ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝርአ ዝነበረ ክወዳደር እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምብርባር ተስፋ ዝህብ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኤርትራን ኩሉ ኩርነዓት ዓለምን ብዛዕባ ፖለቲካ ሃገሮም ብጋህዲ “ጉጅም” ኣብ ዝብልሉ ደረጃ ኢና እንርከብ። ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ንኤርትራ ዝምልከት ፖለቲካዊ ዕላል ንውሱናት ህግዲፍ ዝተፈላለየ ሕማቕ ሳጓ ዝልጠልፈሎም፡ ንኣብነት “ወያነ” እሞ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት እዩ ነይር። ሎሚ ግና እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ብፖለቲካውን መጻኢ ዕድል ሃገርካ ምሽቓልን መተካእታ ዝበልካዮ ሓሳብ ምምንጫውን ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ እውን፥ “እዚ ርጉም ሰብኣይ ቅድም ናትና ይመስለና ነይሩ፡ ሎሚ ግና ናትና ኣይኮነን፡ ቅድም ኤርትራ ናይ ምሕዋይ ድሌትን ቅሩብነትን እናሃለዎ ዝተጸገመ ይመስለና ነይሩ፡ ሎሚ ግና ኮነ ኢሉ ኤርትራን ህዝባን ንምጥፋእ ወጢኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ምዃኑ በሪሁልና ኣሎ” ዝብሉ ስምዒታት ሳዕሪሮም ምህላዎም ኣስመራ ገይሾም ዝተመልሱ’ሞ ነቲ ኩነታት ኣዕሚቖም ዝመዘንዎ ዝህብዎ ሚዛን ኮይኑ ኣሎ።
ህግዲፍ ኣሚንሉ ድዩ ተገዲዱ ቀስ ኢልና ከነጽነዖ ኢና። ብዙሓት ናይ ከባቢና ፖለቲካ ናይ ነዊሕ ግዜ ተዓዘብቲ ግና ኢሳይያስ ብናይ ምዕራብ ሓይልታት ስለ ዝተሸረጠ እዩ ኢሎም ብዘእምኑ ምኽንያታት ይገልጽዎ። እቲ ካብ ቀደም ብፈንጠጋር ተግባሩ ዝፍለጥ ኢሳይያስ ምስ ብኹሉ መለክዒ መዛንኡ ዘይኮኑ ባእታታ ክቆጻጸ ዝውዕል ዘሎ እውን ብውነኡ ኣይኮነ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ኣለዉ። እቲ ዝዛረቦ ቃላትን ዘርእዮ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ከኣ ንኤርትራውያን ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ነቶም ሓደ እዋን “ውሰደየ ኢስሳይያስ በዓል ስረ” ዝብልሉ ዝነበሩ ግሩሃት ስንባደ ፈጢሩ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። እቶም ሓደ እዋን ተዓሚቶም “ ወዲ ኣፎም ብሪየ ንሱ ኣንበሳ ዓሻክሩ ነብርየ” ዝብሉ ዝነበሩ ርትዓውያን እንተኮይኖም ሎሚ ክሓፍርሉ ዝግበኦም ግዜ እዩ። ምኽንያቱ ኢሳይያስ ከምቲ ዝገመትዎ ዘይኮነስ ኣብ ጥቓ ዝገመትዎ ከም ዘየለ ብተግባር ተረጋጊጹ ስለ ዝኾነ። እቲ መፍትሒ ግና ብዝሓለፈ ምሕፋር ዘይኮነ፡ ካብኡ ተመኲርካ ዝሓሸ ሒዝካ ምቕራብ እዩ።
ነዚ ኣርእስት’ዚ ከልዕል ዘገደደኒ፡ ኣብዚ እዋንዚ’ውን ናብ ህግዲፍ እንዳተማሕጸኑ፡ ካብኡ መፍትሒ ዝጽበዩ ምህላዎም ስለ ዝተዓዘብኩ እየ። ኣብዚ እዋንዚ ዓይንኻ እንዳረኣየ፡ ልብኻ እንተዓዝበ ናብቲ ዲክታተር ኢሳይያስ ከም መኸወሊ ዝጥቀበሉ ስማዊ ህግዲፍ፡ “ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ደረት ይሃልዎ፡ ቅዋም ይተግበር፡ ባይቶ ኤርትራ ይተኣከብ፡ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ጠለባት ኣብ ሕልና ህግዲፍ ቦታት ክህልዎም ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ ብርኢቶይ ነቲ ንሓልፎ ዘለና ኤርትራዊ ህይወት ብግቡእ ዘይምርዳእ ዘመልክት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከምዚ ዓይነት ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦ ጠለባት ብመንገዲ ህግዲፍ ከተተግብር ምፋታን “ኣብ ዘይሰምምዓካ ደብሪ ምምህለል” ዘብል እዩ።
እዚ ክንብል እንከለና ግና ብዛዕባቲ ጸገምና ኣይንዛረብ ማለት ኣይኮነን። ክንዛረብ ጥራይ ዘይኮነ ካብዚ ህዝብናን ሃገርናን ዘለዉዎ ደልሃመት ናይ ምውጻእ ሓላፍነት እውን ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነትና እዩ። እቲ ክብሎ ዝደለኹ እቲ ፍታሕ ናብ ህግዲፍ ምሕጽንታ ብምቕራብ ዘይኮነ ንህግዲፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ኣወጊድካ ጥራይ ዝረጋገጽ ምኳኑ ንምምልካት እዩ። ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ክብደትን ዕምቆትን ምስ ኩልና ኣሎ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ ናብ ምዝርዛሩ ኣይኣቱን እየ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግና ሓደ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ኤርትራ ዝበጸሐ ሰብ “ኣብ ኤርትራኮ፡ መንግስታዊ ፍትሕን ሓልዮት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንስሙ መንግስቲ’ውን ዘሎ ኣይመስልን እዩ። ዝያዳ ኩሉ ድማ እቲ ናይ ኩሉ ነገር ወሳኒ ሰብ እውን ኣብ ኤርትራ የለን። ኣብ እትገብሮ ምንቅስቓስ መንእሰይ ምርኣይ ሳሕቲ እዩ። እዚ ብፍላይ ቀደም ንኣስመራ፡ ምጽዋዕን ዝኣመሰላ ከተማታትን ኤርትራ ንዝፈልጥ ዘሕዝን እዩ።” ዝበለኒ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ። “ኤርትራ ደልየ ከይደ ስኢነያ ተመሊሰ” ዝብል ሰብ’ውን ኣጋጢሙኒ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ እየ በሃላይ፡ ኮነ ኢሉ ትሕተ ቅርጸኣ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህዝባ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ እውን ከፍርስ እዩ ጸኒሑ። ብዙሓት ተዓዘብቲ ኩነታት ኤርትራ ምስ ተመኩሮ ብዙሓት፡ ብውግእን ቁጠባዊ ድኽነትን ዝሓለፋ ሃገራት ክወዳደር እንከሎ ፍሉይ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ምኽንያቱ ምስ ኩሉ ጸገማት ናይቲ ዝመርሕ ኣካል ቅርቡነትን ሓልዮትን እንተልዩ ይውሕድ እምበር ናይ ሕውየት ምልክት ይረአ እዩ። ኣብ ኤርትራ ግና ንምልክት እውን የለን። ብኣንጻሩ ዝነበረ ክፈርስ እንከሎ ኢኻ እትዕዘብ። እዚ ከኣ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ጉዳይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢልካ ሃገር ናይ ምፍራስ ተንኮል እዩ። ካልእ ነዚ ዘራጉድ ከኣ እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጉጅለ ንኤርትራ ነፊጉ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ገዚፍ ኣታዊ ዝረኽበሉ ወፍርታት ዘካይድ ምዃኑ እዩ። መንግስቲ ኢድ እንተሓጸሮ ብዘለዎም ዓቕሚ ኣብ ሃገሮም ከውፍሩ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ምኽንያታት ፈጢሩ ደፊኡ ምስ ኣውጸኦም፡ ዓደማቶም ከልምዑ ምግዳዶም’ውን ናይዚ ህዝብን ሃገርን ናይ ምጥፋእ ምህዞ ኣካል እዩ።
ስለዚ ኢሳይያስ ሓድሽ ካብ ክውነት ናይ ምህዳም ሜላ ቀይሱ፡ መራሒ ምምሳል እምበር መራሒ ምዃን ስኢኑ፡ ካብኡ ብዝሓሸ ኣብ ጉዳይ ሃገራቶም ፈንጠርጠር ምስ ዝብሉ መራሕቲ ንሓንሳብ ናብ ሶማልያ፡ ደሓር ከኣ ናብ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ኮለል ክብል እንከሎ፡ ንሕና ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣብ እንግደዓና ዘሎ ወገናት ናትና ክንገብር ይግበኣና። ከምኡ እንተዘይገርና ግና ንሕና’ውን ካብ ተሓታትነት ኣይክንድሕንን ኢና።
ሾሞንተ መጋቢት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከተራጋግጽን ክትጣበቕን ዝተወሰነት መዓልቲ ምዃና ኩሉ ዝፈልጣን ዝቃላሓላን ዘላ መዓልቲ ኢያ። እዛ ኣገዳሲትን ዓባይን መዓልቲ ብሕብረተሰብኣዊን፤ ቁጠባውን፤ ባህላዊን፤ ፖለቲካዊን ፍጻሜ ዘካተተት ፍርቂ ሕብረተሰብ ዓለም ዝወነነት ክብርቲ መዓልቲ ኢያ።
ብዝዀነ መንግስትን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን፡ ዓበይቲ ትካላትን ኣካዳሚያዊ ማዕከንን ዘይውንኖ ብርቱዕን ነጻን ዝዀነ ጾታዊ ሓይሊ ምንቅስቓስ ድማ ኢዩ። ኣዚ ኣገዳሲን ዓቢን ዓለምለኻዊ መዓልቲ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝጣበቕ ሓይሊ ቅድሚ ሓደ ዘመን (ልዕሊ 100 ዓመት ) ጥራይ ዝቖመ ወይ ዝተመሰረተ ምዃኑ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ኤእዋኑ ዝጀመረሉን ዝተመስረተሉን ሓደ ብሓደ ዘርዚረ ክጽሕፎ ዝከኣል ይኹን እምበር ብኽፋሉ ክጠቅስ ኢየ። ኣብ 1908 ዓ.ም. 15.000 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ንዮርክ ኣመሪካ ንክብርን ፍትሕን ኢለን ዝመረሸኦ ነልዕል። ንዮርክ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንሒደት ሰዓታትን ኣገልጊልካ ርቡሕ ደሞዝን መሰል ምድማጽን ደቂ ኣንስትዮን ዘንጸባርቕ ምልዕዓልን ምንባሩ ይግለጽ። ኣብ 1975 ዓምለኸ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ከቢሩ ከም ዝወዓለ። ኣብ 2011 ናይ 100 ዓመቱ ዓለምለኻዊ በዓል ኣብ ኣውስትርያ ደኒማርክን ጀርመንን ስዊዘርላንድን ሓቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣኽቢሩ ውዒሉ። ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኢውሮጳን ካልእን እንዳቀጸለ ዓበይቲ ኣኼባታትን እንዳተገብረ ሸትኡ ከመዝግብ ክኢሉ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እዋን ምንቅስቓስ ኣብ መብዛሕትኡ ኣብ ከባቢ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ዝነበረሉ እዋን ምንባሩ ክጥቀስ እንከሎ ንምፍጻሙ ጸገማት ከም ዝነበሮ እውን ግሉጽ ነገር ነይሩ ክብሃል ይከኣል።
እንተኾነ ንመሰልካን ግቡእካን ብምሉእ ድሌትን ግደታ ንነፍሰ ረብሓኻን ክትምክትን ክትቃለስን ከቢድ መስዋእትን ፈተነታትን ኣሕሊፍካ ክትዕወት ዓቢ ታሪኻዊ ተልእኾ ፈጺምካ ንዘልኣለም ተሓጊሽካ ትነብረሉ ፍጻሜ ተራእዩ። ምልስ ኢለ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ እዚ ፍጻመታት እዚ ብመንጽር ሃገርና ኤርትራ ፍልይ ዝበለ ብክቡራት ኣቦሓጎታት ዝቘመን ዝተሓስበን ብተግባር ዝተተርጐመን ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ በቢኣውራጅኡን ቀበሊኡን ቅድሚ 525 ዓመታት በብቛንቁኡን ዝተጻሕፈን፡ ኣብ ኣእምሮ ዓበይቲ ሽማግለታት ዓዲን ዝተዓቀበን ፤ሕጊ እንዳባ ድሕሩ ድማ ብግቡእ ተጻሒፉ ብመጽሓፍ ተዘርጊሑ ንመዋእል ዓመታት ከገልግል ዝጸንሔ ቅዋም ሕጊታት ኣሎና። እዚ ከኣ ስርዓት ኣድግና ተገልባ ኣድከመ ምልጋእ ስርዓት ሎጎጭዋን፡ ሕጊ ሰዓርትን ላምዛን ወቐርትን፡ስርዓት ሃብስሉስ፡ ናይ ደቀዳሽምን፡ ስርዓት ካርነሽም፡ዋዕላ ሸውዓተ ዓንሰባ ዘማት ታሕታይ፡ ክልኤ መንሳዕን ድግም ወፍትሕ ወዓድታትን፡ ይርከቦ። እዚ ሕጊዚ ብጉዳይ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ብማዕረ ዝሕለቕ ገይሩ ኣስፊርዎ ይርከብ።
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብምኽንያት ባህልን ሃይማኖትን ፍልልያት ክርከቦ ይኽእል እምበር ዳርጋ ኩሉ ሓደ ዓይነት መሰል ዝሓለወ ኢዩ። ኣብዚ ምስዞም ዝጠቐስክዎም ሃገራት ከወዳድሮም ኰለኹ ኣመጻጽእኦምን ኣገባብ ኣቀራርብኦምን ፍልይ ዝበለ እዩ። መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ብወለዲ ኣቦታትና ተሓሲቡን ተገዲሱን ዝቘመን ክኸውን እንኰሎ፤ ኣብ ካልእ ዓለምና ግን ደቂ ኣንስትዮ ብገዛእ ርእሰን ዘበገስኦን ተቓሊሰን ዘምጽኤኦን ምዃኑን ኢዩ። ካልኣይ ድማ ኣቦታትና ክሳዕ ክንደይ ተገዳስነትን፡ ሓልዮትን፡ ሰብኣዊ ሕልናን፡ መንፈሳዊ ስምዒትን ኣብ መሰል ጓል ኣንስተይቲ ብጸይቶምን ስነ ኣእምሮ ዓቕሞም ልዑል ምንባሩ የተሓሳስበካ። ሳልሳይ በደራጃ መዋእል ምስረታ ጊዜኡን፡ ኣተሓሳስብኡን፡ እንተተመልከትና ሓመሽተ ጊዜ ዘመን ቅድመ ዓለምለኸ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ካልእ እኹል ትሩፍ ከነባብሮምን፡ ክቕይዶም ዝኽእል ደሞክራስያዊ ቅዋም ምንዳፎምን ንሕና ዘይኰናስ ንምዕራባውያን ሃገራት ዘደነቐን ዘተሓሳሰበን ሕጊ ኣብ ኣፍሪቃ ምፍጣሩ ንዓና ኤርትርውያን ንሕበነሉን ንዀርዓሉን ሃብታም ታሪኻዊ ውርሻ ኣሎና። ካብዚ ብምብጋስ ኣሰርን ልምድን ህዝብና ተደሪኽና ብስምምዕ ጓልናን ደቅናን ብጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ሓቢርና ተቓሊስናን ተዋዲቕናን ነጻነትና ኣምጺእና ኢና።
ሃገርና ብብዙሓት ዝተፈላለዩ ገዛእቲ በብጊዜኡ ትውረርን ትግዛእን ምንባራ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።ትገዛእ እምበር ንሕግታትናን ያታናን ዝደፈሮ ገዛኢ ኣይነበረን። ብግምጣሉ ግን ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ጽቡቕን ቅዋምን ዘባህርሮ ኣዕናዊ ጉጅለ ህግደፍ ንባህልናን ቅዋማትናን ያታናን ዝምድምሳስ ብምምጽኡ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ዓቢ ፖለትካዊ ወጥሪ ወዲቓ ትርከብ።
እዚ ከኣ ብኣግኡ ፈሊጥናዮን ኣለልናዮን ክንስና ብድኽመትና ከም ዝሻደነን ዝዓብለለን ሓሶት ዘይብሃሎ ሓቂ ኢዩ። እንተኾነ ብሕጽር ዝበለ በዚ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ውጡን ምንዮትናን ዕላማናን ኣብ ማይ ክኣቱ ኰሎ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኰነስ ብዓንደርእሱ ሃገርናን ህዝብናን ፍጡር ክርኽቦ ዘይግመት ንምግላጹ ዘሸግር ኵነታት ወዲቑ ይርከብ። ይኹን እምበር ኣብዚ ኣረሜናዊ መግዛእቲዚ ካብ ሕብረተ-ስብና እተን ብዝያዳ ኣሎ ዝብሃል ሕሰምን፡ ግህሰትን፡ ተርእዩ ዘይፈልጥ ጸይቂ ፍጻሜን፡ ዝረኸበት ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራዊት ምዃና ዓለም ዝዛረበሉ ዘሎ ተረኽቦ ኢዩ። ስለዚ ኩልና ሓቢርካ ምቅላስ ኣብ ቦትኡ ይሃሉምበር ነዚ ሕሰምን በደልን ንምብዳህ ቀዳማይ ንዓለምና ምቅላሕ፡ ከምኡውን ነተን ብፍላጥ ድየን ብዘይ ፍላጥ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ኰይነን ናይ ኤርትርውያን ኣሕዋተን ወጽዓ ዘይተረድኤን ኤርትራውያን ኣሓትና፡ ኣብ ልበን ክምለሳ ምኽሕኳሕን፡ምቅላስን ግደታ፡ስለ ዝኾነ ከምኡውን ንኹለን ወጹዓት መጻኢ ወለዶ ኤርትርውያን ደቅናን፡ ደቂ ደቅናን ጥጡሕ ባይታ ፈጢርካ ክተጽንሓለን ምቅላስ ኣድላዪ ምኻኑ ከስምረሉ እፈቱ።
ክቡራትን ክቡራንን ህሉው ኵነታት ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታው ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ቃልሲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከም ምዃኑ ተረዲእና ብጾትና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝገብርኦ ጻዕርታትን ቃልስታተን ሓቢረን ክምክተኦ፡ ከም ዘለወን ናትና ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብጾተን ምኽርን ምሉእ ምትሕብባርን ክህልወና እላቦ።
ቃልስና ሓቀኛን ፍትሓውን ስለ ዝዀነ ተስፋ ብዘይ ምቑራጽ ሰማእታትና ዝወደቕሉ መኺኑ ክተርፍ ከምዘይክእል ብምትእምማን፤ ንሕና ኩላትና ኤርትርውያን ኣሓትን፡ ኣሕዋትን ሓድነትና ኣረጋጊጽና ብምቅላስ ዓወትና ህያው ምዃኑ ኣይጠራጠርን።
ዓወት ንቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር
8 መጋቢት ዘንተ ዓመት ትኽበር
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ዋንነት ቃልሲ ህዝቢ፥ እቲ ዓወት ድማ ዓወት ህዝቢ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ቃልሲ ብመራሕቲ ዝተፈጸመ ጌጋታት፡ ነቲ ካብ 1961 ብረታዊ ቃልሲ ምጅማሩን ቅድሚኡን ዝተሰውኡን ዝተሰወኣን ጀጋኑ ኣቦታትናን ኣደታትናን ዝተሰርሐ ታሪኽ ምስክር ሃገራውነትና እዩ። ምልኪ ብዘስዓቦ መዘዝ ታሪኽና ክንድውንን ክነነእኣስን ኣይግባእን። ኣብ ክንድኡ ዕምሪ ምልኪ ንምሕጻር ተሳኒናን ሓቢርናን ምቅላስ ቀንዲ ዕላማና ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ ዓለምና፥ ገለ ካብቶም ዓይነታት ዲክታቶራውያን ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ወተሃደራዊ ምልኪ፥ ኣሃዳዊ-ሰልፋዊ ምልክን፥ ኢምብራጦርያዊ ምልክን ኢዮም። ኣብ ናይ ኤርትራ ምልኪ ምናልባት ነፍሲ ወከፍና ነናትና ርዲኢት ክህልወና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ናይ ኢሰያስ ምልኪ ወተሃደራዊ ምልኪ ዲዩ ወይ ኣሃዳዊ-ሰልፋዊ-ምልኪ ወይ ናይ ውልቀ ስርዓታዊ ምልኪ።? ምናልባት እንተተሰማሚዒና እዚ ዳሕረዋይ ማለት ናይ እንኮ ወይ ውልቀ ስርዓታዊ ምልኪ ኢዩ ክኸውን። ምኽንያቱ ንሱ ዝዕብልሎ ገባርን ሓዳግን ብምዃኑ፡ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘእትወ እንኮ-ስርዓተ ምልኪ ኢዩ። ስለዚ ምልካዊ ስርዓት ስልጣኑ ከደልድልን፡ ህዝቢ ክስዕቦን ኣብ ሓይልን ናይ ሰለያ መሳርሕን ተመርኲሱ፥ ንዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ብኣግኡ ንምግታእ ዘኽእሎ ሜላ ይውንን። ኣንጻሩ ዝብገስ ሓይሊ ኣይህሉን፡ እንተልዩ ፍሕት ከይበለ ዘየለ ምስምስ ብምምጻእ፡ ንዝስእሰር ኣሲሩ፡ ንዝቕተል ቀቲሉ፡ ነቲ ኣንጻሩ ምንቅስቓስ ቀጻልነት ከምዘይህልዎ ይገብሮ። ብተወሳኺ፥ ቁጠባዊ ብልጽግና ተረጋጊጹ ህዝቢ እፎይ ኢሉ ከይቀስን ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዱ ገቢቱ ህዝቢ ብምልኡ ኣብ ትሕቲ ርህራሄኡ ተሸቚሪሩ ክነብርን ነዛ ድራር ዕለት እንጌርኡ ንኸውሕስ ጥራሕ ከምዝሓሳብ ይገብሮ። ደገፍ ህዝቢ ንኽረክብ እምበኣር ካብ ምፍርራህ ወይ ራዕዲ ወይ እውን ገለ ሽመት ወይ ሓለፋታት ብምሃብ ንገለን ድማ ተሪር መቕጻዕቲ ይጥቀም።
ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሰያስ ምናልባት ደገፍ ህዝቢ ንምርካብ ነቲ ጂሆ ሒዝዎ ዘሎ ህዝቢ ኣታሊሉ ንግዚኡ ተስፋ ክህቦ ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ንቁጠባዊ ብልጽግና እንተስ ብኣፍ እንተስ ብተግባር ንምርግጋጽ፥ ንይመሰል ከንቀሳቕስ ይኽእል ይኸውን። ንኣብነት ከምዚ ሕጂ ብጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ከይተገደሰ፥ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ቁጠባውን ፖለቲካውን ንምውህሃድ ኪኖ ሃገርና ክንሓስብን ክንጽዕርን ኣሎና እናበለ ንህዝቢ ዝጥብሮ ዘሎ ኢዩ። እዚ ግን ንህዝቢ ኣብ ጎኑ ንኽስለፍ ወይ እውን እምነት ንኸሕድር ዝገብሮ ምስሉይነት ኢዩ። እዚ ስርዓት እዚ ገንዘብ ህዝቢ ወኒኑ ባዕሉ ኣብ ወርሒ ክንድዚ ክትጥቀም ኣሎካ ኢሉ ዝስልዕ፥ ንዕለታዊ ህይወት ናይ ዜጋታት ዝቆጻጸር እዩ።
እዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዜጋ ዝፍጸም ተግባራት ናይ መብዛሕትኦም ምልካውያን ተግባር ክኸውን እንከሎ፥ ግፍዒ ኤርትራዊ ምልኪ ግን ኣዝዩ ዝኸፍኤ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝተጨቘነን ዝተገፍዐን ህዝቢ ከኣ፡ ውዒሉ ሓዲሩ መስተርሆ ዝረኽበሉ መዋጽኦ ከፈጥር ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። እምበኣር ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ጭቆና እናነበረ ንምልኪ ከልግሶዶ ይኽእል።? ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህሪያዊ ኢዩ። መልሱ ድማ እወ ኢዩ ክኸውን። ምኽንያቱ ቁጠዔን ቅረታታትን ህዝቢ ልዕሊ መዳፍዕን ታንክታትን ስለዝኾነ። ሎሚ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ክቱር መከራን ሕሰመን ሕማቕ ምሕደራን ዝሓደሮ ስምዒት ኣለዎ። እዚ እቲ ምልክታት ብሰንኪ እቲ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ፥ ነቲ ዝስመዖ ክሳብ ሓባራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ዝበጽሕ ብተናጸል ክፍጽሞ ሓይሊ ኣልቦ ኮይኑ ይረኣዮ። ካብዚ ነቒሉ ነቲ ስርዓት ንግዚኡ ኣብ ቃልዕ ብፍርሓት ክኣምኖ እንከሎ፥ ኣብ ብሕቲ ግና ናቱ ርዲኢት ኣለዎ። ንሱ ድማ ነቲ ስርዓት ክሓምዮን፥ ቅሬታኡ ክገልጽን ኢኻ ትረኽቦ። እዚ እቲ ምልኪ ምንቁልቋል ህዝባውነቱ ዝጅመረሉ ምልክት ኢዩ። እዚ ቅረታታትን ተስፋ ምቚራጽን፥ ብፍላይ እታ ብደሙ ዘምጸኣ ሃገር ብዝካየድ ዘሎ ሽጣራታት ብቐሊሉ ካብ ኢዱ ክትመልቆ ኣይፈቅድን ኢዩ። እቲ ጥልመት እናጎልሀን፥ እቲ ግፍዒ እውን እናተደራረበን ኣብ ዝቕጽለሉ እዋን ከኣ፥ እቲ ቅረታታት ናይ ህዝቢ እናዛየደን እናሰፍሐን ይኸይድ። እዚ እናጠጠዔ ክኸይድ እንከሎ ድማ እቲ ፍርሒ እናተቐንጠጠ፥ ንትእዛዛት ምልኪ ኣብ ዘይምቕባል ናይ ኣብያ ምልክት የርኢ። ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ንሓድሕዱ ዝገብሮ ስለያ ከቋርጾ ይጅምር።
ስለዚ እዚ ከምዚ ኢሉ እናኸደ እቲ ናይ ምልኪ ምዕናው ዝረኣየሉ እዋን እምበኣር፥ እቲ ህዝቢ፥ ብሄርዶ፥ ኣውራጃዶ፥ ክስታናይ ኣስላማይ ወይ ከበሳ መትሓት ከይበለ ክጠራነፍ ይጅምር። እቲ ህዝቢ ኣብ ምጥርናፍ ዘድህበሉ እዋን፥ እቲ ምልኪ ህዝባዊ ደገፍ ወይ እምነት ይስእንን፥ ብሰንኪ ጭቆናዊ ምሕደራኡ ድማ፥ ድሌት ህዝቢ ከማልእ ስለዘይክእልን፥ ሸለው ኢሉ ዝጸድፈሉ እዋን ይኸውን።
ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳርምሽታትን ከባቢኡን ጥርኑፍ ባይቶ ኣቚሞም
Thursday, 07 March 2019 16:08 Written by ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢን
ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ምምራጽ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተርን ስዒቡ ዝተራእየ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ምቕባልን፣ ናይ ሰላም ኣዋጅ ምቅልሑን ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ዓብዪ ተስፋን ምልክት ሰናይ ጉርብትናን ምፍጣሩ ዝዝከር እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ካብ ሰላምን ርግኣትን ሰናይ ጉርብትናን ከምዝረብሕ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ። ከድምይዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እውን ስርዓታት እምበር፡ብህዝቢ ዝተላዕለ ውግእ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ብናይ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ሰላም ኣዋጅ ዘይተሓጎሰ ኣይነበረን፡ ክስተት መንገዲ ፍትሕን ዲሞክራስን ክኸውን እውን ትጽቢት ነይሩ።
ይኹን እምበር፣ ካብ ናይ ሰላም ኣዋጅ ሓሊፉ፡ ህዝቢ ዘይፈልጦን ብርሑቕ ኮነ ብቐረባ ሓበሬታኦም ዘይብሉ ስምምዓት፡ ንልኡላውነት ሃገርናን መንነታዊ ክብሪ ህዝቢ ኤርትራን ታሪኻዊ ቃልስታቱን ዝግህስ ጉዕዞን ወስታታትን ኣብ ዝራኣየሉ ግዜ በጺሕና ምህላውና ዝያዳ ስግኣታት ፈጢሩ ምህላዉ ርዱእ እዩ። ምስ ዝሓለፈ ተመኩሮ ጥልመታት ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ.ን ናይ ሎሚ ዘይግሉጽ ኣከያይዳኡን ድማ ኤርትራዊ ኲነታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፍኤ ይኸይድ ምህላዉ ዝተገንዘቡ፡ ኣብ ወጻእ-ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ድማ፡ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ብዝተፈላለየ መልክዓት ብጥርኑፍ ኮነ ብተናጸል ድምጾም ከስምዑ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ሓደ ካብኡ ድማ እቲ ብግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ዳርምሽታት ዝተበገሰ ናይ ምጥርናፍ ተበግሶ፣ ብዕለት 03 መጋቢት 2019 አብ ዝተኻየደ ፈላሚ ኣኼባኡ ብወግዒ ተልእኾኡን ዕላምኡን ኣነጺሩ። ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢን ብዝብል ስም ዝቆመ በርጌሳዊ ማሕበር ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ጀማሪ ጉባኤኡ እዚ ባይቶ ተሳተፍቲ
- ብህጹጽ ቅዋም ኤርትራ ክእወጅን ክትግበርን
- ናይ ዶብ ኮምሽን ቆይሙ ምኽላል ዶብ ክጅምር
- ፖለቲካውያን እሱራት ክፍትሑ
- ካብ ወጻእን ውሽጢ ሃገርን ናይ መላእ ህዝቢ ውክልና ዘሎዎ ግዝያዊ መንግስቲ ክቐውም፡
- ብቅዋም ኤርትራ ዝተቐየደ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክሳብ ዝትከል „ህዝቢ ዘይፈልጦ“ ምፍርራም ኣህጉራዊ ውዑላት ደው ክብል
- ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ብህዝባዊ ምርጫ ክትከል
ዝብሉ ጠለባት ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉ ክዕጠቁን ብዕቱብ ክነጥፉን ከምዘለዎም ዘትዩ። ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢኡን፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ዘዕቆበት ሃገር ብምርግጋጽ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ክሰፍን ምግባር፡ መድረኻዊ ቃልስና ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ኮይኑ፡ ንምልካዊ ስርዓት ብፍትሓዊ፡ ቅዋማውን ህዝባውን ስርዓት ንምትካእ እዩ። ኩሎም ዜጋታት ብዘይገለ ተጽዕኖን ደረትን ኣብ ፖለቲካዊ ሂይወት ሃገሮም ክሳተፉን ተሓታትነቶም ንህዝቢ ዝኾነ መንግስታዊ ትካላት ኬቁሙ መሰሎም ምዃኑ ይኣምን ኣብ ትሕቲ ዚብል ተልእኾ፣ ንኹሎም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ጠርኒፉ ሃገራዊ ክብሪ ንምርግጋጽን ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ንምዕቃብን ዝቆመ ባይቶ እዩ።

ዕላማ ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢን፡ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊስካ ብቅዋም ዝምእዘዝ: ፍትሓዊ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ-መንግስቲ ብምትካል፡ ንዅሉ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝብናን ተቐማጦኣን ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ብሓድነት ኤርትራን ህዝባን ኣሚኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጎይታ ህይወቱን ሃገሩን ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡ መሰል ምውዳብን፡ ምዝራብን፡ ምጽሓፍን፡ ከምኡ‘ውን መሰል ሰላማዊ ተቓውሞ ንክኽበርን ንኸይገሃስን፡ ማዕረነት ናይ ኩሎም ዜጋታት ንምርግጋጽ ኣውራጃዊ፡ ብሔራዊ፡ ጾታዊ ይኹን ዓሌታዊ ኣድልዎን ጽቕጠትን ንኽእለን ንኸይህሉን፡ መሰል ምቛም ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ንኽህሉን ንከይገሃስን ካልእ ንመሰረታዊ መሰል ዜጋታት ዘካተተ ነጥብታትን ንኽቃለሰ ዝቆመ ባይቶ እዩ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ዕለት 03.03.2019 ውዕሎኦም፡ ኣብ’ዞም ዝተጠቕሱ መለለይታት መሰረት ዝገበረ ሰፊሕን ኣገዳስን ልዝብ ኣካይዶም። ብተግባር ንምስናዩን ንዝሰፍሐ ጥርናፈ ክጽዕቱ ምዃኖምን ከኣ ኣረጋጊጾም። እቲ ልዝብ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኲነታት ኢድካን ኣግርኻን ኣጣሚርካ ንኽትጽበዮ ግዜ ዘይህብ ናይ ኣፈ’ርክቡ ጉዳይ ምዃኑ ብምንዛብ፡ ምጽንቓቕ ዝጸንሐ ተስፋታት ህዝብና ኣብ ግምት ዘእተወን፡ ኩሎም እቶም ንስርዓተ-ምልኪ ንምእላይ ክፍጸሙ ዝግብኦም ዕማማት ንኽትግበሩ፣ ንሁር ናይ ቃልሲ መንፈስ መንእሰያት ዘመልከተ እዩ ነይሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ባይቶ ኤርትራውያን ዳርምሽታትን ከባቢን፣ ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕማማቱ ብፍላይ ኣብ’ቲ ከባቢ ክካየዱ ዝግብኦም ህዝባውን ዲፕሎማስያውን ዜናውን እዋናዊ ስራሓት ኣነጺሩ ከቕርብ ከሎ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ዝመረጹዎ ክፍለ-ስራሓት ተዋፊሮም ንምፍጻም ብኹሉ ዓቕምታቶም ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ምስ‘ዚ ብምትሕሓዝ፡ ዕምሪ ምልኪ ንምሕጻር ሓባራዊ ስራሕ መላእ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ተደላዩ ምዃኑ ብምእማን፣ ባይቶ ኤርትራውያን ምስ ኣብ ከባቢኡን ኣብ ካልኦት ክፍለ ዓለማትን ንፍትሒ ዝነጥፋ ማሕበራት ወይ ውድባት ዝምድናኡ ኬሕይልን ንምርጋጹ ክጽዕር ምዃኑን ኣብ መደባቱ ኣስፊርዎ አሎ።

ምስ’ዚ ብምትሕሓዝ ባይቶ፡ ኣፍልጦ ናይ ኣባላቱ ንምስፋሕ፡ ብዛዕባ እተፈላለዩ ኣጀንዳታት ኣስተምህሮታትን ሰሚናራትን ንምቕራብ‘ውን ከም መደብ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።
ኣብ መጠረስታ፡ ናይ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ኣኼባታትን ናይ ምስዮትን ግዜን ቦታን ብምጽዳቕ፣ ኣኼባ ብናይ ሓባር ምርድዳእን ስምምዕን ተፈጺሙ።
ክብርን መጎስን ንሰማእታት ኤርትራ!!
ውድቀት ንዲታቶርያዊ ስርዓት!!
ዓወት ንቃልሲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!
ድሕሪቲ ኣብ መንጎ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ተኸዲኑ ክበስል ዝጸንሓ ክሳብ ሕጂ ሓቀኛ ሕብሩ ዘይፍለጥ ዕርክነት ምግንፋሉ፡ በቲ ዲክታተር ብዙሓት ካብኡ ይወጹ ኣለዉ ኢልካ ክትኣምኖም ዘጸግሙ፡ ዘገርሙ፡ ዘሕዝኑን ኣዝዩ ፈኲስ ምዃኑ ዘቃልዕዎን፡ ኣበሃህላታት ክንሰምዕ ጸኒሕና። ካብኡ ናብኡ ድማ እታ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ እቶም ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ዝበላ ብዝያዳ ኣገራምነታ ተመዝጊባትሉ ኣላ። ኣፍልቡ ምውቃዕ ክውስኸላ እንከሎ ከኣ፡ ካብ ምግራም ሓሊፋ “ሰብኣይ ኣብ ጥዕናኡ ኣበር ገይሩ ኣሎ” ዘበለት እያ።
ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ካብ ናይቲ “ነታ ሓቂ ኣነ እየ ዝፈልጣ” በሃላይ ዲክታቶር፡ ኣበሃህላታት ጐሊሖም ዝረኣዩ፡ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም፡ ንዶር ኣብይ ኣሕመድ ንኩልና ክመርሓና ሓላፍነት ሂበዮ ኣለኹ፡ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ወገናት፡ ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ክስምሙ ዝደልዩ እዮም፡ ሎሚ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ዝያዳ 480 ሚልዮን ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ኢና እንሓስብ፡ ኣብቲ ከባቢ 20 ሺሕ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተሰውእሉ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከሲብና እምበር ኣይከሰርናን፡” ዝብሉ ንረክብ።
ብኣንጻሩ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ሓላው ልኡላውነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዘን ዝንቡዓትን ጠላማትን ኣበሃህላ ናይቲ ዲታተር ዘለዎ ሚዛን፡ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ህዝቢ ትግራይ፡ ብዘይካቲ ብጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኦም ዝጐራበቱ፡ ብባህሊ፡ ብቋንቋ፡ ብታሪኽ፡ ቁጠባውን ካለኦት ማሕበራዊ ዛዕባታትን ዝቀራረቡን ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ ዝጠቓቐሙን ክልተ ህዝብታት እዮም፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ብቃልሲ ህዝቢ ምስተወገደ ንኤርትራ ዝመርሓ፡ ብሕገማንግታዊ መስርሕ ልዕልና ህዝቢ ብዘውሕስ ኣገባብ ዝተመርጸ ኤርትራዊ እዩ፡ ቀያድን ናይ መወዳእታ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምትግባሩ፡ ንመጻኢ ውሑስ ሰላምን ጽቡቕ ጉርብትናን መሰረት ስለ ዝኾነ፡ ክትግበር ይግበኦ፡ ኣብቲ ብሰንክ’ቲ ቅድም ሕቡእ ዝመስል ዝነበረ፡ ሎሚ ግና ዝያዳ ዝበርህ ዘሎ ኣጀንዳ ኢሳይያስ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶብ ኣመሳሚስካ ዝተኻየደ ናይ ክልተ ዓመታት ዝያዳ 20 ሺሕ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝበለዐ ውግእ ክሳራ ወሪዱና እዩ፡ ቅድሚ ምስ ህዝቢ ከባቢና ብሓባር እንሰርሕ፡ ዘቤታዊ ጸገማትና ፈቲሕና ከም ኤርትራ ብኹሉ መዳያት እግርና መሊእና ክንረግጽ ይግበኣና። ንኤርትራ ዝመርሕ ከኣ ቅድሚ ካብ ኤርትራዊ ጉዳያት ንምህዳም ሰማይ ሰማይ ምርኣይ ኣብዚ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ከድምዕ ይግበኦ። ድሕሪ እዚ ኤርትራን ህዝባን ናይ ከባቢና ሰከም ዘይኮነስ ብቑዓት ተዋሳእቲ ክኾኑ ይግበኦም” ዝብል ይርከቦ።
ኣብዚ ኩነታት እዩ እምበር፡ ከምቲ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ፡ ወይ ካብ በዓል ጣፍስ በዓል ኣፍ” ዝበሃል ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዝድህስስ ናይ ህዝብና ብሱል ሚዛን ንምንእኣስን ንምፍርራሕን “ከምዚ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” እንዳበለ ዝባጭው ዘሎ። ኣብ ተመኩሮ ኢሳይያስ ምልስ ኢልና ምስ እንድህስስ እቲ ክምረሓሉ ዝጸንሐ ሜላ፡ ንሓሳብ ብሓሳብ ናይ ምርትታዕ ዘይኮነ፡ ኣፈራሪሕካን ነቶም ካብ ናቱ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘቕርቡ ብምእላይን ተቐባልነት ናይ ምርካብ ጥበብ እዩ ነይሩ። ሕጂ እውን ካብዚ ኣይወጸን። ናይቲ ኩሉ ከካይዶ ዝጸንሐ ቅንጸላታትን ምስዋርን ትርጉም እውን ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ብፍላይ እታ “ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ወገናት ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ክስምሙ ዝደልዩ እዮም” ዝበላ መፈራርሒት መልእኽቲ፡ ምስቲ ቅድም ባዕሉ “ዶብና ከይተሓንጸጸ፡ ልኡላዊ መሬትና ብወረርቲ ተታሒዙ እንከሎ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ንዛተ ማለት ሕልሚ እዩ” ክብሎ ዝጸንሐ እሞ ደሓር ባዕሉ ተገልቢጡ ዘኽዞኽ ዝወሰኸሉ ኣረኣኢኻ ክሳብ ክንደይ ዘይጭበጥ ተበላጺ ፍጡር ምዃኑ ዘነጽር እዩ።
እንተኾነ ከምቲ “ከም ቀደም ይመስለክን እሞ ውሕጅ ይወስደክን” ዝበሃል፡ ኢሳይያስ ንዘለኣለም እንዳፈራርሐ ክነብር ከምዘይክእል ርኡይ ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። እቲ ካብ ቀደሙ “ዓገብ ንኣካይዳ ኢሳይያስ” ክብል ዝጸነሐ ነባር ኤርትራዊ በሃጊ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ሎሚ ንነዊሕ ግዜ ናይቲ ዲክታቶር ዓንዲ ሕቘ ኮይኖም ኣሰዊዶም ኣብዚ ዘብጽሕዎ፡ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ውጻኢ ዝርከቡ ደገፍቱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብንጹር ቃላት ምስ ነድሩ “ይኣክል፡ ነቲ ሓቂ ዘይትፈልጥስ ንስኻ ኢኻ” ይብልዎን ኣለዉ። እቲ ዝሓለፈስ ሓሊፉ እዩ። ዝፈሰሰ ማይ ከኣ ኣይሕፈስን እዩ። እንተ ድሕሪ ሕጂ ብኢሳይያስ ዝድህለልን ንናይ ኢሳይያስ “ናይ ሓሶት ሓቂ” ናተይ እውን እዩ ዝብልን ኤርትራዊ ኣይክህሉን እዩ።
ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣገዳሲ እስትራተጅያዊ ኣቐማምጣ ምብራቓዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪት ትርከብ። ስፍሓት መሬታ፡ 124, 320 ትርብዒት ኪሎሜትር እዩ። ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትወዳደር እንከላ 18 ካብኣ ዝነኣሳ ሃገራት ንረክብ። ብመንጽር ብዝሒ ህዝቢ ድማ 21 ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ኤርትራ ዝወሓደ ህዝቢ ኣለወን። ካብ ክፍለ- ዓለም ኤርትራ ወጺእና ምስ ሃገራት ኤስያ እንተወዳደርናያ’ውን 16 ሃገራት ኤስያ ካብ ኤርትራ ይንእሳ። ካብዘን ካብ ኤርትራ ዝንእሳ ሃገራት ኤስያ፡ እስራኤልን ሲንጋፖርን ይርከበአን። ብዘይካዚ 14 ሃገራት ኤስያ ካብ ኤርትራ ዝወሓደ ህዝቢ ኣለወን። ካብዘን ካብ ኤርትራ ዝወሓደ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ኤስያ፡ ኩወይተ፡ ሊባኖስን ሲንጋፖርን ይርከበአን። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እውን 19 ሃገራት ብስፍሓት መሬት፡ 13 ከኣ ብብዝሒ ህዝቢ ትሕቲ ኤርትራ ዝስረዓ ንረክብ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ብሰንኪ ህግዲፍ ብዝተፈጥረ ፍልሰት ለውጢ ከም ዝህሉ ምግማት ኣገዳሲ እዩ።
ኣቀማምጣ መሬት ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ከሊማታት ዝውንን፡ ንዝተፈላለዩ ዓይነት ኣዝርእትን ኣግራብን ዝሰማማዕን ንምርባሕ እንስሳን ዝምችእን፡ ኮይኑ ንዝተፈላለዩ ቁጠባዊ ወፍሪ ዝሰማማዕ ሃብቲ ማይን ሓመድን ኣለዋ። ብዘይካዚ ኣቀማምጠኣ ቆላ፡ ወይነደጋን ደጋን ዘጠቓልል ብዝተፈላለዩ ኩነታት ኣየር ዝጥቀሱ፡ ካብ ኣዝዩ ዓሚቕ መሬት ክሳብ ነዋሕቲ ጐቦታት ዝግለጽ ናይ ኣቀማምጣ ብዙሕነት ትውንን። ኮታ ልዕሊ መሬት ኮነ ትሕቲ መሬት ብዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሃብታ ንርእሳ ኮይና ንኻልእ ከተካፍል እትኽእል ዝተዓደለት ሃገር እያ።
ህዝቢ ኤርትራ ከከምቲ ኩነታት ዝሰፍረሉ ከባቢ፡ ብሕርሻ፡ መጓሰን ንኡስ ንግዳዊ ንጥፈታትን ዝናበር ኣዝዩ ህርኩት ህዝቢ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ መግዛእታዊ ሓይልታት በታቲኖም ክገዝእዎ ፈቲኖም፡ ውዲቶም ኣፍሽሉ ሓድነቱ ኣውሒሱ ዝሓደረ፡ ንብዙሕነቱ ከም ናይ ዓወቱ ምስጢርን ጸጋን ኣዕቂቡ ነቲ “ሃይማኖትን ካልእ ዘይመሰረታዊ ፍልልይን ናይ ግሊ እዩ፡ ሃገር ግና ናይ ሓባር እያ” ዝብል ኣምር ተግቢሩ ዝሓደረ ህዝቢ እዩ። ብዓብይኡ ድማ ኣብቲ ዓለምና ከም ናይ ጽንዓት ኣብነት እትወስዶ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ምእንቲ መሰል ርእሰ ውሳነ ኤርትራ ብጽንዓት ተቓሊሱ ኣኽሊል ዓወት ዝደፈአ ህዝቢ እዩ።
እዚ ክጠቅስ ዘገደደኒ ብዛዕባ ጀኦግራፊ ኤርትራ ከዘንቱ ስለ ዝደለኹ ዘይኮነ፡ እቲ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጀሚርዎ ዘሎ ሓድሽ ወደኽደኽ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ደጊም ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ዘይኮና ብዛዕባቲ ልዕሊ 480 ሚልዮን ዝኸወን ህዝቢ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኢና ክንሓስብ ዝግበኣና’ ዝበሎ ገሪሙንስ “እዚ ሰብኣይ ኤርትራስ ንኢሳትኒ ድዩ ዝብል ዘሎ? ብስፍሓት መሬተን ኮነ ብብዝሒ ህዝበን ትሕቲ ኤርትራ ዝስረዓ ሃገራት መሪሖም ብቁጠባ ኮነ መሰል ህዝቦም ብምሕላው ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ዝበረኹ መራሕቲ ከምዘለዉኸ ይርድኦ ድዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ስለ ዝመጹኒ እዩ። ኢሳይያስ ኣብዛ ማእከላይ ስፍሓት፡ ምቹእ ኣቀማምጣን ብጽፍሩ ዝሓድር ህዝብን እትውንን ኤርትራ ተፈቲኑ ፈተና ዘይሓለፈስ ናብ ካልእ ምምጥጣር “እምበርከ ናይ ድሓን ድዩ ?” ዝብል ስምዒት’ውን ኣሕዲሩለይ።
እምበኣር ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ብኹሉ መለክዕኡ ዘሕዝን ኩነታት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ግደ ህዝቢ ኤርትራ ይለዓል፡ ኣቀማምጣ፡ ተፈጥሮ ሃብትን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ’ውን ይለዓል። ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ናይ ዝርከቡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብጽሒት’ውን ይለዓሉ። እቲ ቀንዲ ዝለዓልን ዝሕተትን ከኣ እቲ “ንኤርትራ ይመርሓ ኣለኹ” ዝብል ዲክታቶር ኢሳይያስን መመሊሱ ስም ጥራይ ሒዙ ዝተርፍ ዘሎ መኸወሊኡ ጉጅለ ህግዲፍን እዮም። ክሳብዚ ቀረባ እዚ ብህልዊ ውድቀት ኤርትራ ዝሕተት ኣካል ከጸብቕ እዳኸኣለስ ከጸብቕ ዘይደለየ ጌርና ኢና ንገልጾ ነይርና። ሎሚ ሎሚ ግና፡ “እምበርከ ክቕይር ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎ ድዩ? ንኤርትራን ዝህባን ኣብዚ ዘሕዝን ዛሕዛሕ ኣውዲቕዎም ዘሎ ሳኣን ዓቕሙ ዘይኮነሉ ምኽንያትከ ኣሎ ድዩ?” ዝብል ሕቶ ከነልዕል ንግደድ ኢና። እቲ ካብ ቀደሙ ዝነበረ ሎሚ ግና ዝያዳ እንዳገደደ ዝመጸ ዘይውርዙይ ኣካይድኡ’ውን ዓቕሚ እንዳሃለዎ ዓቕሙ ናይ ዝሓበአ ዘይኮነስ ዓቕሙ ናይ ዝጸንቀቐ ኣካይዳ እዩ ዝመስል። ትማሊ ፈጣርን መራሕን ኤርትራ መሲሉ ብትዕቢት ተፈንጫሕኩ ዝብል ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሎሚ ኩሉ ነገሩ ከም ክንቲት ፈዂሱ፡ ጭራኡ ደጒሉ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ፥ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ንታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም፡ ጉዳይ ምምልካት ዶብ ዘልዕሉ ሰላምና ዝዘርጉ እዮም፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ክመርሓና እዩ፡ ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከሲብና እምበር ኣይከሰርናን” ክብል ዝውዕል ዘሎ እውን ዘይሩዘይሩ ናይ ዘይምብቅዑ መርኣያ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉዳይ ጥዕና እውን ክለዓል ዝግበኦ እዩ።
ኢሳይያስ ሓሲቡን ወጢኑን ድዩ ወይ ብረብሓ ተደፊኡ ብዝኸፈቶ ኣፍደገ፡ ሎሚ ኤርትራ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ክወስዱ ዝደናደኑ ወገናት ብዙሓት እዮም። ናይ ቀደም ኤርትራ ዝሓወሰ ካርታ ኢትዮጵያ ዝተሳእሎን “ሓደ ኢና” ዝብል ጭረሖ ዘስነዮን ካናቲራታት ምኽዳን ኣብ ኢትዮጵያውያን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ከይተረፈ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘንጊዕካ ምስ ኢትዮጵያ ደሚርካ ስኢልካ ምዝርጋሕ ሓደ ተርእዮ ኮይኑ፡ ናይዚ ቀረባ ግዜ “ኣይኮነንዶ እዛ ዘላ ኢትዮጵያ ክትፈርስስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብኣ ዝወጹ እውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ክምለሱ እዮም፡ ምናልባት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ትውንንን ትኸውን፡ ምስ ኤርትራ ዝተሰማማዕናዮ ስምምዕ የለን ቀዳምነትና ከኣ ስምምዓት ምፍርራም ዘይኮነ ሓደ ህዝቢ ስለ ዝኾና ዘላትካ ብሓባር ተኻፊልካ ምብላዕ’ዩ” ዝብሉ መደረታት ላዕለዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ ከኣ ኩሎም በቲ ኢሳይያስ ዝኸፈቶ ሓደገኛ ካናለ ዝውሕዙ እዮም። ኮታ ሎሚ ኢሳይያስ ከምቲ “ጨጓር ከልብስ ኣሎ እናበልካዮ ይመውት” ዝብሃል ብደዉ ሞይቱ እዩ። ስለዚ ናይዚ ከም ኣርእስቲ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ መልሲ “ኣሳይያስ’ዩ ንኤርትራ ንኢስዋ እምበር ኤርትራስ ኣምበይመነኣሰቶን” ዝብል እዩ።
ወለዲ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ነገር ንውሉዶም ከም ዘፍቅሩን ቅድሚ ውላዶም ከም ዝሓልፉን፡ ነቲ ብኣፋዊ ዛንታ ዝንገር፡ በቕሊ ከም ኩለን እንስሳ ዘቤት ወላድ ምንባራን፡ ግን ሓደ እዋን ዝወለደቶ ዕሸል ዒሉ ክሰራሰር ክብል ብዓቢ ገደል ይጸድፍ እሞ፡ ክትስዕቦ ክትብል ከላ ዋንኣ መጺኡ ኣድሓና ዝብል ምዝካር ዝገልጽ ይመስለኒ። ስለዚ ድማ‘ዩ በቕሊ ብከምዚ ዝበለ መገዲ ሂወታ ከይተጥፍእ፡ ብእግዚኣብሄር መኻን ክትከውን ዝተፈርደት ይብል እቲ ኣፋዊ ታሪኽ።
ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ኩሉ ፍጡር ውላዱ ዘፍቅር እኳ ይኹን‘ምበር፡ ንሃገሩ ልዕሊ ውላዱን ነብሱን ወለዱን ከም ዘፍቅር፡ እቲ ካብ በዅሪ ክሳብ ሕሳስልደ ምእንቲ ነጻን ልዑላዊትን ሃገሩን ክብሪ ሰብኣዊ መሰሉን ዘወፈዮ ቀባጽ ውሳኔ ብቑዕ ምስክር‘ዩ። ንብከምዚ ዓይነት ፍትወትን ተወፋይነትን ዝመጸት ነጻነት፡ በዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ብምስጢር ዝካየድ ዝነበረን ዘሎን ተንኰላት ከየስተብሃልና፡ ገለና እናኣእወና፡ ገለና ድማ እናኣጣቓዕና ሃገር ኣብ ሓደጋ ንክትኣቱ ዕድል ዝሃብናን ተሓተትቲ ንሕና ኤርትራውያን እምበር ጓና ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ድሕሪ ነጻነት ሃገርና ንተቓዋምን ደጋፍን ብሓደ ዘሕስርን ዘዋርድን እምበር፡ ሓደ ዝረብሓሉን ሓደ ዝከስረሉን ወይ‘ውን ገለ ዝኽሰስሉን ገለ ድማ ዝኸሱሉን ኣይኮነን።
እዚ ሎሚ ብዝለዓለ ቍጽሪ ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ተጸምቢሩ፡ ልዑላውነትና ብህይወት ከሎና ኣይነድፍር ክብል ኣብ መድረኽ ወጺኡ ዝዛረብ ዘሎ‘ውን ተወሳኺ ኣብነት‘ዩ። እዚ ከኣ ህዝቢ ብኣፍልጦ ይኹን ብዘይኣፍልጦ ንዝገበሮ በደል ኣብ ምኽሓስን ክብሩን ክብሪ ልዑላዊት ሃገሩን ንምዕቃብን ቆሪጹ ተላዒሉ ምህላዉ ዘመልክት ሓቂ‘ዩ። እዚ ብህልዊ ኩነታት ሃገረን ዝሓልያን ዓበድበድ ዶር/ኣቢይን ኢሳያስን ዘገረመን ወዓሩ ኤርትራውያን፡ ‘ይኣክል‘ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓይለ-ቃል መሰረት ጌረን፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝጸውዕኦ ህዝባዊ ዘተ እሞ ከኣ ንኩሉ ኤትራዊ ዘሳትፍ ክኸውን ስለ ዝተኣማመን ከም ዝዕወት ብኣብነት ኣሰንየ ክገልጽ ክፍትን‘የ።
ብመሰረት ኣፈታሪኽ ቀዳሞት ኣቦታትና፡ እዛ ሎሚ እንርእያ ከተማ ኣስመራ፡ ብ4 ማለት - ገጀረት - ጐዳይፍ - ቤት መኻእ - ኣርባዕተ ኣስመራ ዝበሃላ ንኣሽቱ ኣቍሻት ዝተኸበበት እያ ኔራ። እዚ ፋሕ ዝበለ ኣተሃላልዋኦም፡ ብባሕሪ ንዝመጹ ሰረቕትን ዓመጽትን ክቃወሙ ዘኽእል ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮም፡ ግዳይ ዓመጽን ስርቅን ይኾኑ ምህላዎም ተረዲኦም፡ ብሓደ ክጥርነፉሉ ዝኽእሉ መገዲ ንምርካብ ኣብ ልዝብ ኣተዉ። በዚ መሰረት ካብ ኣርባዕቲኤን ዝተዋጽኡ ለባማት ወከልቲ ዝሳተፉዎ ዋዕላ ወሲኖም ተራኸቡ‘ሞ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ክወሃሃቡ ጀመሩ። እቲ ዝወሃብ ሓሳብ ግን ተኣኪቦም ብሓደ ስምን ብሓደ መራሕን ተጠርኒፎም ብሓባር ካብ ጸላእቶም ክከላኸሉ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ካብ ምግላጽ ዝሓልፍ ኣይነበረን። በዚ መልክዕ ኣብ ሓደ መዕለቢ ከይበጽሑ ብዙሕ ዋዕላታት ኣሕለፉ። እዚ ከኣ ነፍስወከፎም ንዓይ ምረጹኒ ዘስምዕ ባህሪ ዝነበሮ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ሓንቲ ካብተን ሰብኡተን ኣብ ሓደ ስምምዕ በጺሖም ፍታሕ ከምጽኡለን ንግሆ ንግሆ መግብን ማይን ኣስኒቐን ዝሰዳ ዝነበራ ኣንስቲ፡ ንበዓል ቤታ፡ “ ኣንቱም ካሳብ ክንድዚ ግዜ ዝወስድ እንታይ‘ዩ ጸገምኩም “ ትብሎ። ንሱ ድማ “ ከምዚ እንተተገብረ ይሓይሽ እምበር እገለ ክመርሓና ምሓሸ ዝብል ጌና ኣይተረኽበን “ ይብላ። በሉ ደሓን እዚ ካብ ኮነ ጸገምኩም ንሕና እኽለማይ ሒዝና ክንመጸኩም ኢና ኢላ ተፋንዎ‘ሞ ንሱ ከይዱ ከም ቀደሞም፡ ይሓይሽ ይሓይሽ ጥራሕ ካብ ምባል እገለ ይሕሸና ዘይንብል ኣብ ዝብል ጭራሕ-ምራሕ ከለዉ ወየን ኣንስቲ ደበኽ በላ። እዘን ኣንስቲ ገለ እንጌራ ገለ ድማ ስዋን ማይን ዝተሰከማ ክኾና እንከለዋ፡ ሓንቲ ካብአን ግን ሓሙኹሽቲ ዝመልአ መሶብ ተሰኪማ፡ ኣብ ቀጽሪ ባይቶ ደው በላ‘ሞ፡ ጫውጫው ሰብኡተን እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ ግደፉና በጃኹም ኢለን ነታ ተኸዲና ዝነበረት መሶብ ሓሙዅሽቲ ብምኽፋት ኣብ ማእከሎም ደርበይኣ። ወዮም ታዕታዕ ዝብሉ ዝነበሩ ሰብኡተን፡ ሓመድ ኣዳም ይኽደንክን እናበሉ ፋሕብትን ክብሉ ከለዉ፡ ሓደ ካብኦም ግን ካብታ ዝተቐመጣ ከይተንስአ ርእሱ ኣድኒኑ ኮፍ ኢሉ እንከሎ፡ ወዮ ሓሙዅሽቲ ድሮ ተቐንጢጡ ምስ በነነ፡ እተን ኣንስቲ ነቲ ኮፍ ኢሉ ዝጸንሐን ንስኻ ኢኻ መራሒና ኢለን ቆጽሊ ኣቐሚጠን መረጽኦ፡ ሰብኡተን ድማ ይርሓሰና ኢሎም ተቐበሉዎ‘ሞ እዛ ሎሚ ኣስመራ ንብላ ዘሎና ከተማ፡ ካብ 1540 ዓመተ-ምሕረት ጀሚራ በዚ ስም‘ዚ ክትጽዋዕ ጀመረት። ትርጉሙ ድማ መራሕተን መሪጸን ኣስሚረን ማለት‘ዩ።
እዚ ኣብ ፍራንክፎርት ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ደለይቲ ፍትሒ ወዓሩ ኣዴታት ኤርትራ ከኣ፡ ነዚ ታሪኽ‘ዚ ዳግማይ ክደግም እንተኾይኑ፡ ኣብ ገለ ተክኒካዊ ጉድለታት ከየድሃብና፡ ነቲ ረዚን ዕላምኡ መታን ክወቅዕ፡ ብዘሎና ዓቕሚ እናተመላላእና ከነዐውቶን ብኩሉ ዓቕምና ክንሳተፎን፡ ሓደ ንኩልና ጠርኒፉ ዝውክልን ዘማእክልን መሪሕ ኣካል ክሳብ ምቛም ክንከይድ፡ ንጽባሕ ዘይበሃሎ ህጹጽ ጉዳይ ኩሉ ዜጋ ክኸውን ይግባእ ድሕሪ ምባል ጽሑፈይ ብግጥሚ ክዛዝም‘የ።
ይኣክል
ይኣክል‘ወ ንክንደይ ክንጽመም
ልዕሊ ህልቂት ላምባዱሳ ዘሎ‘ዩ መስደምም
ካብ ቅንጸላ ስንኩላን ንላዕሊ እንታይ ኣሎ ዘገርም
ርኢናን ሰሚዕናን ልብና ካብ ዝጸምም
ፈቒድናሎኮ ኢና ድላዩ ክፍጽም።
ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣብ ክንዲ ነስተብህል
መኣዝንና ስሒትና ኣብ ፈቐዶ ጓይላ ክንዘልል
ናይ ለባማት ምኽሪ ነጺግና ከነላግጽ ክንድህል
ግብሩ ከይፈለጥና ብስሙ ክንምሕል
ብሃገር ክጻወት ከፊትናሉ ዕድል።
ኣየእወዩን ድዮም ብዙሓት ደቂ ሃገር
ዕድል ከይንህቦ ነዚ ሓሳድ ፈገር
ሕቡእ ተንኮላቱ ኣንጊሁ ክብርዕን ክስበር
ሃስያ ከውርድ ኣብዛ ሓላል ሃገር
ሕጂዶ ይሓይሽ ህዝበይ ከም ዕዉር ደምበርበር።
ይኣክልወ ይኣክል ብዙሕ ተጸሚምና
ከም በዓል ውሕጅ ንስሕቕ እናሞትና
ደቅና ክምንጠሉ ካብ ሕቝፍና
ብታንክ ክፈርስ ዝተሃንጸ ቤትና
ዓገብ ዘይንብልስ መንዩ ፈዊሱና።
ጳጳስና ክሕየሩ እኳ ድንግጽ
መንእሰይ ከጥፍእ ኣልቦ ግልጽ
ሚንስተራት ክኣስር ወይከ ድምብርጽ
ስንኩላን ክቕንጽል እኳ ብጽጽ
ልዑል ፈጣሪ‘ኳ ተኣምራቱ ኣይገልጽ።
ይኣክልወ ምጽማምና ዓቐኑ ሓሊፉ
ክንደይ ንጹህ ኤርትራዊ ሕይወት እኳ‘ዩ ተቐዚፉ
ክንደይ በሊሕ ኣእምሮ ኢዩ ኣብ ሳሕል ተቐንጺሉ ተሪፉ
ቍጽሪ ኣልቦ ዓቕሚ በላሕቲ‘ዩ ኣብ ዒራዒሮ ተዀሊፉ
ታሪኽ ኣይርስዖምን‘ዩ ኩሎም ዝሓለፉ።
ምእንቲ ሓርነት ኣንጻር ኩሎም ጸላእቱ
ወዱ ጓሉ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሰሚሩ ከቲቱ
ፍጡር ሰብ ክንሱ ታንክታት መኪቱ
ተኣምር ሰሪሑ ዝጨበጠ ዓወቱ
ከመይሎምከ ይሓስቡ ክልሕስ ጸላእቱ።
ድሌት እንተለዎም ሰላም ጕርብትና
ብሓባር ክንምዕብል ከክብርና ሒዝና
ኣብ ራህዋ ክንሰግር ብውሁድ ዓቕምና
ድኽነት ክንስዕር ክኽዕብት ሽሻይና
ኣብ ዝኾነ እዋን ክፉት‘ዩ ማዕጾና።
እንተብተንኮልን ብስም ሰላም ቃጻን
ሃገርና ክትዘምቱ ምድራን ወደባታን
ኣሻብ ረሲዕኩሙዎ ዝሓለፈ ቃልስን ቃንዛን
ኣይነበረን እኮ ኣባልዓ ጎጎን ሃንዛን
ኤርትራናስ ኣሎናያ በዓል ዋዕሮን ራዛን።
ይኣክልወ ኣዴታት ሓቅኽን
መጻወት‘ዚ ከዳዕ ምስ ኮኑ ፍረ ናይ ማህጸንክን
ትርጉሙ ሃሲሱ ውጽኢት ቃልስኽን
መላገጺ በደውይን ኮይነን ዕሸላት ደቅኽን
ካብዚ ዝኸፍእከ እንታይ ክደግመክን።
ጸገምና ከቢድ መዘና ዘይብሉ
መዛግብቲ ሳሕል እንተተገንጺሉ
ናይቶም ንጹሃት ደም ክነግር‘ዩ ባዕሉ
ሽዑ ክገሃድ‘ዩ እቲ ሕቡእ ጉድ ኩሉ
ሰማዒ ከንቀጥቅጥ‘ዩ ኣብ ዝሃሎ ይሃሉ።
ይኣክልወ ደቂ ዋዕሮ ክንደይሻብ ክንድቅስ
ብሕይወት እንከሎና ክብርና ክገሃስ
ታሪኽ ጀግንነትና ትርጉሙ ክሃስስ
ዕርዲ ነጻነትና ብጭሉቕ ክፈርስ
ሕጂ‘ዩ እዋኑ ክብርና ክንመልስ።
ይኣክልወ ይኣክል ሓሊፉ ዓቐኑ
ኣንጊሁ ነቒሉ ሃገርና ከዕኑ
ዓመታት ሰሪሑ ጸልማት ተኸዲኑ
ብዓሌት ሃይማኖት ህዝብና በቲኑ
ኣለኹ በል ህዝበይ ደርቅሞ ኣስናኑ።
ይኣክል ደቂንበሳ እዚ‘ኳ ደንጒኽን
ናይ ዓቕምና ፋሕፋሕ ድቃስ ከሊኡክን
ንልዝብ ዝዕድም ዋዕላ ምድላውክን
ብዘይኣፋላላይ ብሓባር ምዕዳምክን
ካብ ደለይቲ ፍትሒ ምስጋና ይብጻሕክን።
ተበግሶ ዋዕላኽን ሸቶኡ ክሃርም
ታሪኽ ኣዴታትክን ሎሚ‘ውን ክድገም
ጠንቂ ዘይምስማርና ብግቡእ ክግምገም
ናይ ዋዕላኽን ዘተ ብዓወት ክዛዘም
ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዘዝኽእሎ ይዕመም።
ሞራልክን ሓፍ ይበል ኣዴታት ኣጆኽን
ብውሽጥን ብደገን ቀለስቲ ንስኽን
ኣይመልእን ኩሉ ብዘይካኽን
ባዕልኽን ዓጢቕክን ኣዕጥቓ ደቅኽን
ብኩሉ ዓቕምና ኣሎና ኣብ ጐንኽን።
ዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
27 ለካቲት 2019
ዝሓለፉ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ፥ ቀንዲ ድልየቶምን ዕላማኦምን ወደባት ኤርትራ ንምቁጽጻር ነይሩ። ኤርትራ ናጽነታ ምስተጎናጸፈት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝሰኣነት ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ። በዚ ምኽንያት ወገሐ ጸብሐ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ተሪፍና ኢሎም ዘማርሩ ወገናት ኣለዉ።
ኣብ ዓለም ብዘይፍደገ ባሕሪ ዝነብራ ሃገራት ኣለዋ። ምስታ መተሓላለፊ እትኾነን ሃገር ብምስምማዕን ልኡላውነታ ብምኽባርን ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃም ኣይተጽገማን። ንኣብነት ሃገረ ቦሊቭያ ኣብቲ ናይ ሰማያዊ ውቅያኖስ ውግእ ድሕሪ ምኽሳራ፥ ገማግም ባሕራ ናብ ቺለ ከምዝኸደ ኣብ 1884ን 1904ን ዝተኸተመ ውዑላት ተቐቢላቶ። ድሕሪ እዚ ቦሊቭያ ናይ ይግበኣኒ ዝብል ሓሳብ ከየልዓለት ንልኡላውነት ቺለ ኣኽቢራ፥ እቲ ናይ መጠረስታ ውዕል ናይ መሳለጢታትን መኽዘኒ ወደብን ካብን ናብን ቦሊቭያ ብወደባትን ግዝኣትን ቺለ ኣቢላ ናይ ንብረት ምትሕልላፍ ዘፍቅድ ፍሉይ ስምምዓት ተሰማመዐት። ከምቲ ሕቡራት መንግስታት ብGA Res 46/212 ኣብ 20 ታሕሳስ 1991 (Malaczuk ,1993) ናይ ካብን ናብን ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃምን ከምኡ እውን ናጽነት ናይ ምትሕልላፍን መሰል ደጊሙ ዘረጋግጾ፥ እቲ መተሓላለፊ ግን ንሰላምን ስነ ስርዓትን ወይ ድሕነት ናይታ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ዝሃሲ ወይ ዝጎድእ ክኸውን የብሉን ዝብል ዓንቀጽ 19(1) ኣለዎ። ነዚ ንምትግባር ግና ናይታ ወሃቢት ኣገልግሎትን ተቐባሊትን ሃገር ሕጋዊ ዝምምዕ የድሊ።
ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ደማዊ ውግእ ኣፍደገ ባሕሪ ምስኣና በቲ ናይ 1993 ህዝባዊ ወኸሳ ናጽነት ኤርትራ ኣሚና ክተብቅዕ ንጂቡቲ ገዲፋ ንወደባት ኤርትራዶ ምተቛመተት? ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ምዃኑኸ ብርግጽ ትቕበሎ ዲያ? እንተ ትኣምን ነይራ ደኣ ስለምንታይ እያ ኢትዮጵያ ሃገረ ጂቡቲ ቀረባኣ እንከላን መራኸቢ መስመራት ባቡርን ጽርግያን እንከሎ፥ ብኣሽሓት ኪሎሜትራት ርሒቐን ንዝርከባ ወደባት ኤርትራዶ መጠመተት።? ዝብል ሕቶታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሕቶ ከልዕል ዝኽእል ኢዩ።
ድሕሪ’ቲ ብሰንኪ ናይ ዶብ ምስምስ ዝተወለዐ ኲናት ዝተኸተመ ውዕል ኣልጀርስ ከይተተግበረ ንወደባትና ናይ ምጥቃም ድሌት በቲ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ክትግበርዶ ይኽእል? እዚ ስምምዕ ውዕል ናይ ኣልጀርያ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓልከ ነቲ ብግልጺ ዘይሕበር ስምምዓት ነመጻኢ እንታይ መዘዝ ከስዕብ ይኽእል? ዝብል ሕቶታት ኩልና ብሃገርና እንግደስ ኤርትራውያን ክንሓስበሉ ዝግባእ ኢዩ። መን ይፈልጥ ጽባሕ ኣብ ዘይንፈልጦ ዓዘቕቲ ምስ ኣቶና ክንበራበር እንተዀንና፡ ናብ ናይ ጥፍኣት ጎደና ንምርሽ ምህላውና ካብ ብሕጂ ክንፈልጥ ኣሎና። ልክዕ ኢዩ፥ ኢትዮጵያ መሰል ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ንምጥቃም ዘኽእላ ዓለም ለኻዊ ስምምዕ ዘሎ እኳ እንተኾነ፥ ነቲ ናብ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ምጥቃም ዘብጽሕ ስምምዕ ዶብ ናይ ምሕንጻጽ መስርሕ ብዘይቅድመ ኩነት ምስዝትግበር ኢዩ። እቲ ብውዑል ኣልጀርስ ዝተበጽሐ ቀያድን ናይ መወዳእታን ስምምዕ ኣብ ማይ ዝሓቐቐ ሽኮር እናኾነ ይኸይድ ዘሎ ይመስል። ነዚ ዘረጋግጽ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዝኾነ ባይቶኦም ናይ ኣሉታ ስምዕታ ወስ ዘበልዎ ብጭብጢ ዝቐረበ ሰነድ ይሕብር። ንሱ ድማ እቲ ብናይ ኢትዮጵያ ኣቆጻጽራ ብዕለት 14 ለካቲት 2011 ኣፈ ባይቶ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝበልዎ መስተንክር ዘረባ ኢዩ። እቲ ንሶም ዝሃብዎ ቃል ቀዳድ በርሚል ማይ ኣይሕዝን ዘብል እዩ። ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቶ ታገሰ ጫፎ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝኾነ ውዕል ከም ዘይፈረመት ይገልጹ። ውዕል ክፍረም እንተኾይኑ፡ ባይቶ ተኻቲዑ ምስ ዘጽድቖ ጥራይ እዩ ሕጋዊ ዝተፈረመ ውዕል ዝኸወን እምበር ናብ ባይቶና ዝመጸን ዘጽደቕናዮን ስምምዓት የለን ይብል። ብተወሳኺ ኣቶ ጫፎ “እቲ መንግስቲ ነቲ መስርሕ ሰላም ጥራሕ ኢዩ ኣትኲሮኡ፥ እቲ ምስ ዶብ ዘተሓሕዝ ቀንዲ ኣጀንዳና ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ፥ ብደም ዝተኣሳሰሩ ሰባት ኢዮም፥ ካብ ዶብ ንላዕሊ ህዝቢ ዝለዓለ ኢዩ። ስለዚ ንህዝቢ ነራኽቦ፥ ፍቕሪ የተኣሳስረና፥ ብሓድነት ዘሎና ነገር ተኻፊልና ንብላዕ፥ ሓቢርና ንንበር።” ዝብሉ እዚ ኢዩ ትርጉሙ ክትብሎ ዘይትኽእል ቅኔ ዝመስል ኣበሃህላ እዩ።
እዚ ዝሕብሮ ብቕኑዕ ዘይተጀመረ ጉዳይ ውጽኢቱ ብኣሉታ ዝድምደም ምዃኑ እዩ። ኣቶ ጫፎ ብሓጺሩ ነቲ ጉዳይ ካብ ዶብ ህዝቢ ኢዩ ዝለዓለ ክብሉ እንከለዉ፥ ነቲ ስምምዕ ውዕል ኣልጀርስ ኣይንቕበሎን ክሳብ ምባል ዝእምት እዩ ዝመስል። እዚ ማለት እቲ “መንግስቲ ነቲ ናይ ሰላም መስርሕ ጥራይ ኢዩ ኣትኲሩሉ ዘሎ፥ እቲ ምስ ዶብ ዝተሓሓዝ ቀንዲ ኣጀንዳና ኣይኮነን” ክብሉ እንከለዉ ንኣጠቓቕማ ኣፍደገ ባሕሪ ከምቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዘጽደቖ፥ ማለት ናይታ መተሓላለፊት ሃገር ኣብ ገዛእ መሬታ ስልጣን ከምዘለዋን ክልተኣዊ ስምምዕ ከምዘድልን ንዝብል ክጓስይዎ ድዮም ዝሕልኑ ዘለዉ? ቀጺሉ ኣቶ ጫፎ ነቲ መስርሕ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ኣጀንዳኡ ከምዘይኮነ ክዛረብ እንከሎ፡ ትርጉሙ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስ ከምዘለዎ ብዘይቅድመ ኩነት ከምዝቕበሎን ከምዝትግብሮን ዝኣተዎ ቃል ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ’ውን ይመስል። ነዚ ዘራጉድ ድማ እቲ”ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ሓደ ህዝቢ ኢዮም፥ ብደም ዝተኣሳሰሩ ሰባት ኢዮም፥ ካብ ዶብ ህዝቢ ኢዩ ዝለዓለ፥ ዘሎና ነገር ብሓድነት ተኻፊልና ንብላዕ፥ ሓቢርና ንንበር” ክብል ከሎስ ነታ ክልተ ሃገራት እትብል ጎስዩ ምሕላፉስ እንታይ ክእምት ደልዩ ኮን ይኸውን።? ኣብዚ ጉዳይ ንሕና ኤርትራውያን ከም ጎረባብቲ መጠን፥ በቲ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝፈቕዶ መሰረት ልኡላውነት ክልተ ዘተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ተኸቢሩ ክንተሓባበር፥ ዘሎና ጸጋታት ክንካፈል ብሰላም ክንነብርን ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ዋና ዝኾነ ህዝብና ብቕምጡ ሓደ ኮይና ዝበሃል ግና ተቐባልነት የብሉን።
ኢትዮጵያ፥ ወደብ ጅቡቲ ዝቐርባ ክነሱ ናብ ወደባት ኤርትራ ጠመተኣ ምዕዛዙ ሕቶ ዘልዕል እምበኣር ኣብዚ ኩነታት እዩ። ስለዚ ደሓር “ሓልሓል እንከሎካ ጽሩይ መሬት ሰናድር እንከሎካ ጽሩይ ብረት እንታይ ኣእተወካ ኣብ ሰንሰለት” ከይከውን፥ ከሎ ጌና ንሕና ኤርትራውያን ሓደ ኢድን ሓደ ድምጽን ክንከውን ንጥለብ ኣሎና። ብኣንጻሩ ወግሐ ጸብሐ ተረሓሒቕና ዓንገረር እንተበልና ንህዝብና ክንጎድኦ እምበር ከነርህወሉ ኣይኮናን።
ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ሓደ ዝተወሃደ ፓርቲ ከምዝኸውንን ሽሙ ከምዝቕይርን ተገሊጹ
Tuesday, 26 February 2019 11:12 Written by ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ
ኣዲስ አበባ —
ናይ ኢትዮጵያ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ቅድሚ ዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ ሓደ ዝተወሃደ ፓርቲ ከምዝኸውንን ሽሙ እውን ከምዝቕይርን ኣፍሊጡ።
ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ማእኸል ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህዴግን ኣቶ ብናልፍ ኣንዱአለም እቲ መፅናዕቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከሎ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ናይ ኢህወዴግ ሽም ንመጀመሪያ ግዜ ክቕየር እዩ ኢሎም።
ኣዋርሕ ዝተረፎ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ኢህወዴግ ዝበሃል ውድብ ኣይህልውን።ኦዴፓ፣ኣዴፓ፣ዴህደንን ህውሓትን ዝብሃሉ ኣባል ውድባት ኣይህልዋን።ናይቲ ውድብ ኣቦ ወንበር ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንኩላትና ዝሓቖፈ ሓደ ኢትዮጵያዊ ውድብ ክንፈጥር ኢና ብምባል ናይ ኢህወዴግ ሓድሽ ኣወዳድባ ወግዓዊ ጌሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ወግዓዊ ዝገበሩ ኣጋር ውድባት ካብ ዝመርሕኦም ክልላት ዓፋር፣ሶማሌ፣ጋምቤላ፣ቤንሻንጉል ሃረሪን ዝመፁ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ምስ ዝመጹ ተወከልቲ ህዝቢ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን እዩ ።
ኢህወዴግ ክሳብ ሎሚ ብቐጥታ ዘመሓድረን ንክልላት ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ደቡብን ትግራይን ጥራሕ እዩ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንተወከልቲ ከምዝገለፁዎ ኢህወዴግ ብኣጋር ውድባት ዝመሓደራ ክልላት ሓዊሱ ኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ክፋላትን ኢትዮጵያዊያንን ብዝሓቁፍ ኣገባብ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
እቲ ገዛኢ ፓርቲ ሽሙ ከይተረፈ ንምልዋጥ ዘኽእሎ እዚ መፅናዕቲ ይዛዘም ምህላውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ማእኸል ኣተሓባብሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ሓላፊ ቤት ሕፅፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግን ኣቶ ብናልፍ ኣንዱኣለም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።
“ቀዳማይ ረቂቕ ናይዚ መፅናዕቲ ናብ ምዝዛም ገፁ እዩ ዘሎ።ኣርባዕቲአን ኣባል ውድባት ኣብ ቀረባ ክዘራረባሉ ትፅቢት ይግብር።እቲ ናይ ውህደት ሕቶ ብኣባል ውድባት ኢህወዴግ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ መፅናዕቲ ብኣጋር ውድባት እውን ስለ ዝተሰርሐ እቲ ውህደት ንዕኦም እውን ዝሓውስ እዩ።”
ኣቶ ብናልፍ ወሲኾም ኣብ እዋን ምይይጥ ዝርከብ ግብኣት ተሓዊሱዎ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ክውስንኦ ትፅቢት ከምዝግበርን በዚ ውሳነ መሰረት ድማ እቲ ፓርቲ ሓደ ዝተወሃደ ፓርቲ ከምዝኸውንን ኣብሪሆም።
ንሶም እቲ ሕጂ ዘሎ ኣወዳድባ ብቕርፅን ትሕዝቶን ስለዝልወጥ ግንባር ምዃኑ ተሪፉ ሓደ ውድብ ክኸውን እዩ ምስ ኢሎም።
“ሕጂ ዘለው ብሄራዊ ውድባት ናብዚ ሓዱሽ ፓርቲ ክጠቓለሉ’ዮም። ርእሶም ክኢሎም ዝተወደቡ ብሄራዊ ፓርትታት ክቕህሙ እየን።ከምቲ ዝነበርኦ ርእሰን ክኢለን ብደረጃ ውድብ ምስርሐን ከብቅዕ እዩ።”
ብብሄራዊ ደረጃ ዝተወደባ ከም ናይ ሶማሌ፣ናይ ዓፋር፣ቤንሻንጉል፣ከምኡ እውን ኣባል ውድባት ኦሮሞ፣ኣምሓራ፣ደቡብን ትግራይን ሽመንን ቅርፀንን ክሓድጋ እየም ኢሎም።ሓደ ፓርቲ ክኸውን ከሎ ኣብ ምርጫ ተወዳዲሩ እንተድኣ ስዒሩ ነተን ክልላት ዘመሓድር እቲ ሓድሽ ዝጣየሽ ውድብ ክምድበለን እዩ ኢሎም።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶኦም ዝሃቡ ዳይረክተር ኢኒሼትቭ ኣፍሪቃ ናይ ቀደም ናይ ኣዲስ ኣበባን ናይ ኢትዮጵያን ኣብያተ ምኽሪ ንግዲ ፕረዚዳንት ዝነበሩን ኣቶ ክቡር ገና ኣብ ቀረባ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝተበሃለ ሓዱሽ ኣወዳድባ ኢህወዴግ ዝተወሰነ ርእዮተ ዓለማዊ ለውጢ ሒዙ ክመፅእ ይክእል’ዩ ዝብል ግምት ከምዘለዎም ሓቢሮም።
Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ገዛኢ-ፓርቲ-ኢትዮጵያ-ቕምዲ-ዝቕጽል-ምርጫ-ታ-ሃገር-ሃደ-ዝተወሃደ-ፓርቲ-ከምዝኸውንን-ሽሙ-ከምዝቕይርን-ተገሊጹ/4803309.html
ኤርትራዊ ወዲ ሃገረይ! ኣስተብህል ኣይትተሃመል። ኣብ ግዜ እቶእቶ ከይትታለል። ምኽንያቱ በዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ፡ ውጽኢቱ ዘይፍለጥ ሕቡእ ምስጢራት ደሓር ተመሊስና “ከምዚዶ መሲሉኒ” ከይንብል ንተሓቛቘፍ። ብደገ ዝመጽእ ሽርሒታት ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ኤርትራውያን ውን ጎሓላሉ ከምዘይሰኣኑ ኣጸቢቕና ክንነቕሓሎም ይግባእ።
ትማሊ ብኣጋር ሰራዊትን፥ ነፈርትን ህዝብን፡ እንስሳታትን ኣባይትን ኤርትራ፥ ዘባደመ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ መዝገብ ታሪኽ ዝፈሓቕ ኣይኮነን። ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ብመሰረቱ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽልኢ የብልናን። ጽልኢ የብልናን ማለት ግን ነቲ ኣሽሓት ዝተሰውኡሉ ዕላማ ምጥላም ማለት ኣይኮነን። እቲ፡ ኣብዚ እዋንዚ ገለ ምሁራት ኢና በሃልቲ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት፥ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድህላል ዘስምዕዎ ከንቱ ውዳሴን ንድሕሪት ምምላስን ግን ፈጺሙ ከምዘይስቆረና ክነብርሃሎም ይግባእ።
እዞም ምሁራት ኢና በሃልቲ ብህዝቢ ኤርትራ ዝጽልኡ ነጋውስ በብሓደ እናተቐሱ ክገልጹ ከለዉ ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ። “ህዝቢ ኤርትራ ንሃጸይ መነሊክ ዝጸልእዎ ሸጥካና ብዝብል ኢዩ ይብሉ። እዚ ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ “ስለምንታይ ትሸጠኒ” ኢልዎም ክበሃል ሓሲብዎ’ውን ኣይፈልጥን። እቶም ከምዚ ዝሓስቡን ዘዘንትዉን ኮነ ኢልካ ንሓዲሽ ወለዶ ንምድንጋርን ከምቲ ናይ ሓምሳታት ዝገበርዎ ዘይተዓወተ ነፍሕታት ይደግምዎ ምህላዎም ኣይተረደኦምን። ቀጺሎም፥ኤርትራውያን ንሃጸይ ሃይለስላሴ ንፈደረሽን ስለዝደምሰሰ ኢዮም ዘይፈትውዎም ብማለት እውን ወስ ክብሉ ይፍትኑ ኢዮም። እዚ ግን እቲ ፈደረሽን ስለዝፈረሰ ዘይኮነስ፡ ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ምዃና ብምኽሓድ፡ ከሎ ገና ቋንቋታታ፡ ባህልታታን ዲሞክራሲያዊ ትካላታን ተጠሊሙ ሰንደቕ ዒላማኣ ብምውራድን እዩ ህዝብና ቅድሚ ፈደረሽን ምፍራስ ቃልሱ ዘልዓለ። እቲ ቃልሲ ንፈደረሽን ምምላስ ዘይኮነስ፡ እቲ ውዒሉ ሓዲሩ ሃገራውነቱን ታሪኹን ክብርታቱን እናተፋሕቘ ይኸይድ ከምዘሎ ዝተገንዘበ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1958 ሓረካ ወይ ማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ዝጀመረ።
ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ክብሩ፡ መንነቱን ሃገራውነቱን ንኽመልስ ካብ ባሕቲ መስከረም 1961 ጀሚሩ ኣብ ቃልሲ ደሙ ዘፍሰሰን ኣዕጽምቱ ዝኸስከሰን እውን ምሉእ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ንምርግጋጽ እምበር ፈደረሽን ንምምላስ ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ብረታዊ ሰውራ ቅድሚ እቲ ብ15 ሕዳር 1962 ፈደረሽን ምፍራሱን ንባንደራና ብባንደራ ኢትዮጵያ ብ23 ታሕሳስ 1958 ምትክኡን ኢዩ ተጀሚሩ። ድሕሪ ምምስራት ማሕበር ሸውዓተ፡ ንግፍዐኛ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፥ ብናይ ሽዑ መንግስቲ ኣሜሪካ ክሳብ ኣፍንጫኡ ይዕጠቕ ስለ ዝነበረ፡ ብሓይሊ እምበር ብሰላማዊ መንገዲ መሰል ርእሰ ውሳነ ኤርትራ ከምዘይቅበል ምስ ተፈልጠ፡ እዞም ኣብ ስእሊ ዘለዉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ምእንቲ ሃገሮም ስለ ዝተበጀዉ፥ ሓይሊ መግዛእቲ ምእንቲ ካብ ህዝቢ ክንጽሎም ሸፋቱ ኢዮም ክብል ፈተነ።

ሰውራ ኤርትራ ግን መመሊሱ ጠጢዑ ሓይሉ እናደልደለ ንመግዛእታዊ ሓይሊ ምስቲ ኩሉ ኣጽዋሩ ክድርዕሞን ኣላሽ ከብሎን በቕዐ እምበር ንድሕሪት ኣይተመልሰን። ሓይሊ መግዛእቲ፡ ምስ ሰውራ ትተሓባበሩ ኣለኹም ብማለት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ዝወስዶ ዝነበረ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዓውዲ ውግእ ንዝተሰውኡ ተጋደልቲ፥ ህዝቢ ንምርዓድ መይቶም እንከለዉ ከይተረፈ የንጠልጥሎም ነይሩ እዩ። ተወጊኦም ምስ ተማረኹ ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ መግዛእቲ ቁጠዔኦም ስለ ዝገለጹ ተዳጊሞም ምስ ተቐትሉ ህዝቢ ንምርዓድ ኣስከሬኖም ኣብ መሬት ይጉተት ነይሩ። ስዉእ ወለሎ ናይዚ ኣብነት እዩ።

ነዚ ካብቶም ባሕሪ ሰጊሮም ዝመጹ ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ካብ ዝፈጸምዎ በደል ዘይፍለ ተግባራት ንጠቅስ ዘለና፡ ኣብ ታሪኽ ንምንባርን ንድሕሪት ተመሊስካ ንምጽብጻብን ዘይኮነ፡ ዝተፈጸመ ነገራት ከምዘይርሳዕ ንምምልካትን ሕጂ’ውን ናብ ከምዚ ዓይነት ሸንኮለል ክምለሱ ንዝደልዩ ካብ ዝሓለፈ ጌጋኦም ንክመሃሩ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ።
እቲ ኩሉ ዝሓለፈ ግፍዒ ከይኣክል፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓውዲ ውግኣት ናይ ዝሞቱ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሓወልቲ ንክትከል ዝሓቱ ወገናትን ዓሰብ ናትና ኢያ ዝብሉን ክቀላቐሉ እንከለዉ፡ ነቲ ዝፈሰሰ ንጹህ ኤርትራዊ ደምከ ከመይ እዮም ክርእይዎ ዝደልዩ።
ዝያዳ ንምንጻር፡ ኤርትራውያን ምስ ዝሓለፉ መግዛእታዊ ስርዓታት፥ እምበር፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽልእን ቅርሕንትን የብልናን። ከም ጎረባብቲ ህዝቢ ብሓባር ክንነግድ፡ ክንዋሰብን ሓባራዊ ማሕበራዊ ህይወት ከነተግብርን ጸኒሕና ኢና። ኣብ መጻኢ እውን እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ልኡላዊ ጐረባብቲ ሃገራት ዝህሉ፡ ንናይ ሓባር ረብሓን ሰላምን ዝዓዪ ዓለም ለኻዊ ደረጃኡ ዝሓለወ ሓደ ኣብ ጉዳይ’ቲ ካልእ ኢድ ዘየእትወሉ ዝምድና ዝጽላእ ዘይኮነስ ኣድላይ’ውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ በቲ መሰል ናይ ጉርብትና ዘየኽብርን፥ ዘይሚዛናውን ዝምድና ንምፍጣር ዝግበር ላዕልን ታሕትን ከይንድህለል ክንጥንቀቕ ይግበኣና።