ህዝቢ ኤርትራ ኣብ በቦትኡን በብዓቕሙን ብድምቀት ዝጽንብሎም ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎም ዓመታዊ ብዓላት ብዙሓት እዮም፡ ንኣብነት ብሃገራዊ ደረጃ-ዝክረ ሰማእታት፡ ብዓል ናጽነትን ፈስቲቫላትን።
ብመንፈሳዊ ደረጃ- ሓድሽ ዓመት ልደት ፋሲጋ፡ ብዓዲ ደረጃ ደማ ንግደት ወዘተ--እዞም ብዓላት‘ዚኣቶም ኣብ ዝኸበርሉ ዕለት መንቀልን ትርጉም ኣመጻጽእኦምን ብግቡእ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ኣብ ሕብረተሰብና ዘለዎም መሃሪ ኣስተዋጽኦ ኣቃሊልካ ዘይርኣዩ ዓውደ ርክብ ስለ ዝዀኑ ጥጡሕ ባይታ ፍልጥት እንተተባህሉ ኣይዓበዮምን።
ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ሰፊሕ ብዓል‘ዚ ብዙሕ ህዝቢ ኣሎ፡ ካብ ብዙሕ ህዝቢ ብዙሕ መሃርን ጠቓምን ኣስተምህሮ ኣሎ፡ ምድምማጽ ምክብባር ምጽውዋር ትሕትና ፍቕሪ ትዕግስቲ ልዝብን እሂን ምሂን ናይ ምብህሃል ስነ ልቦና ኣብ‘ዚ ዓውዲ‘ዚ ስለ ዝበቝሉን ዝስስኑን።
ብዓል ፈስቲቫል ከኣ ከም ኣካልን ተምሳልን ናይዞም ዝተጠቕሱ ከም ምዃኑ መጠን ኣገዳሲ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን እሞ ኸኣ መወዳድርቲ ኣይርከቦን‘ዩ። በዚ ምኽንያት‘ ድማ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ
ካብ ሰማንያታት ኣብ ሃገረ ጀርመን ብተ.ሓ.ኤ. ዓድጣልያን ድማ ብህ ግ.ሓ.ኤ እናተኻየደ፡ ኣብ ምቅልጣፍን ምዕዋትን ሰውራ ኤርትራ ዕዙዝ ፖሎቲካውን ምጣኔ ሃብታውን ድፕሎማስያውን ሞራላውን ሕብረተ- ሰብኣውን ኣስተዋጽኦ ዘበርከተን ዘበርክት ዘሎን።
እዚ ዓወዲ‘ዚ ብፍላይ ብልቦናን ብሓባርን ክእለን ክስርሓሉን እንተተኻኢሉ ፍሩይ ውጽኢት ክርከቦ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውያ ድማ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ነዚ ሰፊሕ በዓል‘ዚ ትጽቢትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ተማሊኡ ፍትሓዊትን ዲሞክራሲያዊትን ነጻ ኤርትራ ተረጋጊጹ ህዝቢ ብምልኣትን ብሓባርን ክሳብ ዘብዕላ መኣዲ ዘተን ልዝብን ገይራ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐትን ዘላን። እንሆ ድማ ሎሚ ዓመት‘ውን ከም ወትሩ ብእዋኑ መበል 32 ዓመት ንምብዓል ኣሰናዳኢት ሽማገለ መዚዛስ፡ ኩሉ ኣድላይ ነገራት ኣጻፊፋ መደብ ዕዮኣ ወዲኣ ኣጋይሽ ኣብ ምቕባል ደረጃ ተሰጋጊራ ምህላዋ ካብ ትሕብር ሓጺር ስለ ዘይዀነ ዘይሰምዐ ኣሎ ዝብል ግምት የብለይን። ምናልባት ምስ ዝህሉ ግን ኣብ ሓርነት ኦርግ ክፍሊ ራዲዮ ትግርኛ ክትረኽብዎ ከም እትኽእሉ ምሕባር ኣኻሊ እመስለኒ፡፡ ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ እንተልዩ ጉዳይ ተሳትፎ‘ዩ፡፡
እዚ ፈስቲቫልዚ ምስቲ ኣብ ከባቢ ሃገርና ዝርኣ ዘሎ ሓድሽ ምዕብልና ይዳሎ ብምህላዉ ተራኺብካ ናይ ምዝታይ ጥጡሕ ባይታ ስለ ዝዀነ። ከም ወርቃዊ ዕድል ንልዝብ ወሲድና ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ብምልኣት ክንሳተፎን ክንጥቀመሉን ይግባእ።
እዚ ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልና፡ ብዋጋ ህዝብና ንረብሓ ካልኦት ኣብ ክንድ ዝኸውን፡ ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ዝሓወሰ ዝዀነሉ መንገዲ ንምንዳይ ሓቢርና ሰሚርናን ክንላዘብን ምርጫ ዘይኰነስ ግድነት እዩ። ናብዚ ዝወስድ ጎደና ከኣ ኣብ ጉዳይ ሃገር ተሳታፋይ እምበር ተዓዛባይ ብምዃን ከም ዘይኰነ ንኹልና ርዱእ እዩ።
ስለ ዝዀነ ሕጅ‘ውን ብዝሓለፉ ድኽመትና ተናሲሕና ጸገምና ንምውጋድ ክንላዘብን ተዳልዩ ዘሎ ጣውላ ዘተ ተጠቒምና፡ ተበታቲኑ ዘሎ ዓቕምና ጠርኒፍና ሃዋርያ ድሕነት ክንከውን ምእንታን ክንክእል ቈጸራና ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብዘይጾታዊ ሃይማኖታዊ ውድባውን ፖለቲካውን ፍልልይ ካብ ዕለት 03-05/08/2018 ኣብ ፍራክፎርት ሃገረ ጀርመን ይኹን።
ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ትማሊ ዝርኤናዮ ተስፋዝህብ ብልጭታ፡ ውጽኢት ናይቲ ንርብዒ ዘመን ዝተረገጽናዮን ዝደመናዮን ዝነባዕካናዮን ብሕዙን ልብና ዝጸለናዮን‘ዩ ሞ ንምሉእ ባህግና ዝምልስ ንበሰላ ቁስልና ዝፍውስ ሰላምን ራህዋን ክዀነልና እምነ።
ሓቢና ንስራሕ ከንድምዕ! ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!
ዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
23 ጁላይ 2018

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጽባሕ ሽመቱ፡ ንመራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ናብ ቤተ መንግስቱ ፀዊዑ እንግዶት ድራር ገይሩ ነይሩ።
ፖለቲካዊ ውድባት 'ተነሓናሕቲ እምበር ተቓወምቲ ኣይኮኑን' ዝብል ዘረብኡ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፈላላይ ሓሳብ ዘኽብር እዩ ኢሎም ክንእድዎ ምኽንያት ኮይኑ።
ትማሊ ሰንበት ድማ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ቁፅሮም ካብ ሓምሳ ምስ ዝዛይዱ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘተ ገይሩ።
ኣብቲ ዘተ ኣድላይነት ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት'ዮም ተላዒሎም ይብሉ ተሳተፍቲ።
- "ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን" ጃዋር መሓመድ
- ኦሮም ደሞክራስያዊ ግንባር ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ኢዩ
- "ነዳዲ ናይ ምዉጻእ ስራሕ ንምስንኻል ዝከኣለና ክንገብር ኢና" ግንባር ሓርነት ኦጋዴን
ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ዓረና ትግራይ፡ መምህር ጎይተኦም ፀጋይ ክልተ ዘልዓልዎም ሕቶታት በቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ከይተመለሱ ከምዝተረፉ ይዛረብ።
እቲ ቀዳማይ ጉዳይ ምስ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ዕርቂ ክኸዉን ከሎ፡ "እቶም ኣብ ዶባት ዝረከቡ ነበርቲ መጻኢኦም እንታይ ኢዩ ክኸዉን? ክፈናቐሉ ድዮም? ኣብ ዘለዉዎ ድዮም ክቕጽሉ? እቲ ጉዳይ ዶብ ብኸመይ ኢዩ ዝፍታሕ" ዝብል ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ካልኣይ ዘይተመለሰ ሕቶ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ ተፈፀመ ናይ ቡምባ መጥቃዕቲ ምርመራ ከም ዝካየድን ዉጽኢቱ ንህዝቢ ክግለጽ ምዃኑን እኳ ተተሓበረ፤ ክሳብ ሕጂ ሰለምንታይ ንህዝቢ ዘይተገለጸ?" ዝብል ኮይኑ ናይዚ'ዉን መልሲ ከም ዘይተዋህበ መምህር ጎይትኦም ሓቢሩ።
ንምዃኑ፡ ካብዚ ብተወሳኺ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት እንታይ ጠለባት ኣልዒሎም?
ሰማያዊ ፓርቲ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ እዩ፤ ውሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣይተ ኣበበ ኣካሉ፡ ኣብቲ ዘተ ኣድላይነት ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ሓዊሱ "ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት'ዮም ተላዒሎም" ይብል።
"ቦርድ መረፃ፣ ሓባሲ ንብዓት፣ ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ዝኣመሰሉ ትካላት ለውጢ ክግበረሎም ኣድላዪ እዩ። እቲ ሕገመንግስቲ ብዙሓት ዝመሓየሹ ዓንቀፃት ኣለውዎ። ሕግታት ፀረ ራዕዲ፣ ንሚድያን ንዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝምልከቱ ኣዋጃት ክመሓየሹ ከምዘለዎም እዩ ብዋናነት ተላዒሉ" ይብል ኣበበ።
ካብ ወገን እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ከ እንታይ ምላሽ ተዋሂቡ ንዝብል ሕቶና እንትምልስ፡ ቅኑዕን ዘሐጉስን ምላሽ እዮም ሂቦምና ይብል።

"ኢህወዴግ 27 ዓመት ሙሉእ ካብ ዝነበሮ ፅዕንቶ ተናጊፉ ጠንኪሩ እዩ ዘሎ፤ ከይትዘናግዑ ኢሉና።" ክብል ገሊጹ።
"ድሕሪ ሕዚ'ውን በቲ ንገብሮ ዘለና ለውጢ ኣሐይልና ስለእንቕፅል፤ ህዝቢ ድማ ናባና ይመፅእ ስለዘሎ ተበታቲንኩም ምሳና ክትነሓንሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ስለዝኾነ ድማ ሕብረትን ናይ ሓባር ግንባርን ፍጠሩ" ኢሉ ከምዝመዓዶም ይዛረብ።
ተቓወምቲ ውድባትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ንድሕሪ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ዳግም ክራኸቡ ቆፀራ ሒዞም ተፈላልዮም።
ኣብቲ እዋን ተቓወምቲ ጠለባቶም ብፅሑፍ ሒዞም ክቐርቡ፤ ብፍላይ ኣብ ኣወዳድባ ፌደራላዊ ስርዓት፣ ዛዕባ ሰንደቕ ዕላማን ምምሕያሽ ዘድልዮም ዓንቀፃት ሕገመንግስትን ኣመልኪቶም ንዘተ ዝቐርብ ፅሑፍ ከዳልዉ ዕዮ ገዛ ከምዝወሰዱ መምህር ጎይተኦም ይገልፅ።
መራሒ ኦነግ ነበርን ሕዚ ድማ ንዴሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ሒዙ ናብ ዓዲ ዝኣተወ ኣይተ ሌንጮ ለታ፡ እቲ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣይ ዘሎ ለውጢ ብኸመይ ሓቛፋይ ክኸውን ይግበኦ ዝብል ፅሑፍ ከዳልዉ እዩ።
ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ኣብ ምምሕያሽ ሕገመንግስቲ፣ ውድብ ዓረና ኣብ ዛዕባ ሃገራዊ ምርድዳእን ጉዳይ ሰንደቕ ዕላማን ንዘተ መልዓሊ ዝኸውን ፅሑፍ ከዳልዉ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ።
ውድባት ሰማያውን ኢዴፓን ድማ ኣብ ኣወዳድባ ስርዓት ፌደራሊዝም ኣድሂቦም፡ ሕፅረታት እቲ ሕዚ ይትግበር ዘሎ ፌደራሊዝምን ኣማራፂ እዩ ዝብልዎ ምኽርን ሒዞም ክቐርቡ'ዮም።
Source=https://www.bbc.com/tigrinya/44931142
ብሰንበት ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ናይ ምሉእ ኣባላት ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ካብ ሰለሰተ ሰዓት ንላዕሊ ዝወሰደ ኣኼባ፣ እኸበኛታት ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ኣስፊሖም ተመያይጦም። ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታትውን ተሰማሚዖም፤
1. ሰላም ንኩሎም ህዝብታት ጠቃሚ ስለ ዝኾነ ብመትከል ንድግፎ
2. ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንጥቅሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ኣይኮነን፣ ኣብ ዝኾነ ውዕልውን ክኣቱ ኣይክእልን እዩ።
3. ዝኾነ ስምምዕ ንልዑላውነት ኤርትራ ዘኽበረ ምስዝኽውን ጥራሕ እዩ ቅቡል ዝኸውን
4. ሃገር ነድሕን ዝብል ኣምር ቀዳማይ ዕማምና ከምዝኾነ ነፍልጥ
5. ምስ ኩሎም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ውድባትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን፣ ዜጋታትን ሃገር ንምድሓን ክንስርሕ ኢና
ታሪኽ ስውኣትና ህያው እዩ
ክንዕወት ኢና
“ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ከምዝተባህለ፥ ባህሪ ኢሳያስ እታ ስልጣኑ ጥራሕ ኣይትተንከፍ እምበር ካልእ ዝግድሶ ኣይኮነን። ንስልጣኑ ክብል ግን ዝገላበጥ ባህሪ ኣለዎ። ቅድሚ ሎሚ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ወያኔ ተሻሪኹ ክሃርም እንከሎ ባድመ ንወያኔ ከም ጸበረኸት ኣሕሊፉ ሂቡዋ። ባዕሉ ብዘምጽኦ ሰበብ ድማ ምስ ወያኔ ኣብ ዝኸፍአ ወተሃደራዊ ጐንጺ ኣትዩ። እታ ዝዘረኣ ክፍኣት ከኣ ተመሊሳ ኣብ ርእሱ ደኣ ተጠምጠመት። ስለዚ “ሓልሓል እንከሎካ ጽሩይ መሬት፥ ሰናድር እንከሎካ ጽሩይ ብረት እንታይ ኣእተወካ ኣብ ሰንሰለት” ደኾን የምስሎ ይኸውን።?
ኢሰያስ ካብ ተሓኤ ክፍንጨል እንከሎ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ተሓኤ ዲሞክራሲያዊት ውድብ ኣይኮነትን ዝብል እዩ። ተሓኤ ክትጅምር እንከላ ብውሑዳት ምሁራትን ዝበዝሑ ሓረስቶትን ወተሃደራት ነበረን እያ ተመስሪታ። ይኹን እምበር ሳላ ትኩራት ተጋደልቲ ዝነበሩ ንተሓኤ ኣብ ናይ ሃገራውን ዲሞክራሲያውን ሰውራ ዝመጣጠን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ክሳብ ምሕንጻጽ ኣብጺሖማ እዮም። በዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ፋልማይ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ መሪሕነት ዝተመርጸሉን ሃገራዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝተሓንጸጸሉን ባይታ ወይ መድረኽ እዩ ነይሩ። ነቲ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ዲሞክራሲ ነጺጉ እዩ እምበኣር ኢሰያስ እታ ብዓንተብኡ ንተሓኤ እንተኸኣለ ብውሽጢ ኮይኑ ከበዅቡኻ እንተዘይከኣለ ከኣ ተፈንጪሉ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክንጽላ ዝነበረ ተልእኾኡ። ስለዚ እቲ መስመር ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት እናዓኾኸ ክመጽእ ዝጸንሐ ሕቒኡ መሲሱ ናብ ጸረ ዲሞክራሲ ተግባራት ተበጊሱ።
ይኹን እምበር በቲ ተንኮሉ ንውሱን ኤርትራዊ ምሁር ኣካል ዲሞክራሲያዊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከምዝቃለስን ኣብ ጎኑ ደው ከምዝብልን ገይሩ’ዩ። ኣብቲ እዋን እቲ በዚ ኣብ ዝተጠቕሰ ንኣእምሮ ኤርትራውያን ጸልዩ ኣንጻር ሃገራዊ ሓይሊ እውን ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ። ስልጣን ምስ ሓዘ ከኣ ጸረ-ዲሞክራሲ ባህርያቱ ብዘቃልዕ “ንዲሞክራሲ ኣብ ሰማይ ከድኩም ድለይዋ” ኢሉና፡፥ ዲሞክራሲ ንኸይጥጥዕን ንከይትግበርን ህዝቢ ከይሓቶን ብማለት ውግኣት ከፊቱ። ግርም ምኽንያት ረኺቡ ድማ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተሓንጸጸ ኢትዮጵያ መሬትና ጎቢጣ እንከላ ብማለት ቅዋም ከየተግበረ ብሓይሊ ይጭቊን ኣሎ።
ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ መጸዋዕታ ሰላም ሕራይ ኢሉ ምቕባሉ ንኣእምሮ ደቂ ሰባት ክዘምት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ድሮ እኳ እነሆ ካብቶም መዳኽርቱን ደገፍቱን ሰላም ተረኺቡ እንዲዩ ሕጂ ዓድና ኣቲና ንህነጽ እንዳበሉ ንኣእምሮኦም የታልሉን ይጥብሩን ኣለዉ። እዚ ከምታ ፈለማ ናጽነት ዝተረኽበትላ ዕለት ሆሆሆ እናበለ ሳዕቤኑ ከይፈለጠ ኣጣቒዑን ሳዕስዑን እዩ። ኣበይ ኣለዉ ዝተረፉ ደቅና ኢሉ’ኳ ክሓትት ኣይሓሰቦን። ልክዕ እዩ ሰላም ፈጺሙ ኣይጽላእን እዩ፡ እንተወሓደ ህዝብና ቁሩብ ትንፋስ እኳ ይረክብ። ኮይኑ ግን ንመገዲ ሰላም ህድእ ኢልካ ብምኻድ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኩናት ዘእተወና ብኽንድሕነሉ ንኽእል ኣገባብ ክተሓዝ ኣለዎ። ደሓር ድማ ኢሰያስ ንሰላም እንድሕሪ ደጊፉ፥ እታ ሰላም ብውሽጢ ይኹን ብደገ ትጠልቦ ነገራት ብዙሕ ከምዘሎ ክርስዕ የብሉን። ምኽንያቱ ሰላም ክበሃል እንከሎ ኢትዮጵያ ነዚ ሰላም ኣብ ምንታይ ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ረብሓ እያ ክትተሓሓዞ ምፍላጥ ኣድላይነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ተመሊሱ እንጥቀዓሉ ከይከውን ርግእ ኢልና ንነገራት ሓደ ብሓደ ክንመራመረሉን ክንጥቀመሉን ኣድላዪ እዩ።
ብውሽጢ እቲ ንሰላም ክኸልእ ዝጸንሐ ኢሉ ኢሰያስ ዘመኽንዮ ዝነበረ ድሕሪ ሕጂ ኣይክህሉን እዩ። ግን ከኣ እቲ ሰላም ኣብ ረብሓኡ ዘይውዕል እንተኾይኑ፡ ናይ ምብርዓኑ ኣንፈት ክህሉ ይከኣል እዩ። ብዝኾነ ግን እሱራት ክፈትሕ፥ ህዝቢ ከምድሌቱ ክነግድን ክንቀሳቐስን፥ ህዝቢ ሓሳባቱ ክገልጽን፥ ተኣጊደን ዝነበራ ጋዜጠታት ስርሐን ክጅምራን ምስዘይገብር ግን ሃገር ኣብ ዝገደደ ደልሃመት ከእትዋ ስለዝኽእል ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኢሰያስ ናይ ምምራሕ ብቕዓታቱ ናይ ዲክታቶርያ ብምዃኑ ከብቅዕ ኣለዎ። ግደ ሓቂ እታ “ጌም ኦቨር” ዝበላ ንኣኡ እያ ትግባእ።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበጽሐ ሰላም ኢሰያስ ወያኔ ካብ ስልጣን ምስ ኣልገሰ ዝሰማማዓሉ ዘሎ ምዃኑ እቲ ኣብ ሳዋ ዝበሎ፡ ”ናይ ወያኔ ኣሽካዕላል ኣብቂዑ እዩ “ጌም ኦቨር” ዝበሎ እኹል ምስክር እዩ። ነዚ ከም ምኽንያት ዝጥቀመሉ ዘሎ ድማ ስለምንታይ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተሓሰምካዮ ሕራይ ኢልካ ተቐቢልካ ከይበሃል ዝመሃዞ ሽጣራ እዩ። ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ዓሳ ነታ ትብላዕ እምበር ነታ እትሓንቆ ኣይርእያን” ዝብሃል ከይንኸውን እሞ ሎሚ’ውን ኣብ ዘይደለናዮ ከይንኣቱ ደጋጊምና ክንሓስብን ክነስተውዕልን የድሊ። ሰላም ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ስዒቡ ከይፈለጥናዮ ብዛዕባ ክመጽእ ዝኽእል ክንግራህ የብልናን። ምኽንያቱ ወዲ ሃገር ፍትሒ ስኢኑ ክስደድ፡ ጓና ድማ ብስም ወፍሪ ንመሬት ኤርትራ ክመልኣ ሳዕቤኑ ኣሉታዊ እዩ ክኸውን። ሎሚ ኢሰያስ ዘዝበለና ሰሚዒዕናን ተቐቢልናን ክንደግሞ ጽባሕ ኣብ ህጉም ክንኣቱ ምዃንና ኣይንረስዕ።
ኣብ ዓለምና ንደቂ ሰባት ልዕሊ ፈኰስትን ከበድትን ኣጽዋር ዝቐትሎ: ሓቂ ምጥፋእ ዘዕንዎ ይበዝሕ። ሓቂ ምዝራብን ሓቂ ምምስካርን ንደቂ ሰባት ክራኸቡን ክተኣማመኑን ካብ ዝግበር ሓደ እዩ። ከመይሲ ሓሶት መናቘትን መፈላለይን ስለዝኾነ።
ሓቂ ኩሉ ግዜ ንሓባጥ ጎባጥ ዘጣጥሕ፥ ንሓርፋፍ ዘልምጽ፥ መግለጺ ናይ ክብረትን ክብደትን ዘለዎ ሰብ እዩ። ሓቂ በቲ ናትካ እምነት ስለዝተዛረብካ ዘይኮነስ ነቲ ናትካ ሓሳብ ይኹን ርእይቶ ምስ ናይ ካልኦት ዝተፈላለየ ሓሳብን ርእይቶን ኣወሃሂድካን ኣወዳዲርካን እኹል ሓበረታ ረኺብካን እትዛረቦ ምኽኣል እዩ። በዚ ኣገባብ እዚ ተበጊስካ እትብሎ ከባቢኻን ሕብረተሰብካን ብዓይኒ ቅኑዕነትን ግሉጽነትን ክጥምተካ ይኽእል እሞ ኣባኻ እምነት የሕድር።
ልክዕ እዩ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ሓቂ ዘይኮነ ዘረባ ክወጽእ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ከምዚ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ ኣዋሳ ከይዱ ዘቕረቦ ዘረባ ንመልከት። ‘ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዶክተር ኣቢይ ዝኣመሰለ መራሒ ክረክብ ከሎ ናይ ብሓቂ ዘሕጉስ እዩ። ኣነ ውን እታ ሓላፍነተይ ንዕኡ ሂበዮ ኣሎኹ። ንሱ ክመርሓና ይኽእል እዩ።’ ክብል ደምዲሙ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ብርግጽ ካብ ልቢ ዝነቐለ ከምዘይኮነ፡ ግን ድማ ምናልባት ካብቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ተመሲጡ ዝተባረቖ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ይኹን እምበር ናይ ላግጽን ናይ ዳእላን ዘይኮነስ ዕላዊ መድረኽ ስለዝኾነ ድማ ብዙሕ ትርጉም ክወሃቦ ይከኣል እዩ። ሓደ ካብኡ ምናልባትዶኾን ዶክተር ኣቢይ መራሕ ክልቲኤን ሃገራት፡ ኢሰያስ ድማ ምክትሉ ክኸውን ተሰማሚዖም ይኾኑ ናብ ዝብል ጭቡጥ ዘይኮነ ሓሳባት ክወስደካ ይኽእል እዩ። ብዝኾነ እቲ ጉዳይ ከይዱ ከይዱ ሓቂ ከምዘይኮነ ድማ ክልቲአን ሃገራት ተኸባቢረንን ተሓባቢረንን ክብልጽጋን ክምዕብላን ዝግበር ስምምዕ ዝጽላእ ኣይኮነን። ካብ ኩሉ ዝበለጸ ድማ እቲ ንዓለም ዘስካሕክሕን ቅሳነት ዝኸልእን ብዝተሰነዐ ዘመናዊ ኣጽዋር ውግእ ዝካየድ ውግእ ደው ምባል ጽቡቕ ብስራት እዩ።
ኣቶ ኢሰያስ ካብቲ ንዶክተር ኣቢይ ኣብ ኣስመራ ዝገበረሉ ኣቀባብላን፥ ዶክተር ኣቢይ ንኣቶ ኢሰያስ ዝገበረሉ ኣቀባብላን ኣዚዩ ዝፍለ፥ ድሙቕን፥ ካብቲ ዘፍረይዎ ህያብ ዝተዋህበሉ ክኸውን እንከሎ፥ ኣቶ ኢሰያስ መንፈሱ ስምዒቱ ከም ዝተሰርቀ ይረኣየካ። ከምቲ ኣቦታትና ”ዘለዎ ይምዘዝ ዘይብሉ ይፍዘዝ።” ኢሎም ዝምስሉ እዩ ነገሩ። ኣቶ ኢሰያስ ንዕስራን ሸውዓተን ዓመታት ዝኣክል ዘፍረዮ ስለዘይብሉ፥ ናብቲ ብጸጋ ኣምላኽ ዝተዓደልናዮ በለስ ከይዱ ኢዩ ህያብ ሂቡ። እወ! ኣቶ ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ከሊኡ፥ ብቑጠባን፥ መሃዝነትን ከይምዕብልን ከይስልጥንን ጅሆ ስለዝሓዞ እንታይ ኣፍርዩ እሞ ካብ ዘፍረዮ ሂያብ ክህብ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ኣቶ ኢሳይያስ በቲ ዝተገብረሉ ሕሉፍ ኣቀባብላ፥ ናብ ዓጀውጀው ከምዝኣቱ ፍሉጥ እዩ። እቲ ንኢሳይያስ ዘሻቕሎ ሓቂ እዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ፥ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኣክል እውን ኣይተራእየን።
ኣብ ኢትዮጵያ እሱራት ተፈቲሖም፥ ተቓወምቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ክቃለሱን ተወዳደርቲ ክኾኑን ብዝተኣወጀ ዳርጋ ኩሎም ነቲ ጸዋዒት ተቐቢሎም ካብ ወጻኢ ናብ ሃገሮም ኣትዮም መንግስቲ እናተባብዖም መደባቶም ይሰርዑ ኣለዉ። ኣቶ ኢሰያስ ግና ነታ ሓቂ ደፊኑ፥ ብሽጣራን ብሽርሕን ምድንጋርን ልቡ ከየንጸሀ፡ ንልቢ ህዝቢ ብዘዕሹ ቃላት ንዓመታት ክጥብር ጸኒሑ። ሎሚ ግና እታ ሓለንጊ ናይ ሓቂ ሰላሕ እናበለት ትመጾ ኣላ። ስለዚ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕብልና ናብ ኤርትራ እውን ክልሑዂ ምዃኑ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራሕ እዩ። ኣቶ ኢሰያስ በዚ ርኡይ ነገር ተደፊኡ እሱራት ክፈትሕ እንተጀሚሩ፡ ነቶም ብዘይፍርዲ ብውልቃዊ ጭካነኡ ዝሞቱኸ ካበይ ከምዝጽኦም እዩ። በየን ስለምንታይ ጠፊኦም ምስተባህለኸ እንታይ ከመኻኒ እዩ? እታ ሓቂ እምበኣር ኣብዚ ህሞት ክትሓንቆ ምዃና ኣቶ ኢሰያስ ዘይርዳእ ኣይኮነን። ዋላ ከምታ ዝጸናሕኩዋ ደሪቐ ክቕጽል እየ እንተበለ እውን ደጊም እታ ከተህድሞ ዝጸንሐት ሓቂ ኣይክትምሕሮን እያ።
ብስራት ስምምዕ ሓባራዊ ዕዮ ክልተ ሃገራውያን ውድባት ኤርትራ።
Tuesday, 17 July 2018 13:59 Written by ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ / ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን(EPDP) ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን(ENS HIDRI) ኣብ መጽናዕትን ነዊሕ ዝጠመተ ራእይን ዝተመርኮሰ ናይ ሓድነት ዘተ ንኣስታት ሹዱሽተ ኣዋርሕ ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መስርሕ ብዘጥረይዎ ፍጹም ናይ ስኒትን ምትእምማንን መንፈስ ብሓባር ንኽሰርሑ ብምስምማዕ ናብ ዝለዓለ ምትእኽኻብ ከምርሕ ዝኽእል ቀጻሊ ዘተ ንምክያድ ሓድሽ ናይ ቃልሲ መደብ ሰሪዖም ክንቀሳቐሱ ወሲኖም።
እዞም ክልተ ውድባት እዚኦም ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ነገር ድሕነት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ንምርግጋጽ እቲ ቀንድን ቀዳማይን ዕማም ምትእኽኻብ ናይ ኩሎም ጸረ ምልኪ ሓይልታት ክኸውን ከምዘለዎ ንነዊሕ እዋን ክጽዕሩ ጸኒሖም’ዮም። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝኸውን እማመ ኣቕሪቡ ናይ ሓባር ጽላል ነቑም ዝብል ጻውዒቱ ንኹሎም ተቓወምቲ ኣመሓላሊፉ ነይሩ ኢዩ። ግብራውነት ናይዚ እማመ’ዚ ንምርኣይ ድማ ኣበርቲዑ ተንቀሳቒሱ ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሓት ውድባት ነቲ ጉዳይ ብኣዎንታ ከምዝተቐበልዎን እቲ ዘተ ጌና ይቕጽል ከምዘሎን ይፍለጥ።
ሃድኤ ሕድሪ ብወገኑ ብሰንኪ ናይ ዱልዱል ሓድነት ባህጎም ብዙሕ ፈተና ሰጊሮም ኣብ ናይ ሓባራዊ ቃልሲ መትከሎም ብዝጸንዑ ኣባላቱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2018 ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ብሓደ ውድብ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ የለንሞ ኩላትና ጸረ ምልኪ ሓይልታት ንኹሉ ፍልልያትና ወንዚፍና ንሃገርና ካብ ብርሰት ንምድሓን ናብ ሓደ ጽላል ንጠርነፍ ዝብል ጻውዒቱ ኣማሓላሊፉ ኢዩ። በዚ መሰረት ምስ ብዙሓት ኣሓት ውድባት ዝጀመሮ ኣዎንታዊ ውጽኢት ከምጽእ ተስፋ ዝተገብረሉ ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ዘተ ኣሎ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን ዝተራኸቡሉ መስርሕ እውን ንሱ ኢዩ። ክልቲኦም ውድባት ንጉዳይ ሓባራዊ ቃልሲ ካብ ልቢ ስለዝደለይዎ ካብ ዕለት 2 ለካቲት 2018 ክሳዕ ሓምለ 8/2018 በብግዝይኡ እናተቛጸሩ ንዓሰርተ ሓደ ግዜ ብዘይ ገለ ብኩራት ተራኺቦም ብዕምቆት ብምዝታይ ዓቢ ምርድዳእ ፈጢሮም፣ንድሕሪት ዘይምለስ ምትእምማን ድማ ኣጥርዮም። ክልቲኦም ሸነኻት ልዕሊ ውድብን ውልቃዊ ድልየትን ንኤርትራን ህዝባን ቅድሚት ሰሪዖም ስለዝዘተዩ ኣብ ጉዕዝኦም ንድሕሪት ዝጎትት ይኹን ምጥርጣር ዝፈጥር ኩነት ኣይተራእየን።
ክልቲኡ ውድባት ጌና እዚ ሕጂ ዝርኤ ዘሎ ኩነታት ከይመጸ ኢዩ ንሕሉፍ ተሞኩሮታት ገምጊሙ ንመጻኢውን ኣማዕድዩ ጠሚቱ ነቲ መስርሕ ብዕቱብ ተታሓሒዙዎ ጸኒሑ። ምስዚ ሕጂ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርኤ ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል ተታሓሒዙ ንሃገርና ዘንጸላልዋ ዘሎ ኩነታት ብግቡእ ንዝመዝን ኣካል፡ ምምስራት ሓባራዊ ጽላል ደንበ ተቓውሞ ንጽባሕ ኣብ ዘይብሃለሉ መድረኽ ምብጽሑ ንምርዳእ ምርምር ዘድልዮ ኣይኮነን። ብመሰረቱ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ምምላሱ ክድገፍ ዝግብኦ ሙዃኑ ናይ ኩልና እምነት ኢዩ። ይኹንምበር ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ክሳዕ ዘሎ ህዝብና ራህዋን ቅሳነትን ስለዘይረክብ ኣብዚ ሕጂ ሃገር ናበይ ትኸይድ ከምዘላ ዘይፍለጠሉ ተኣፋፊ መድረኽ’ዚ ንኹነታት ብግቡእ ገምጊምካ ብሓባር ትትኣኻኸበሉ ጽላል ምፍጣር ኣዚዩ ህጹጽን ፍሉይ ኣቓልቦ ዝጠልብን ኢዩ። ስለዚ ክልቴና ውድባት ነዚ ክንትግብሮ ጀሚርና ዘለና እማመ ሓባራዊ ቃልሲ እናኣሓየልናዮ ከምንኸይድ እናኣረጋገጽና በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም
- ኣብ ምዕቃብ ሉኣላዊ ግዝኣት ኤርትራ ዝኣምኑ፣
- ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውዳቕ ንናይ ጭቆና መሓውራቱ ንምልጋስ ቅሩባት ዝኾኑ፣
- ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንምቛም ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝተቐበሉ፣
- 4.ብግዝኣተ ሕጊ ዝምራሕን ንዲሞክራስያዊ መሰላት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘኽብርን ስርዓት ንምምስራት ዝቖሙን ንዘተ ቅሩባት ዝኾኑ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ናብዚ ናይ ሓባር ዕዮ ንኽጽንበሩና ደጊምና ጻውዒትና ነቕርብ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ
www.harnnet.org www.ENShidri.net
ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኩሉ!
ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!
ሓምለ 13/2018
ኣብዚ ዘሎናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን ውግእ ብዝኾነ ይኹን ምኽኒት ክባራዕ ዘይግበኦ እዩ። ይኹን እምበር ሰላም ዝጸልእ ሓይሊ ወትሩኣብ ውግእን ወረ ውግእን ምንባር እዩ ዝመርጽ። ዘለናዮ ግዜ ግን ናይ ሰላምን ሓቢርካን ተኸባቢርካን ምንባርን እዩ።ጉዳይ ኤርትራ፥ ካብ ግዜ ኣርበዓታት ኣትሒዙ ሕምስምስ ዝበለ ከምዝነበረ ብኡ መሰረት ድማ ሓያላን መንግስታት ዝወሰድዎ ኣገባብንኤርትራ ኣድምይዋ እምበር ኣየርበሓን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲውሽጣዊ ዝምድናኡ ዱልዱል ዝነበረሉ እዋን እቲ ንኤርትራ ናብኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን ከመቓቕልዋ ዝወጠንዎ ኣይኮነሎምን። እንታይ ደኣ ብሓደ ኢድ ኮይኑ ሃገራውነቱ ተኸላኺሉ ካብ ምምቃልኣድሒንዋ እዩ። ይኹን እምበር ሓድነትህዝቢኤርትራ ንምልሕላሑ ዘይተፋሕሰ ገመድ ኣይነበረን። እስላምን ክርስትያንን ኢሎምክፈላልዩን ኣብ ነንሓድሕዱ ስምምዕ ስኢኑ ክቃተል ብዙሕ ተሰሪሑ እዩ። እተኾነ እዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ኣይነበሮን ምኽንያቱ እቲህዝቢ ሓው ብምዃኑ ብቐሊሉ ዝጸዓድ ስለዘይኮነ ሓድነቱ ኣይፈረሰን።
ልክዕ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ድሌቱ እንታይ ምዃኑ ከይተሓተን በቲ ዝኸይድ ዝነበረ መናፍሓት ገለ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያብምጽጋዕ እዩ ድሕነት ዝርከብ ካብ ዝብል መንፈስ ሰዓብቲ ክረኽቡ ዝጉስጉስሉ ዝነበረ ንምጽንባር ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝድግፍ ሓይሊተወዲቡ። ዋላ ምስ ኢትዮጵያ ኣንድነት ምስ ተገብረ እውን እንተኾነ እቲ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ከምዚ ሎሚ ዝተፋነን ዘሎኣይተተፋነን። በንጻሩ እኳ ደኣ ደገፍትን ተቓወምትን ኣንድነት ኣሓዋት ብምዃኖም ኣብ ሃገራውነቶምሲ ኣይተፈላለዩን።ስርዓት ሃይለስላሴ ንኽሉ እቲኤርትራዊ ክብርታትን መለለይታትን ኣብ ምድምሳስ ገጹ ምስ ኣድሃበ፥ ብደውና ኢድና ኣይንህብን ብማለትብረታዊ ቃልሲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጀመረ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ተቓሊሱ ድማ ናይዛ ሃገር ልኡላውነት ኣውሒሱእዩ።እንተኾነ ግን እቲ ፖለቲካዊ ፍልልያትን ምስኡ እውን ናይ መን ዓብለለ ግርጭታትን ፈኸም እናበለ ክሳብ ኣብ ምፍንጫል ተበጽሐ። ህዝባዊ ግንባር ድማ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተመሓዝያ ንሓደ ክፋል ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ካብ ሜዳ ኤርትራ ከም ዝወጽእ ገይራ።
ውግእ ኩሉ ግዜ መስሓቲ ስለዝኾነ ንስልጣንካ ክትብል ዋላ ምስ ሰይጣን ክትመሓዞ ትኽእል ኢኻ። ህዝባዊ ግንባር እምበኣር ከምኡ እያገይራ። ፍረ እቲ ውግእ እቲ ድማ መሰረት ናይቲ ከሎ ገና ዝዓኲኽ ዝነበረ ምልክነት እዩ ነይሩ። ብዝኾነ ውግእ ፈጺሙ ሰላም ኣየምጽእንእዩ። ሰላም ዘምጽእ እንተዝኸውን ነይሩ እዚ ኣብ ከባቢና ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ሶርያ፥ የመን፥ ዒራቕ፥ ሊብያ ወዘተ ህያው ምስክር እዩ።
ኣብ ዓለምና ብውግእ ክንደይ ሰብ መዓልታዊ ይሃልቕ ኣሎ፥ ክንደይ ንብረትን ኣባይትን ይዓኑ ኣሎ ኣዲኡ ትቚጸሮ። ርሑቕ ከይከድና እዚኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ናይ ዓናትር ውግእ እንታይ መኽሰብ ተረኺብዎ።? ዝተረኽበ ክሳራ እምበር መኽሰብ የልቦን። እንከሎ ገና ኣብ መንጎ እቶም ክልተ መራሕቲ መለስን ኢሰይያስን ናይ ሰላም ስነሓሳብ ዘይኮነስ ናይ ውግእ ስነሓሳብ ስለዝነበሮም ኣነዶ በዚክዕብለል ብማለት ካብ ህልኽ ዝተላዕለ ኣብ ዘይተኣደነ ዕንወት ተበጺሑ። ውግእ እምበኣር ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ናይ ክተንበርክኽምድላይን፥ መን ከማይን ዝብል ጸብለልትነትን ኣነነትን እተርእየሉ እዩ።
ብፍላይ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ውግእ ዝበሃል ህጣሙ ክጠፍእ ዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ዓለም ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሮብተክኖሎጂ ይኹን ብስልጣነን ትምህርትን ማዕቢሉ ስለዝኾነ ሰላም እምበር ውግእ ተመራጺ ኣይኮነን። ውግእ ኣብራሲ እምበር ኣፍራዪኣይኮነን። ከም ኣብነት እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝተፈንጀረ ቦምብ ንሰላማዊ ሰልፊ ደው ከብሎ ኣይከኣለን፥ እንታይ ደኣሰላማዊ ሰልፊ መሊሱ ሓኒኑ።
ስለዚ ውግእ ንወዲሰብ ናብ ምዕቡል ኣተሓሳስባን፥ ንስልጣነን ከየድህብ ዝዓግት ጸድፊ እዩ። ሕጂ እውን እንተኾነ ነዚ መላኺ ሰርዓትኣስመራ በቲንሱዝደልዮ ውግእ ዘይኮነስ ብስላማዊ ኣገባብ ሕቚኡ ክንምስሶ ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብቃልሲ ንዕምሪ ምልኪ ኣሕጺሩ ስልጣን ዋንኡ ህዝቢ ምዃኑ ዘውሕስ ስለዝኾነ። ስለዚ ኩልና ደምበ ተቓውሞ ተሰማሚዕና ሓባራዊስራሓት እንተኣካይድና ህዝቢ ኣብ ጎንና ክኸውንን ስለ ኽእል እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ክቀላቐል ይኽእል። ነዚ ከኣ ውግእ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ኢዱበዘይ ገለ ዋጋ ክረኽቦ ኩሉ ክዕጠቐሉ ዝኽእልን ሰላማዊ ኣገባብ እዩ። ሰላማዊ ኣገባብ ክበሃል እንከሎ ኢድካን እግራኻን ኣጣሚርካ ምጽባይዘይኮነስ ብርቱዕ ጻዕርን ንጡፍ ስራሓትን ይሓትት። ሓደ ካብኡ ሓድሕዳዊ ምስምማዕን ምትእምማንን ሓቢርካ ምስራሕን እዩ። እዚርኽክባት ድማ ዋላ ምስቶም ደገፍቲ ህግደፍ ከይተረፈ ክግበር ዘለዎ እዩ፥ ደቂ ሃገር ስለዝኾኑ። ምኽንያቱ ጽባሕ ንግሆ እታ ሃገር ናይኩልና ደገፍትን ተቓወምትን እያ ክትከውን እምበር ተቓዋሚ ዝንጸገላ ወይ ዝሕረመላ ሃገር ክትከውን ኣይኮነትን። ስለዚ ሕልናና ናይዕርቅን ሰላምን ሕያውነትን ምድንጋግጽን ክጥጥዕ ይግበኦ።
መግለጺ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስቲዩ ኤውሮጳ: ምትእኽኻብ ደንሃግ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጻውዒት ንደንበ ተቓውሞን
Saturday, 14 July 2018 09:25 Written by ደቂ ኣንስቲዩ ኤውሮጳ: ምትእኽኻብ ዘሄግ (ሆላንድ)ደቂ ኣንስቲዮ ኤርትራውን ምትእኽኻብ ደንሃግ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝክይድ ዘሎ ምዕብልናታት ዓሚቝ ገምጋም ኣካይድና ነዚ ኣወንታዊ ምዕብልናታት ኢትዮጵያ ኣመልኪትና እዚ ዝስዕብ ሚዛን ኣንቢርና::
ኣብ ኢትዮጵያ ከም ተግባራዊ መግለጺ ናይ`ዚ ሓዲሽ መድረኽ`ዚ ዝኸፈቶ ህጹጽ ታሪኻዊ ዕማማት ንምስልሳል ብመራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንውሻጣዊ ጸገማት ንምትህድዳእን ንምእላይን ቀዳምነት ብምሃብ ጽዑቅ ወፍሪ ኣብ ምክያድ ጸሚዱ ይርከብ። ኣብ ጐድኒ`ዚ ውሽጣዊ ጽዑቅ ጻዕሪ፡ ነቲ ኣብ ዞባና ንማእለያ ዘይብሉ መዋእላት ተዋህሊሉ ዝጸንሔ ዘይቅሱን ኣተሃላልዋ ብምርግጋእ ሰናይ ድልየቱ ዘንጸባርቅ ጻወዒት ኣቕሪቡ:: ብፍላይ ድማ ነቲ ቅድሚ ክልተ መዋእል ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተባረዐ ኣዕናዊ ናይ ዶብ ውግእን ዝፈጠሮ ኣይውግእ ኣይሰላም ኩነታት ብመሰረት ስምምዕ ኣልጅርስን ብይን ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብን ንምፍታሕ ቅሩብነቱ ኣዊጁ ብኣካል ኤርትራ ኣትዩ ከም ዝትፍራርመ ኣብ መርባብት ዜና ተቃሊሑ::
ህዝቢ ኤርትራ ሓለፋ ካልኦት ኣህዛብ ምእንቲ ሰላም ከቢድ መስዋእትን ሰማእታትን ዝኽፈለ ህዝቢ ከም ምዃኑ መጠን ንሰላም ኢዱ ዘርጊሑ ብሃንቀውታ`ዩ ዝቅበሎ። ስለዝኾነ ድማ ብርግጽ ነቲ ኣብ መንጐ ናይ ዶብ ጸገማትን ምርግጋእን ዝተናወሐ ዕማም ዘላቒ ሰላም ዘሎ ፍልልያት ኣጸቢቁ`ዩ ዝርዳእ። ጉዳይ ዶብ ብመሰረቱ እዚ ኩሉ ምድማይን ናዕብን ዘስዓበ ኣዕናዊ ውግእ ወጻኢ ካብ ምቁጽጻርን ድልየትን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተባረዐ`ዩ ነይሩ። እንተኾነ ኣብ ክሊ`ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባሌታት ምናልባት ጉዳይ ዶብ ምፍታሕ ብዝዋሓደ ነቶም ኣብ ብስም ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣግልግሎት ኣብ ፈቀዶ ዕርድታት ዶብ ንሓደጋታት ተሳጢሖም ዝርከቡ መንእሰያት ናይ ምጥያስ ዕድል ክረኽቡ ይኽእሉ፡ ብተወሳኺ ኩሎም`ቶም ብሰንኪ ኣብ ኤርትራዊ-ኢትዮጵያዊ ዶብ ዝተኻየደ ውግእ ካብ መሬቶም ዝተዘናበሉን ዝተፈናቀሉ ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሐሳረ-መከራ መዕርፎ ይግበረሉ ይኽወን ዝብል ትምኒትን እምነትን ምርኩስ ብምግባር ብትሪ ንድግፎ። እንተ ብዛዕባ ዘላቒ ስላም ዝምልከት ርእይቶናን መርገጽና ኣብዚ ዝስዕብ እምንቶ መሰረት ዝገበረ ምኻኑ ንገልጽ::
ዘላቒ ሰላም ብኣረዳድኣና ኣብ እስትራተጂ ዝተናወሐ መስርሕ ኣብ ክልተ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክማላእን ክረጋገጽን ዘለዎ ማሕበራውን ቁጣባውን ትሕተ-ቅርጻዊ ምዕብልና ከም ቅደመ-ኩነት ድኣ`ምበር ብውሳኔ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ሰርዓታት ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዕዞ መስርሕ ዘላቒ ሰላም ኣብ ኤርትራ ክጅመር እንትድኣ ተደልዩ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ክተኣታቶ ኣለዎ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ቅድመ ተደላይነት
ክማላእ ኣለዎ ዝብል እምንቶ ኣሎና::
1. ኩሎም ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልና እሱራትን ነጻ ምውጻእ
2. ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ደው ይበል
3. ሰብእዊ መሰላት ምኽባር
4. ነጻ ፕረስ መራኸቢ ብዙሓን ሞያዊ ስርሖም ብነጻ ምክያድ
5. ጉዳይ ዶብ ንምፍታሕ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ምቅጻልን ዝምልከቶ ህዝቢ ምስታፍን
6. ፖለቲካዊ ሰልፋታትን ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራት ብነጻ ምንቅስቓስ
7. ስደተኛታት ኤርትራውያን ንሃገሮም ንክምለሱ ጻውዒትን ዘድሊ ምትሕባር ምግባር
8. ዓበይቲ ወሰንቲ ሃገራዊ ጉዳያት ንምዝታይ ሃገራዊ ዋዕላ ምክያድ
9. ዝምድና ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራትን ዞባውን ኣህጉራውን ሃገራት ምሕዳስ
ስለዚ ኣብዚ ተሃዋሲ ወሳኒ መድረኽ`ዚ ተፈጢሩ ዝርከብ ኣገዳሲ ምዕባሌታት ኣብ ረብሓ ሃገርናን ህዝብና ምእንቲ ክውዕል፡ ካብዚ ሒዝናዮ ዝጸናሕና ናይ ብማዕዶ ምዕዛብ መርገጽ ወጺእና፡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ`ዚ ተረኽቦታትን ምዕባሌታትን ብምዃን ኣድማዒ ሃገራዊ ኣስተዋጽኦና ንምዕማምን ናይ ኩሎም ሃገራውያን ሃይልታት ታሪኻዊ ሓልፍነት`ዩ። ስለዝኾነ ድማ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ኣውሮፓ ንርከብ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝርከብ ሓዲሽ ምዕባሌታት ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤናትን ጽላዋታትን ብዝምልከት ርእይቶናን መርገጽናን ዝንጽር ጽሑፍ ነቕርብ። ኣብ ዝሓለፈ ዕስራን ትሻዓተን ዓመታት ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ድሕሪ ህዝቢ ኤትራ ሃገራዊ ናጽነቱ ምርግጋጽ፡ ንሰብኣዊ መሳላት ዘየኽብር፡ ብፖለቲካዊ ብዙሕነት ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይእምን ብቅዋም ዘይሰርሕ ኣብ ሕቆ ህዝብና ዝተጻዓነ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጠሮ ወጻዕን ግፍዓውን ኣስካሕኪ ኣተሃልዋ ሓለፋ ካልኦት ማሕበራዊ ሓይልታት ዝተሳቐናን ንሐሳረ-መከራ ዝተሳጣሕናን ኣካል ሕብረሰብና ምኻና ህያው ተርእዮ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ድቒኣንስትዮ ነቲ ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ልምዓትን ዕብየትን ምዕብልናን ንኽልተ መዋእል ዝኣክል ዝገተአ ኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታት ኣብ ምርጋግእን ምፍታሕን ብፍላይ፡ ዝተናወሐ መስርሕ ዘላቒ ሰላም ኣፍ-ደገ ኣብ ዝኽፈት ሓዲሽ ተርእዮታት ዝለዓለ ረብሓታት ስለዘሎና ብትሪ ንድግፎ።
እንተኾነ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ዘላቒ ሰላምን ካልእ ናይ ዶብ ጸገማት ንምእላይ ዝካይድ ጻዕርታትን ዝምድና ክልቲኡ ሃገራት ንምሕዳስ ሓዲሽ መድረኽ ምኽፋት ውሕስነት ክህልዎ ዝኽእል ዕዙዝን ኣድማዕን ሱታፈ ዝሰፈሐ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራትን ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ምስዝህልዎዮ እዩ :: ነዚ ወሳኒ ረቋሒ`ዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኽውን ነተሓስስብን ንጽውዕን
ካብዚ ሓቅታት`ዚ ብምብጋስ ኣብዚ ታሪኻዊ ወሳኒ መድራኻት ኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ምእንቲ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ተጠርኒፍና ክንቃለስ ንተፈጢሩ ዘሎ ምዕባሌታት ብሓባር ንምግጣምን ንምምካት ክንበቅዕ ሃገራዊ ዋዕላ ብህጹጽ ንምክያድ ንዕድም። ብተወሳኺ እዚ ጻዊዒትና'ዚ ኣብ ዝቀልጠፈ እዋን ክሳለጥ ኩልና እጃምና ክነልዕል ነተሓሳስብ።
እብ መውዳእታ ኩሎም እቶም ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ክኽበርን ዲምክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ንምርግጋጽ ወትሩ ደገፍትናን ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ሃገራትን ስልፍታትን በርገሳዊ ማሕበራትን ኣህጉራውን ዞባውን ሓይልታት ውልቀ-ሰባትን ብሓፈሻ፡ ከምኡውን ሓው ህዝቢ ኢትዮጵያን መንግስታትን ሰልፍታት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስቪካዊ ማሕበራት ኣብዚ ናይ ታሪኻዊ መቐይሮ መድረኽ ሓለፋ`ቲ ክግበረልና ዝጸነሐ ምሕዝነታዊ ደገፋት ብዝያዳ ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣቅሪብናዮ ዘሎና ናይ ሰላም ረቃሒታት ንምርግጋጽ ክተሓባበሩና ንጽውዕ::
ዓወት ንዲምክራስያውን ፍትሓውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዓወት ንምቅስቓስ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ
ዘልዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና
ኣነስ ኩሉ ጊዜ ዝጥርጥሮን ጸጸኒሑ ዝግበርን ዝበሃልን ድማ ነቲ ጥርጠራይ ሓቂ ዘምስሎን የጋጥመኒ። ጥርጠራይ ጌጋ ክኸውን፥ ኣነውን ተጋግየ ነይረ ኢለ ብታሕጓስ ክዛረብ ከብቅዓኒ ትምኒተይ ኢዩ። መንግስቲ ኢሳያስ ኣበይ ገጹ ይመርሓና ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ፌስ ቡክ ገሊጸ ነይረ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ድማ ነቲ ጥርጠራይ ዝድግፍ ኣስተብሂለ።
ኣብ ከባቢ 2004-5 ኣቢሉ ይመስለኒ፥ ጆን ጋራንግ (ናይ ደቡብ ሱዳን ሓርነታዊ ምንቅስቓስ መራሒ ዝነበረ) ንካርቱም ክበጽሕ መጸ። ኣብቲ እዋን`ቲ: ደቡብ ሱዳን ብፍሉይ ውዕል ምስ ሱዳን ክትቅጽል ዲያ ወይ ክትፍለ ንተኸታተልቲ ኣዝዩ ንጹር ዘይነበረሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ጆን ጋራንግ ናብ ካርቱም ምስ መጸ፤ ኣብ ታሪኽ ናይታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዙሕ ህዝቢ ተቐበሎ። እቲ በዚ ዝተገረመ ጆን ጋራንግ ድማ ዘረባኡ ”እዚ ሪፈረንዱም ኢዩ” ብምባል ከፈተ። እዚ ኣዘራርባዚ ክትርጎም እንከሎ፤ ህዝቢ ሓደ ሃገር ክንከውን ከምዝደለየ ዘመልክ እዩ ማለቱ ከምዝነበረ ኢዩ ዝውሰድ። ድሕሪ`ዚ ዑደት ግን ብዙሕ ከይጸንሐ፤ ምስጢራዊ ኣኸባ ምስ መራሕ ኡጋንዳ ድሕሪ ምክያዱ ሄሊኮፕተሩ ወዲቓ (ወይ ተወቒዓ ክትከውን ትኽእል) ሞተ።
ነዚ ምምጽአይ፤ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣስመራ መጺኡ ናይ ድራር ዕድመ ተገይሩሉን ኣብቲ ኣጋጣሚ ከኣ ተዛሪቡ፤ ናይ ዶ/ር ዘረባ ሎሚ ኣብ ዝኸዶ ከይዱ እንታይ ከም ዝብል ማንም ዝግምቶ ኮይኑ ስለዘሎ ምድጋም ዘድልዮ ኣይኮነን። ዶ/ር ኣብይ ነቲ ኣቀባብላ ኣመልኪቱ ”እዚ ሪፈረንዱም ኢዩ” እንተዝብል ኣይምገረመንን፥ ጋሻ ተዓዳማይ ንሱ ስለዝኾነ፤ ዓዳማይ ከምኡ ክብል ግን ዘይገመቶ ተርእዮ ከምዝኾነ ስለዘመልክት፤ ምስ ኢሳያስ ዝኸይድን ዝሰማማዕን ኣይመስለናን። ግን እስከ ነስተብህል።
እቲ ዘስተብሃልኵዎ ኣብ ዘረባ ኢሳያስ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ድማ በለ፤ ”ሎሚ ኣብዚ ጽርግያ ህዝቢ ዝገበሮ መግለጺ ካልእ ዘረባ ኣየድልዮን ኢዩ፥ ወሰኸውን ኣየድልዮን ኢዩ”። ቅድሚ ምውድኡ፥ ካብቲ ናይ ምግላጽ ኣበሃህላኡ ነቒለ፤ ”እዚ ሪፈረንዱም ኢዩ!” ክብል ተጸብየ ነበርኩ ። ኣይበላን !! ኣብ መልሓሱ ከምዝነበረት ግን ተሰሚዓትኒ (ትደልይኦሞ ይዝንግዓክን እንዲና እንብል) ድሒሩ ድማ፥ ነቲ ናይ ህዝቢ ኣቀባብላ፤ ”…ብፍኑው መገዲ መቆጻጸሪ ዝሰኣነ ናይ ሓቀኛ ስምዒት መግለጺ ተርእዮ….” ክብል ነቲ ዘይፍኑውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝነበረ ህዝብና፤ ነዛ ዕድል እዚኣ ንከካይድ ብምፍቃድ ነቲ ንሱ ዝደልዮ መልእኽቲ ኣመሓላለፈ።
ምስ ጎረባብትና ብሰላምን ምክብባርን ”ፍቕርን” ክንነብር ከም ኩሉ ኣህዛብ ድልየትና ከምዝኾነ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፤ እዞም፥ ብፍላይ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ዓመታት ዝተቓለስና (እንኮላይ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ) እሞ ኣብ ምቅዋም እንርከብ፤ ከምኡውን እቶም ድሒሮም ነቲ ስርዓት ዝተረድእዎን፤ ኢሳያስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተኺሉ ከሳትፈና ኢዩ ዝብል ኣተሓሓሳስባ እንተድኣ ሃልዩና፤ ንሓልም ኣለና ማለት ኢዩ። ነዚ ኩሉ ዝርዝር ገበናት ዘካየደ ሰብ፤ ግደፍዶ ካብ ሰብ: ብድምጺ ሃመማ ዝደሃል ክኸውን ባህርያዊ ኢዩ። ኢሳያስ ስልጣኑን ዕድሜኡን ክናዋሕ እንተኾይኑ፤ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሕጂ ተፈጢሩሉ ዘሎ ኩነታት፤ ንቕድሚት ገጹ ኢዩ ክሃድም፤ ምስኡ ድማ ንመዳምቕቱን ሃገረ ኤርትራን ለኪሙ ኢዩ ክኸይድ። ስለዚ ተቓወምቲ ኢና እንብል ኩላህና፥ ወይ ከምሓዲሽ ካብ ነፍሰፍትወትን ንኡሳን ፍልልያትን ናጻ ብምዃን ነፍስና ሰሪዕና መርሕነትና ነቑም። ነዚ ወይ ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ረኺብና ተቓውሞና ከነደልድል እንተዘይክኢልና ግን ዘሎና ምርጫ (ፈቲና ጸሊእና) እቶም ኣምሓርኛ ዘይተመሃርና ከሎ ገና ንመሃሮ። ካብዚ ንላዕሊ ዝኸብድ መጠንቀቕታ ክህብ ዓቕሚ የብለይን። ብዘይካ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ፋሕ ዝበለ ናይ ሰቪካዊ ማሕበራትን ናይ ውፉያት ውልቀሰባትን ጻዕርታት ክካየድ ከምዝጸንሐ ርኢና ኣለና፥ ሕጂ ዝድለ ዘሎ ናይ ኩሉ ናይ ሓባር ስራሕን ጥርናፈን ኢዩ፤ እታ ዘይተዓደገት ጤል ኣበይ ትተኣሰር ከም ዝበሃል ኮይና ከይትተርፍ።