ዜናዊ ጸብጻብ ኣኼባ ሽቱትጋርት

2016-06-14 06:53:35 Written by  ዜና ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2361 times

ጨንፈር ደቡብ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸውዖ ህዝባዊ ኣኼባ  ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ብዕለት 11 ሰነ 2016 ተኻይዱ። ኣኼባ ብሓው ተኽልዝጊ ሚካኤል ኣቦ-መንበር ጨንፈር  ንተሳተፍቲ ብዘቕረቦ ምስጋናን ሰናት ትምኒትን እዩ ተኸፊቱ። ሓው ተኽልዝጊ ነቶም ካብዚ ጨካን ምሕዳራ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣምሊጦም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ክብሉ ኣብ ምድረ-በዳ ልብያን ማእከላይ ባሕርን ብጅምላ ዝሃልቁ ንዘለዉ መንእሰያት ንምዝካር፡ ነፍሲ-ወከፍኣኼበኛ ጨንፈር ካብ ዝተቐረቦምሽምዓ ክውልዕ ድሕሪ ምሕባርን፡ ንኩሎም ሰማእታት ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ዝተፈልየና ተቓላሳይ ኣልኣዛር ቀለተን ንምዝካር ብዝተገብረ ናይ ሕልና ጸሎት እዩ፣ ኣኼባ ብሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ከምኡውን ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ኣቦ-መንበር ዞባ ኤውሮጳ ንኽምራሕ ዘመሓላለፈ።

ሐውንጉሰጸጋይ፡ ንህልዊኲነታትኤርትራብሓፈሻ  ብምዝካር፡ ነቲ ኣብ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኢሳያስ ድሕሪ 25 ዓመታት የራኽበና ዝበሎ መግለጺ፡ ኣሽካዕላል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ደምበ ተቓውሞ ድማ ብፍላይ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ፈተነ እዩ። ደምበ ተቓውሞ ነዚ ኣብ ምዕጻፍ እትውስኽ ዓመት ዘይኮነትስ ማዓልትውን እንተተጸብዩ፡ ምንዋሕ ሕሰምን ምብትታን ህዝቢ ኤርትራን፡  ኤርትራዊ ሃገርነት ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ከምዝኽእልን ኣመልኪቱ። ኣስዒቡ፡ ስርዓት ህግዲፍ ባዕሉ ብዝፈጠሮ ሽግር ንስዕረቱ ዘቀላጥፉ ኣባትር  ንደምበ ተቓውሞ ካብዘረክብን ደጋፊ ኣህጉራዊ ባይታ ናይ ቃልሲ ካብዝፍጠርን ልዕሊ 15 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ፡ ይኹን እምበር፡ ነፍሲ-ወከፍ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ በርጌሳዊ ማሕበር ኮነ ውልቀ-ተቓዋሚ ነቲ ዝተረኽበ ባይታ ተጠቂምሉ ዶ ኣይተጠቕመሉን ንዝብል ነፍሱ መርሚሩ ብሓድሽ ክብገስ ከምዝግባእ ገሊጹ።

ደምበተቕውሞ፡ ንምልኪ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምሕደራ ንምትካኣ ኣብዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ ክስዕሮም ዘለዎ ብድሆታት ብዙሓት እዃ ይዃኑ እምበር፡  ካብ ጸኒሓዊ ኣገባባ ናይ ቃልስን ኣተሓሳስባን ክወጽእ፡ ኣብ ሕድሕዱ ካብ ምጽባእ ቀዳምነታት ናይ ቃልሲ ሰሪዑ ክብገስ፡ ድልየታት ህዝቢ ኣለልዩ፣ ንህዝቢ ካብ ቃልሲ ዘርሕቕ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኣብ ተቓውሞ ከሰልፍ ዝኽእል  ጭርሖታት ከቐድም፡ ብውሑዱ ሓባራዊ ዕዮ ናይ ዓወት መቕድም ምዃኑ ፈሊጡ፤ ካብ ዝታሓተ ክሳብ ዝላዓለ ትካላቱ ሓቢሩ ክሰርሓሉ ዝኽእል ናይ ቃልሲ ናውቲ ክሰርዕ፡  ግደን ተራን ፖለቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራት ካብ ምድውዋስ ሓራ ክኸውን ዓብዪ ተደላይነት ከምዘለዎ ብዝርዝር ኣብሪሁ። ብዘይካዚ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኮኑ ተቓወምቲ ዜጋታት፡ መምርሒታት ከየተጸበዩ ኣብ ክሊ ስርዒታዊ ሓላፍነቶም ኣብ ህዝባውን ዜናውን ርኽክባውን ዕማማት ሓቢሮም ክሰርሑን ደረኽቲ ናይ ለውጥን ሓድነታዊ ዕዮን  ምዃኖም ከረጋግጹ ከምዝግባእ ሓቢሩ።

እቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዘለዎ  ተወሳኺ ጸገምና፡ ኤርትራዊ ናይ ኩሉ ዓይነት ሞያ ክኢላን ፈላጥን ክመስል፡ ንጀግንነታዊ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክድምስስ፡ ባህላዊ መንነትና ከጥፍእ፡ ናይ ፈጠራ ታሪኽ እንዳማሃዘ ኣብ ምግጋይ ዝውዕል ንሓድነት ናይ ቃልሲ ዝዝርግ ወፈራታት ይካየድ ብምህላዉ፡ ደምበ ተቓውሞ ንዘለዎ ሕጽረታት ናይ ምልመላ ክስዕርን ብቕዓት ካድራቱ ክብ ንምባል ክጽዕርን ጸዊዑ። ካብዚ ዝተጠቕሰ ሕጽረታት ወጺና ኢና ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ሓይሊ ነቲ ዝብህጎን ዝጥምቶምን፣ ዕላማን፡ ራእይን ተልእኮን ከረጋግጽ ዝኽእል ካብዝብል፡ ሰዲህኤ ካብዘስፈሮ ራእይን ተልእኾን ዕላማን ኣብሪሁ።

ብድሕርዚ፡ ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ቦታዊ ስርርዕ ሰዲሓኤ ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ዘለዎ ግደን ብግቡእ ኣብሪሁ። ኣብ መወዳእታተሳተፍቲኣኼባነቲንውሕዝበለመግለጺ ብጽሞና ድሕሪ ምክትታል፡ ንዘቕረብዎም ሕቶታት ኣገዳሲ መብርሂታት ብምቕራብ፣ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዝሖም ብዘየገድስ ተሳትፋኦም ክብ ዝበለ ኣብርእሲ ምንባሩ፣ ንዝቐረበ ሓሳባትብምድጋፍ፡ ሃናጽን ኣታባባዕን ርኢቶታታት ኣቕሪቦም ኣኼባ ተደምዲኡ።

Last modified on Tuesday, 14 June 2016 09:19