ህዝቢ ኤርትራ እንተዝሓተናኸ?

2015-02-15 09:16:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 3573 times

ርእሰ-ዓንቀጽ

“ቃልስና ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ቃልስና ተዓዊቱ ዝበሃል ከኣ ናይ ህዝብና ጭንቂ ብራህዋ ምስተደብሰ እዩ። እቲ ናብዚ ዓውትዚ ዘብጸሓና ሓቀኛ ለውጢ ከኣ እቲ ካብቲ ዋና ለውጢ ህዝብና ዝነቅል እዩ ” ዝብሉ ሓረጋት ካብቶም ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚርና መውጽእ ኣፍና ጌርና ክንዝምሮም ዝጸናሕና ሓርጋት እዮም። ሓቅና ከኣ ንሱ እቲ ኣፍ ከለዎ ዝተለጉመ፡ ኢድ ከለዎ ዝተኣስረ፡ ብርሃን እንከሎ ዝጸልመቶ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ ክንብጀወሉን ድምጹ ከነስመዓሉን ኢና ምባልና ዘምሕረልና እምበር ዘኽፍኣልና ኣይምኾነን። ኣካል ህዝብና ስለ ዝኾና ናይቲ ህዝብና ብቓልሱ ዘመዝግቦ ጸጋ ተጠቀምቲ ምዃና ኣይንዝንግዖን ኢና። እቲ ካባና ካብ ተቓወምቲ ዝድለ ናይቲ ከስመዖ ዝግብኦ ድምጺ እንከለዎ ልሳኑ ዝተዓጽወ ህዝቢ ልሳን ኮንካ ምብቃዕ እዩ። እዚ ከነማልእ ክሳብ ዘይከኣልና ንቃለስ ኣለና ምባል ኪኖ ድኻም ትርጉም ከም ዘየብሉ ፍጹም ክንስሕቶ ዘይግብኣና እዩ። እቲ ሕቶ እምበኣር ”እቲ ብስሙ እንብሎን እንገብሮን እቲ ናይ ልቡን ትጽቢቱን ድዩ ወይስ ንትጽቢታቱን ሃረርታኡን መዝሚዝና ኢና ጸቢብ ስምዒታትናን ህርፋናን ንነዝሕ ዘለና?” ዝብል እዩ። ዋላ’ኳ በቲ ካብ ልቢ ድዩ ካብ ክሳድ ንላዕሊ “ህዝቢ እዩ ወሳኒ” ዝብል ጭርሖ ብዙሓት ንደዓዓስ እንተኾና፡ ካብቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብስም ህዝቢ ዝቃልሕ ዳንኬራ መብዛሕትኡ ብስምቲ ሎሚ ዘይዛረብ ዘሎ ጽባሕ ግና ምዝራቡ ዘይተርፎ ህዝቢ ዝመሓልን ዝጠሓልን ናቱ ናይቲ ለውጢ ዝጽበ ዘሎ ህዝብና እዩ ክትብሎ ዘጸግመሉ ኩነታት ንዕዘብ ኢና።

ብፍላይ ንእዋናውነትን ቀዳምነታትን ዛዕባታት ብዝምልከት እሞ ከኣ፡ እቲ ጉዳይ ግልብጥሽ እዩ ዝመስል። ሎሚ ህዝብና ውሱናት፡ ሃይማኖቶም፡ ብሄሮም፡ ቋንቋኦም፡ ኣውራጅኦምን ድሕረባይተኦም ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት፡ ብዘየገድስ ጸረ ደሞክራሲ ባህሪኦም ዘጫነዎም ብዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተጠመቑ፡ ውሱናት ኣካላት እዮም ጸላእተይ እዩ ዝብል ዘሎ።። ብስንኪ እዚ ጸረ ደሞክራሲ ጉጅለ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝፈጠሮ ምፍልላይ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ መናብርትናን ጸጋናን እምበር ሓድሽ ዘይኮነ ኩለመዳያዊ ብዙሕነትና ኣይኮነን ጸገምና ይብል ከም ዘሎ ኢና እንርዳእ። ርኢና ከምዘይረኣና ክንሓልፎ እንተዘይኮይና፡ ንዓና ነቶም ቃናኦም ክንልውጡ ዝጽዕሩ ዘለዉ እውን ይጠፍኦም እዩ ኣይንብልን። ምኽንያቱ ኣብኡ እንዲና ዓቢና። ነዚ ብዝሑነትና ዓቂብና እንዲና ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ኣዕዊትና። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ህበይሲ ካብቲ ኣብ መቐመጫይ ዘሎ እሾኽ እሞ ቅድም ኣገላግሉኒ፡ ነቲ ዝተረፈስ ኮፍ ምስ በልኩ የርክበሉ” በለት ዝበሃል፡ ናይ ህዝብና ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ንጉጅለ ህግደፍ ሓጢጥካ ምድርባይ እዩ። እዚ ንሕና ተቓወምቲ እውን ፍልልያትን ስምምዓትን ንስራዕ ክንብል እንከለና እንብሎ’ዩ። እንተኾነ ብተግባር ክንመዝኖ እንከለና ገሌና ካብ ሓይልታት ተቓውሞ ከምቲ እንብሎ ክንከውን ከም ዘይበቓዕና ንርእዮ ዘለና እዩ።

ኣብ ክንዲ ምእንቲ ብሓባር ተጓዒዝና ኣብ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዘዕግብ ውጽኢት ምእንቲ ክንበጽሕ ነታ ዝርካባ ተራኽበና ኣውንታዊት መሰማምዒት ነጥቢ፡ ንኣብነት ምውዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ከነዕብያ ንጽዕር፡ ንሓንሳብ ኣርሒቕና ንቕድሚት ብምቁማት ንሓንሳብ ድማ ኣርሒቕና ንድሕሪት ብምምዕዳው “ኣበይ ኣላ ዘይተሰማምዕ ነጥቢ” ኢልና ሃነፍነፍ ንብል እሞ፡ ነቲ ሓቢርካ ንቕድሚት ንምጉዓዝ ገታኢ ክኸውን ዘይግበኦ ዝነበረ ፍልልይ ኣተዓባቢና ሰማይ ነዕርጎ። ነቲ ፍልልይ ድማ ናብ ጽልኢ ነደይቦ። እቲ ብዛዕባቲ ጀማሪ ሰውራ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ቅድሚ ዳርጋ ሰለስተ ዓመታት ዝተፈጥረ ህቦብላ ከም ኣብነት ምውሳድ ዝከኣል እዩ። ከምቲ ወለድና “ምስ ሓመምካ ምሓረኒ እምበር ስለምንታይ ኣሕመምካኒ ኣይበሃል’ዩ” ዝብልዎ፡ ካብ ተፈጥረ፡ “ስለምንታይ ዝፈላሊ ሓሳብ ይፍጠር? ዝብል ሕቶ ከነስተማቕር ኣይኮናን ግዜን ጉልበትን ከነባኽን ዝግበኣና። እቲ ናይ መስተውዓልትን ሓላፍነታውያን ሓላፍነት ክኸውን ዝግብኦ፡ ”ከመይ ጌርና ነቲ ፍልልይ ከነወግዶ ንራታዕ ዘይኮነስ ከመይ ጌርና ንዓኡ ወጊና፡ ነቶም ዘሰማምዑና ንመጻኢና ብኣሉታ ክጸልው ብዘይክእል ኣገባብ መስመር ነትሕዞም’ዩ ክኸውን ዝግብኦ። “ዝገበረኒ ክገብርሲ፡ ዓዲ ነየጋብር” ዝብል ምስላ ወለዲ ምስዚ ኩነታት ከም ዝኸይድ ኣይንስሕቶን ኢና።

ብሰንኪ ኤርትራ ናብ ሓንቲ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ምህላዋን፡ ናትና ሰርሲርካ ናብ ህዝቢ ክትኣትው ዘይምኽእልን ተደማሚሩ፡ ህዝብና ወጻኢ ካብ ኤርትራ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ብዝምልከት ዓሚቝ ቀጻሊ ሓበሬታ የብሉን ይኸውን። እንተኾነ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ተመኩሮ ተመሊስና እንተ ዳህሲስናዮ፡ እሞ ምስዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ቴክኖሎጂ ዕቤት ተተዛሚድናዮ ግና ብውሕዱ፡ ነቲ ዝኾነ ውድብ ድዩ ማሕበር ከምዚ’ዩ ፖለቲካዊ እምነተይ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ኢሉ ዘቕርቦ ሓሳብ ዋላ ብጩራ ኣይፈልጦን እዩ ማለት ኣይኮነን። ብሓባር ኮይኑ’ኳ ክቃለሖ ተዘይከኣለ፡ ህዝብና ዋላ በብውልቁ እሞ ድማ ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ፡ በቲ ኣውንታና ተስፋ ከም ዝሰኩዕ፡ በቲ ድኽመትና ድማ መዓንጣ ከብዱ ከም ዝሓርር ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ንሕና ክንምልሶም ዝግብኣና ሕቶታት እውን ኣለውዎ። “እንታይ እዩ እቲ ብሓባር ኣንጻር እዚ ስጋና ልሒጹ ዓጽምና ዝቑርጥም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዘየሰልፎም ዘሎ? ንሕና ንጽበዮም ዘለና ንጉጅለ ህግደፍ ከተኣልዩናሞ፡ ደሓር ዝተረፈ ጉዳይና ኣብ ትሕቲ መትከል እሂንምሂን እናተባሃሃልና ንዓምም ኣንዳበልና፣ ነዚ ሸለል ኢሎም፡ ክብደትን ቀዳምነትን ዘይንህቦ ፍልልያት ክትተዃትኹ ትውዕሉ ስለምንታይ?፡ ኣንቱም ሰባት፡ ዘለናዮ ጸልማት እዩ። ካብዚ ጸልማት መውጽኢ መንገዲባ ሓብሩ? ….” ዝብሉ ሕቶታት ኢዮም። እቲ ህዝብና ዝጽበዮ መልሲ ከኣ ኣብ ጠረጴዛን ወረቐትን ዘኹድድ ዘይኮነስ ኣብ ባይታ ዝረአን እንሀኹ ዝብልን እዩ።

ከምቲ “ርሑቕ ዓድስ መሐሰዊ” ዝበሃል ኩልና ሐሒዝናዮ ንዘለና ፖለቲካዊ ፖሊሲ ንህዝብና ዘዕግቦን ዝቕበሎን ከም ዝኾነ ኢና ንኣምን። ከምዚ ምእማናስ ኣይመጸገም፡ እቲ ህዝቢ ብቕምጡ ርግጸኛ ኮይንካ ምቕራብኳ ዘሰክፍ እንተኾነ፡ እቲ ጸገምስ ነቲ ኣነ ዝኣምነሉ እንተዘይተቐቢልኩም ኣዝማድ ህግደፍ ኢኹም ኢልካ ንነብስኻ ብጹእ ናይ ብጹኣት ጌርካ ከተቕርብ ምምጥጣር ይቀላቐል ምህላዉ’ዩ። እንተኾነ ከምቲ ህዝብና ዋላኳ ብኣካል ረኺቡ ከዛርበና ዕድል እንተዘይረኸበ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ክንብል ከም እንውዕል ግና ኣይጠፍኦን እዩ፡ እቶም ናይዚ ጌጋ በሃልቲ’ውን፡ ክዕምጹ እንተዘይደልዮም ከሎ ጌና በቲ ሓደ ወገን እቲ ህዝብና ዝድግፎን ክበሃለሉ ዝደልዮን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ኣይኮነንዶ ናተይ ክብሎ፡ ክዝረብን ክጸሓፍን እንከሎ ዕረ ዝጥዕሞን ዝቃወሞን ኣይፈልጥዎን እዮም ማለት ኣይኮነን። እቲ ካብ ልቢ ህዝብና ንዘይነቅል ሓሳብ፡ “ናይ ህዝቢ ድሌት እዩ” እንዳበልካ ሒዝካዮ ምዃድ፡ ኣብ ውሽጡ ጽባሕ ህዝቢ እንተተቐበሎ ጽቡቕ፡ እንተዘይተቐበሎ ከኣ ነገድዶ ዝብል ተመኩሮ ጉጅለ ህግደፍ ዝደግም ብደዐ ከይህልዎ፡ ዘየስግእ ኣይኮነን። ንርእሶም መሪሕን ደሞክራሲያውያንን ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ብዝብሉ ቅጽላት ኣመላኺዖም “ህዝብና ዝጠቕሞን ዝጐድኦን ስለ ዘይፈልጥ ንሕና ከምዚ ይሕሸካ ከምዚ እዩ ወጽዓኻ ክንብሎ ናይ ግድን እዩ” ብዝብል ስርንጢጥ ክኣትዉ ዝደልዩ እውን ኣለዉ። እቲ ናይ ደሞክራሲያውነት መለክዒኦም እንተንዝርዝሮ እሞ ድማ መሊሱ ዝያዳ መስደመመና።

እቲ ጉዳይ “ግደ ዓዳላይ ደልዳላይ” ዝዓይነቱ እዩ። እዚ ኣገላልጸኦም ብዛዕባ ግደ ህዝቢ፡ ምስቲ ህግደፍ “ህዝብና ስለ ዘይነቐሐ ከብዱ እንተመሊእካሉ ደሞክራሲ ኣየድልዮን እዩ” ዝብሎ ኣሽካዕላል ዘየሳኒ’ውን ኣይኮነን። ንኣብነት ሓድነት ህዝብን መሬት ኤርትራ ኣጽኒዕካ ምሓዝን ምዕቃብን ኣብ ኩሉ ዝሓለፈ መድረኻት ናይ ሓያልነቱ ምስጢር ምንባሩ ህዝቢ ኤርትራ ይፈልጦ እዩ። ካብ ምፍላጥ ሓሊፍሉ፡ ነዚ ሓድነቱ ገጢምሉ፡ ደሪስሉ፡ መዲርሉን ኣዝይምሉን እዩ። ነዚ ዘንጊዕካ፡ ሓድነታ ኣብ ዝተሓለወት ኤርትራ ደሞክራሲ ክትከል ኣይክእል እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ዘምርሕ ዕላል ምስማዕ ዘገርም ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣቦና ሱናባራ መሓመድ ደበና ምስ ዓረፉ፡ ሓደ ብዛዕባኦም ሰፊሕ ኣፍልጦ ዝነበሮም ኤርትራዊ፡ ቃል ሓዘኖም ክገልጹ እንከለዉ፡ መዋቲ ብህይወት እንከለዉ የስምዕዎ ካብ ዝነበሩ ወርቃዊ ቃላት “ንሕና ኤርትራውያን ከም ጸባ ሓንቲ ላምን እቶት ሓንቲ ዓውድን ኢና” ዝበልዋ ጠቒሱ። ካብዚ ወርትግ ዘይሃስስ ላዛ ሓድነት ነቒሉ ህዝብና ሎሚ ብኣካል ረኺቡ ሚዛና ኣብ ዕዙዝዝነት ሓድነት ከነንጽረሉ እንተዝሓተና፡ መልስና እንታይ መኾነ እንድዒ። ካብዚ ናይ ሎሚ ኣተሓሕዛና ሓደ ዓይነት መልሲ ከምዘይንህቦ ግና ንጹር እዩ። ንሕና ኣብ ደገ ኮይና ኪኖ ናይቲ ኣባላቱ ዝኾና ውድብ ወይ ማሕበር ናይ ህዝቢ ውክልና ዘይብልና ክንስና ”ህዝብና ከምዚ’ዩ ዝደሊ ክንብል እንዳወዓልና፡ መስመር ቀይርና “ህዝቢ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ እምበር ካልእ ዝውስነሉ የለን” እንዳበልካ ምምጽራይሲ ምስ ምንታይኮን ይቑጸር። ንሕለየሉ ደኣ ንመላሳይ እምበር እዚ እውን ህዝባዊ ሕቶ ዘየልዕል ኣይኮነን።

ሓደ ግዜ ኣብ ገለ ክፋል ደንበ ተቓውሞና፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብሓባር ስለ ዝተኣከብና ህዝባዊ ውክልና ኣለና ዝብል ዘረባ ከይዱ ሳዕሪሩ ነይሩ። ግዚያዊዶ ናይ ስደት መንግስቲ ክንምስርት ኢና ዝብሉ ወረታትውን ይነፍስ ነይሩ። ደሓር ግና ገለ ህድግለነ ዘለዎም መስተውዓልቲ ግዲ ተረኺቦም፡ ኣዚ ኣበሃህላዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ቅሂሙ። ኣብ ክንድኡ፡” ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ንብመላኡስ ንደንበ ተቓውሞ’ውን ኣይንውክልን፡ ውክልናና ነተን ኣብቲ መገባእያ ዝወዓላ ውድባት፡ ማሕበራትን ውልቀሰባት ጥራይ እዩ” ብዝብል ተተኪኡ። ግና “ምእራሙስ ጽቡቕ፡ እቲ ምድንዳንከ እንታይ ኣምጸኦ? ዝብል ናይ ህዝቢ ሕቶ ምልዓሉ’ውን ኣይተረፈን።

15 ለካቲት 2015

Last modified on Sunday, 15 February 2015 10:18