መግለጺ ሰዲህኤ ብዛዕባ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጋሂዱ ዝቐነየ ወተሃደራዊ ረጽሚ

2016-06-16 10:20:45 Written by  Published in EPDP News Read 2712 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሰንበት ዕለት 12 ሰነ 2016 ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጐ ሰራዊት ክልቲኡ ሃገራት ንሓጺር ግዜ ውግእ ከምዝተኻየደ ካብ ምንጪታቱን ናይ ዓለም ማዕከናት ዜናን ኣረጋጊጹ። ብኽልቲኦም ሃገራት ዝተዋህበ መግለጺታት እውን፡ ነቲ ውግእ ዝጀመረ ኣነ ኣይኰንኩን ዝብል ደኣ’ምበር ውግእ ከምዝነበረ ዝኽሕድ ከምዘይኰነ ተገንዚቡ።

 

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ፡ ንህዝብታት ናይ’ተን ሃገራት ዝህድድ ናይ ጥሜት፡ ዘይምርግጋእ፡ ስደት፡ ውግእን ወረ ውግእን ሃውህው ካብ ዓይኒ ኣህዛብና ይኹን ዓይኒ ዓለም ዝተኸወለ ኣይኰነን። ባህግን ድሌትን ኣህዛብ ዞባና ይኹን ዓለም ድማ፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ልምዓትን ንምርግጋጽ እምበር፤ ነቲ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ብዝያዳ ዘጋድድ ውግኣት ምክያድ ኣይኰነን።

 

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተወሊዑ፡ ንግዜኡ ግን ሃዲኡ ዝመስል ዘሎ ኵናት፡ ዝሕብሮ ነገር እንተደኣ ሃልዩ፡ ኵናት ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ክባራዕ ከምዝእኽእል ኢዩ። ካብ’ዚ ሻቕሎት'ዚ ብምንቃል ከኣ ኢዩ ሰዲህኤ ኣብ ኵሉ ናብ ሃገራት እተላእከ መዘክራቱ ውግእ ከይበራዕ ኣድላዪስጒምትታት ክወስዳ ክጽውዕ ዝጸንሐን ዘሎን። እዚ ወተሃደራዊ ረጽሚ’ዚ፡ ዕላማታቱ ብንጹር እንታይ ምዃኑ ዘይበርሃሎም ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ይኹን ወጸእተኛታት ዝተፈለላዩ ሕቶታትን ገምጋማትን ክህቡ ይስምዑ ኣለዉ።

 

ሰዲህኤ፡ ናይ ዶብ ጐንጺ፡ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብክፍታሕ ኣለዎ ካብ ዝብል መትከላዊ እምነት ተበጊሱ ነቲ ብዘይካ ተወሳኺ ህልቂት፡ ጽልኢ፥ ምፍንቃልን ስደትን ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ እንተዘይኰይኑ ካልእ ፋይዳ ዘይርከቦ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ወተሃደራዊ ረጽሚ ብትሪ ይቓወምን ደው ክብል ይጽውዕን። መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ንዶብ ዝምልከት ብኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋህበ ብይንን ካልእ ምሳኡ ዝዛመድ ኣህጕራዊ ስምምዓትን ምሉእ ብምሉኡ ኣብ ግብሪ ክውዕልኦ ድማ ሰዲህኤ ይጽውዕ።

 

ሰዲህኤ፡ ድምጹ ምስ ድምጺ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብምውህሃድ፡ መንግስታት ክልቲኡ ሃገራት ካብ ምብራዕ ናይ’ቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዋት ክቝጠቡ ይምሕጸን።

 

ሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ይንገስ

ሕውነታዊ ዝምድናታት ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይደልድል

 

ፈጻሚ ሽማግለ

ዕለት 16 ሰነ 2016

Last modified on Thursday, 16 June 2016 13:36