2020 ኣፋኒና፡ 2021 እንክንርከብ

2020-12-30 19:41:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2790 times

ርእሰ-ዓንቀጽ-ሰዲህኤ

መዓልቲ ብመዓልቲ፡ ሰሙን ብሰሙን፡ ወርሒ ብወርሒ ከምኡ እውን ዓመት ብዓመት ክተኻኽኡ፡ ማንም ዘይቅይሮ ንቡር መስርሕ እዩ። እነሆ ከኣ በዚ ዝኾነ ኣካል ጠማዚዙ ከቐልጥፎ ወይ ከደንጉዮ ዘይክእል መስርሕ 2020ን 2021ን ሓላፍነት ኣብ ዝረኻኸባሉ እዋን ኮይንና “እንኳዕ ካብ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” ኣብ እንበሃሃለሉ ንርከብ። በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2021 ኣብጸሓካ፡ ሓድሽ ዓመት ናይ ሰላም፡ ቅሳነትን ዕቤትን ዝያዳ ከኣ  ካብ ወጽዓ ናብ ራህዋ መሰጋገሪት ዓመት ትኹነልካ” ንብሎ።

ኣይኮነንዶ ካብ ዓመት ናብ  ዓመት ነዊሕ ጉዕዞ ክትሰግር እንከለኻ፡ ሓጺር ተጓዒዝካ ናብቲ ዝተጸበኻዮ ክትበጽሕ እንከለኻ ምሕጓስን ምምስጋንን ልሙድ እዩ። በቲ ዝሓለፈ ምሕጓስ ጥራይ ዘይኮነ፡ መጻኢኻ ዝሓሸ ምእንቲ ክኾነልካ ሰሰናዩ ምትምናይ እውን ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ናይ ኤርትራን ህዝባን መጻኢ ብሩህ ክኸውን ናይ ኩልና ባህጊ እዩ። እንተኾነ ባህጊ ብግብራዊ ስራሕን ጽንዓትን እምበር ብትምኒትን ትጽቢትን ዝረጋገጽ ስለ ዘይኮነ፡ ኩልና እቶም ጸጽቡቑ በሃግቲ፡ ኣብ ዘዘለናዮ እሞ ከኣ ሓቢርና በበቲ እንኽእሎ፡ ክንሳተፍን ከነበርክትን በዚ ኣጋጣሚ ድልዉነትና ከነሕድስ ይግበኣና።

ቃልሲ ካብቲ ዘለኻዮ ዝሓሸ ኩነታት ንምፍጣር ዝግበር ናይ ሓባር ጻዕሪ እምበር፡ ውሱናት ወገናት ብዘይ ዝጭበጥ ምኽንያት ንጹሃት ሰባት  ዝድህኽሉ ኣይኮነን። ብዛዕባ መጻኢ ምሕሳብ ማለት ዝሓሸ ምጽባይን ምምዕዳውን ማለት እዩ። ንሕና ኤርትራውያን እውን ኣብ ምፍናው 2020 ኮይና፡ እንምነዮን እንጽበዮን ዝሓሸት ዓመተ-2021 እዩ። እዛ ንቕበላ ዘለና ዓመት ከምተን ቅድሚኣ ዝነበራ ኮነ ድሕሪኣ ዝመጻ ብማዕረ ዝተዋህበትና ናጻ ህያብ እያ። ዝሓሸት እንገብራ ከኣ ንሕና ኢና። ነዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት “ደሓን ኩኒ” ክንብላ እንከለና፡ ብጥሪኡ ዘይኮነ፡ ከመይ ከም ዝነበረት ሓደሓደ ነጥብታት ምጥቃስ፡ ኣብ ቀጻሊት ዓመት እንታይ ከም ዝጽበየና ንምምልኻት ጠቓሚ እዩ።

2020 ብመንጽር ዓለም ምዝርዛርን ምድህሳስን ንኸይገፍሓና ብሓጺሩ “ኣሻቓሊት  ከም ዝነበረት ርዱእ’ዩ”  ኢልካያ ምሕላፍ ተመራጺ እዩ። ብደረጃ ሃገርና ኤርትራ ከኣ እቲ ንዓመታት ዝተነድቀ ወጽዓ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ ዝበኣሰላ እምበር ጩራ ራህዋን ለውጥን ዝተራእየላ ኣይነበረትን። እኳ ደኣ ህግዲፍ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ-19  መዝሚዙ፡ ቀረብን ካልእ ምድላውን ኣብ ዘየብሉ ኩነታት ብዝፈጠሮ ወጥርን ዕጽዋን ህዝብና ዝያዳ ዝሓለፋ ዓመታት ዝተሻቐለላን ሕሰም ዝረኣየላን ዓመት ኮይና እያ ትሓልፍ ዘላ። እቲ ዕርቃን፡ ጥሜት፡ ስደት፡ ማእሰርትን ቅትለትን ብኩራት ኩሉ መሰረታዊ  ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ዝያዳ ዝሓለፋ ዓመታት ዝተራእየላ ዓመት ኮይና እያ ትገድፈና ዘላ።

እዛ ዝሓለፈት ዓመት ንኤርትራዊ ጉዳይና እውን ዝለከመ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሕዝን ኣዕናዊ ውግእ ዝተጋህደላ እያ። እዚ ውግእ ዞባዊ መልክዕ ሒዙ ብምምጽኡ እዛ እንኣትዋ ዘሎና ዓመት 2021’ውን ናይዚ ግዳይ ተረካቢት ኮይና እናተሓመሰት ከይትሓልፍ ዘሰክፍ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኤርትራውያን ዝምልከት ኣብ ሃገርና ዝዓሞ ዋኒን ከም ዝሰኣነ፡ መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ብዝሃንደሶ፡ ረብሓ ኮነ ፈቓድ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘየብሉ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብገዚፍ ዓቕሚ ምስታፉ እዩ።  2021 ካብ 2020 ትርከቦ ካብ ዘላ ብደሆታት ኣብ ርእሲቲ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዋኒናት እዚ ዝኸበደ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንክእጐድ ዘበርከተሉ ውግእ መዝሚዙን ንዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትን ቻርተራትን ጥሒሱን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፈጸሞ በደል እውን ካብ ኣሉታዊ ምዕባለታት ዓመተ-2020 እዩ።

በቲ ካልእ መዳይ ንሕና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘመዝገብናዮ ኣውንታ  ክንሕበን ይግባኣና። ምኽንያቱ ንወሳኒ ዓወትና ሰረት ክኾኑ ዝኽእሉ ስራሓት ኣበጋጊስና ስለ ዘለና። ንእሽቶ ከይሓዝካ ናብ ዓብይ ውሑድ ከይሓዝካ ከኣ ናብ ብዙሕ ምስጋር ኣይከኣልን ኢዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ከኣ በቲ ዘምከናዮ ዕድላት ክንሓስብን ክንጠዓስን ናይ ግድን እዩ። ብፍላይ ከኣ ሎሚኸ በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓቕሚ፡ በሪኽና ምእንቲ ክንርአ “እንታይ  ንግበር?” ንዝብል መሰረታዊ  ሕቶ ቅልጡፍ መልሲ ክንረኽበሉ ግድን እዩ።

ኣብ 2020 ካብቲ ኣብ ደንበ ተቓወምቲ ሓይልታት ህጹጽ ተደላይነት ዝነበሮ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ዝምልከት ከምቲ ንጽበዮኳ እንተዘይኮነ፡ ብኣዝዩ ዘገምታዊ ቅልጣፈ እናተጐዓዝና፡ ዝተወሰነ ርሕቀት ኬድና ኣለና። ኣብ ትሕቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተፈላለያ ሓይልታት ዕማም ኣብ ምምስራት ምብጻሕና ሓደ ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ እዩ። እዘን ሓይልታት ዕማም ዝያዳ ኣድማዕቲ ከም ዝኾና ምግባር ከኣ ኣብ 2021 እውን ኣገዳሲ ዕማምና ኮይኑ ዝቕጽል እዩ። እዚ ናይ ውሱናት ዕማም ዘይኮነ፡ ንኹልና ዝምልከት ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ምንቅስቓሳትን እውን ንዓመተ-2021 ብመንጽርዚ ክቕበልዋ ተስፋና ልዑል እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ እዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመት  ንጉጅለ ህግዲፍ ኣወጊድካ ዓወት ዝረጋገጸላ ክትከውን ብትስፉው መንፈስን ሕራነን ክቕበላ ይግበኦ። ሒዝናዮ ዘለና ናይ ለውጢ ጉዕዞ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን እምበር፡ ካብ ብርሃን ናብ ጸልማት ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዛ ንርከባ ዘለና ዓመት እቲ ብርሑቕ ነማዕድዎ ዘለና ብርሃን መሊኡ ምእንቲ ክበርህ ንኹሉ ክኢሉ ቃልሱ ዘሕይለላ ክትከውን ኣብዚ ኣጋጣሚ ንጽወዖ።

መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ብመሰረት ናይ ሰልፎም ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ዝነኣድ ጽንዓትን ተወፋይነት ኣርእዮም እዮም። ኣብ ሰልፋዊ  ግቡእን ሓላፍነትን ጥራይ ከይተሓጽሩ ከኣ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ መድረኻት ብምሉእ ዓቕሞም ከበርክቱ ጸኒሖም። ኣብዛ እንርከባ ዘለና ዓመት 2021 እውን ነዚ ዝጸንሐ ኣበርክተኦም ከም ዘዛይድዎ እምነትና ልዑል እዩ።

Last modified on Wednesday, 30 December 2020 20:47