ ምስ ረግአ ከኣ ተሓቚኑ ጠስሚ ንከውጽእ ብመስርሕ ክሓልፍ ዝግበኦ፡ እዚ ሎሚ ንህግደፍ ዘንቀጥቅጦ ዘሎ ማዕበል እውን መስርሑ ሓልዩ ዝመጸ እዩ። ኣብ ቀጻሊ ድሕነት መንእሰያት ዓቂቡ፡ ውጽኢታዊ ንክኸውን ድማ ጥንቁቕ ስራሕ ዘድልዮ እዩ። ህግደፍ በዚ ማዕበል  ክሳብ ክንደይ ከም ዘሰንበደ እቲ ዘርእዮ ዘሎ ሽበድበድ መስካሪ እዩ። ህግደፍ ምስንባዱ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ማዕበል ንምኹላፍ ዘርእዮ ዘሎ ጠንበርበር እውን ንዕዘቦ ኣለና። ነቲ ብሰንኪ ናቱ ጭቆናን ወጽዓን ዝነቐለ ማዕበላዊ ዓመጽ፣ ንካለኦት ወገናት ብናይ ምልዕዓሉ ተሓተቲ ክገብሮም እውን ንሰምዕን ንርእይን ኣለና። ከምቲ ልማዱ፡ ወዮ እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝፈጸሞ ገበናት ዘየቖጥዕ ኮይኑስ፡ ነቶም ዝምክትዎ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት “ተጋሩ እዮም” ክብሎም ምፍታኑ ካሳብ ክንደይ ካብ ክውንነት ይሃድም ከም ዘሎ ዘርኢ  እዩ።

እዚ ንህግደፍን ደቀ-መዛምርቱን ሕማም ርእሲ ኮይንዎም ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል፡ ንድሕሪት ተመሊሱ መፍቶ ህግደፍ ንከይከውን ብጥንቃቐ ክተሓዝ ይግበኦ። ህግደፍ ነቶም ናይቲ ማዕበል ተዋሳእቲ ኣብ ርእሲቲ ብልኡኻቱ ኣቢሉ ምጽላሙን ምጥቃዑን፡ በተን ዝነብርወን ሃገራት ተኸሲሶም ከም ዝጥቅዑ ንምግባሮም ዘካይዶ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ቀጻሊ ኣሎ። ስለዚ እቲ ህዝባዊ መኸተ ሕጋዊ መስመሩ ዓቂቡ ህግደፍ ብዘይብለጸሉ፡ ልኡኻቱ ልሒኾም ብዘይኣትዉሉን ናይተን ሃገራት ሕግታት ብዘይጥሕን ብቐጻሊ ዝካየደሉ መስርሕ ክሕዝ ይግበኦ። ከምኡ’ውን ኣብ ግዝያዊ ኣጀንዳታት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ዝጥምት ናይ ለውጢ ቃልሲ  ከም ዝኸውን ምግባሩ ኣገዳሲ እዩ። ህግደፍ ዝብለጸሉ ጌጋታት ከይፍጠር ድማ ብዝከኣል መጠን ምጥንቃቕ ኣድላይ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኣወዳድባን ምምሕዳርን ሃጓፍ ንከይፍጠር ምእኩል  ትካላዊ ኣመራርሓ የድሊ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ማሕበረ-ቁጠባዊ መጻኢኦም ጸልሚቱ፡ ብጥይት ህግደፍ እናተሳሕቱ፡ ምድረበዳን ባሕርን ኣቋሪጾም ዝተሰዱ፡ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ምሒሎም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መሰል ዑቕባ ዝረኸቡ መንእሰያት፡ ተመሊሶም መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ሒደት ኣይኮኑን። እዞም መንእሰያት ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ዘይኮነ፡  ተቓሊሶም ህዝቢ እውን ሓራ ከውጽእዎ እናተጸበዮም ብናይ ጣዕሳ መጸዋዕታ ተዓሽዮም ናብ ባርነት ህግደፍ ምምላሶም ንብዙሓት ወገናት ዘስደመመ እዩ። እዚ ከይኣኽሎም ብህግደፍ “እሙናት ኣገልገልቲ” ምእንቲ ክበሃሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣንጻር ወጽዓ ዝተሰለፉ ህዝባዊ ሓላፍነቶም ዘይዘንግዑ መሳድድቶም ሴፍ ምምዛዞም ከኣ እቲ ካልእ ዘገርም ጭካነ እዩ።

 እዚ ሒዘምዎ ዘለዉ ግጉይ ኣቕጣጫ፡ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘደናጒ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዓኣቶም እውን ሓደገኛ ምዃኑ ምልክታቱ ይረአ ስለዘሎ፡ ካብ ደሓር ኣብ ጸገም ድሕሪ ምእታዎም ምጥዓስ ከሎ ጋና ከስተብህሉን ሓላፍነታውያን ክኾኑን  ይግበኦም። ናይቲ ትማሊ ናብ ኤርትራ እንተተመሊስና ክሓርደናን ክቖርጸናን እዩ ዝበልዎ ኣረመኔ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ምዃኖም፡ ነተን ናይ ሓሶት ምኽንያቶም ኣሚነን ዘዕቆበኦም መንግስታት፡ ኣብቲ ናይ ቅድም ውሳነአን ዳግመ-ምጽራይ ክገብራ ከም ዘገድደን ክዝንግዑ ኣይምተገብኦምን። ስለዚ ደሓር ንዝመጽእ መዘዝ ተሓተቲ ምዃኖም ተረዲኦም ኢደ-እግሮም ክእርንቡ ይግበኦም። ህግደፍ ብዘይካ ገበኑ ሓቢኡ “ደገፍ ህዝቢ ኣለዎ” መበሊ ክኾንዎን ገንዘቦም ክሓልብን እንተዘኮይኑ፡ ደሓር ከም ዝርሕረሖም ከቶ ኣይዘንግዑ።

እተን ኣብ ሃገረን ኣብ መንጎ ኤርትራውያ ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዝፍጠር ዘሎ ክሳብ ናብ ምፍሳስ ደም ዝበጸሐ፡ ንኣኽበርቲ ሕገን ዝለከመ ተረኽቦ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጸጥታአን ተጽዕኖ ስለ ዝህልዎ ከቢድ ጾር ኮይንወን ኣሎ። ከቢድ ጾር ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ መፍትሒ ክረኽባሉ’ውን ግድን ስለ ዝኾነ ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣካላት መንግስታተን ይሰርሕሉ ኣለዉ። ኣብዚ መዝገብ ናይቶም ኣብ ሃገርና ምንባር ከሊኡና ዝበልዎ ስርዓት ህግደፍ ቀንዲ ደገፍቲ ዝኾኑ ምጽራይ፡ ቅድሚት ክስራዕ ዝኽእል ኣጀንዳ እዩ። “እቶም ክልተሻብ ዝተዛረቡ፡ ናብቲ ዝድግፍዎ መንግስቶም እንተተመሊሶም ሓደጋ ከምዘየጋጥሞም ባዕላቶም ዝመስከሩ ኣባላት፡  መሰል ስደተኛ ናይ ምሕላው ግዴታ ስለ ዘየብልና ናብ ሃገሮም ክንመልሶም ኢና” ዝብሉ መንግስታት ድምጾም ብጋህዲ ይስማዕ ኣሎ። ስለዚ እዞም መንግስታት ከምቲ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ዝበሃል፡ ዘካይድዎ ምጽራይን ዝወስድዎ ስጉምትን  ፍትሓዊ ንክኸውን ንምሕጸን።

ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብዚ ናይ ዓለምና ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ነናቶም ርኢቶ ከም ዝህልዎም ርዱእ እዩ። ደገፍቲ ህግደፍ ኪኖ እቲ ጉጅለኦም ዘካይዶ ዘሎ ጸለመ ምንብድባድ ካልእ ምርጫ ከምዘየብሎም ውሁብ እዩ። ኣንጻር ህግደፍ ዝተሰለፉ ሓይልታት ለውጢ ብኣንጻሩ፡ ነቲ ማዕበል ብደቂቑ ክንከታተሎን ከንዕኩኾን ይግባኣና።  ጉድለታት ክህልዉዎ ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ”ወዮ ህዝባዊ ማዕበል ከይዕንቀፍ” ኣብ ኣተሓሕዛና ነቲ ዝጐደለ ናብ ምምላእን ምእራምን ዘድህብ እንተዘይ ኮይኑ፡ ነቲ ንኡስ ድኽመት ኣግዚፍካ ብምቕራብ መፍቶ ህግደፍ ከይከውን ክንጥንቀቐሉ ይግበኣና።

Last modified on Sunday, 10 September 2023 10:05