“ኤርትራ ብዓባያኸ ኣበይ ኣላ?”

2015-03-16 19:47:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3909 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብ25 ጉንበት 2014 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኦሪት ዘፍጥረት 4፡9 ተመርኲሶም “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ኣሎ ዝብል ኣርእስቲ ሂቦም፡ መንፈሳውን ስጋውን ስምዒታት ህዝብና ኣገናዚቦም፡ ዝምድና ፖለቲካን ሃይማኖትን ኣብ ግምት ኣእትዮም ዘቕረብዎ መሳጢ መጽናዕታዊ ናይ ጸዋዒት ጽሑፍ ናይ ብዙሓት ቀልቢ ስሒቡ ከም ዝነበረ ንዝክሮ ኢና። ብዙሓት ነቲ ኩለመዳያዊ ጽሑፍ ዘንበቡ ወገናት ብዛዕባ ኣብዚ እዋን’ዚ ድምጾም ክስማዕ ይግበኦ ዝበልዎም ኤርትራዊ ኣካላት ሕቶታት ኣቕሪቦም እዮም። “ምሁራትናኸ ኣበይ ኣለዉ?” ዝበሉ ነይሮም። ሕቶኦም ናብ ኤርትራውያን መናእሰያትን ወተሃደራትን ዘቕረቡ እውን ነይሮም። ከም ናይዚ ሕቶታት’ዚ መልሲ “ኣብዚ ኣለኹ ወይ ከምዚ እገብር ኣለኹ” ዝብል ሓቀኛ ተስፋ ዘሕድር መልሲ ዝሃበ ግና ክሳብ ሕጂ ዳርጋ የለን።

“ኤርትራ ብዓባያኸ ኣበይ ኣላ?” ዝብል ሕቶ ከነቕርብ እንከለና፡ ብዛዕባቲ ኤርትራ ትግለጸሉ ግኡዝ ባህርያት ማለት፡ ስፍሓታ፡ ታሪኻ፡ ተመኩሮ ቃልሳ ምእንቲ ነጻነታን ክብራን፡ ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ሃብታ፡ ብዛዕባ ጀኦግራፊያዊ መልክዓ፡ ብዛዕባ ማያታን ገማግም ባሕራን፡ ወይውን ብዙሕነት ክሊመኣ ጥራይ ኣይኮናን ንሓትት ዘለና። ቀንዲ ብዛዕባቲ ብዘይብእኡ ምልኣት ዘይህልዋ ህዝቢ ኤርትራ ኢና ንሓትት ዘለና። ምኽንያቱ ኤርትራ ብዘይህዝባ፡ ህዝባ ድማ ብዘይብኣኣ ዝተነጻጸለ ህልውና ስለ ዘየብሎም። ህዝባ ክንብል እንከለና ሃይማኖት፡ ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ቦታዊ ኣቀማምጣን ናይ ቃልሲ ድሕረባይታን ሻቢቡና ዝተወሰነ ኩርናዕ ቆንጢርና ዘይኮነስ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ማለትና ምዃኑ ከይንዝንግዕ ሓደራ። ምኽንይቱ ሓደ ካብቲ ናይ ብዙሕነትና መምዘኒ ንበይኑ ተወሲዱ መርኣያ መላእ ህዝብና ክኸውን ስለ ዘይክእል። ስለዚ “ኤርትራ ብዓባያ ማለት ኩለንተነኣ ምስ ህዝባ” ማለትና እዩ።

“ኤርትራ ብዓባያኸ ኣበይ ኣላ?” ነዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ምምላስ “ፍጹማዊ ሓደ ዓይነት” ዝበሃል እኳ ተዘየለ፡ መልስና ኣብ ብዓይኒ ዝረአ ብግብሪ ዝድህሰስ ስለ ዝምርኮስ ብዙሕ ፍልልይ ኣይህልወናን እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ሎሚ ኤርትራ ጥምየት፡ ዕርቃን፡ ስእነት ሕክምና ወሲኽካ ኩሉ ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ዝዓንደረሉ፡ ብኩራት ሰላም፡ መወዳእታ ዘየብሉ ማእሰርትን ዕስክርናን፡ ዜጋታት ናብ ፍርዲ ኣብ ዘይቀርብሉ፡ ናይ መሰል ሕቶ ኣቕሪብካ መልሲ ኣብ ዘይትረኽበሉ ዘይኮነስ ክትሓትት እውን ኣብ ዘይትኽእለሉ ናይ ፍትሒ ብኩራት ኣብ ዝሳዕረረሉ፡ ዝመርሓካ ኣካልን ትምረሓሉ ሕግን ኣብ ዘይትፈልጠሉ፡ ሕገ መንግስቲ ኣብ ዘየብሉ፡ ኣብ መንጎ ህዝብን መራሕቲ ኢና በሃልቲ ኣካላት ጉጅለ ህግደፍ ሓጺናዊ ደረት ኣብ ዝተነብረሉ፡ ሃሰስ ኢልካውን ደሞክራስያዊ ኣሰር ኣብ ዘይትርእየሉ ንጹል ኩነታት እያ እትርከብ ዘላ ዝብል መልሲ ከም ዘረዳድኣና ርግጸኛታት ኢና። እዚ ንኤርትራ ብዝምልከት ናይ ዝለዓሉ ሕቶታት መልሲ ካብ ዝኸውን ዝያዳ 20 ዓመታት ሓሊፉ እዩ። እዚ ሕቶ ኣብዚ እዋንዚ ክለዓል እንከሎ ከዓ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መልስታት መሊሱ ሓፊሱ፡ ኤርትራ ብሓፈሻ ዜጋታታ ብፍላይ ድማ መንእሰያታ ከም መግለጺ ጽልኦም ኣብ ልዕሊጉጅለ ህግደፍ ናብ ስደት ዝውሕዝሉ ዘለዉ ደረጃ ስለ ዝተበጽሐ፡ ኩሉ ካልእ ተሪፉስ “ኣብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቀራና መንገዲ እያ ዘላ” ዝብል ሓረግ መልሲ ኣብ ዝኾነሉ ደረጃ ኢና በጺሕና ዘለና። “የለን ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ከም ሃገር ናይ ምቕጻል ዕድላ ጸምልዩ እዩ” ክብሉ ትንዕምንዕ ዝብሉ ወገናት’ውን ይቀላቐሉ ኣለዉ። ነዞም ከምዚ ዓይነት ስግኣት ዝሓደሮም፡ ወገናት ኣብነት ኮይንካ፡ ካብዚ ስግኣቶም ዘውጽእ መንገዲ ቃልሲ ምርኣዮም እምበር “ኣፍኩም ከልቢ ይሽነሉ” ምባሎም እኹል ኣይኮነን።

ብዛዕባ’ዚ ኤርትራ ዘላትሉ ኩነታት ኣይኮነንዶ ኤርትራዊ፡ ኤርትራዊ ዘይኮነ እሞ ኤርትራ ዘላቶ ኩነታት ዝተረድአ ፍትሓዊ እንተኾይኑ ዘይሰክፍ ኣሎ ምባል የጸግም። ናይ’ቲ ስኽፍታ ቀንዲ ምረትን ላህመትን ግና ኣብ እንግደዓና፡ እንግደዓ ኤርትራውያን እዩ ክዓርፍ ዝግበኦ። እሞ እቲ ኩነታት ከምኡ’ዶ ኣሎ? ንዝብል ግና ነነብስና ንሕከኽ። ኣብ ጽምዋ ኮይና ከዓ ንሕሰብ። ሎሚ ኣብ ዘዘለናዮ ኩርነዓት ዓለም ብዛዕባ ሃገርና እንሰምዖ ወረ ኣግራባ ይበርስ ኣሎ፡ ሓመዳ ይብሕጎጕ ኣሎ፡ እንስሳ ዘቤታ ይሃልቃ ኣለዋ፡ ታሪኻዊ ውርሻታታ ይዓኑ ኣሎ … ወዘተ ዝብል ጥራይ ኣይኮነን። እዚ ዕንወታት ከጋጥም እንከሎ’ውን ዘየሻቕል ኣይኮነን። ግና ካብዚታት ዝዓቢ ምስ ናይ ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰያትና ዝተሓሓዙ፡ ወዲ እገለ ካብ ዓዲ ወጺኡ ኣብ ከምዚ ዝበሃል መደበር ስደተኛታት ኮይኑ ርድኡኒ ይብል ኣሎ፡ ካብ ሱዳን ናብ ሊቢያ ክሰግሩ እንከለዉ ክንድዚ ኤትራውያን ኣብቲ ምድረበዳ ሞይቶም፡ ክንድዚ ኣሕዋት ካብ ሓደ ቤተሰብ ኣብ ዶብ ተቐቲሎም ኣስከሬኖም ብኣራዊት ተበሊዑ፡ ብዓብይኡ ድማ ክንድዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ መዲትራንያን ጥሒሎም ዝብሉ ዜናታት ኢና ዕረ እንዳጠዓመና ንሰምዕ ዘለና። ሎሚ ንኤርትራዊ “ወዲ እገለ ዘመድካ ተምርዕዩ፡ ወሊዱ፡ ኣብ ትምህርቲ ተመሪቑ” ዝብል ዜናታት ምስማዕ ነውሪ ኣብ ዝኾነሉ ሕማቕ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ኤርትራዊ ህልውና ከዓ ብኽንድ’ዚ ደረጃ እዩ ዝፈሓቝ ዘሎ። እቲ ኩነታት ከምኡ ኢሉ እንተቐጺሉ ድማ ሳዕቤኑ ናይ ኤርትራ ምጽምላው ዘይኮነስ መሊእካ ምሕቃቅ ከስዕብ ከም ዝኽእል ምጥቃሱ እንተዘየሕፊሩና እንስሕቶ ኣይኮነን።

“ኤርትራ ብዓባያኸ ኣበይ ኣላ?” ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልሲ “ኤርትራ ህልውነኣ ኣኸቲሙ እዩ” ዝብል ከይከውን ንሰግኣሉ ዘለና ኩነታት፡ ከምዚ ቀሊል ሕማም ክሕዘና እንከሎ “ባዕሉ ክገድፈና እዩ” ኢልና እንጽበዮ’ሞ ዝገድፈና፡ ባዕሉ ዝፍወስ ሕማም ኣይኮነን። ናይ ግድን ናይቶም በዚ ኩነታት እንስከፍን ሓላፍነት እንስከምን ኤርትራውያን ብፍላይ፡ብሓፈሻ ድማ ናይ ኩሎም እቶም በዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ጸገም ዝሻቐሉ ወገናት ናይ ቃልሲ ኣእዳው እንተዘይተዘርጊሕሉ ባዕሉ ዝሓዊ ኣይኮነን። እንደጋና ከነዘኻኽሮ እንደሊ ናይቶም ካብ ርሑቕ ይኹን ካብ ቀረባ፡ እንተ ብጉርሒ ወይ ብገርሂ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ኣብ ጐንና ክስለፉ እንጽበዮም ዘይኤርትራውያን ወገናት ኣበርክቶ መመላእታ ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ናትና ናይቶም ኣብ ለውጢ ረብሓ ስለ ዘለና ንምዕዋቱ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ኣበርክቶ እዩ። እቲ ካብ ዘይኤርትራውያን እንረኽቦ ኩለመዳያዊ ሓገዝን ምትብባዕን እውን ምስቲ ካብ ውሽጥና ዝፍጠር ዓቕሚ ክብ ለጠቕ ዝብል እምበር፡ ንሕና ሰብ ዋኒን ክነስና፡ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮነ ፖለቲካዊ ምኩርባብ እንዳወዓልና “ኣጆኹም” ዝብል ድምጺ ከስምዑና ክንጽበ ኣይግባእን። እንተተጸበና እውን ደሃይ ኣይክንረክብን ኢና።

ሓቂ እዩ፡ ሎሚ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎን ንኤርትራ ብዓባያ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቓዋ ዘሎን ተረኽቦ ዘይሓዝን ኤርትራዊ የለን። በቲ ተስፋ ቆሪጹ ዓዱ ገዲፉ ሃጽ ኢሉ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ዘይሻቐል’ውን የለን። እዚ ሻቕሎትና “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ሻቕሎት ዝኸውን ግና፡ ነቲ ዘሻቕል ናብ ራህዋ ንምቕያር ብዘለና ግብራዊ ተወፋይነት እዩ። ነዚ መሰረታዊ ንኤርትራ ብዓባያ ናይ ምድሓን ዕማም፡ ድሕሪ ውድባዊ፡ ሰልፋዊ፡ ማሕበራዊ፡ ብሄራዊ፡ ኣውራጃዊ ወይ ውልቃዊ ክብሪ ንሰርዖ እንተ ኮይንና ግና፡ እቲ እነስመዖ ናይ ሻቕሎት ቃል ናይ ሓሶት፡ እቲ ነፍስሶ ንብዓት ድማ ናይ ሓርገጽ ምዃኑ ኣይንስሓት። ንምረሓሉ መትከላትን ፖሊሲታትን፡ ደሞክራስያዊ፡ ህዝባዊ፡ ሰላማውን ልምዓታውን ባህርያቱ ሓልዩ ከም ዝቕረጽ ምግባሩ ኣድላይን መሰረታውን እዩ። ግን ድማ ህልውነኣ ኣብ ዘየረጋገጸት ኤርትራ ብዓባያ ዝሕፈሶ ምህርቲ ከም ዘይህሉ ኣይንዘንግዕ። ምናልባት እውን ናይቲ ዘሪእካ እተፍርየሉ መሬት ልምዓታዊ ጠባይ ኣብ ግምት ከየእተኻ እቶት ዘኻዕብት ዘርኢ ከም ምምራጽ ይምሰል ይኸውን። ስለዚ ኢና እምበኣር ብዛዕባ ኤርትራ ክንሓስብ እንከለና ንኤርትራ ብዓባያ ኣብ ቅድሚት ንስረዓያ ንብል ዘለና። በዚ ኣጋጣሚ፡ እቲ ንኤርትራ ብዓባያ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ነቶም ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት እውን ከም ዝምልከቶም ክዝንጋዕ የብሉን። እኳ ደኣ ግደኦም መሪሕ እዩ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ጸገም ኤርትራ፡ ብኩራት ደሞክራስን ሰብኣውን መሰላትን ሳዕቤናቱን ጥራይ ይመስለና ነይሩ ይኸውን። ሎሚ ግና ግዜ ምስ በለዐን ግፍዕታት ጉጅለ ህግደፍ መሊኡ ምስ ፈሰሰን፡ እዚ ብኩራት ደሞክራስን ኩሉ ዓይነት ምግሃስ መሰላትን ንህልውና ኤርትራ ናብ ዘስግእ ዓብይ ሕማም ማዕቢሉ ንርእዮ ኣለና። እቲ ብኣና ክካየድ ዝግበኦ ናይ ቃልሲ ባህርያት እውን ብመንጽር እዚ እንዳኸፈአ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት እዩ ክመዓራረን ዳግማይ ክዋደድን ዝግበኦ። ከምኡ እንተዘይ ጌርና ግና ጉዳይና “እግርን ከበሮን በበይኑ” ከም ዝበሃል ክኸውን እዩ። ኣብ ከምዚ ሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ፡ ነቲ ናብ ዓዲ ዘእቱ መንገዲ ቃልሲ እንተስሒትካዮ፡ ድኻምካን ጻዕርኻን መኻን ካብ ምዃን ሓሊፉ ውጽኢት ዘይብሉ ባዶሽ ናይ ምዃን ዕድሉ ሰፊሕ እዩ። ኣብ ከም እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ሓላፍነታዊ፡ ኤርትራ ብዓባያ ናይ ምድሓን ቃልሲ፡ ብቑዕ ኮይንካ ምቕራብ ቀሊል ከም ዘይኮነ ተመኩሮና ኣርእዩና እዩ። እዚ ማለት ግና ከምቲ “ካብ ልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን” ዝበሃል፡ ዘይከኣል ኣይኮነ’ሞ ኩሉ ጉዳያትና ብመጽር ኤርትራ ብዓባያ ክንቃንዮ መድረኽ ይሓተና ኣሎ።

16 መጋቢት 2015

Last modified on Monday, 16 March 2015 20:49