ሰዲህኤ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ሓድሽ ጐንጺ ይነጽግ ጠጠው ክብል ድማ ይጽውዕ

2016-06-16 13:54:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3273 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ብ16 ሰነ 2016 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ብ12 ሰነ 2016 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንደገና ዝተባረዐ ወተሃደራዊ ጐንጺ ከም ዘሰክፎን ብትሪ ከም ዝቃወሞን ገሊጹ።

መሪሕነት ሰዲህኤ ክልቲኦም ወገናት ሓድሽ ወታሃደራዊ ጐንጺ ካብ ምፍጣር ብዝለዓለ ደረጃ ክቑጠቡ እንዳጸወዐ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተተግበረ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምጥቃስ ኣብ ሓጺር ግዜ ንኽትግበር ዘለዎ ትጽቢት  ገሊጹ።

እቲ መግለጺ፡ ነቶም ዝሰሓሓቡ ዘለዉ ወገናት፡ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም፡ ፍትሕን ዕቤትን ከም ዝደሊ ኣዘካኺ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ህዝቢ ትርጉም ንዘየብሉን ነቲ ኩነታቱ መሊሱ ዘጋድድን ወተሃደራዊ ጐንጺ ድሌቱ ከም ዘይኮነ ገሊጹ።

Last modified on Thursday, 16 June 2016 16:05