vኣብዚ ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ሲቪላው መሰላትና ኣብ ከመይ ኩነታት ጸኒሓም፣ ሕጅኸ፣

vፖለቲካዊ መሰላትናኸ፣

vንምዃኑ ናይ 25 ናይ ናጽነት ብሩራዊ ኢዮቤላዊ በዓል ክነብዕል ኮነ ብዛዕቡ ክንሓሰብ የምሕረልናዶ ይኸውን፣

ብዛዕባዝን ካልእን ከም ህዝቢ መጠን ሓቢርና ክንዝቲ እምበኣር: ቆጸራና ንቀዳም ዕለት 23 ሚያዝያ 2016 ኣብ ከተማ ኦስሎ።

ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ፣             Ebbells Gate ቀዳማይ ደርቢ

ኣኼባ ዝጅምረሉ ግዜ ልክዕ፣       ሰዓት 4 ፣ 30 ድሕሪ ቀትሪ

ኣዳለውትን ኣወሃሃድትን ኣኼባ፣

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባብን ምስ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ንተወሳኺ ሓበረታ ኮነ ሕቶ፣

94738158 ወይ 96886017 ደዊልኩም ክትውከሱ ትኽእሉ።

ብድሓን ምጹ!!!

Wednesday, 06 April 2016 22:15

Eritrean army conscripts 'killed in Asmara escape bid'

Written by

From the section Africa

Eritrean Army parades during the country's independence anniversary celebrations attended by a 13,000-strong crowd 24 May 2003, at Asmara main squareImage copyright AFP Image caption Many Eritreans flee to avoid long-term conscription into the army

 

Security forces in Eritrea's capital Asmara have killed several young conscripts who tried to escape the convoy they were travelling in, according to opposition media outlets.

There were also civilian casualties after some of the recruits' friends and family used a bus to block the road to help them escape, according to the unconfirmed reports.

Conscription in Eritrea is compulsory.

The Eritrean authorities have not commented on the alleged incident.

Rights groups consider Eritrea to be one of the world's most repressive states.

 

In 2015, it ranked bottom of the World Press Freedom Index, published by media watchdog Reporters Without Borders (RSF).

Conscription in Eritrea can last for decades and is one of the main reasons tens of thousands flee the country every year.

Source=http://www.bbc.com/news/world-africa-35977605?SThisFB

Grey line

More about Eritrea:

Inside the secretive state of Eritrea

Eritrean life in pictures

The lone seven-year-olds leaving Eritrea

EMDHRLogo

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኣስመራ ንዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ቅትለት ብትሪ ይኹንን። እዚ ፍጻመ እዚ መቐጸልታ ተግባራት ናይቲ ንኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ግፍዕን ጭቆናንን ረሚስዋ ዘሎ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሰያስ እዩ። ሎሚ'ውን ከምቲ ትማሊ እታ ንስንኩላን ተጋደልቲ ኣብ ማይሓባር፡ ንንጹሃት ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዝረሽረሸት ኢድ ስርሓ ትቕጽል ኣላ። እዚ ስርዓት ንሕይወት ኤርትራውያን ዋላ ሓንቲ ፋዕራ ከምዘይብሉ ካልእ መርኣያ እዩ።

ዎ... ህዝቢ ኤርትራ! ክሳብ መዓስ ኣፍካ ተዓቢስካ ሱቕ ክትብል ኢኻ? ካብ ሞት ዕሸላት ደቕኻካ እንታይ ክመጸካ? ካብዚ ከርፋሕ ናብራ እንታይ ከይጎድለካ? ሃየ፡ ሎሚ ይኣክል ሞት፡ ይኣክል ምልኪ፡ ይኣክል ግፍዒ፡ ይኣክል ባርነት፡ ይኣክል ስደት እትብለሉ እዋን እዩ። ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ ሃገርካ ሓርነትካ ተገፊፉ፡ መሰልካ ተጋሂሱ፡ ህሉው ክነስኻ ትሕቲ ህሉዋት፡ ምዉት ከይትብሃል እተተንፍስ፡ እተደንግጽ ፍጥረት ኰንካ ኣሎኻ።

ዎ... ህዝቢ ኤርትራ! ሃየ ተበራበር። ነብስና ካብቲ ስዉር ናይ ኣእምሮ ባርነት ሓራ ኣውጺእና ነቲ ተመንዚዑ ዘሎ መሰልና ነምልስ። ኣብ ሃገርና ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ካብ ካልኦት ክመጸና ኣይንጸበ። 'ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ' ዝብል ምስላ ኣቦታት ዘኪርና፡ ካልኦት ክመርሑና ከይተጸበና ነፍሲወከፍና ኣነ፡ ንስኻ፡ ንስኺ ንመሰልና ደው ክንብል ይግባእ። ኩላትና መራሕቲ፡ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ንኹን።

እዚ እንተጌርና ጥራሕ ኢና እታ ንብህጋ ሰላም ዝዓሰላ፡ ህዝባ ብሰላም፡ ብኽብረት፡ ብስኒት ዝነብረላ ኤርትራ ክንርኢ እንኽእል።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ንስድራቤትን መቕርብን ግዳያት ጽንዓት ይሃብ!

ኤምዲሰመ

ፕሪቶርያ

06/04/2016

EMDHR 1

ADENA Logo

في الثاني من ابريل 2016م عقد فرع اتحاد المعوقين الارتريين بالسويد مؤتمره الدوري السنوي الخامس بنجاح بالعاصمة ستوكهولم، بعد ترحيب رئيسة الاتحاد الأخت/ ألقانيش إساق بالمؤتمرين القادمين من شتى المدن السويدية أشادت بمساهمات الوطنيين الارتريين في دعم الفرع، وأن جميع ما تم التبرع به من نقود أو مواد قد وصل الي أيدي المستفيدين أفراداً كانوا أو مؤسسات فرعية أو مركزية للاتحاد، ثم وزع الأخ/ عقبا ميكائيل تسفاطين المسئول المالي للفرع علي المؤتمرين تقريراً مالياً شاملاً يعكس تفاصيل الدخل والصرف.

 

هذا وقد أشاد المؤتمرون بدقة ونزاهة ما قدم من تقارير من قيادة الفرع، وناشدوا جماهير الشعب توسيع وتمتين أدوارها النضالية حتى يتنفس شعبنا عبير الديمقراطية والتغيير الإيجابي. ونسبةً لما تحقق من إنجازات ودقة وانضباط وإخلاص في العمل علي يد اللجنة القيادية السابقة قام المؤتمرون بالإجماع بالتجديد لها للدورة الجديدة، منتخبين من بين الحضور لجنة ترشيحات المناصب القيادية لدورة العام القادم 2017م. وأخيراً وبعد إنهاء المؤتمر أعماله بنجاح باهر دعت الأخت/ يرقأ ألم تخستي المؤتمرين الي مائدة عشاء عامرة مع القهوة والشاي تم إعدادها وفق تقاليد المائدة الارترية العريقة والفريدة.    

في لقائه الالكتروني البالتوكي المفتوح والذي عقده في الثاني من ابريل الجاري (2016م) وحول سؤال عن رأي الحزب حول الحملات الأخيرة ضد الثورة الارترية والتقليل من شأن شهدائها وتضحياتها وإنجازاتها رد الأخ/ منقستئاب أسمروم رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري قائلاً: إننا لن ننجر وراء المآرب والعواطف الشخصية، فنلاحق بالبيانات والتصريحات أصحاب النزعات والأمزجة الشخصية المريضة، إذ إن موقفنا تجاه كل ذلك يشرحه سلوكنا العملي في حياتنا النضالية كما تبينه وثائقنا وأدبياتنا الرسمية. أما الشهداء فهم عندنا شهداء أياً كان موقعهم أو فصيلهم السياسي أو التنظيمي، هذا لا يعني أنه لم يكن لأيٍّ من فصائل الثورة الارترية المناضلة في سبيل الاستقلال نقاط ضعف أو قوة.

 

شرح أسمروم في هذا اللقاء المفتوح مستعيناً بوثائق الحزب مواقف ورؤى الحزب الحالية والمستقبلية فضلاً عن إيضاح نشاطات الحزب بشكلٍ مفصل، بما في ذلك سعيه الدءوب لتوحيد فصائل المعارضة. وأوضح أن ارتريا التي يحلم بها الحزب هي تلك التي يتقاسم شعبها السلطة والثروة بالعدل والتساوي، وتحل جميع خلافاتها بالطرق السلمية والديمقراطية. من جانب آخر أبان أسمروم بالتفصيل ما صادف حتى الآن من فشل ومعيقات للجهود الوحدوية بين فصائل المعارضة، لكنه أضاف قائلاً: أن ذلك لن يعيقنا عن مواصلة الجهود في هذا الصدد بهمة وإصرار. وعن تلك المعيقات أوضح أن الخلل لا يكمن في الاتفاق علي تحديدها، بل في عدم الإخلاص في تجنبها ومحاربتها، وذكر أنه سبق لقادة التنظيمات والأحزاب أن أجمعوا سوياً علي تحديد 21 خللاً تنظيمياً وفنياً يعيق حركة توحيد المعارضة، وانه يجب محاربة ذلك وكل ما يعيق مسيرة المعارضة، لكن شيئاً من ذلك لم ينفذ. وعن أهم نشاطات الحزب أشار أسمروم الي جهود الحزب في سبيل لفت نظر العالم والمجتمع الدولي الي مأساة اللاجئين الارتريين في الخارج وماساتهم الإنسانية والحقوقية علي يد نظام الهقدف في الداخل.

 

 

وعن سؤالٍ حول أسلوب نضال الحزب أوضح الأخ/ منقستئاب أسمروم رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري أن تجارب العديد من الدول والشعوب أكدت علي صحة وموضوعية أسلوب النضال السلمي، لكن لن يثني الحزب عن هذا المسار النضالي السلمي من اتخذوا أسلوب النضال العنفي المسلح منطلقين من تقديراتهم الذاتية والموضوعية. وأضاف مستعيناً بالتجربة الليبية الأخيرة أن الإشكال السياسي مهما طال الزمن وتنوعت الحلول لن يجد حلاً جذرياً ومستقراً إلا علي مائدة الحوار، لكن هذا يشترط قوة الروابط والإعدادات والاستعدادات التنظيمية السابقة للحوار.

      

يجدر بالذكر أن رئيس الحزب كان قبل اقل من شهر ( 19 / 3 / 2016م ) قد عقد لقاءاً بالتوكياً مماثلاً أجاب فيه علي أسئلة واستفسارات وملاحظات ومقترحات عديدة في الشأن الارتري والشؤون المتعلقة به.

   

ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን ታሪኽ ተኸታታሊ ቃልስን ጽንዓትን እዩ። እቲ ታሪኽ ከምዚ ክኸውን ዝደረኸ ተኸታታሊ መግዛእቲ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓውን ሕጋውን እምበር ዓመጸኛ ስለ ዘይኮነ፡ ካብ መግዛእትን ወጽዓን ንምንጋፍ ቃልሱ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ እዩ ጀሚርዎ። እንተኾነ ገዛእቱን ናይግዳም ናይ ጠቕሚ ተሓባበርቶምን ንትዕግስትን ሕጋውነትን ህዝቢ ኤርትራ ብዓይኒ ፍርሕን ኣቀጫጭን እዮም ርእየምዎ። ንኤርትራ ብሰንኪቲ ዘለዋ ክሳዳዊ ኣቀማምጣ ግዝኣቶም ክትከውን ስለ ዝወሰኑ  ከኣ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ትርጉም ኣይሃብዎን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ድማ “ወይ ተንበርኪኽካ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ምንባር ወይ ድማ ንቃልስኻ ናብቲ ዝበለሐ ደረጃኡ ኣደይብካ ምቕጻል” ከም ምርጫ ቀረበሉ። ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ብዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ምቕጻል እምበር፡ ምንብርካኽ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ብ1961 ብረታዊ ቃልሱ ኣበሲሩ። እዚ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ክጅምር እንከሎ ዝኾነይኹን ሕጽረት ወይ ጉድለት ኣይነበሮን ማለት ከምዘይኮነ ኩልና ነስተብህለሉ እዩ ዝብል ግምት ኣለና።

ናይቲ ዝነበረ ሕጽረታት መንቀሊ ምኽንያታት ብዙሓት ክኾኑ እንከለዉ፡ ጸቢብ ናይ መን ዓብለለ ስምዒት፡ ነጸብራቕ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፍልልያት፡ ጸቢብ ሃይማኖታዊ ዝንባለ፡ ገዛእቲ ነቲ ሰውራ ንምብርዓን ዝኣልምዎ ዝነበሩ ውዲታት፡ ናይ ካለኦት ሃገራት ሰውራዊ ተመኩሮ ከም ዘለዎ ምጥቃም  … ወዘተ ከም ኣብነት ክውሰዱ ዝኽእሉ እዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ዘይተደላዪ ፍልልያት ድማ፡ ብዓብይኡ እቲ ቃልሲ፡ ምእንቲ ናጽነት ሓንቲ ሃገርን፡ ሓርነት ሓደ ህዝብን ክነሱ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክህሉ ናይ ግድን ኮይኑ። ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ምህላው ጥራይ ዘይኮነ እቲ ፍልልያት በቲ ኣሉታዊ መልክዑ ማዕቢሉስ መሪር ውግኣት ሕድሕድ’ውን ተኻይዱ። እዚ ናይ ሓደ ዝዕላምኦም ኣሕዋት ኤርትራውያን ሕድሕድ ውግእ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ኣሉታዊ በሰላ ገዲፉ እዩ። ምስዚ ኩሉ መሪር ውግኣት ሕድሕድን ምንጽጻግን ግና ኩሉ ውድባት ኤርትራ ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝሓዞ ኣንፈት ኣልጊሱ መፍቶ መግዛእቲ ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ መሪሩን ነዊሑን እምበር፡ ሰውራ ኤርትራ ኣበርዒኑ መስዋእቲ ጀጋኑ ኣይመኸነን። ውድባት ኤርትራ ዋላ’ኳ ኣብ ሕድሕዱ መሪር ውግእን ዓሚቕ ናይ ምጽልላም ወፈራን እንተካየደ፡ እቲ ሓደ ውድብ ነቲ ካልእ ውድብ ከም ሽፍታ ኣይከሰሶን። ነቶም ኣብ ውድባት ዝተሰውኡ እውን ደሞም ንከንቱ ከም ዝፈሰሰ ገይሩ ዝገለጸ ኤርትራዊ ኣካል ኣይነበረን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕድሕድ እቶም ምእንቲ ናጽነት ዝተሰለፉ ደቁ ብዝተፈጥረ ውግእ ኣዝዩ ሓዚኑ። ንምትዕራቖም ዝገበሮ ፈተነታት’ውን ዋላ’ኳ ተዘይተዓወተ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ አርትራ ምእንቲ ናጽነት ዓብይ ቦታ ዝወሃቦ እዩ። ምስ  ኩሉ ምረቱን ነቲ ሓደ ኮኒኑ ነቲ ካልእ ክድግፍ ዝወርዶ ዝነበረ ተጽዕኖን፡ ንውድባቱ ከየዳለወ “ የማናይ ዓይንና ጸጋማይ ዓይንና” ካብ ምባል ሓሊፉ ዋላ ንሓደ ውድብ “ሽፍታ ኢኻ” ኣይበለን። ኣብ ኩሉ ውድባት ንዝተሰዉኡ ደቁ ከኣ “ምእንቲ ናጽነት ሃገርን ሓርነት ህዝብን ዝተሰውኡ” ካብ ምባል ሓሊፉ ንክቡር ደሞም “ከንቱ ዝፈሰሰ” ኣይበሎን።  ሕብረተሰብ ዓለም እውን ንሰውራ ኤርትራ፡ “ዝከኣል ዘይምስል ንዝነበረ ዝኸኣለን ካብ ገዛእ ርእሱ ሓሊፉ ንካለኦት ኣካላት ናይ ጽንዓት ኣብነት ዝኾነን” ዝብል ኣብነታዊ ምስክርነቱ ሂብሉ እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ዝነበሮ ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ርዱእ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ምርግጋጽ ናጽነት ጥራይ ኣይነብረን። ካብዚ ሓሊፉ ክሳብ ናይ ህዝቢ ሓርነት ምርግጋጽ ዘማዕዱ እዩ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ዕላምኡ ኣብ 1991 ተረጋጊጹ። ኤርትራ ከኣ ብ1993 ናጻ ልኡላዊት ሃገር ኮይና። እዚ ካብቲ ቀንዲ ውጽኢት ናይቲ ዝፈሰሰ ክቡር ደም ኤርትራውያን እዩ። እቲ ዋሕዚ ምርግጋጽ ሓርነት ግና በቲ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ዙፋን ምልኪ ዘቐመጠ ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝተዓንቀፈ እነሆ እቲ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነትን ልዕልና ህዝብን ቀጻሊ ኮይኑ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ “እዚ ኢልካ” ክትዝርዝሮ ዘጸግም በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢሙ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ዘይዚ ጸገም ከኣ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣቲ ሓቂ እዚ ክንሱ ናይዚ ዘለናዮ ኣሻቓሊ ሃለዋት ጠንቂ እቲ ዝተኻየደ ቃልስን ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእትነት ኣምሲልካ ንምቕራብ ዝግበር ፈተነ፡ ፈጺሙ መሰረት ዘለዎ ኣይኮነን። ብስምዒት ዝተደፍአ ብዝመስል ኣገባብ ንሰውራ ኤርትራ ብሽፍትነት፡ ንመስዋእትነት ተጋደልቱ ድማ ብከንቱነት ንምግላጹ ዝግበር ፈተነ ብዓንተብኡ ክግታእ ዝግበኦ ኣተሓሳስባ እዩ። ኣብ ሰውራ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ግና ናይዚ ሎሚ ምእንቲ ሓርነትን ልዕልና ህዝብን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ቀንዲ መንጠሪ ብምዃኑ፡ ክዕቀብ ከም ዝግበኦ መሰረታዊ እምነት ሰደህኤ እዩ። ከምኡ ተዘይኮይኑ ግና “ትማሊ ዝረሰዐ ሎሚ ከም ዘየለ ይቑጸር” ከም ዝበሃል ክኸውን እዩ።

ኣብ መስርሕ ዕጥቓዊ ቃልስና፡ ነቲ ኣብ ፈቐዶ ቦታታት  ምውጻእ ምእታው ዝኸልኣና ዝነበረ፡ ጨካን ሰራዊት ባዕዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምድምሳስ፡ ኩሉ ዓይነት ብድሆታት ተጻዊርና ካብ ቓሮራ ክሳብ ራስዱሜራ ለይቲ ብጸልማት፡ ቐትሪ ብፅሓይ እናተጓዓዝና፡ ኣብ ዝጥዕመና ጊዜን  ቦታን ኣጽኒዕና ከነጥቅዕ  መተካእታ ዘይነበሮ ሓላፍነታዊ ግድነት‘ዩ ነይሩ። እዚ ኩሉ ድኻምን ጽምእን ዕርቓንን ጥትን ብምጽማም  ዝተካየደ ዘዅርዕ ታሪካዊ ፍጻሜን መዘና ኣልቦ መስዋእቲ ክቡር ህዝብናን ኽኣ፡ ነዛ ንመበል 25 ዓመት ክብርቲ መዓልቲ ናጽነት ንምጭባጥ እምበር ንዝና ወይ ንተራ ዙረት ከምዘይነበረ ዘካትዕ ኣይኾነን።

እዚ ቅድሚ 2 ወርሒ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሎሚ  ብደቂ ዓዲ  አናተመርሐ ጌና ዝቕጽል ዘሎ ጉዕዞ እግሪ ሽግ ሓርነት ድአኸ ዕላምኡ እንታይ ንበሎ? ነዚ ብዓል ብሩራዊ ኢዮበልዩ ክቡር ነጻነትና ዝያዳ ድምቀትን ርዝነትን ንምሃብ ዝዓለመ ዶ ይኸውን? ወይስ ነቲ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ሃገሩን ነጻነቱን ዘለዎ ልዑል ክብርን ፍትወትን ብሓደ ወገን፡ በቲ ስዉአቱ ዘሰከምዎ ረዚን ሓላፍነትን ሕዽርን ክአ በቲ ካልእ ወገን መዝሚዙ፡ ህዝቢ ኣብ ጎድኒ መንግስቱ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ብመራኸቢ ብዙሓን ንህዝቢ ዓለምን ኣብ ደገ ንዝነብሩ የወሃን ደቂ ሃገርን ብምግላጽ ከደናግርን ዕድመ ስልጣኑ ኣናዊሑ ህዝብና ንምጽናት ተውሳኺ ዕድል ንምርካብ ዝዓለመ እዩ?

እቲ ኣብ ክንዲ ካብ ጎቦ ኣዳል ካብ ከተማ ናቕፋ ክትብገስ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከ እንታይ‘ዩ? ነዚ ዝምልከት መልሲ ቅድሚ ምሃብ  ብዛዕባ ሽግ ሓርነት ገለ መእተዊ ምሃብ ሓጋዚ‘ ዩ። ሽግ ሓርነት፡ ሓዊ ትነድድ ቀንዴል ወይ ሆየ  ትምሰል እምበር ኣድማሳዊት ናይ ሓርነት ብርሃን  ዝብል ረዚን ትርጉም ዘሎዋ ሽግ ምዃና  ኩልና ኤርትራውያን ዘይንፈላለየሉ ሓቂ ምኮነ።     

ሽግ ሓርነት ኣብ‘ቲ ግቡእ ናይ ክብሪ ቦታኣ ተቐሚጣ ንኩሉ ኣብ ጽላላ ዝነብር ህዝቢ መሰሉ ተሓልዩ ብሰላም ክነብር ብመሎኮታዊ ናይ ፍትሒ ዓይኒ  እናሓለወት ነብሱ ከምሓድርን ናብ ጉዕዞ ምዕብልና ክምርሽ ዋሕስነት ክትህቦ እምበር፡ ሎሚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ብዃደረ ተመሪሓን ብጓይላ ተስንያን ርባን ኩርባን ከርተት ክትብል ኣድላዪ ኣይምነበረን።

እቲ ምኽንያት ነዛ መበል 25 ዓመት ናጽነትና ፍሉይ ክብርን ድምቀትን ንምሃብ  ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ እንተኮይኑ፡ ህዝብና  ድምጹ ሰሚዑን ትርግታ ልቡ ተረዲኡን ንተባልሓቲ ዓቕሙን ልቦንኡን ግቡእ ኣቓልቦ ሂቡ፡ ህይወቱ ቅሳነት ክመርሕ ዝክኽለሉ ዕድል ዘፍቅድ ስርዓት ረኺቡ ብምሉአ ዓቅሙ ኣብ ህንጻ ሓገሩን ምልዋጥ ናብርኡን ተዋፊሩ ብዝረኽቦ ጸጋ ነጽነትን ዝሓፍሶን ውጽኢን እዩ እምበር፣ ደርሆ ጻሕቲራ እተውጽኦ ሜላን መደናገሪ ምህዞታትንስ፣ ካብ ጽናነት ክሳብ ሎሚ ዘላድዮ መሳርሕ‘ቲ ስርዓት ምዃኑ  ዝተርድኦ ስለ ዝኾነ በዝን ክንድዝን ኣይታለልን ኢዩ። ድምቀትን ክብርን ናጽነትን ሓርነትን ድማ በቲ ንህዝቢ ዝህብኦ ክብርን ሓልዮትን ምዕሩይ ኣብ ናጽነት ብዝርከብ ጸጋ፡ ምዕሩይ ምሕደራ እምበር ብጓይላን ዝላን ዝደምቕ ኣይኮነን።

ህዝብና ድማ ነዚ ሜላን ዕላማን ስርዓት ህግዲፍ እናተረድኣ፡ ነባሪ ሃገርን  ህዝብን እምበር ነባሪ ስርዓት የለን ካብ ዝብል ስነ-ፍልጠታዊ እምነት ነቂሉ፡ ነቲ ዘይትፈትዎ ጋሻስ ትፈትዎ ሂብካ ኣፋንዎ ዝብል ምስላ ቀዳሞት ተኽቲሉ፡ ረጽምን ጎነጽን ብዘይብሉ ልዙብ ሰላማዊ ናይ እንቢታ ጥይት  ሳይለንሰር ኣሳቅዩን  ኣማሲኑን ሓንሳብን ንሓዋሩን ከቃብጾ ምዃኑ ኣሚኑ‘ዩ  ኣብ ውሽጢ ብስቅታ ኣብ  ደገ ድማ ብዓውታ ዝቃለስ ዘሎ።

እቲ ጉዕዞ ህዝቢ ምስ መንግስቱ ከም ዘሎ ኣምሲልካ ንህዝቢ ዓለም ንምትላል ዝዓለመ እንተኾይኑ ከኣ‘ሞ ዕርቃኑ ዘግሃደ ሕሱር ሜላ ምዃኑ ጸብጺብካ  ዘይውዳእ ምኽንያታት ምቕራብ ዘጸግም ኣይምኮነን። ብሓጺሩ ንምግላጽ ግን፡ ዓለም ብብዝሒ  ስደተኛታት እሞ ክአ ብዙሓት ትሕቲ ዕዽመ ሕጻናትን ንሕርሲ ዝቀረባ መብዛትኣን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ልዑል ተራ ዘብርከታ ኣዴታትን ዝርክብኦ፡ ኣብ ሃገሮም ተስፋ ቖሪጾም፡ ነቲ ኩሉ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥም ዘሰካሕክሕ ማሕረድትን ናይ ባሕርን ስሃራን ድንገተ ሞትን ምሻጥ ክፍሊ ኣካላትን፡ ካብ ብኾፍካ ሞትስ ተስፋ እናማዕዶኻ ሞት ብዝመረጹ ዜጋታትካ ተጨኒቓን ለይትን መዓልትን ብዛዕባ ግስሩጥን ዘይሓላፍነታውን ምሕደራኻ እናተገረመት ከላ፡ ሕዝቢ ምሳይ ኣሎ ምባል  ጽላለ እምበር ምልክት ጥዕና ኣይኮነን ።

እንተ ነቲ ደድሕሪ ሽግ ሓርነት ተኸቲሉ ዝኽይድ ዘሎ ህዝብና ግን ተገዲዱን እምቢ ምስ ዝብል ከአ በቲ ስርዓት ክወርዶ ዝኽእል ንሕስያ ኣልቦ ጨካን ግፍዒ ተርዲኡ ንመጻኢት ሓቀኛ  ብርሃን ሽግ ሓርነት ዘማዕዱ  ጸዋርን ትዕግስተኛን ምዃኑ እምበር፡ ብዓይኒ‘ቲ ስርዓት ዝጽበዮ ውጽኢትን ምስጢርን ኣይኮነን ዝመዝኖ።

በንጻሩ እዚ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ‘ዚ ኣብ ዝባን  ህዝቡ ዝተጻዕነ ሃገራዊ ሕልናን ሓላፍነትን ዘይስምዖ ብዘይካ ስልጣኑ ካልእ ሕልሚ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ስርዓት ምዃኑ ዓለም ብምልእታ ዝመዘነቶን  ምልጋሱ፡ ወሳኒ መድሓኒት ኩሉ  ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣብ መደምደምታ ዝተበጽሓሉ እዋን  ምህላውና እቲ ስርዓት ክእመነሉ‘ዃ ኣይድለ እምበር ዘይሕቶ ጉዳይ እዩ። ከም ውጽኢት እኩብ ድምር መዘና ኣልቦ ትዕግስቱን ዘይጽንቀቕ ጽንዓቱን ከኣ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክሕይልን እቶም ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ እናበሉ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣባላቱ ኣብ ነብሶም  ብምምላስ ስለ ዝሓደግዎ ዕርቃኑ እናወጸን ይኸይድ ምህላውን ነብሱ ንምድሓን ዘይአምነሉን ዘየድሕኖን ዝምድናታትን ንምፍጣር ዓጽረሞታዊ  ፈንጠርጠር ክገብር ንዕዘብ ኣሎና።

ህዝቢ ኤርትራ ግን ነዛ  ክሳብ ሎሚ ውርደት እምበር ራህዋን ቅሳነትን ክይረኽበ ሓልዩ ዝዓቀባ መበል 25 ዓመት ክብርቲ ናጸነት ኤዮበልዩ ብዓሉ ናብ‘ታ መሰሉ ዝኸብረላ ብህይወት ቀሲኑ ደቁ ሓቑፉ ክነብረሉ` ኣብ ዝኽእል ሓድሽ ናይ ብርሃን ዓመት ከተሰጋግሮ ተስፋ እናገበረ ዘብዕላ፡ መርአያ  ክብሪ ናጽነቱን ምስጋናን መጎስን ስውኣቱን ስንኩላቱን ምዃና ስለ ዝኣምን ድአ‘ምበር ምስ ጨካን ስርዓት ዝምድና ስለ ዘለዎ ኣይኮነ።

እንተ ነቲ ኣብ ክንዲ ካብ ጎቦ-ኣዳል ካብ ከተማ ናቕፋ ክትብገስ ዝተደልየሉ ምኽንያት ዝምልከት መልሲ ነንበብቲ ገዲፈ ነዚ ንርብዒ ዘመን ዘሳቐየና ጉሒፍና ኣብ‘ታ ብሃንቀታ እጽበያ ብሉጻት ጀጋኑ ዝኸፈልናላ  ሓቀኛ ሽግ ብርሃን ሓርነት      ንምብጻሕ ብሓባር ንረባረብ።

ዓንደጽዮን ግርማይ

ሃገረ ጀርመን  

ብዕለት 02 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም.ፈ ናይ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሃገር ሽወደን ካብ ዝተፋላለያ ከተማታት ሽወደን ዝመጹ ማለት፡ ካብ ስቶኮልም ኡፕሳላ ዮተቦርግ ዮንሾፒን ዝተሳተፍዎ ን5ይ ጊዜኡ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተካይዱ። ዓመታዊ ጉባኤ ብኣደ ወንበር ወ/ኣልጋነሽ ኢሳቅ ብናይ ደሓን መጻእኩ ሰላምታ ከፊታ ብምቅጻል ጽማቅ ዝተተግበሩ ንጥፈታት ጠቂሳ ብሓቂ ብኣባላት ማሕበርን ብርህሩሃት ሃገራውያን ዝተገብረ ወፈያይት ገንዘብ ብምትንካፍ ልዑል ምስጋና ኣቅሪባ፡ ብምሉኡ ዝተወፈየ ከኣ ኣብ ኢዶም ከም ዝበጽሔን ኣብ ጥቅሚ ኣገልግለቶምን ከም ዝወዓለ ብብሩህ ብሓቂ ዘሔብብንን ዘተባብዕን ምዃኑ ሓቢራ። ቀጺሉ ሓው ዑቅባሚካኤል ተስፋጽዮን ተሓዝ ገንዘብ ማሕበር ኣብ ዓመት 2015 ብኣባልነትን ወፈያታትን ዝኣተወ ገንዘብ ብጽሑፍ ንኩሎም ተሳተፍቲ ጉባኤ ዓዲሉ፡ ብዝርዝር ናብኦም ንዓመታዊ ባጀቶም ብጨንፈር ዝለኣኾን ተረፍ ዘሎ ህልዊ ገንዘብን ብብሩህ ሓቢሩ። ድሕሪኡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ብንጥፈታትን ተሳታፍነት ህዝብናን ዋላ እኳ ዝምስገን እንተኾነ ጌና ቀጻልን ብዝሰፍሔ ኣገባብ ክምዕብል ናይ ኩልና ሓላፍነት ምዃኑ ተራዲኦም ብልዙብ ሰናይ ኣገልግሎት መሕቲ  ጨንፈር ኣመስጊኖም ብሃነጽቲ ለወባታት ንጸብጻብ ሽማገለ ኣርጊኤሞ። ቀጺሉ ጉባኤ ንዓመተ 2016 እትመርሕ ሽማገለ ብሙሉእ ድምጺ እታ ዝነበረት ሽማገለ በቲ ምስጉንን ጽፉፍ ኣመራርሓኣ ማለት ወ/ኣልጋነሽ ኢሳቅ ኣደ ወንበር ሓው ረዘነ ተኽለ ዋና ጸሓፊ ሓው ዑቅባሚካኤል ተስፋጽዮን ተሓዝ ክትቅጽል ተሳማሚዖም ንዓመተ 2017 ከኣ ሓጻይት ሽማገለ መሪጾም ጉባኤ ብዓወት ዛዚሞም። ብድሕሪኡ ብሓብትና ይርጋኣለም ተከስተ ብተወፋይነት ብገንዘባ(ልዕሊ 800:-) ዘዳለዎቶ ናይ ጾም ስዕረት ሙዑዝ መግቢ ድራር ቡን ሻህን ሙሉእ ኣባል ጉባኤ ተኣንጊዱ ኣምሰየ። 

ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብቲ ብ2 ማዝያ 2016 ኣብ ፓልቶክ መስመር፡ ስመር-ኦፊሺያል ዘካየዶ ክፉት ኣኼባ፡ ነቲ ንሰውራ ኤርትራ ብሽፍለት ክገልጽን ንስዉኣትና ከነኣእስን ዝደናደን ዘሎ ስምዒታት ብዝምልከት ኣብ ዝቕረበሉ ሕቶ ክምለስ እንከሎ፡ ሰደህኤ ደድሕሪ ናይ ውልቀሰባት ስምዒት እንዳኸደ ኣዋጃት ከም ዘየውጽእ ጠቒሱ፡ መርገጹ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ንጹር ምዃኑ ግብራዊ ጉዕዞኡን ሰነዳቱን ከም ዝምስክር ገሊጹ። ኣስዒቡ ስዉኣትና ኣበየናይ ውድብ ነይሮም ብዘየገድስ ሰማእታትና ምዃኖምን፡ ውድባት ኤርትራ ንናጽነት ኤርትራ ዝተቓለሳ፡ ነናተን ድኹምን ሓያልን ጐኒ ዝነበረን ምዃነን ኣብሪሁ።

ሓው መንግስተኣብ ኣብዚ ክፉት ሓፈሻዊ ኣኼባኡ ሰነዳት እንዳጠቐሰ ናይ ሰልፉ፡ መጻኢ ራኢ፡ ግደኡ ኣብ ምርግጋጽ ሓድነት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ንጥፈታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ሰደህኤ ኣብሪሁ። ኣብዚ መግለጺኡ ሰደህኤ ክትህነጽ ዝጽበያ ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃገራዊ ሃብትን ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ ዝመቓራሓላ፡ ዘጋጥም ፍልልያት ኣብ ሰላማውን ደሞክራስያውን መድረኽ ዝፍተሓላ ሃገር ምዃና ኣብሪሁ። ኣብዚ መግለጺኡ እቲ ክሳብ ሕጂ ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ሓደ ንምምጻእ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዘይተዓወተ ብዝርዝር ገሊጹ። ካብዚ ወጥሪዚ ንምውጻእ፡ ሕጂ እውን ነዚ ዛዕባዚ ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሓሉ ህልዊ ኩነታትና ይጠልበና ከምዘሎ ኣነጺሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ጸገምና ሕጽረታትና እንታይ ምዃኑ ናይ ምልላይ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ክሳብ 21 ዝበጽሑ ጸገማት ከም ዘለዉና መራሕቲ ውድባት ብሓባር መዚና ኢና ምስ በለ፡ እቲ ጸገም ነቲ ከም ሕጽረት ዝመዘንካዮ ነጥቢ ክትፈትሕ ውፉይ ዘይምዃን እዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ነቲ ሰደህኤ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ምቅላዕ ጉጅለ ህግደፍን ሕብረተሰብ ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ግቡእ ንባብ ንክህልዎ ዝቐርብ መዘክራትን ከም መርኣያ ንጥፈታት ሰልፊ ዘዚሩ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ንኣገባብ ቃልሲ ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ንስነፍጠታዊ ቦታ ዘይጐነጻዊ ኣገባብንን ኣውንታዊ ግደኡ ኣብ ተመኩሮ ናይ ብዙሓት ሃገራትን ብዝምልከት ኣብሪሁ። እንተኾነ ዝተፈላለዩ ወገናት ከካብ ናቶም ዕግበትን ሚዛንን ነቒሎም ንዝመርጽዎ ጐነጻዊ ኣገባብ፡ ሰደህኤ ናይ ምኽልካሉ ዓብላሊ ድምጺ ((veto power) ከምዘይብሉ ኣረዲኡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሓደ ክሰሓት ዘይግበኦ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ጸገም ዜሩዜሩ ቀጻልን ዘተኣማምንን መፍትሒ ዝረክብ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብዝግበር ዘተ ምዃኑ ናይ ቀረባ ተመኩሮታት ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ብምጥቃስ ኣነጺሩ። እዚ ንክኸውን ግና ኣቐዲምካ ድልዱል ውዳበ ክትውንን ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ዓብይ ግደ ከም ዘለዎ ኣይሓብአን።

እዚ ኣብዚ ናይ 2 ማዝያ ኣኼባ ካለኦት ሕቶታትውን ዝመለሰ፡ ኣቦመበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ብ19 መጋቢት 2016 እውን ኣብ ፓልቶክ መስመር ስመር-ቁጽሪ ሓደ፡ ኣብ

ADENA Logo

ንኤርትራውያን ኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት ሓርነትና - ከሰላ) ፡ ብቐጻሊ- ዘጽልሉ ቤት፡ ዝሰትይዎ ማይ፡ ዝበልዕዎ መግቢ ክህልዎምን፣ ከይዓርቁ፡ ከይጽገሙ፡ ሰኣን ብቑዕ ሕክምና ብቓንዛ ከይሳቐዩ፡ ከየስተማስሉን፡ ኤርትራውያንን ግብረ-ሰናያዊ ሕልና ዘለዎምን ርህራሄ ዘለዎም ፈተውትን በብዓመቱ ወፈየኦም ከየቋርጹ ክሕግዙ ዝጸንሑ ምህላዎም ምህላዎም እናዘኻኸርና ብሓበን ንዝክሮምን ነመስግኖምን።

ብድሆ ንነፍስኻ ምኽኣልን ቀጻልነቱን!!!

ቀዳማይ ዕማም፡

እቲ ናይ መጀመርታ ገጽ ናይ ቀዳማይ ዕማም ክዕወት $40,000.00 ይሓትት። እዚ ቀዳማይ እምነ-መሰረት ምቕማጥ እዩ። እዚ ቀዳማይ እምነ-መሰረት ንብሎ ዘለና፡ ንኣዝዩ ዘሰክፍን ዘሻቕልን ሃለዋት ውግኣት ሓርነት ከሰላ ዘቃልልን ብመጠኑ ንእዋናዊ ኩነታቶም ዝፈትሕን`ዩ።

ንቕድሚት፡ ቁጽሪ ውጉኣት ሓርነት ኣብ ከሰላ ኣዝዩ ክበዝሕ ይኽእል`ዩ ኢልና ንግምት። ስለምንታይ ንቕድሚት ዝጥውሮም ዝስእኑ ኣረጋውያን ሓርበኛታትናን ስንኩላትናን ክህልዉ እዮም ኢልና ስለእንኣምን። ``ውሕጅ ከይመጸ፡ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ `` ስለዝኾነ።

ናይ ቀዳማይ ዕማምን መጀመርታ ገጽ ናይ`ዚ ዕማም`ዚ ግና $40,000.00 ካብ ግበረ ሰናያት ኣሕዋትን ኣሓትን ምርካብ`ዩ። ናይ`ዚ ወፈያ`ዚ ወፍሪ ብሓልዮት ራድዮ ድምጺ ኤርትራ-ናዝ የማነን መስከረም.ነት፡ ስኒትና.ካምን ብቐጥታ ናብ ባንክ ውግኣት ሓርነት ብምልኣኽን ይሰላሰል ኣሎ። ካልኦት ናይ ኮምፒተር መርበባት`ውን ሓበሬታ ናብ ኩሉ ክባጻሕን ክዝርጋሕን ምሉእ ምትሕባባር የበርክታ ኣለዋ። ንኹሉም ደገፍቲ ናይ`ዚ ግብረሰናያዊ  ተበግሶ`ዚ ንኽዕወት ዘወፍይዎ ዘለዉ ሰናይ ሃገራውን ሞራላውን ተግባር፡ ብስም ውጉኣት ሓርነት መደበር-ከሰላ፡  ሞጎስናን ሓበናን ንገልጸሎም።

ክሳብ ሕጂ ዝተዋጸአ (ዝኣተወን መብጻዓን) $8650.00 + 600.00 ብሪትሽ ፓውንድ

ኣብ ራብዓይ ሰሙን ናይ 2016 ዘወፈዩ፡

1 ጎይተኦም ኢማም                                     እንድያና/ኣሜሪካ $100.00
2 ብርሃን ገደም                                           ሚኖሶታ/ኣሜሪካ $1000.00
3  ኣሊ                                                        ካንዳ                                                                          $50.00
4 ኣሮን ምሕጽንታ                                          ካናዳ $1000.00 - ካናዳ
5

      

 
6

                                 

 
 

ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ናይ 2016 ዘወፈዩ-                                      

 
1 ነብያትን  ኣርእያ                                           ካናዳ $200.00
2 ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተገደልቲ ዝነበሩ (ዓዲ እንግሊዝ) ድምር                                    500.00 ፓውንድ
3 ግርማይ ካሕሳይ                                            ጀርመን $200.00
4  ዶክተር ኣርኣያ ደበሳይ                                      ኣሜሪካ  $100.00
5  ተወልደ ስእለ                                              ኣሜሪካ $100.00
6 በቭርሊ ሮክሃርት $200.00
 

ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ 2016

                         

 
1 ሳይሞን  ዘካርያስ                                             ካናዳ $100.00
2 ሰለሙን መዓሾ                                               ካናዳ $500.00
3 ጸጋይ ነጋሽ                                                  ኣሜሪካ $300.00
4 ሃብተሚካኤል ጊላማርያም                                       ኣሜሪካ $200.00
5 ጸሃየ ኣርኣያ መሓሪ                                           ኣሜሪካ $500.00
     
 

ቀዳማይ ሰሙን ናይ 2016

 
1 ናዝ የማነ                                                    ካናዳ $500.00
2 ሕድራይ ፍሳሃ                                                ኣሜሪካ $1000.00
3 ተኽለ ሃብተ                                                  ኣሜሪካ $500.00
4

ኪኪ ጸጋይ                                                   ኣሜሪካ

ብስም ስውእ በዓል ቤታ ብርሃነ ተስፋማርያምን ደቃን

$500.00
5 ኣለም ጎይተኦም                                               ኣሜሪካ $1000.00
6 ሓይላኣብ ጸጋይ                                               ኣሜሪካ $500.00
7 ሰኒትና.ካም  ዮውሃንስ                                          ዓዲ እንግሊዝ 100.00 ፓውንድ
8 ስሙ ክጥቀስ ዘየደለየ                                           ኣሜሪካ $100.00