ኣነ ዕንጸይቲ እኣሪ መድረሪና፣ ንሳን ተመን ትሕዝ ቀታሊና

2015-03-09 19:34:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3082 times

ርእሰ-ዓንቀጽ

እዚ ሽልማት'ዚ ካብ 2007 ዓ.ም ኣትሒዙ ንብሉጻት መራሕቲ ኣፍሪቃ ብሞ ኢብራሂም እተባህለ ሱዳናዊ በዓል ጸጋ ክውሃብ ዝጸንሐ ሽልማት ኢዩ። ዕላማ ናይ'ዚ ሽልማት'ዚ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ንምዕባለን ብልጽግናን ህዝቦምን ሃገሮምን ክሰርሑን ውሑልል ምሕደራ ከተኣታትዉን፤ ከምኡ'ውን፡ ንቅዋም ተገዛእቲ ክዀኑ ንምትብባዕ ኢዩ።

ትካል ሽልማት ሞ ኢብራሂም፡ ንፕረሲደንት ሂፊከፑኔ ፖሃምባ (Hifikepunye Pohamba)፡ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ምድልዳልን ዕርቂ ኣብ ምስፋንን መስርሕ ዲሞክራሲ ኣብ ምዕሟቕን ማሕበራውን ቍጠባዊ ምዕባለታት ኣብ ምርግጋጽን ዝተጻወቶ ግደ ኣብነታዊ ኢዩ ነይሩ ክብል ንኢድዎ። ኣብኡ ብምምርኳስ ድማ፡ ንፕረሲደንት ፖሃምባ ናይ 2014 ዓም ሽልማት ትካል ሞ ኢብራሂም ሂብዎ።

ናሚብያ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ፕረሲደንት ፖሃምባ፡ ውሕሉል ምሕደራ፡ ርግኣት፡ ኣሳታፊ ዲሞክራሲ ዝሰፈናን ሓያልን ናጻን ፕረስ ትውንንን ንሰብኣዊ መሰላት ተኽብርን ሃገር ኰይና ኢያ ተገሊጻ።

ኣብ ርእስ'ዚ፡ እቲ ሽልማት ነቶም ብህዝባዊ ምርጫ ዝመጹ መራሕትን ግዜኦም ምስ ኣኸለ ድማ ብፍቓዶም ስልጣኖም ንዝሰዓረ ፓርቲ ወይ መራሒ ዘረክቡን ኢዩ ዝውሃብ። በዚ መሰረት ፕረሲደንት ፖሃምባ፡ ንሃገሩ 2 ግዜ ተመሪጹ ድሕሪ ምግልጋል፡ ንሳልሳይ ግዜ ክወዳደር ቅዋም ስለዘየፍቅደሉ፡ ብቕዋም ሃገሩ ተገዚኡ ስልጣን ምርካቡ ሓደ ካብ'ቲ ዘሸለሞ ቀንዲ ምኽንያት ኢዩ ነይሩ።

እቲ ሽልማት ኣብ 10 ዓመታት ዝኽፈል 5 ሚልዮን ዶላርን ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ክሳብ ብህይወቱ ዘሎ ድማ 200 ሽሕ ዶላርን ዘጠቓለለ ኢዩ።

ቅድም ክብል ሽልማት ሞ ኢብራሂም ዝተቐበሉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ፕረሲደንት ዮዋኪም ቺሳኖ ናይ ሞዛምቢክ (2007)፣ ፈስቱስ ሞጋየ፡ ናይ ቦትስዋና መራሒ (2008)፣ ፐድሮ ፒረስ፡ ፕረሲደንት ናይ ከይፕ ቨርደ (2011) ከምኡ'ውን ፕረሲደንት ማንደላ ኢዮም። ኣብ 2009፡ 2010፡ 2012ን 2013ን ነዚ ሽልማት'ዚ ዝበቅዕ መራሒ ኣይተረኸበን።

በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ንሃገርና ብመንጽር ናሚብያን መራሒኣን ክንርእያ ከለና፡ ኣብ ክልተ ጫፋት ናይ'ቲ መለክዒ ኢና ከነቐምጣ እንኽእል። ብኻልእ ኣገላልጻ ኤርትራን ናሚብያን፡ ፕረሲደንት ኢሳያስን ፕረሲደንት ፖሃምባን ጽርዲ ኢዮም፡ ዘራኽብ እውን የብሎምን።

ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኤርትራ፡ ሓድነትን ጽንዓትን ህዝባ እናማህመነ ዝኸደላ፣ ሃገራዊ ዕርቂ ይኹን ስኒት ዝተነፍጋ፣ ህዝባ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ንስደት ዝውሕዙላ፣ ቅዋም፡ ናጻ ፕረስ፡ ፓርትታትን ምርጫታትን ዘይብላ፡ ብልሽውና ዝነገሰላ ሃገር ኢያ ኰይና ዘላ።

ባህርያት ክልቲኦም መራሕቲ ክንርኢ ከለና ከኣ፡ ፕረሲደንት ፖሃምባ፡ ኣዝዩ ትሑትን ምቕሉልን ስለዝዀነ፡ ስሙ ውን ብዙሕ ኣይፍለጥን ኢዩ። ብኣንጻሩ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ፈሺሉ ክነሱ፡ ንኻልኦት መራሕቲ ከቈናጽብ፣ ንሓያላት መንግስታት ክጸርፍ፣ ብዲሞክራስን ውሑልል ምሕደራን ከሽካዕልል ኢዩ ዝውዕል። ዓለምና ግን፡ ከም ህውከተኛን ጸረ ሰላምን ዝዀነ መራሒ ኢያ ትፈልጦ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ኢሳያስ፡ ከም ኵሉ ዝፈልጥ መራሒ ገይሩ ኢዩ ንነብሱ ዝፈልጣን ምስ ዓለም ድማ ብኸምኡ ከፋልጣን ኢዩ ዝጽዕር። ኢሳያስ፡ ንሚኒስተራቱ ብዛዕባ ምኒስትሪታቶም ክዛረቡ ውን ዕድል ኣይህቦምን ኢዩ። ኵሉ ባዕሉ ኢዩ ዝውድኦ። ብዛዕባ ምርመራ ናይ ጠፈር፡ ብዛዕባ ማዕድናት፡ ብዛዕባ ሕርሻ፡ ብዛዕባ ሕክምና፡ ብዛዕባ ህንጻ ኣባይትን ሓጽብታትን፡ ብዛዕባ ቍጠባ፡ ብዛዕባ ውግእ .....ወዘተ ኪኢላ ናይ ክኢላታት መሲሉ ክርእ ኢዩ ዝፍትን።

ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንስልጣኑ ክብል፡ ንቅዋምን መቓለስቲ ብጾቱን ዝሓየረ፣ ንናጽነት ናይ ፕረስ ከም ቍሪ ዝፈርሕ፣ ብዛዕባ ኣሳታፊ ዲሞክራስን ውሕሉል ምሕደራን ንሓንቲ መዓልቲ ውን ትኹን ሓሲቡ ዘይፈልጥ፡ ብዘይካ ዝናኡ ካልእ ዘየገድሶ ዲክታቶር ኢዩ።

ከም'ቲ ኣበው ክምስሉ ከለው ዝብልዎ፡ "ኣነ ዕንጸይቲ ክኣሪ መድረሪና፣ ንሳን ተመን ትሕዝ ቀታሊና"፡ ፕረሲደንት ፖሃምባ ንህዝቡ ዝሓሊን ዝሕሉን ዲሞክራስያዊ መራሒ ክኸውን እንከሎ፤ ኢሳያስ ከኣ፡ ንህዝቡ ዝብትንን ዘጽንትን ዘሎ ዲክታቶር ኢዩ።

Last modified on Monday, 09 March 2015 20:42