ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ፡ ኣይትማህለ ድዩ ዝበሃል?

2019-03-10 08:50:08 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1735 times

ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝርአ ዝነበረ ክወዳደር እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምብርባር ተስፋ ዝህብ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኤርትራን ኩሉ ኩርነዓት ዓለምን ብዛዕባ ፖለቲካ ሃገሮም ብጋህዲ “ጉጅም” ኣብ ዝብልሉ ደረጃ ኢና እንርከብ። ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ንኤርትራ ዝምልከት ፖለቲካዊ ዕላል ንውሱናት ህግዲፍ ዝተፈላለየ ሕማቕ ሳጓ ዝልጠልፈሎም፡ ንኣብነት “ወያነ” እሞ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት እዩ ነይር። ሎሚ ግና እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ብፖለቲካውን መጻኢ ዕድል ሃገርካ ምሽቓልን መተካእታ ዝበልካዮ ሓሳብ ምምንጫውን ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ እውን፥ “እዚ ርጉም ሰብኣይ ቅድም ናትና ይመስለና ነይሩ፡ ሎሚ ግና ናትና ኣይኮነን፡ ቅድም ኤርትራ ናይ ምሕዋይ ድሌትን ቅሩብነትን እናሃለዎ ዝተጸገመ ይመስለና ነይሩ፡ ሎሚ ግና ኮነ ኢሉ ኤርትራን ህዝባን ንምጥፋእ ወጢኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ምዃኑ በሪሁልና ኣሎ” ዝብሉ ስምዒታት ሳዕሪሮም ምህላዎም ኣስመራ ገይሾም ዝተመልሱ’ሞ ነቲ ኩነታት ኣዕሚቖም ዝመዘንዎ ዝህብዎ ሚዛን ኮይኑ ኣሎ።

ህግዲፍ ኣሚንሉ ድዩ ተገዲዱ ቀስ ኢልና ከነጽነዖ ኢና። ብዙሓት ናይ ከባቢና ፖለቲካ ናይ ነዊሕ ግዜ ተዓዘብቲ ግና ኢሳይያስ ብናይ ምዕራብ ሓይልታት ስለ ዝተሸረጠ እዩ ኢሎም ብዘእምኑ ምኽንያታት  ይገልጽዎ። እቲ ካብ ቀደም ብፈንጠጋር ተግባሩ ዝፍለጥ ኢሳይያስ ምስ ብኹሉ መለክዒ መዛንኡ ዘይኮኑ ባእታታ ክቆጻጸ ዝውዕል ዘሎ እውን ብውነኡ ኣይኮነ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ኣለዉ።  እቲ ዝዛረቦ ቃላትን ዘርእዮ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ከኣ ንኤርትራውያን ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ነቶም ሓደ እዋን “ውሰደየ ኢስሳይያስ በዓል ስረ” ዝብልሉ ዝነበሩ ግሩሃት ስንባደ ፈጢሩ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። እቶም ሓደ እዋን ተዓሚቶም “ ወዲ ኣፎም ብሪየ ንሱ ኣንበሳ ዓሻክሩ ነብርየ” ዝብሉ ዝነበሩ ርትዓውያን እንተኮይኖም ሎሚ ክሓፍርሉ ዝግበኦም ግዜ እዩ። ምኽንያቱ ኢሳይያስ ከምቲ ዝገመትዎ ዘይኮነስ ኣብ ጥቓ ዝገመትዎ ከም ዘየለ ብተግባር ተረጋጊጹ ስለ ዝኾነ። እቲ መፍትሒ ግና ብዝሓለፈ ምሕፋር ዘይኮነ፡ ካብኡ ተመኲርካ ዝሓሸ ሒዝካ ምቕራብ እዩ።

ነዚ ኣርእስት’ዚ ከልዕል ዘገደደኒ፡ ኣብዚ እዋንዚ’ውን ናብ ህግዲፍ እንዳተማሕጸኑ፡ ካብኡ መፍትሒ ዝጽበዩ ምህላዎም ስለ ዝተዓዘብኩ እየ። ኣብዚ እዋንዚ ዓይንኻ እንዳረኣየ፡ ልብኻ እንተዓዝበ ናብቲ ዲክታተር ኢሳይያስ ከም መኸወሊ ዝጥቀበሉ ስማዊ ህግዲፍ፡ “ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ደረት ይሃልዎ፡ ቅዋም ይተግበር፡ ባይቶ ኤርትራ ይተኣከብ፡ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ጠለባት ኣብ ሕልና ህግዲፍ ቦታት ክህልዎም ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ ብርኢቶይ ነቲ ንሓልፎ ዘለና ኤርትራዊ ህይወት ብግቡእ ዘይምርዳእ ዘመልክት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከምዚ ዓይነት ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦ ጠለባት ብመንገዲ ህግዲፍ ከተተግብር ምፋታን “ኣብ ዘይሰምምዓካ ደብሪ ምምህለል” ዘብል እዩ።

እዚ ክንብል እንከለና ግና ብዛዕባቲ ጸገምና ኣይንዛረብ ማለት ኣይኮነን። ክንዛረብ ጥራይ ዘይኮነ ካብዚ ህዝብናን ሃገርናን ዘለዉዎ ደልሃመት ናይ ምውጻእ ሓላፍነት እውን ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነትና እዩ። እቲ ክብሎ ዝደለኹ እቲ ፍታሕ ናብ ህግዲፍ ምሕጽንታ ብምቕራብ ዘይኮነ ንህግዲፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ኣወጊድካ ጥራይ ዝረጋገጽ ምኳኑ ንምምልካት እዩ። ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ክብደትን ዕምቆትን ምስ ኩልና ኣሎ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ ናብ ምዝርዛሩ ኣይኣቱን እየ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግና ሓደ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ኤርትራ ዝበጸሐ ሰብ “ኣብ ኤርትራኮ፡ መንግስታዊ ፍትሕን ሓልዮት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንስሙ መንግስቲ’ውን ዘሎ ኣይመስልን እዩ። ዝያዳ ኩሉ ድማ እቲ ናይ ኩሉ ነገር ወሳኒ ሰብ እውን ኣብ ኤርትራ የለን። ኣብ እትገብሮ ምንቅስቓስ መንእሰይ ምርኣይ ሳሕቲ እዩ። እዚ ብፍላይ ቀደም ንኣስመራ፡ ምጽዋዕን ዝኣመሰላ ከተማታትን ኤርትራ ንዝፈልጥ  ዘሕዝን እዩ።” ዝበለኒ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ። “ኤርትራ ደልየ ከይደ ስኢነያ ተመሊሰ” ዝብል ሰብ’ውን ኣጋጢሙኒ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ እየ በሃላይ፡ ኮነ ኢሉ ትሕተ ቅርጸኣ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህዝባ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ እውን ከፍርስ እዩ ጸኒሑ። ብዙሓት ተዓዘብቲ  ኩነታት ኤርትራ ምስ ተመኩሮ ብዙሓት፡ ብውግእን ቁጠባዊ ድኽነትን ዝሓለፋ ሃገራት ክወዳደር እንከሎ ፍሉይ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ምኽንያቱ ምስ ኩሉ ጸገማት ናይቲ ዝመርሕ ኣካል ቅርቡነትን ሓልዮትን እንተልዩ ይውሕድ እምበር ናይ ሕውየት ምልክት ይረአ እዩ። ኣብ ኤርትራ ግና ንምልክት እውን የለን። ብኣንጻሩ ዝነበረ ክፈርስ እንከሎ ኢኻ እትዕዘብ። እዚ ከኣ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ጉዳይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢልካ ሃገር ናይ ምፍራስ ተንኮል እዩ። ካልእ ነዚ ዘራጉድ ከኣ እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጉጅለ ንኤርትራ ነፊጉ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ገዚፍ ኣታዊ ዝረኽበሉ ወፍርታት ዘካይድ ምዃኑ እዩ። መንግስቲ ኢድ እንተሓጸሮ ብዘለዎም ዓቕሚ ኣብ ሃገሮም ከውፍሩ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ምኽንያታት ፈጢሩ ደፊኡ ምስ ኣውጸኦም፡ ዓደማቶም ከልምዑ ምግዳዶም’ውን ናይዚ ህዝብን ሃገርን ናይ ምጥፋእ ምህዞ ኣካል እዩ።

ስለዚ ኢሳይያስ ሓድሽ ካብ ክውነት ናይ ምህዳም ሜላ ቀይሱ፡ መራሒ ምምሳል እምበር መራሒ ምዃን ስኢኑ፡ ካብኡ ብዝሓሸ ኣብ ጉዳይ ሃገራቶም ፈንጠርጠር ምስ ዝብሉ መራሕቲ ንሓንሳብ ናብ ሶማልያ፡ ደሓር ከኣ ናብ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ኮለል ክብል እንከሎ፡ ንሕና ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣብ እንግደዓና ዘሎ ወገናት ናትና ክንገብር ይግበኣና። ከምኡ እንተዘይገርና ግና ንሕና’ውን ካብ ተሓታትነት ኣይክንድሕንን ኢና።

Last modified on Sunday, 10 March 2019 09:52