“ሕጂኸ ናበይ?” ሕጂ’ውን ዘይተመለሰ ሕቶ

2016-12-16 18:24:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3602 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ካብ ሓደ ቦታ ተበጊስካ ኣብ ሓደ ቦታ ንምብጻሕ ጉዕዞ ትጅምር እሞ፡ እቲ ጉዕዞ ነዊሕ፡ ዕንቅፋታት ዝበዘሖን ብሓባር ዝኽየድን ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ መስርሕ ጌና ኣብቲ ዝመደብካዮ ከይበጻሕካ፡ ጉዕዞ ይጽግመካ ወይ ኣብ ቀራና መንገዲ ትበጽሕ እሞ እቲ ቅኑዕ መንገዲ ክትረክብ ትግደድ። ኣብዚ ኩነታት ከኣ “ሕጂኸ ናበይ?” ዝብል ሕቶ ትሓትት እሞ መልሲ ክትረክብ ድማ ናይ ግድን ይኸውን። ናይዚ ሕቶዚ ቅኑዕ መልሲ  ከይረኸብካ፡ ናብቲ ዝተበገስካሉ፡ ክትበጽሕ ስለ ዘይትኽእል።

ብሓፈሻ ኩልና ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ደንበ ተቓውሞና ዘለናሉ ሃለዋት ምስዚ ዝመሳሰል እዩ። ቅድሚ ሕጂ በቲ ዝድለ ቅልጣፈ ንቕድሚት ንስጉም ከም  ዘየለና ብምርዳእ ብዙሕ ግዜ “ሕጂኸ ናበይ?” ዝብል ሕቶ ከነልዕል ጸኒሕና ኢና። እንተኾነ እዚ ሕቶዚ ብግቡእ አለሊና ነቲ ኣማዕዲና እንርእዮ ዘሎና ንህዝብናን ሃገርናን ናብ ራህዋን ሰላምን ዝወስድ መንገዲ ብግቡእ ስለ ዘይከድናዮ፡ ነዚ ሕቶ መመሊስና ክንሓቶ ናይ ግድን እዩ። ቅድሚ ሕጂ ነዚ ሕቶ ክንምልስ ኣይፈተናን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ መልስታትና ኣድማዕትን ቀጸልትን ኣይነበሩን።

ንሕና ውድባት በብመንገድና ብዘካየድናዮ ገምጋም ከም ዝተረዳእናዮ፡ ህዝብና ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ከንጸባርቖ ከም ዝጸንሐ፡ በብኹርንዑ ዝስምዑ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ደለይቲ ጽቡቕ ርኢቶታት ከም ዝጠቕስዎ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቀንዲ ክንሰግሮ ዘይከኣልና መሰረታዊ ብደሆ ብሓባር ከሰልፈና ዝኽእል መድረኽ ክንፈጥር ዘይምብቃዕና እዩ።  ብውሱን ውደባዊ ዓቕሚ ጥራይ ኣብቲ እንደልዮ ሸቶ ክንበጽሕ ከምዘይንኽእል ከኣ ብሩህ እዩ። ብሓባር ክንሰርሕ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ንምዕዋትን ዘይምዕዋትን ወሳኒ ዝኸውን ከኣ ብመንጽር እዚ እዩ። ነቲ ናይ ሓባር መድረኽ ዝምግብ እቲ ውድባዊ ጻዕርታትት ዓቕምታትን ምዃኑ ግና ዘይከሓድ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ብንጹር ዝረኣየና ነዚ ኣገዳስን ወሳንን ምዃኑ እንዳተረዳእና ከነዕውቶ ዘይከኣልና ዘተኣማምን ናይ ሓባር መድረኽ ከይንፈጥር ዕንቅፋት ኮይኑና ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘለና ናይ ኣተሓሳስባ ብዝሕነት ፍልልይ እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት፡ ናይ ውደባ ብዙሕነት ካብ ተቐበልና ክንጽበዮ ዝነበረናን ዘለናን እዩ። እዚ ከኣ ኣባና ዝተጀመረ ዘይኮነ ኣብ ዝኾነ ናይ ውደባ ብዙሕነት ዝቕበል ፖለቲካዊ ህይወት ዝተራእየን ንመጻኢ’ውን ዝረአን እዩ። ብሰንኪ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት፡ ናይ ሓባር መድረኽ ክንፈጥር ዘይምኽኣልና እምበኣር ዘየዛርብን ቅቡልን ጌርና ክንወስዶ ዘይግበኣና እዩ። ምኽንያቱ ንናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነቶም ኣመሓዲሮም ናይ ሓባር መድረኽ ፈጢሮም ኣብ ቃልሲ ዝተዓወቱን ሃገር ዝመርሑን ወገናት ብዙሑት ብምዃኖም። ብመሰረቱ እውን እዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ናይ ብዙሕነት ስለ ዝኾነ። ስለዚ ኢና ከኣ ሕጂ እውን ካብዚ ዘለናዮ ዘይንቡር ናይ ደውታ ኩነታት ንምውጻእ “ሕጂኸ ናበይ?” ኢልና ክንሓትት እንግደድ።

ብመንጽር እዚ ኩነታትና ክምዘን እንከሎ፡ እቲ ጸገም ብቐንዱ ኣባና ዘሎ በዓል ቤታዊ ድኽመት እዩ። እዚ ብዓብይኡ ኣብ ፍልልያዊ ሓድነት ንዘለና ግንዛበን ናይ ምትግባሩ ትብዓትናን ዝፈታተን እዩ። እዚ ክንብል እንከለና ግና ከምቲ ውሽጣዊ ደኣ ወሳኒ ኣይከውንን እምበር፡ ዓንቃጺ ተጻብኦ ናይቲ ንምውጋዱ ንቃለስ ዘለና ጉጅለ ህግደፍ እውን ዘንጊዕናዮ ኣይኮናን።  ኣብዚ ኣተሓሕዛ ብዙሕነት ክሳብ ዘየድማዕና ከኣ ኣብቲ ካልእ ዝጽበየና ህዝብን ሃገርን ብመትከል ደሞክራሲ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ከነድምዕ ዘለና ዕድል ጸቢብ እዩ። መጻኢት ኤርትራ እውን ብመትክል ብዙሕነታዊ ሓድነት እያ ክትምራሕ እምበር ብዙሑነትናስ ህያው ኮይኑ ክቕጽል እዩ።

ብሓፈሻ ኩሉ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ደላይ ራህዋ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ከኣ ፖለቲካዊ ውድባት ካብዚ ኣለሊናዮ ዘለና ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክትሰርሕ ናይ ዘይምኽኣል ጸገም ንምውጻእ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ከምዘይንውዕል ፍሉጥ እዩ። እቲ ጸገም እምበኣር ነዚ ተበታቲኑ ዘሎ ሓልዮትን ስኽፍታን ኣብ ሓደ ብሱል ናይ ሓባር መኣዲ ከነምጸኦ ዘይምኽኣልና እዩ። ነዚ ከይነዕውት ካብ ዘየኽኣሉና ብዙሓት፡ ስስዐ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ስስዐ ምስ ነገራዊ ውነና ጥራይ ኣይኮነን ዝተኣሳሰር። እቲ ዝኸፈአ ገጹ ብናይ ኣተሓሳስባ ስስዐ ዝግለጽ እዩ። ካብቲ ኣብ ነገራዊ ህርፋን “ኩሉ ነዓይ” ምባል ብዝገደደ፡ ብ“ናተይ ሓሳብ ጥራይ ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ” ዝግለጽ ስስዐ ንሳቐ ምህላውና ብሩህ እዩ። ግድን እዩ ናብ ናይ ሓባር መድረኽ ክትቀርብ እንከለኻ ብዛዕባ ኩሉ ዝዝረበሉ ጉዳያት “ብርኢቶይ እዚ እዩ እቲ ቅኑዕ” ኢልካ ትኣምነሉ መመከቲ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ምቕራብ ግድን እዩ። ናይ ካለኦት ተጸባይ ጥራይ ከይትኸውን። እምነትካ ውዱእ ኮይኑ ዝስረሓሉ ግና ብናይቶም ናይ ሓባር መድረኽ መዋስእትኻ ተቐባልነት ክረክብ እንከሎ እዩ። ብካለኦት ወገናት ዝቐርብ እሞ ካብ ናትካ ዝሓይሽ ምዃኑ ናይ ዝተኣምነሉ ሓሳብ ምእዙዝ ምዃን ከኣ ናይ ትብዓት እምበር ናይ ተንበርካኽነት መርኣያ ኣይኮነን። ስለዚ ናይዚ እዋንዚ ናይ “ሕጂኸ ናበይ?” መልስና “ነቲ ናይ ምቅርራብን ብሓባር ምስራሕን ፈተነታት  ኣበራቢርናን ፍልልያትና ኣመሓዲርናን ንቅድሚት” ዝብል ክኸውን ይግበኦ።

Last modified on Friday, 16 December 2016 19:27