ሰደህኤ ንስዊድናዊት ሚንስትር ሓጐሱ ይገልጽ፡ ንሓይልታት ደሞክራሲ ክሕግዛ ድማ ይጽውዕ

2016-06-13 19:58:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2825 times

ብኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስዊድን ኣቶ ስተፈን ሎፍቨን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሚኒስተራት ምምዛዝ ወይዘሮ ኣና ሊንደ ሚኒስተር ጉዳያት ሕብረት ኤውሮፓን ንግድን ኮይነን ተመዚዘን። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በቲ መዝነተን ዝተሰመዖ ሓጐስ ገሊጹ፡ እተን ሚኒስተር ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ደሞክራሲ ኤርትራ ንምሕጋዝ ተበግሶ ክወስዳ ትጽቢቱ ምዃኑ ገሊጹ።

 

ሰደህኤ ብ10 ሰነ 2016 ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ስዊደን ኣቶ ማርጎት ዋልስቶን ቅዳሕ ብምግባር፡ ናብተን ሚኒስተር መዘክር ልኢኹ። ኣብዚ መዘክሩ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ መበል 37 ናይ ሰልፈን ጉባአ ንምምዕባል ሓይሊ ሰብ ኤርትራውያን ሓይልታት ደሞክራስን ኣንጻር’ቲ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ስወደን ዝፍጸም ግዱድ ክፍሊት 2%ን ተዛማዲ ገንዘባዊ ጉዳያትን ምቅላስን ብዝምልከት ዘሕለፎም ውሳነታት ኣዘኻኺሩ።

 

ኣብ ርእሲ እዚ እቲ መዘክር ግዱሳት ሰልፍታቱን መንግስትን ስዊድን እዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ሓሳባት ኣብ ምትግባር መሪሕ ግደኦም ከበርክቱ ጸዊዑ።

  1. ንጸብጻብን መደምደምታን መርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ምድጋፍ
  2. ብደረጃ ዞናውን ኣህጉራውን መድረኻት ንኤርትራ ዝወደቐት ሃገር ካብ ምዃን ንምድሓን ተበግሶ ምውሳድ።
  3. ኣብ ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ዘይጐነጻዊ ምስግጋር ዝረጋገጸሉ ኩነታት ዝፈጥር መሰረት ምንባርን ንምትግብሩ ምጽዓርን።
  4. ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት፡ እኹል መጽለሊ፡ ማእከላት ጥዕናን ትምህርትን ምቕራብ ዘኽእሉ ሰፋሕቲ መደባት ምውጣን።

እዚ ብቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰደህኤ ዝቐረበ መዘክር፡ ብዛዕባ እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ነጥብታት ምስዞም ስዊድናውያን ሚኒስተራት ተራኺቡ ክዛረብ ትጽቢት ኣለዎ።

 

እዘን ንሰደህኤ ሓዊስካ ናይ ነዊሕ ግዜ ፈታዊት ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ወይዘሮ ኣን ሊንዳ ንነዊሕ ግዜ ናይ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ስዊደን ዓለም-ለኻዊ ጉዳያት ጸሓፊት ኮይነን ሰሪሐን እየን።

Last modified on Monday, 13 June 2016 22:00