ኣብ ዓይኑ ዘሎ ጕንዲ ገዲፉስ ኣብ ኣዕንቲ ካልኦት ዘሎ በሰር ዝርኢ ስርዓት

2015-02-23 21:17:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3419 times

ርእሰ-ዓንቀጽ

ብዕብየቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ባንክ HSBC፡ ኣብ ስዊስ ዝርከብ ግላዊ ጨንፈሩ ናይ ገበነኛታትን ብልሽዋት ሰብ ርማልን ሰብ ስልጣንን ገንዘብ ተቐቢሉ ኣብ ስውር ሕሳብ ከቐምጥ ምጽናሑ ዘጋልጽ ሓበሬታ ጋህዲ ድሕሪ ምዃኑ፣ እቲ ባንክ፡ንዝስንዘረሉ ዘሎ ኣህጕራዊ ነቐፌታታት ንምክልኻል ላዕልን ታሕትን ክብል ይርአ ኣሎ። ገለ ካብ'ቲ ገንዘብ ብሕቡራት ሃገራት ናይ ዝተዀነኑ ኣብ ንግዲ ደቂሰባት፡ ንግዲ ኣልማዝን ብልሽውናን ዝተዋፈሩ ዕሉላት ገበነኛታት ምዃኑ ውን ይሕበር ኣሎ።

ናይ'ዚ ባንክ'ዚ ተገልገልቲ ናይ ዓለምና ዓበይቲ መራሕቲ ምዃኖም ውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። ፕረሲደንት ሑስኒ ሙባረክ ናይ ግብጺ፡ ፕረሲደንት ቢን ዓሊ ናይ ቱኒዝያ፡ ፕረሲደንት በሻር ኣልኣሰድ ናይ ስርያ፤ ከምኡ'ውን፡ ንጉስ መሓመድ 6ይ ናይ ሞሮኮ፡ ናይ ባህረን ንጉስ ሳልማን ቢን ሓምድ ዒሳ ኣልኸሊፋ፡ ናይ ስዑዲ ዓረብ ንጉሳውያን ቤተሰብ ገለ ካብ'ቶም ተጠቐምቲ ናይ'ዚ ባንክ'ዚ ኰይኖም ምጽንሖም ክዝረበሉ ዝጸንሐ ኣርእስቲ ኢዩ።

እቲ ካብ ኵሉ ዘገረመና ግን፡ ካብ'ታ ዝደኸየት ሃገር ኣብ ዓለም እትብሃል ኤርትራ፡ 695.2 ሚልዮን ዶላር ኣብ'ዚ ባንክ'ዚ ተረኽቡ ዝብል ሓበሬታ ምስማዕና ኢዩ። ህዝባ ብኩቦን መግቢ እናተዓደለ፤ ብሕጽረት ማይ፡ መብራህቲ፡ ነዳዲ ትሳቐ ዘላን መንእሰያታ መጻኢ ዕድሎም ጸልሚትዎን ንስደት ዘምርሕላን ግዳይ ነጋዶ ደቂሰብ ዝዀኑላን ሃገር፡ ክንድ'ዚ ዝኣክል ገንዘብ ብስም ውልቀሰባት ተቐሚጡ ምጽናሑ ዘስደምም ኢዩ። ኣብ ደገ ተቐሚጡ ዘሎ ናይ መራሕቲ ኤርትራ ገንዘብ እዚ ጥራሕ ከምዘይከውን ርዱእ ኢዩ። ክሳብ ዕለቱ ኣኺሉ ዝጋለጽ፡ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ፈዲሓ ንባህርያት መራሕቲ ስርዓት ኤርትራ ንምርዳእ ዝሕግዝ ኣገዳሲ ተረኽቦ ኢዩ።

ብልሽውና ዘይብላ፡ ዕዳ ዘይብላ፡ ኣብ ርእሳ እትምርኰስ እናተባህለ ብመራሕቲ ኤርትራ ዝዝመር ዝነበሩ መዛሙር፡ ሎሚ ሓሶት ምዃኑ ብዘየማትእ ኣገባብ በሪሁልና ኣሎ። መራሕቲ ኤርትራ፡ ካብ'ቶም ድሕሪ ስዕረት ባዕዳዊ መግዛእቲ ስልጣን ዝጨበጡ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ዝኸፍኡ እንተዘይኰይኖም ካብ'ኦም ዝሕሽሉ ዝዀነ ይኹን ክቐርብ ዝኽእል ጭብጢ የለን።

እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ተቐሚጡ ዝጸንሐ ገንዘብ፡ ናይ መራሕቲ ኤርትራ፡ ካብ 2%፡ ንግዲ ማዕድን፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ ብመንግስታዊ ትካላት (09)፡ ንግዲ ደቂ ሰባት፡ ዘይክፈሎ ባርነታዊ ስርሓት ....ወዘተ ዝተረኽበ ኣታዊ ምዃኑ ምግንዛብ ኣይጽግምን ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይ ሓዋላን ኮንትሮባንድን ንጥፈታት ከምዝዋፈር ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዘሎ'ውን ኣይመስለናን። ብቐደሙ ውን፡ መንግስቲ ወናኒ ናይ ንግዳዊ ትካላት እንተደኣኰይኑ፡ ብልሽውና ዘይተርፍ ባህርያቱ ክኸውን ምዃኑ ዝስሓት ኣይኰነን። ኣብ ዓይኑ ዘሎ ጕንዲ ዘይርኢ ስርዓት ኢሳያስ ግን፡ ብናይ ካልኦት ሃገራት በሰር ክወራዘ ኢዩ ዝውዕልን ዝሓድርን። እታ "ሓቂ'ያ ትዛረብ ዝብላ ኤሪ ቲቪ ደኣ፡ ነዚ ጽሓይ ዝወቕዖን ዓለም ዝዛረበሉ ዘሎን ሓቂ ስለምንታይ ኢያ ዘይትዛረበሉ? እዚ ከም'ዝን ከይዝረበሉ ብማለት እኳ'ዩ ስርዓት ኢሳያስ ንናጽነት ናይ ፕረስ ከም ቍሪ ዝፈርሖን ብዅሉ ዝከኣሎ ኣገባብ ዝዋግኦን።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ፡ ኣብ ቀዳማይ ጕባኤኡ ኣብ ዘጽደቖ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደራን ኣጠቓቕማ ማዕድናትን ዝብል ኣርእስቲ፡ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ዘስፈረ። "...... ሰዲህኤ ማዕድን ንዕቤት ሃገርና ብዝልዓለ ከበርክቱ ካብ ዝኽእሉ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገር ሓደ ምዃኑ ይርዳእ። ብፍላይ ድማ፡ ካብ ፍቓድ ዕደና ምሃብ ጀሚርካ ግሉጽነት ብምትእትታው፡ ብልሽውና ብምውጋድ፡ እቶት ማዕድን ብግቡእ ብምምሕዳር፡ ህዝብና ካብ ድኽነት ክገላገል ይኽእል እዩ ዚብል ቀንዲ ኣምር ሰዲህኤ እዩ። ብፍላይ ተመኩሮ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እንተድኣ ተገንዚብና፣ ብሰንኪ ዘይግሉጽነትን ብልሽውናን መራሕቲ ሃገር ማዓድናት ይኹኑ ካልኦት ዕቑራት ጸጋታት ሃገር ጠንቂ ውግእን ደም ምፍሳስን ኮይኖም ጸኒሖምን ኣለዉን። ከምኡ’ውን መለኽቲ ዘለውወን ሃገራት ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሃብቲ ሃገር ብሒቶም ይጻወትሉ። ኣብ ዝሃድሙሉ እዋን ከኣ ኣብ ስደቶም ንሕልፈት ዘነባብር፡ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ዘሚቶም ይሕክሉ..."።

ስርዓት ኢሳያስ'ውን፡ ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብጸጋታት ኤርትራ ይጻወት ኣሎ፡ እንተደኣ ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ወጺኡ ድማ፡ ነዚ ኣብ ደገ ዘቐመጦ ገንዘብ ናብ ግላዊ ጥቕሙን ንርግኣት ኤርትራ ኣብ ምዝራግን ከውዕሎ ምዃኑ ካብ ዝሓለፉ ተመኵሮታት ናይ ብዙሓት ሃገራት ክንበጽሖ እንኽእል መደምደምታ ኢዩ።

Last modified on Monday, 23 February 2015 22:21