ምሩጽ ምዕዶን ቃላትን ነልሶን ማንደላ

2019-03-22 08:07:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2195 times

ኣብዚ ሰሙናት’ዚ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ይኣክል (Enough Is Enough) መልእኽትታት፡ ኣዝዩ ዘተባብዕን፡ ዝያዳ ክተባባዕ ዘሎዎን ተበግሶ ኢዩ። ንዕቱብ መልእኽቲ ኣፍሪቃዊ ሓርበኛ ነልሶን ማንደላ ከኣ የዘኻኽረካ።

ሓርበኛ ነልሶን ማንደላ፡ ብ11 ለካቲት 1990 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽኤ ኣብ ዘስመዖ መደረ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ፡-

We have waited too long for our freedom. We can no longer wait. Now is the time to intensify the struggle on all fronts. To relax our efforts now would be a mistake which generations to come will not be able to forgive.

‘’ንሓርነትና ኣዝዩ ብዙሕ ጊዜ ተጸቢና። ካብዚ ንላዕሊ ግና ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ንቓልስና ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ከነሐይሎ ዘሎና ሕጂ ኢዩ። ሎሚ ብቓልሲ እንዛነየሉ ግዜ ኣይኮነን። እንተተዛኒና፡ መጻኢ ወለዶታት ይቕረ ዘይብሎ ጌጋ ክንፍጽም ኢና!!

Last modified on Friday, 22 March 2019 09:13