ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ጸብጻብ ልኡኽ ኤርትራ

2024-05-17 20:31:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 509 times

ልኡኽ ኤርትራ ብ16 ጉንበት 2024 ናብቲ ንመበል 79 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ ኣኼባ ኮሚሽን መሰል ሰብኣውን ህዝባውን ኣፍሪቃ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብ መእተዊ እቲ ጸብጻቡ፡ ከም ኣካል ናይቲ ህዝብን መንግስትን  ኤርትራ ብዘይዕረፍቲ ክሰርሓሉ ዝጸንሑ፡ ኣብ መዳይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታታት ዝረአ ውጽኢት ተመዝጊቡ ይብል።

እዚ ሓሳብ ብልኡኽ ኤርትራ ዝቐረበ፡ ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ቅድሚት ከም እትስራዕ ኣብ ዝረደኣሉን ብፍላይ ድማ ኣብ ጽባሕ እቲ ብመንጽር ናጽነት መድያ፡ ኤርትራ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 180 ከም እትስራዕ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን ምዃኑ ንብዙሓት ኣገሪሙ። .

ጸብጻብ ልኡኽ ኤርትራ፡ ከም መርኣያ ምኽባር መሰል ህዝቢ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ኣድማዒ ውጽኢት ተረኺቡ” ዝብል እውን ኣስፊሩ። ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ጸብጻብ ዘቕርብ ዘሎ፡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ምስ ቤተሰቦም ናይ ምምሃር መሰል ተነፊግዎም፡ ኣብ ሳዋ ክዳጐኑ ኣብ ዝተገደድሉ፡ ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ተጽዕኖ ኣብ ዝወደቐሉን እኹል ናይ ትምህርቲ መሳርሕን መምሃራንን ኣብ ዘየብሉ ምዃኑ የገርም። ብዘይካዚ ናይ ብሕቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ዝተወርሰሉ ከምዚ ዓይነት ጸብጻብ ምቕራቡ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ እዩ። እቲ ካልእ ዘገርም ከኣ ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ብዘየብላ ሃገር ዝቐረበ ጸብጻብ ምዃኑ እዩ።

ብዘይካዚ ኣብዚ ኣብ ኤርትራ ካልእስ ይትረፍ እኹል ከኒና’ኳ ኣብ ዘይርከበሉን ህዝቢ ኤርትራ ሕክምና ንምድላይ ፈቐዶ፡ ቱርኪ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ይንጋላታዕ ኣብ ዘለሉ፡ ኣብ መዳይ ጥዕና ከም ዘድመዐ ኣብቲ ጸብጻብ ምስፋሩ ካልእ ዘገርምን ኣብ ባይታ ምስ  ዘሎ ሓቂ ዝራጸምን ሓሶት ምዃኑ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ጸብጻብ ዝተጠቕሰ ከኣ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ንልምዓት ዘለዎ ግደ ተረዲኣ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብምውህሃደን ምትሕብባርን ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕባይ ትሰርሕ ከም ዘላ ዘምልክት ሓሳብ እዩ። እዚ ጸብጻብ ናብቶም ብዛዕባ ጻሕታርን ህውከተኛን ባህሪ ኤርትራ ዝፈልጡ ተሳተፍቲ ምቕራቡ ከኣ ነቲ ጸብጻብ ኣገራሚ ገይርዎ። 

Last modified on Friday, 17 May 2024 22:38