ምርጫና: ምርጫ ህግደፍ ኣይኮነን!

2016-12-09 11:27:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3703 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኤርትራውያን በቲ ሓደ ወገን ናይ ግዳም ገዛእቲ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኤርትራውያን ተገዛእቲ ነይሩ። እዚ ኣሰላልፋ ፍጹም ተጻራሪ እቲ ቃልሲ ከኣ ኣብ መንጎ ገዛእን ንመግዛእቲ ስዒሩ ንናጽነት ዝብህግን ነይሩ። እዚ ንጹር ኣሰላልፋን ቀዳማይ ምዕራፍ ሸቶኡ ዘመዝገበን ህዝብና ከም ታሪኹ ዓቂብዎ ዘሎን ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ሎሚ ኮይና ብዙሕ ከነዘንትወሉ ኣድላይ ኣይኮነን። ሎሚ ዘሎ ኣሰላልፋ ግና ካብቲ ናይ ሽዑ ብመንጽር እቶም ተሰለፍቲ ዝተፈልየ እዩ። እቲ ዝፈላሊ ዘሎ መሰረታዊ ሕቶ እውን ከምኡ ዝተፈልየ እዩ። ኣብ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ግና ዘይሩዘይሩ ኣብ መንጎ መሰል ዝነፍግን ንመሰሉ ዝሓትትን ዘሎ ወጥሪ ስለ ዝኾነ ተመሳሳልነት ኣለዎ።

ሎሚ እቶም ኣብ ክልቲኡ ተጻራሪ መስመራት ተፋጢጦም ዘለዉ ወገናት ኩሎም ኤርትራውያን እዮም። በቲ ሓደ ወገን ወጻዒ ህግደፍ በቲ ካልእ ድማ ተወጻዒ ህዝቢ ኤርትራ። ዕምቆት ናይቲ ፍልልይ ኣብ ክሊ ናጻ ሃገር ኤርትራ፡ ናይ ኩሉ መሰላት ምንፋግን ኩሉ መሰላት ክረጋገጸልካ ምሕታትን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጻ ሃገሩ ኩሉ መሰላቱን ልዕልናኡን ክረጋገጸሉ ይሓትትን ሕቶኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ይቃለስን ኣሎ። ብኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ ንኹሉ ናይ ህዝቢ መሰላት ሓግሒጉ ብምኽሓድ ኣብ ትሕቲ ዘየገላብጥ “ዝበልኩኻ ጥራሕ ግበር” ክገዝእ ህርድግ ይብል ኣሎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝጥቀሞ ሜላታትን ዝፍጽሞ በደላትን፡ ብዙሕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ስለ ዝፈልጦ ኣብ ምዝርዛሩ ምእታውብዙሕኣድላይነትየብሉን።

ብሰሪ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ፍጹም ጨቋኒ ኣገባብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተወዲቡ “ከምዚ እየ ዝደሊ” ክብል ኣይከኣለን። እዚ ዘይምኽኣሉ ከኣ መባእታዊ ውጽኢት መላኺ ባህሪ ህግደፍ እዩ። ምስ እዚ ኩሉ ጭካነ ህግደፍ ግና ወጽዓ ክሳብ ዝሃለወ፡ ኣንጻርቲ ወጽዓ ዝስለፍ ኣካል ክህሉ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ እነሆ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምቅዋም ዓዲ ኣይወዓለን። ክሳብ ዝዕወት ከኣ ክቕጽል’ዩ። ኣበይ ኮይኑ ይቃወም? ድማ መልሱ ንሓታቲ ንጹር እዩ። ኣብ ኩሉ እቲ ጉጅለ ዘይውንኖን ዘይቆጻጸሮን ከባቢ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ተወዲበን ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ከኣ ናይዚ ኣብነት እየን። ህዝቢ ኤርትራ እንዳሓሰቦን ክዛረበሉ እንዳደለየን መድረኽ ስለ ዝሰኣነ ዘየልዕሎ ዛዕባታት ከኣ በዘን ዝተጠቕሳ ውዳበታት ይንጸባረቕ ኣሎ። ስለዚ ተቓወምቲ ውዳበታታ ኤርትራ፡ እቲ ዘጋጥመን ድኽመትን ሕጽረትን ገዲፍካ፡ ምርጫአን ምስ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ምስ ህግደፍ ከምዘይኮነ ንጹር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ እንዳሓየለ ምምጻኡን ውድቀት ህግደፍ ዘይተርፍ ምዃኑ መመሊሱ ምዕኳኹን፡ ናይ ኣሰላልፋ ሓላፍዘላፍ ይረአ እዩ። ብዙሓት ናይ ህግደፍ ወገን ዝነበሩ ምስ ህዝቦም ምዃን መሪጾም ናብ መስርዕ ተቓውሞ ዝመጹ ኣለዉ። ኣዝዮም ውሑዳት ንፖለቲካዊ ሃለዋት ሃገርና ብግቡእ መዚኖም ንነዊሕ ዓመታት “ጸረ-ህዝቢ” ዝብሉን ኣንጻሩ ዝቃለሱን ዝነበሩ፡ ሕጂኸ “ምስ ህዝቢዶ ምስ ህግደፍ?” ኣብ ምውሳን ዕጻይምጻጻይ ክብሉ ይንጸባረቕ ኣሎ። ገለገለ በጃ ህዝቢ ተመሲሎም ወጽዓ ህግደፍ ዘቃልዑ ዝነበሩ ትካላት ቃናኦም ቀይሮም ተበጀውቲ ናይቲ ጉጅለ ክኾኑ ዝደናደንሉ ኩነታት እውን ንዕዘብ ኣለና። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ ንህግደፍ ምንኣድ ጥራይ ዘይኮነ ንደንበ ተቓውሞ ካብ ምንቃፍ ሓሊፎም ክሳብ “ተቓውሞ ዝበሃል ኣየድልን’ዩ  የለን ከኣ” ዝብሉን ነቲ ሜዳ ብዘይተወዳዳሪ ህግደፍ በይኑ ክዕንድረሉ ከረከብዎ ዝህቅኑን ወገናት’ውን ንዕዘብ ምህላውና’ዩ። እንተኾነ እዚ ብዙሕ ዘሰሓሕብ ኣይኮነን። ወጽዓ ክሳብ ዝሃለወ ኣንጻር ወጽዓ ዝስለፍ ተቓውሞ ክህልው መጎታዊ ስለ ዝኾነ። ምናልባት ግና ከምዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዘጋጥም እቶም ናይ ተቓውሞ ተዋሳእቲ ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ግዝያዊ ምድኻም ከርእዩ ይኽእሉ። ናይዚኦም ምድኻም ግና “ተቓውሞ የለን ወይ ኣየድልን” ናብ ዝብል መደምደምታ ክወስድ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ኤርትራ ተቓውሞ ዝዕድም ወጽዓ የለን በሃልቲ እንተኾይኖም ግና መንገዶም ዘተዓዛዝብ እዩ ክኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ጽባሕ ናይ ለውጢ ጸሓይ ምስ በረቐት ባዕሉ ክኽዕቦም’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ፡ ክሳብ ክንደይ ጨካን፡ ዘይፍትሓዊ፡ ኢደወነናዊ፡ ብውልቃዊ ብደዐ ዝዝወር፡ ዝተነጸለን ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ዝግህስን ምዃኑ ክርዳእ ንዝደሊ ብሩህ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም ልቢ ዝልቦም ከም መንግስቲ ከም ዝፈልጥዎ  ዘዳዲ ኣይኮነን። ካብዚ ናይ ክሳድ ንላዕሊ ሚዛን ነቒሎም፡ ገለ መንግስታት ተወከልቶም ናብ ኣስመራ እንተለኣኹ፡ ወይ ንገለ ሓለፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ ንኤርትራ ከም ሃገር ንዘይምግላላ፡ ናብ ገለ ዞባዊ ወይ ዓለም-ለኻዊ  መድረኻት እንተዓደምዎም’ሞ ኣብኡ እንተመደሩ፡ ነዚ ከም ናይ ህግደፍ ምሕያል ወይ ተቐባልነት ምርካብ   ምልክት ዝርእይዎ እንተልዮም ግጉያት እዮም።

ኣብ ኤርትራ ተቓውሞ ዘይህሉን ርእሱ ኣቕኒዑን ህዝባዊ ተቐባልነት ኣጥርዩ ዘመሓድር መንግስቲ ዝህሉን፡ ወጽዓ ክውገድ እንከሎ ጥራይ ምዃኑ ህግደፍ’ውን ባዕሉ ይስሕቶ እዩ ዝብል እምነት የብልናን። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ድነ ጭቆና ተሓቢኡ ጥራይ እዩ ክነብር ዝደሊ። እዚ  ናይ ወጽዓ ድነ ከይቅላዕ ክሳብ ውድቀቱ ትልኽ ክብል ከኣ ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ መን ይዕወት ዝውሰን ከኣ፡ ብጽንዓት ህዝቢ ኤርትራን ናይቶም ካብ ወገን ህግደፍ ወገን ህዝብና መሪጽና ንቃለስ ዘለናን እዩ።

Last modified on Friday, 09 December 2016 12:31