እምበርከ ኣለናዶ?

2018-07-30 13:56:28 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2417 times

እቶም “እምበርከ ኣለናዶ”? ዝብል መጸዋዕታ ዝቐርበልና ዘሎ፡ ብሓፈሻ ኩልና ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ኩልና ኤርትራውያን ልዕሊ ክሉ ድማ እቶም ምእንቲ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን ኣብ ኤርትራ ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢ ኢና። ግዜ ወናንን መላስን ዘይብሉ ንኹሉ ብማዕረ ዝወሃብ፡ ብዘይለዋወጥ ምጡን ፍጥነት ብናቱ ፈቓድ ዝጐዓዝ ሓይሊ እዩ። ኣብቲ ጉዕዘኡ ከኣ ንዝኾነ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ምዕባለ ተሰኪሙ ይጐዓዝ። ክስዕቦን ክጥቀመሉን ንዘይከኣለ ከኣ ራሕሪሕዎ ይኸይድ። እነሆ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ናብ ከባቢና ዕድላትን ብደሆታትን ዝሓዘለ ሓድሽ ምዕራፍ ሒዙልና መጺኡ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን17 ዓመታት ብኩነታት “ኣይሰላም ኣይውግእ” ጐተት ክብል ዝጸንሐ ጉዳይ ሓድሽ መልክዕ ሒዙ መጺኡ። እዚ ኣብ ከባቢ እስትራተጅያዊ ኩርናዕ ቀይሕ ባሕሪ፡ ድሕሪ ኣዕናዊ ውግእ መጺኡ ዘሎ ምዕባለ ኣብ ክሊ ሃገራትናን ዞናናን ጥራይ ዝድረት ዘይኮነን። እንታይ ደኣ ንከም ዲክታቶር ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ገኒሑ ዝጽዕዱ፡ በቲ ሓደ ኢዶም በትሪ በቲ ድማ ካሮት ናይ ዝጨበጡ ሓይልታት ኢድ ከም ዘለዎ’ውን ንዕዘብ ኣለና። እቲ ዝጸንሐ ናይ ጃላነት ኩነታት ከብቅዕ ክንጽዕት ዝጸናሕና ወገናት ብዙሓት ኢና። ነቲ ኩነታት ክንጥምተሉ ዝጸናሕና ኩርነዓት ግና ይፈላለ እዩ። ንሕና ነዚ ጉዳይ ዝያዳ ከነቕልበሉ ዘገደዱና ክልተ ምኽንያታት ነይረሙና። እቲ ሓደ በቲ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን መሰረት ዶባት ልኡላዊት ሃገርና ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንክስረተልና ነይሩ። እቲ ካለኣይ ምኽንያት ድማ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ዘይምኽኑይ ምድንጓይ ናይቲ ጉዳይ ከም መህደሚ ካብ ዘቤታዊ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ክጥቀመሉ ስለ ዝጸንሐ መሕብኢ ንምኽላኡ ነይሩ።

ብመንጽር እዚ ብሳላዚ ምዕባለ ዝተቓልዑን ዝተነጸሩን ጉዳያት ኣለዉ። ካብቶም ዝተቓልዑ ጉዳያት ንህግደፍ ከገድሶ ዝጸንሐ ከምቲ ዘደናግሮ ዝነበረ፡ ጉዳይ ዶብን ልኡላውነትን ሃገር ዘይኮነ ጉዳይ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ምዃኑ ኮለል ኢሉ ርኢናዮ። እዚ ንዓና እቲ ጽቡቕ ዕድል እዩ። ንሕና ልኡላውነታ ኣብ ዘረጋገጸት ኤርትራ ብኽመይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንሃንጽ እንዳ ተቓለስና፡ ጉጅለ ህደፍ ድማ ዲሞክራስያዊ ስርዓትስ ይትረፍ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ’ውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣቕጣጫ ዝመረጸ ይመስል ኣሎ። እዚ እቲ ሓድሽ ምዕባለ ሒዙልና ዝመጸ ብደሆ እዩ። ግና ጽቡቕ ዕድል እውን ኣለዎ። እቲ ንህግደፍ “ካብዚ ንላዕሊ ብምስምስ ኣይክትቅጽልን ኢኻ ሓዲኡ ግበር” ዝብል ናይ ሓያላት ድፍኢት ብዝፈጠሮ ኩነት ሓቀኛ መንነት ህግደፍ ተቐሊዑ እቲ መመሳመሲ በዓቱ ክፈርስ ምኽኣሉ እዩ። ሎሚ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ርእሲ እቲ ክቱር ጭቆና ኣብ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ’ውን ፊት ንፊት ኣብ ዝተፋጠጥሉ ደረጃ ኢና ንርከብ ዘለና።

ህግደፍ ብኸምዚ ደረጃ ምቅልዑ ኣብ ቅድሚ ቃልስና ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግና ነዚ ህግደፍ ጥራዩ ዝወጸሉ ዕድል ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ተማሂርና ክንጥቀመሉ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኣብ ቃልሲ እንተሊና ካብዚ ዝጥዕም ዕድል ስለ ዘየለ ክንጥቀመሉ ኢና። እንተዘይተጠቒምናሉ ግና ንዘይምህላውና መረጋገጺ ክኸውን እዩ። ስለዚ ነዚ “እምበርከ ኣለናዶ?” ዝብል ሕቶ “ኣወ ኣለና” ዝብል መልስና ከነቃልሕ ይግበኣና። “ኣለና” ምባል ግና ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ኣተሃላልዋ ክኸውን ይግበኦ።

እዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጉዳይ ንውሱን ኤርትራዊ ወገን ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ዝተወደበን ዘይተወደበን፡ ንህግደፍ ዝድግፍን ዘይድግፍን ብዘይፈሊ ንኹልና ኤርትራውያን ሰብ ሕድሪ ዝምልከት እዩ። ሎሚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም ከምቲ ዝጸንሐ ኣብ “ከመይ ኤርትራ ትመሓደር” ዝብል ኣተሓሳስባ ንፈላለየሉ ዘይኮነ፡ ኩልና እታ ምእንተኣ ኣብ ዝተኸየደ ቃልሲ፡ ነዊሕ፡ መሪርን ግዜ ዝወሰደን ኣእላፍ ጀጋኑ ዝተኸፍሉላን ኤርትራ “ትሃሉዶ ኣይትሃሉ” ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነሉ ፈታኒ መድረኽ፡ ብሓንሳብ ክንስለፍ ዝግበኣና እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ መስርሕ ካብ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ዲክታተርነትን ውልቀመላኽነትን መሪጾም ምስ ህግደፍ ተሰሊፎም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ግና ካብ ኤርትራን ክብራን ዝያዳ ንጉጅለ ኢሳይያስ ክመርጹ እዮም ዝብል ስግኣት’ኳ እንተዘይብልና ከነዘኻኽሮም ግና ናይ ግድን እዩ።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር ዝያዳ ዋጋ ዝኸፈልካ ክንስኻ ኣብዚ እዋንዚ ግና፡ ዋላቲ ዲክታቶር ኢሳይያስ ከም ድላዩ እንዳስነዐን እንዳሽካዕለለን ዘቕርቦ ዝነበረ መግለጽታት እውን ተሓሪሙካ፡ ኤርትራ ናበይ ትኸይድ ከምዘላ ትፈልጦ የብልካን። ዓይንኻ እናረኣየ ኢሳይያስ ኣዋርቕ፡ ኣግማልን ኣፍራስን ዝሽለመሉን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቐሉ ዳንኬራ ከተጸብቕን ከተጣቕዕን እምበር ኣብ ቁምነገር ክትሳተፍ ከምዘይትድለ ይሕበኣካ እዩ ዝብል ግምት የብልናን። ኣብ ቃልሲ በዓል ሃብታም ተመኩሮን ክቡር ዋጋ ዝኸፈልካን ክንስኻ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወሳኒ እዋን፡ ኢሳይያስ ካብ ዝሓስብ ፍጡር ናብ ዝጠወኻዮ ዝጥወ ግኡዝ ነገር ክልውጠካ ምድንዳኑ ከቶ ምእማኑ ዘጸግም እዩ። እወ ብሰላማዊ ሰልፍን ዝኣመሰለ መድረኻትን ሓቀኛ ሓሳብካ እትገልጸሉ ዕድል የብልካን። እንተኾነ እዚ ዕድልዚ’ውን ባዕልኻ ብቓልስኻ እትፈጥሮ እምበር ብዝኾነ ዝትኮበልካ ከምዘይኮነ ክትፈልጥ ይግበኣካ። ካብዚ ሓሊፍካ፡ ኢሳይያስ “ቅድም ዶብ ይጠረር” እንተበለ ከምኡ እትብል፡ ነዚ ራሕሪሑ “ጉዳይ ዶብ ብፍቕሪ ሰጊርናዮ ኢና” ኢሉ ናብ ዝሕሾ ክሃድም እንከሎ’ውን፡ ከተማኽንየሉ እንተኮይንካ እቲ ተሓታትነት ናቱ ጥራይ ኣይክኸውንን እዩ። ህግደፍ ከም ውሕጅ እንዳስሓቐ ከይወስደካ ከኣ ኣስተብህል።

Last modified on Monday, 30 July 2018 16:05