መግለጺ ውህደት ደቂኣንስትዮ ኤርትራ بيان ائتلاف المرأة الارترية
Thursday, 27 June 2019 10:37 Written by `ውህደት ደቂኣንስትዮ ኤርትራካብ ዕለት 14-16 ሰነ 2019 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ካብ ዝተፈላለያ ድሕረ-ባይታን ሃገራት ኣውሮጳ ዝመጻ ወከልትን ውልቀ-ሰባት ማሕበራት ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያንን በርጌሳውያን ውድባትን ተጣበቅታ ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሕን ዘሳተፈ ብዝክሪ ስማእታትት ተክፊቱ ከምእውን እታ ቀዳመይቲ ማዕጺ ዝከፈተትልና ንድሑር ባህላዊ ማሕለካ ዝስዓረት ኣነ ንህዝበይን ንሃገረይ ዝበለት ናይ መጀመርያ ኣብ ብረታዊ ቃልስና ዝተሳተፈት ኣርእያ ደቂ-ኣንስትዮ ዝኮነት ወዘሮ ጀምዓ ዑመር ብመንፈስን ምስልን ብክብሪ ናይዚ መዓልትታት ኣሰናይት ኮይና ዕዉት ዝኮነ ጉባኤ ተኻይዱ።

ኣብዚ ንምዝካር ዝኣክል፡ እዚ ጉባኤ`ዚ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ፡ ኣብ መስርሕ ምድላዉ ናይ ሓደ ዓመት ዕቱብ ጻዕርታት ዝተገበረሉ፡ ብመሰረት ድሕሪ`ቲ ዓሚ ብተበግሶ ደቂኣንስትዮ ኣብ ከተማ ዴንሃክ-ሆላንድ ኣብ ቅድሚ መደበረ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ኣውሮጳ ዝገብርኦ ኮንፍረንስ ዝወሰኖ መደባትን መምረሒታት ዝተጋበአ`ዩ።

ስለዚ ጐባኤና ንኩሉ`ቲ ንሃገርና ኣካቢብዎ ዝርከብ ፈታኒ ኩነታትን ምዕባሌታቱን ብሓፈሽኡ ሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብፍላይ ብዝምልከት ሰፊሕን ዕቱብን ክትዓት ድሕሪ ምክያድ፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ንዕድመ እቲ ኣብ ሕቆ ህዝብና ተጻዒኑ ዝርከብ ሕጊ-ኣልቦ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻርን፡ ዲምክራስያውን ፍትሕውን ባህግታትን ረብሓታትን ህዝብና ንምርግጋጽን ሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ዘውሕስ ለውጢ ንምምትእታትው ሓድነትን ኣድማዕንትን ደንበ ፍትሒ ንምድንፋዕን ከቀላጥፍ ዝኽእል ወሳኒ እስትራተጂካዊ መዳባትን ዕማማትን ኣጽዲቁ። ብተወሳኺ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ብፍላይ ዘፍጽሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ኣስካሕካሒ ናይ ወጽዓን ዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምቅላሕን ንምቅላዕን፡ ደቂኣንስትዮ ኣድማዒ ኣካል ናይ`ቲ ሓርነትን ማዕርነትን ፍትሕን ኣግዕዞን ሰብእዊ መሰላትን ዝጣበቅ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ንምዃንን ዕዙዝ ምሕዝነት ንምፍጣር ወሲኑ።

ጐባኤና ኣብ ክሊ ምስልሳል ኣጀንደታቱ፡ ኣብ መጻኢ ምእንቲ ዓቅምታትና ጠርኒፍና ኣድማዒ ቃልሲ ንምክያድ `ውህደት ደቂኣንስትዮ ኤርትራ` ንምምስራት ሓባርዊ ስምምዕ ክንበጽሕ ምኽኣልና፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝተናወሐ መስርሕ ሃገራዊ ቃልስ ህዝብና ዘጥረየኦ ሃብታም ተመክሮን ንቅሓትን ዘንጸባርቕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ዑና ምልካዊ ስርዓት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ሓርነታዊ ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮን ሰብኣዊ መሰላት ምርግጋጽ ጽኑዕ እምነት ሱር ዝሰደደን ኣብ ርእሰ-ምትእምማን ተሳተፍቲ መሰረት ዝገበረ ኣብ መስርሕ ጥርናፈን ሕድነትን ማሕበራት ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣወንታዊ ባይታ ዝፈጠረ ስጉምቲ እዩ። ስለዚ ካብዚ ብምብጋስ ኩሉ`ቲ ኣብ መስርሕ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ናይ ምድላው ተመክሮን ዝተዋህለለ ናይ ጽንዓትን ባህሊ ሓባራዊ ስራሕ፡ ብርግጽ ኣብ መጻኢ ንሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብፍላይ፡ ንሰላማውን ፍትሓውን ዲምክራስያውን ባህግታትን ረብሓታትን ህዝብና ብሓፈሽኡ ንምርጋግጽ ኣብ ኣፈጻጽማ ግብራዊ ኣሰራርሓና ዝጽበየና ተጻብኦታት ብንቅሓትን ብቅዓትን ንምምካት ዘብቀዕና ዓቢ ትምህርቲ ነይሩ።
ወይዘሮ ፋጥና ሙሳ ንድለታት ባህግታትን ደቂኣንስትዮ ዝያዳ ዘዔሙቅን ንብዙሕነትና ዘስተማቅር ዘቅረበቶ ኣስተምህሮ ተወሳኪ ንረብሕን ማዕርነት ብከመይ ነስንዮ ዝኣመተ ኮይኑ ንጉባኤና ድምቀት ዝሃበ ነበረ ።
ኣብ መደመደምታ በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ንኩሉን እተን ብኣካል ይኹን ብሞራል ንመስርሕ ምስንዳእ ጐባኤና ክውን ዝገበራ ኣሓት ብሓባር፡ ብፍላይ ከኣ ብውህደትን ምጽውዋርን ደኺምና ከይበላ ክሳብ ኣኼባና ዝጋባእ መድረኽ ክጸንሓ ዝጸነሓ ኣባላት ኣዋሃሃዲት ሽማገለን ኣባላት ማሕበር ደቂኣንስትዮ ጀርመንን ከይተሓለላ ብስእልን ቪዲዮ ዝስነደቶ ከምኡውን ምትርጛምን ብዝገበርኦ ዝነኣድ ኣብነታዊ ተወፈይነት ከይተዘከረ ክሕለፍ ዘይብሉ ኣድማዒ ኣስተዋጽኦ`ዩ። ከምኡ`ውን ኣብ መጻኢ ንዕማምት ውህደት ድቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ተግባር እተሰላስል ብክልተ ኣባላት ወከልቲ ነፍስ-ውከፍ ኣባላት ማሕበራት ዝቆመት ኣካያዲት ኣካል ንምምስራት ተወሲኑ። ብተወሳኺ ጐባኤና ኣባልነት `ውህደት ደቂኣንስትዮ ኤርትራ` ንኩለን ማሕበራት ደቂኣንስትዮ ውልቀ-ስባት ክፉት ምዃኑ ከምዝወሰነ ክንሕብር ንፈቱ።
ቃልስና ንሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ`ዩ!!
ውህደትና ውሕስነት ዓወትና`ዩ!!
ዕለት 16 ሰነ 2019
بيان ائتلاف المرأة الارترية
عقدت فى مدنية فرانكوفرت من الفترة 14-16 يونيو 2019م مؤتمراً ناجحاً شاركت فيه مناديب الجمعيات النسائية الارترية والنسوة الافراد ومنظمات مدنية وحقوق الانسان من مختلف الخلفيات فى اوروبا.
وفى هذا السياق لا بد لنا من ذكر بان هذا مؤتمرنا لم يكن وليد الصدفة بل انما هو اجتماعا جاء تحصيل حاصل لاعداد مكثفة اخذ سنة كاملة وتنفيذا لبرامج وقرارات الكنفرنس الذى عقد قبل عام عقب المظاهرة التى قامت بمبادرة من منظمات نسائية فى اوروبا فى مدينة لاهاى –هولندا مقر المحكمة الدولية.

ولذا توقف مؤتمرنا طويلا امام الاوضاع الراهنة وتدعياتها الخطيرة المحدقة بوطننا عامة وانعكاستها السلبية على كافة نضالات المرأة من اجل التحرير والمساواة والانعتاق خاصة حيث وبعد مناقشات تفاصيلية تتصل بعادها تبنى برامج وقرارات استراتيجية هام مفادها تعجيل اسقاط نظام هقدف الدكتاتورى الغير شرعى الرابد على صدور شعبنا المثابر التى بالنتجية نستطيع تجسيد سياسات التغيييرات بهدف تحقيق تطلعات وطموحات شعبنا فى الديمقراطية والعدالة هذا بالاضافة الى تبنى مفاهيم تشكل ضمانات فى تأمين الحرية والمساواة والانعتاق للمرأة الارترية الامر الذى يتطلب معه بالضرورة توحيد وتفعيل قوى التغيير والعدالة للاصضلاع بمهمتها التاريخية. كما قرر مؤتمرنا من اجل كشف وتعريت الممارسات القمعية الاستبدادية وانتهاكات الصارخة لحقوق الانسان التى يتركبتها النظام الدكتاتورى بحق شعبنا بوجه عام والمرأة المرأة على وجه الخصوص ان نكون جزء فعالا وخلق علاقات وطيدة مع الحركة العالمية المدافعة للحرية والمساواة والانعتاق والعدالة وحقوق الانسان.

وفى خضم سير اعمال مؤتمرنا لن يعود الفضل الى التجارب الغنية والوعى الذى اكتسبته المرأة الارترية طيلة فترة مسيرة نضال شعبنا فحسب بل ايماننا القوى المتجذر فى قناعاتنا الراسخة فى حتمية تحقيق الديمقراطية والعدالة على انقاض النظام الدكتاتورى كانت تشكل الدوافع التى شحذت هممنا نحو تفعيل دورنا وتوحيد صفوفنا من اجل التوصل الى اتفاق لاقامة "ائتلاف المرأة الارترية" الذى لا رييب فيه سيشكل ارضية ايجابية فى المستقبل نحو مزيد من التعاضد وتوحيد صفوف الجمعيات النسائية المختلفة.
وانظلاقا من هذه الحقيقة اخذين فى الاعتبار تجارب ثقافة العمل المشتركة الذى اكتسبناه خلال سنة كاملة فى عملية التحضير لمؤتمرنا هذا باعتبارها دروس مستفادة سيكون لها بالتأكيد فى المستقبل تأثير ملحوظ للقيام على وجه الاكمل على الصعيد التطبيق العملى بوعى واقتدار عاليين فى تسريع وتيرة نضالات المرأة الارترية من اجل التحرير والمساواة والانعتاق خاصة ونضال شعبنا فى تحقيق تطلعاته وطموحاته فى الديمقراطية والعدالة والسلام.

هذا فى الختام نشيد بجميع الاخوات المشاركات على العصيدين العملى والمعنوى فى انجاز عملية التحضير وجعل انعقاد مؤتمرنا ممكناً ولا سيما اعضاء لجنة التنسيق على المثابرة والصبر والتفانى والدور الذى بكل المقياس يعتبر المثال الاعلى الذى يحتزى به فضلا عن الاخوات عضوية الجمعية النسائية الارترية فى المانية . واخير وليس أخراً فى الوقت الذى نؤكد فيه قرر المؤتمر تكليف هيئة تنسيقية تتألف من عضوين لكل الجمعيات التى شاركت فى المؤتمر كما بهذه المناسبة نود التنوية بان باب االعضوية مفتوح امام جميع الجمعيات النسائية والنسوة الافراد للانتماء الى ائتلاف المرأة الارترية .
نضالنا هو من اجل التحرير والمساواة والانعتاق
ائتلافنا هو ضمان انتصارنا
16 يونيو 2019
ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሕፍረቱ ቀንጢጡ፡ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክኣትዎ ዝጸንሐ መብጸዓታት ዓጺፉ፡ ምስ ካለኦት ዞባዊ ለኣኽቱ ውሽጠውሽጢ ውዲት ክኣለም ጸኒሑ፡ ዕባራ መመሳመሲ ሓረጋት ጠቒሱ፡ “ልኡኽና ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንሰድድ ኢና” ካብ ዝብል እነሆ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃል ዓመቱ ኮይኑ። ናቱ ገዲፉ ኣብ እንዳማቱ ሃንደፍደፍ ክብል፡ ካብ ግጉይ፡ ስምዒታውን ዘይተጸንዐን ሕነ ምፍዳይ ካብ ዝመስል ህልኽ ነቒሉ፡ “እቲ ጸወታ ተወዲኡ’ዩ (The game is over)” ካብ ዝብል እውን እነሆ ከምኡ ሓደ ዓመት መሊኡ። እቲ ናይ ሽዑ ሸብዳዕዳዕን ሸንዳሕዳሕን ግና ምስ ናይ ሎሚ ህልዊ ኰናታት ናይቲ መገሻታት ዘሳኒ ኣይመስልን። ነቲ ዘይምስናይ ዝወለዶ ከኣ ናይዚ ንዛረበሉ ዘለና መላኺ ግጉይ ናይ ዝምድና ቅዲ እዩ። እዚ ጌጋ ንኢሳይያስ ናይ መጀመርታኡ ከምዘይኮነ ኣስተብህሉ።
እቲ ኢሳይያስ ዓይኑ ተዓሚቱ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ፡ ክትሰምዮ ዘጸግም ወደኽደኽ፡ ኣብቲ እዋኑ ንብዙሓት ወገናት ኣጋግዩን ኣዛሪቡን እዩ። ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ ዝተፈላለዩ መንግስታትን እውን ከም ዓብይ ኣጀንዳ ወሲደምዎ ነይሮም። ክሳብ ክንድኡ ተገዳስነት ናይ ምሃቦም ምስጢር ከኣ ኢሳይያስ ብኡ ጀሚሩ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳዩ’ውን “ዓይኑ ከንቁሕ እዩ”፡ ዝብል ግምት ስለ ዝነበሮም እዮም። እቶም ከምኡ ዝገመቱ ኢሳይያስ ንሓዋሩ ቅኑዕ ሓሳብ ዘየፈልፍል ምድረበዳ ኣእምሮ ዘለዎ ምዃኑ ዘይተገንዘቡ እዮም። ንሕና እቶም ብጨካን፡ ተበላጽን ጸረ-ህዝብን ተግባራቱ ፈሊሕና ዝገረርና ኤርትራውያን ግና፡ ካብኡ ሓድሽ ኣይተጸበናን። እነሆ ከኣ ክሳብ ሕጂ እቲ ብተመኩሮ ዝሃብተመ ግምት ኤርትራውያን ስዒሩ፡ ኢሳይያስ ካብቲ ዝኣተዎ መጻወድያ መውጽኢ ስኢኑ ይሕመስን የውጠጥን’ሎ።
እዚ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ፡ መኽሰቡን ክሳርኡን ክግምገም ግድን ስለ ዝኾነ፡ ናይ መኽሰብን ክሳራን ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ካብዚ ናይ ሓደ ዓመት መስርሕ መኽሰብ ወይ ክሳራ ዝካፈሉ ቀንዲ ተዋሳእቲ ህዝቢ ኤርትራን ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን እዮም። ብሚዛና ብኽልተ ምኽንያታት ህዝቢ ኤርትራ ከሲቡ እምበር ኣይከሰረን። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተወሰነ ግዜ ብምኽፋቱ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝነበረ ቤተሰቡ ተራኺቡ፡ ንውሱን ግዜ ከኣ ካብቲ ዝጸንሖ ህልም ዝበለ ስእነትን ሕጽረትን መሰረታዊ ቀረባት ቁሩባትን ኣገልግሎታትን ትንፋስ ረኺቡ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ነቲ መዕሸዊ መንነትን ናይ ሓሶት መብጽዓታትን ናይቲ ዲክታተር ጋሊሁ፡ ሓቀኛ መንነቱ ክርዳእ ክኢሉ። ኢሳይያስ ተጠሊዑ እሞ ከኣ ደግጋጊሙ “ዶ/ር ኣብይ ይምረሓና፥ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጥዎ እዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ቀያድን ናይ መወዳእታ ውሳነ ኮሚሽ ዶብ ዘልዕሉ ወገናት ሰላምና ክዘርጉ ዝደልዩ ኣካላት እዮም፡ ኣይከሰርናን ……. ወዘተ “ ዝበሎም ሓረጋት ህዝቢ ኤርትራ ምስ መን ከም ዝጸንሐን ምስ መን ከምዘሎን ዝተረደኣሎም ኣበሃህላታት እዮም። በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ምስ መን ኮይኑ ኣንጻር መን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ዘረድእ ሓበሬታ ምርካቡ ካልእ ሳላ ኢሳይያስ ተደፋፊኡ ኣብዚ ዘየርበሖ ባሕሪ ምጥሓሉ ዝረኸቦ መኽሰብ እዩ። እነሆ ከኣ ሳላዚ መረዳእታ ናብ ናይ “ይኣክል” ምዕራፍ ተሰጋጊሩ።
ኢሳይያስ ኣብዚ ናይ ሓደ ዓመት ንዛረበሉ ዘለና ግዜ፡ ብክሳራን ውርደትን እዩ ኣሕሊፍዎ። ወዮ ተኸዊልሉን “ሓርበኛን ሃገራውን” ዝብል ቅጽል ረኺብሉን ዝነበረ ህሞት ፈሪስዎ’ዩ። ክልተሻብ ተራእዩ፡ እሙን ኤርትራዊ ሓርበኛ ዘይኮነ፡ ብሃገራውነት ተኸዊሉ ብልኡላውነት ክዋገ ዝጸንሐ ጉሒላ ምዃኑ ተቓሊዑ። ነዚ ጉዱ ንምሕባእ ናብቲ ዝለመዶ በዓቱ ተመሊሱ ሓድሽ መዕሸዊ ምስሊ ዝሕዘሉ ዕድል ደጊም የብሉን። ኢሳይያስ ነዚ ሰፍ ዘይብል ክሳራኡ ምስተረደአ ዝፈተኖ ህድማ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ነቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ኤርትራ ምስ ትግራይን ዓፋርን ዓጽይዎ። እንተኾነ ከምቲ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ዝበሃል፡ እዚ ዘይተጸንዐ ምኽፋትን ምዕጻውን ካብቲ ክሳራን ወጥርን ዘድሕኖ ኣይኮነን። ሕሳቡ ንምትዕርርራይ፡ ምስ ኢትዮጵያ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶብ ዓጽዩ ምስ ሱዳን ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ክኸፍት ፈንጠርጠር ይብል ኣሎ። እዚ ግና ነቲ ክሳርኡ መሊሱ ዝድርዕ እምበር ዘኽስቦ ኣይክኸውንን’ዩ።
እዚ ነዚ ዲክታቶር ኣጋጢምዎ ዘሎ ወጥርን ክሳራን፡ ጉዳያት ካብ ስምዒት ወጺእካ፡ ኣገናዚብካን ንህዝቢ ከይዓመጽካን እንተዘይሒዝካዮ ንመኽሰብ ዝበልካዮ ንክሳራ ክኸውን ንቡር እዩ። ኢሳይያስ ሓደ ጉዳይ ከጋጥሞ እንከሎ ብኻልኦት ምምስማስን ምምኽናይን ልማዱ ብምዃኑ ነዚ ካብ ባሕሪ ከም ዝወጸ ዓሳ ዘዕለብጦ ዘሎ ሃለዋት ናብ ካለኦት ከም ዘላግቦ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዝሰልበጦ፡ ንኢትዮጵያዊ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ድዩ ወይስ ንበዓል ሳዑዲ ዓረብያ ከኣ ኣብ መስርሕ እንርእዮ ክኸውን እዩ። “እገዳን ካብ ዓለም ተነጽሎን” ግና ደጊም መህደሚ ኣይኮናን እየን። ኢሳይያስ ዘይምጥኖ ምስሊ ሒዙ፡ ኣብ ዞባና ጐብለል ክኽውን ሕልሚ ከም ዝነበሮ፡ ኣብቲ ካብ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ፍታሕ ኩርኩር ኮይንሉ ዝነበረ ግዜ፡ ናብ ኬንያ፥ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን ብዓብይኡ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዝነበረ ዘይምዕሩግ መገሻ ተዓዚብናዮ። እንተኾነ ሰላምን ርግኣትን ዘይበቑሎ ንቑጽ እግሪ ስለ ዝኾነ፡ እተን ዝረገጸን ሃገራት ካብቲ ዝነበረኦ ገዲድወን እምበር ኣይቀሰናን። ኮነ ኢሉ’ውን ሓዊ ኣጒዱለን ይኸውን። እዚ ምስ ህዝቡ ሰላም ዘየብሉ ንካለኦት ሰላም ከምጽእ ከምዘይክእል ዘረድእ ተመኩሮ እዩ።
ደጊም ኢሳይያስ ኣሚኑ ዝረግጾ ባይታን ዓው ኢሉ ዝዛረቦ ቃልን የብሉን። ኣብ መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራን 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታትን ዘስመዖ ህዉጽ መደረታት ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዕዳግኡ ወዲቑ እዩ። ድሕሪዚ ክሓስበሉ ዝግበኦ እምበኣር ናይ ውልቁ መዋጸኦ ሃሰው ምባል ጥራይ እዩ።
እቲ ዓብይ ቁምነገር፡ ንሕናውን ብዛዕባኡ ክንዛረብ ጉዳይና ከይንርስዕ ነስተብህል። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ንኢሳይያስን ጉጅለኡን ዛንዛን ኣቢልናዮም ኣለና። እንተኾነ ናይ ኢሳይያስ ክሳራ ናይ ቃልስና ሜዳ ዘህብትምን ዘስፍሕን እምበር፡ በይኑ ዓወት ከምዘይኮነ ኣይንዘንግዕ።
ዕስራ ሰነ፡ መዓልቲ ስውኣት እንዝክረላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ፥ ክሳብ ብቕዋም ትፈርስ ወይ ትጸድቕ፡ ክነብዕላ ታሪኻዊ ግደታ ኣሎና። ምእንቲ እዛ ሃገር ብውሑድ ክሳራ ናጽነት ክንጎናጸፍ ዝነበረና ተኽእሎ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ሕንገዳ፡ በሽሓት መንእሰያት ከሲርና። እዚ ሰኣን ስምምዕ ህይወት ሰብ ብኸንቱ ኣጥፊኢካ ኣይከሰርናን ብዝብል ክትድምድሞ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ።
ስርዓት ኢሰይያስን፡ ብደገን ብውሽጥን ዘለዉ ተሓባበርቱን፡ በቲ ዝተረኽበ ናጽነት፥ ንመንእሰይ ኤርትራ ዘማዕብልን፥ ምስ ናይ ዓለም መንእሰያት ብምህዞ ይኹን ብሞያ ንኸይወዳደርን፡ ንሃገሩ ከይሃንጽን ጂሆ ሒዞሞ ኣለዉ። ንኸጽንትዎ ድማ ብስም ሃገር ወይ ዶብ ኣመሳሚሶም ዘይፈጠርዎን ዘይገበርዎን የለን። ኢሰይያስ ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣረመናዊ ተግባራት ክዋፈር ግን፡ በይኑ ዘይኮነስ እንተላይ እቶም ዓገብ ክብሉ ዝግበኦም ኣባላት ባይቶ ነበር ከይተረፉ ኣብ ምጥፋእ እዚ መንእሰይ እጃም ኣለዎም።
ስርዓት ህግዲፍ፥ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ንምኽላእ ምስ መን ዘይተተናኸፈን ዘይተናኸስን። ምስ የመን ብሰንኪ ይግባኣኒ ኢልካ ኣብ መጋባኣያ ዓለም ዘይምቕራብ፥ ብሓይሊ ክፈትሕ፡ ውግእ ከፊቱ ልዕሊ ዓሰርተ ክልተ ተጋደልቲ ተመልዒሶም። እቲ መንቀሊ ግርጭት ዝነበረ መሬት ግና፡ ንየመን ተፈሪዱ ከሲርናዶ ኣይከሰርናን። ቀጺሉ ምስ ጂቡቲ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ዝምልከት እውን ተዃቲኹ ውግእ ብምኽፋት ቁጽሮም ዘይፍለጥ ተጋደልቲ ሓሊፎም። ኣብዚ እውን ሰላም ዘይተረኽቦ መሬት ንመኖም ከምዝውሰን ጌና ኣይተፈልጠን። ከምኡ እውን ምስታ ሓብሓቢት ሰውራ ኤርትራን መዕቆቢት ኤርትራዊ ስደተኛን ህዝብን ዝነበረት ሱዳን ውን ክንደይ ዘይፈተነ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ምስታ ትማሊ ንሃገራዊ ሓይሊ ንምድምሳስ መሻርኽቱ ዝነበረት ወያነ እትምራሕ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ውግእ ኣተወ። ኣብዚ’ውን ልዕሊ ዓሰርተ ትሻዕተ ሺሕ ዝተቐዝፉ ደቅና፥ ባድመ እኳ ንኤርትራ እንተተፈርደት ክሳብ ሎሚ እቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተወሰነ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኣይተተግበረን።
ብሰንኪ እዚ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ድማ፡ እቲ ስርዓት መፍቶቱ ረኺቡ፥ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ መንግስቲ ከይትከል፥ መንእሰያት ተማሂሮም ንቡር ከይፍትኑ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዓፊኑ ንኽሕዝ ዓቢ ዕድል ሂብዎ። ንህዝቢ ኣጥሚዩ፥ መንእሰያት ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ ዝወጠኖ ተንኮል፡ እነሀ ኣብታ ትማሊ ንህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ድፋጭኡ ዘውጸኣቶ ኢትዮጵያ ንኽዕቆብ ተገዲዱ። ካብዚ ንኽላቐቕ ኢሉ እውን ኣብ ፈቐዶ ምደረበዳን፥ ባሕርን ምድረበዳ ሲናይን ህይወቶም ዝጥፍኡ ኣዲኦም ትቚጸሮም። ኣብዚኸ ከሲርናዶ ኣይከሰርናን።
እቲ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ነቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ቅዋም ሞይቱ ከምዝበሎ ገይርዎ። ነቲ ዲሞክራሲ ክንትከል ክብሎ ዝጸንሐ ዶብ ከይተሓንጸጸ ኣይከኣልን ኢልዎ። ትማሊ ወያኔ ነቲ ብይን ንቕበሎ ግን ድማ ክንዛተ ኣሎና ምስ በለት ብዙሕ ኣጉባዕቢዑ። ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ኮነ ብናይ ደገ ተጽዕኖ ነታ ወያኔ ክትብላ ዝጸንሐት ተረጊጹ ደጊምዋ። ነዚ መዋጽኦ ረኺበ ኢሉ ድማ፡ “ኪኖ ዶብ ክንሓስብ ኣሎና” ኢሉ ክፈላሰፈልናን ኣይከሰርናን ክብልን ኣይሓፈረን።
እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ድማ ከምዚ ዓብይ ዓወት ዘመዝገበ ይመስል፡ ኣይከሰርናን መበሊኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበን ንምሽፋን፥ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኤትዮጵያን ከም ክልተ ዝተፈላለየ ህዝቢ ዝብል ኣካል ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጥ እዩ ከኣ በለ። ስለዚ እታ ናቱ “ኣይከሰርናንሲ” ኣብ ምንታይ እያ ክትሽረፍ። ብመስዋእቲ ኣሸሓት ደቃ ዝተረኽበት ናጽነት ኤርትራ ኣልሚሱ ስልጣኑ ስለዘናወሔዶ ኾን ይኸውን ኣይከሰርናን ዝብለና ዘሎ። እወ! ዝተወፈዩ ደቅና ናጽነት ኣምጺኦሙልና፡ ደሞም ከንቱ ኣይተረፈን። እንተ እቲ ንመናውሒ ስልጣኑ ክብል ዝጥቀመሉ ዝነበረ ጻሕታሪ ባህሪ ግን ኣኽሲሩና ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንክብርን ልኡላውነትን ክብርን ሃገርና’ውን ኣብ ሰንከልከል ኣውዲቕዎ እዩ።
እዛ ዕለት እቶም ምእንቲ እዛ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተላቒቓ ናጻ ክትከውንን፡ ህዝባ እፎይ ኢሉ ድምጺ ውግእ ዘይሰምዓሉን ሃዋህው ክፍጠርን በጃ ዝሓለፉ ብረት ዝዓጠቑ ይኹኑ ዘይዓጠቑ ክብርን ሞጎስን ይግበኦም እዩ። ሳላ ክቡር ህይወቶም ከፊሎም ደሞም ዘፍሰሱን ኣዕጽምቶም ዝኸስከሱን ከኣ እነሆ መሳፍሒ ዝኸውን ሓራ መሬት ኣውሪሶሙናስ ብዛዕባ መጻኢ ሓርነትን ዲሞክራስን ክንቃለስ እኳ በቒዕና እነሆ።
ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና
መንእሰይ ናይ መጻኢ ምዃኑ ማንም ዝኽሕዶ የለን። ምኽንያቱ ንሱ ወራሲ፡ ንሱ ተካኢ፥ ንሱ ናይ ጽባሕ ወላዲ፥ ንሱ ናይ ጽባሕ ኣቦሓጎ፥ ንሱ ናይ ጽባሕ ኣገልጋሊ ኮታ ሎምን ጽባሕን ዘራኽብ ድንድል እዩ። ኣብ ቅድሚዚ ኩሉ ሓላፍነት ብቑዕ ንክኸውን ከኣ፡ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ እናኽበረን ካብ ተመኩሮታቶም እናተማህረን እናኣስተውዓለን፥ ክዋሳእ ከሎ ብርግጽ ብቑዕ ተካኢ ክኽውን ይኽእል።
መንእሰይ ካብ ዝተወልደሉ፡ ክሳብ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ዝኸውን ተለዋዋጢ ማሕበራዊ ጠባያት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ኣብ ቆልዕነት፥ ጉብዝና፥ መንእሰይ፥ ዓቕሚ ኣዳም ዘሎ ዕድመ በብደረጅኡ ኣተሓሳስባን ባህልን ምዕባለን በበይኑ ምዕባለ ዝርኣየሉ እዩ ። ስለዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ድሌታት፥ ስምዒታትን ኣተሓስስባታትን ይፈላለ። ንኣብነት ገዲም ወለዶን ሓዲሽ ወለዶን ምስ እነነጻጽሮ ብዙሕ ዝፈላልዮም ጉዳያት ንረክብ ኢና። እዚ ፍልልያት እዚ ግና ኣብቲ ማሕበራዊ ባህርያት ደኣ እምበር ከምቲ ናይ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣብ ግርጭታት ኣጥሒሉ ክሳብ ውግእ ዘእቱ ኣይኮነን። እቲ ሓዲሽ ወለዶ ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝግበር ርክባት ወይ ዝምድናታት ኣብ ምምዕባል ወይ ኣብ ምትሕብባር ወይ እውን ኣብ ኣተሓሳስባ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ዘይሰማማዕ ክኸውን ይኽእል። እዚ ነቲ ብሉይ ብሓዲሽ ንምትካእ ኣብ ዘሎ መስርሕ ዝፍጠር ምፍሕፍሕ እዩ።
ኣብቲ ካብ ሓምስታት ክሳብ ሰብዓታት ዝነበረ ወለዶ እንተርኢና፡ እቲ ማሕበራዊ ርኽክባቱ ምስ እዚ ናይ ሓዲሽ ወለዶ ኣጸቢቑ ይፈላለ። እቲ ገዲም ወለዶ ምስቲ ዘመናዊ ምዕባለ ብፍላይ ዘመነ ተክኖሎጂን ኣብ ባህላዊ ምምሕያሽ ብዙሕ ክስዕቦ ኣይትርእዮን። ምኽንያቱ ንሱ ነቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ምስቲ ሓዲሽ ናይ ባህሊ ለውጢ ስለ ዝገራጮ ክድግፎ ኣይኽእልን ይኸውን። ንኣብነት ከምዚ ሎሚ መንእሰያት ቀዳድ ስረ ተኺዲኖም ዝኸዱ ዘለዉ ካብ ወዲ 40 ዓመት ንላዕሊ ከምኡ ክኽደን ማለት ዘይትጽበዮ እዩ። ሓዲሽ ወለዶ ነቲ ብሉይ ኣተሓሳስባ ወይ ባህሊ ክልውጥ ወይ ክቐድሕ እዩ ፋሕተርተር ዝብል። ስለዚ እቲ ኣብ መንጎ ሓዲሽን ገዲምን ዘሎ ጋግ ብዕድመ ፍልልይ ዘይኮነ ዝልካዕ፡ እንታይ ደኣ ብናይ ኣተሓሳስባን ድሊታትን ፍልልይ እዩ። እዚ እዩ ድማ ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ ሓሳብ ተመሳሰልቲ ክገብሮም ዝኽእል። በዚ ዝኣክል ኣብ ነሓድሕዶም ክናበቡ ይኹን ክረዳድኡ ዝኽልክል የለን።
እቲ ጸገም ወይ ሽግር ዘሎ፡ እቲ መንእሰይ ዝልውጦ ዘሎ ሓዲሽ ድሌትን ትምኒትን ከምቶም ገዳይም ሸፈፍ ኢሉ ስለዘይሓልፎ ብቐሊሉ ምስቲ ግዜ ክመሳሰል ኣይሽግሮን እዩ። ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ባህሊ ማለት ከምቲ ቀዳድ ስረ ናይ ምኽዳን፡ ንከቋርጹ ክትዛረቦምን ክትምዕዶምን ኣይቅበሉኻን ኢዮም። እዚ ውን ግዚኡ ሓልዩ፡ እቲ ሓዲሽ ክሳብ ብካልእ ሓዲሽ ዝትካእ እምበር ቀነባሪ ኣይኮነን። ምስ እዚ ተጎዝጒዙ ዝኸይድ ንባዕሎም እቶም መንእሰያት ኣብ ምቹእ ሃለዋት ስለዘየለዉ እቲ ዝሓስብዎ ምስቲ ዝደልይዎ ለውጢ ዘይምችእ ኮይኑ ረኺቦሞ። ንኣብነት ከምቲ እቶም መንእሰያት ዝደልይዎ ወይ ዝጽበይዎ ምስ ዘይኮነሎም ተጽዕኖ ይፈጥረሎም’ሞ ናብ ጸርፍን፥ ባእስን፡ ክሳብ ናይ መስተን ሓሺሽን ንምጥቃም ገጾም የድህቡ። እዚ ዓቕሊጽበታዊ ስምዒት እዚ እውን ይኸውን እዞም ዓበይቲ ሓንቲ ኣይገበሩን ኣይረብሑን ክብሉ ዝደፋፍኦም።
ይኹን እምበር ዕድመኦም ልዕሊ ኣርባዓ ዓመት ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ኣተሓሳስባኦም ይቕየር እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ሕሉፍ ጌጋታቶም ክመሃሩን ምስቲ ከባቢኦም ናይ ምምስሳልን ነፍሶም ክፈቕዱን ዘጸብቕሎምን ዘኽፋኣሎምን ክመምዩ ይጅምሩ። ቅድሚ እዚ ዕድመ እዚ ግና ሰብ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ምምራሕ ገዲፉ ብቄናን ክኸዱ እንተመሪሕዎም ክሳብ ዝርድኦም ክኽተልዎ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል እቲ መንእሰይ ካብቲ ኣብ 2010 ዝነበረ ባህሪያትን ሎሚ ዘሎ ባህርን ኣተሓሳስባን ኣጸቢቑ ይፍለ እዩ። ትማሊ ሰልፍታት ኣየድልያን ዝብል ዝነበረ ሎሚ ከምኡ ዝብል የለን። ትማሊ ብውግእ እምበር ዘይጐነጻዊ ዝበሃል ጽገና እዩ ዝብል ዝነበረ ሎሚ ብዘይጎነጻዊ ኣገባብ ክዕዓወት ክረጋገጽ ከም ዝኽእል ካብ ምዕብለ ከባቢኡ ቀሲተመኲሩ ኣሎ። “ካብ በበይንኻ ምኻድ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ኣንጻር እዚ ጨቋኒ ስርዓት ሓቢርካ ምስራሕ” እናበለ እዩ ዝጭርሕ ዘሎ። እዚ ከኣ እዩ እቲ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ግቡእ መስኖኡ ሒዙ ንክኸይድን ንክዕወትን ዝሕግዝ። ብተወሳካብዚ ሓሊፉ ነቲ ቀንዲ መንቀሊ ሽግራት መምዩ ነታ ሓቂ ንምውጻእ ክመራመር ዝጅምረሉ መድረኽ እዩ ዘሎ። ስለዚ እቲ ኣብ መንጎ ዓበይትን መንእሰያትን ዘሎ ሃጓፍ ንቅዋማዊት ሃገር ኣብ ምፍጣር ብሓባር ኰይና ሓድሕዳዊ ምስንናቕ ተመኩሮ፡ ሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓን ዘውሕስን ምዕቡል ባህሊ ክነጥን ይከኣል። በዚ መሰረት እቲ መንእሰይ ካብቲ ታህዋኽን ህንዱድነትን ተናጊፉ ምዕቡል ኣተሓሳስባን ንኹሉ ብማዕረ ዝጥምት ንቕሓት ኣናኣጥረየ ኣብ ዝኸደሉ፡ ኣብ ምምራሕ ግደኡ ክጻወትን ክትክእን ብቑዕ ይኸውን።
ኣሰናዳኢ ሽማግለ ናይቲ ካብ ዕለት 02 - 04 ነሓሰ 2019 ኣብ ፍራንክፎርት ክጋባእ ኣብ ምድላው ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ብዕለት 08.06.2019 ሳልሳይ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ሽማግለ ክሳብቲ ዕለት ዘሰላሰለቶም ምድላዋትን ገና ኣብ መስርሕ ምስንዳእ ክዕመሙ ዘለዎም ጉዳያት ብግቡእ ገምጊሙ።
ናይዚ ዓመት ፈስቲቫል 2019 ኣብ ሓደ ውዕዉዕ መደረኽ፡ ወጊድ ንመላካዊ ስርዓት፡ ወጊድ ንምፍልላይ፡ መርሓባ ንምጥርናፍ፤ መርሓባ ንሓቢርካ ምድማጽን ሓቢርካ ንምውዳቕ መላኺ ስርዓትን ዝብል ናህሪ ዝመላኦ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዝቃላሓሉ ዘሎ እዋን ይካየድ ምህላዉ፡ ሓደ ካብቲ ፍሉይን ኣገዳስን ዝገብሮ መራከቢ መኣዲ ምዃኑውን ርእዩ።
ብዘይካዚ፡ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019 ካብቶም ናይ ነዊሕ ዓመታት መሓዙት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሩን ገና እውን ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጉን ብሕሰሙ ዝሓሙን ሽወደናውያን ወይዘሮ ክርስቲና ቢዮርክን ኣቶ ቡ ቡቨልስታምን ክሳተፍዎ ብምዃኖም ሓደ ካብቲ ተወሳኺ ኣገዳሲ ዝገብሮ ፈስቲቫል ከምዝኮነ ኣብቲ ኣኼባ ተራእዩ።
ወይዘሮ ክርስቲና The land by the see ዝብል ኣብ ሜዳ፡ ገለ ካብቲ መግዛእታዊ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዝነበረ ግፍዕታትን ግደ ተጋደልቲ ሓርነትን ብጭቡጥ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ፊልም ኣዳልያ፡ ሕጂውን ንኤርትራ ዝምልከት መጽሓፍ ጽሒፋ ምህላዋ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣሰናዳኢ ሽማግለ ነዚ ህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንዝሰፍሐ ተሳትፎ ዘረጋግጽ ምድላዋት ተታሓሒዝዎ ኣሎ። ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019 ነዚ ኣብ መላእ ዓለምና ዝካየድ ዘሎ ናይ „ይኣክል“ ምትእኽኻባት ዘሐይል ኮይኑ ንኽወጽእ፣ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ዘሳትፍ ኤርትራዊ ፈስቲቫል ኮይኑ ክወጽእ ኣብዝግበር ዘሎ ጻዕርታት፡ ብተግባር ንምስናዩ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብእኩብ ይኹን ብውልቀ ኣብዚ ፈስቲቫልዚ ክሳተፎ ሽማግለ ደጊሙ ይጽውዕ።
30 ዓለም-ለኸ ተሓለቅቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናብ ሕ/ሃ ደብዳቤ ጽሒፎም
Thursday, 13 June 2019 09:05 Written by VOA
ዋሽንግተን —
30 ዓለም-ለኸ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ደብዳቤ ጽሒፎም።
እቶም ዓለም-ለኻውያንን ኤርትራዊያንን ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ትማሊ 11 ሰነ ዝጸሓፈዎ ደብዳቤ፣ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፣ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምቁጽጻርን መጽናዕትን ክካየድን ጸብጻባት ብስሩዕ ክቐርብን ክቕጽሎ ሓቲቶም’ለዉ።
ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ፣ ይኹን ኣብ መንጎ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝተኻየደ ስሉሳዊ ስምምዕ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ገና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣሎ ኢሎም።
ብኻልእ ወገን ልዕሊ 100 ህቡባትን ፀለውትን ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ፀሓፍቲ ደረስትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ከመሓይሹ ዝፅውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሰያስ አፈወርቂ ፅሒፎም።
ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ተራ ዜጋታት ኤርትራ እሱራት ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ክዘራረቡ ከምዝደልዩ ብምግላፅ መልሲ ፕረዚደንት ኢሰያስ ይፅበዩ ከም ዘለዉ’ቶም ተሰማዕነት ዘለዎም ኣፍሪቃውያን ኣብቲ ደብዳበኦም ገሊፆም’ለው።
Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ዓለም-ለኸ-ተሓለቅቲ-ኣብ-ኤርትራ-ዘሎ-ኩነታት-ሰብኣዊ-መሰላት-ብዝምልከት-ናብ-ሕ-ሃ-ደብዳቤ-ጽሒፎም/4956635.html
"ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን" ዕላምኡ መተካእታ ይኣክል'ዩ፡
ኣብዚ ዓመት'ዚ ዝተራእየ ኣበዓዕላ መበል 28 ጽምብል በዓል ነጻነት ብዓቐኑን ዓይነቱን ፍሉይ ምንባሩ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፣ደጋፊ ይኩን ተቓዋሚ ዝተገንዘቦ ተርእዮ ምኳኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ገለ ክሕጎሰሉን ክዓግበሉን ከሎ ገለ ድማ ክስንብደሉን ክሰግኣሉን ከምዝተራእየ እዉን ባህርያውን ርዱእን ሓቂ ምኳኑ ሓተታ ዘድልዮ ኣይኮነን።
እዚ ዕለትዚ ኣዝዩ ድሙቕ ኮይኑ ክበዓል ዘክኣሎ ምክንያት ናይቲ ዕለት ብልጭታ ዘይኮነስ ፣ ቅድሚኡ ካብ ሓይሎ እዋን ኣትሒዙ ብዝተፈላልየ ወገናት ደለይቲ ፍትሒ ክውሰድ ዝጸንሐ ተበግሶታት ውህሉል ውጽኢት ምኳኑ ብሩህ ኢዩ።
ካብ መፈለምታ 2019 ጀሚሩ "ይኣክል" ዝብል ጭርሖ ብዝተወደበን ሰንሰላታዊን መልክዑ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፣ብውልቅን ብሓባርን ዝተመሓላለፈ መልእክቲ፣ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ቃልሲ መስርሕ ናብ ህዝባዊ ምልዕዓል መድርኽ ኣሳጊርዎ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። እቲ ብውልቅን ብሓባርን (ብጉጅለን) ዝፍኖ ዝነበረ ድምጺ ናይ "ይኣክል" ናይ ብዙሕን እኩብን ህዝቢ ድምጺ ኮይኑ ክቃላሕ ጀሚሩ፣ ይቅጽል'ውን ኣሎ።ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታትን ሃገራትን ዝተካየደ ናይ "ይኣክል" ኣኬባታት ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ኣኬባታት'ዚ "ይኣክል" ዝብል ድምጺ ኣብ ምቅላሕ ጥራይ ከይተወሰነ፣ዝተፈላለዩ ኣገደስቲን እዋናውን ጭርሖታት ኣልዒሉ ከብቅዕ እቲ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ካልእ መድርኽ ንምስግጋርን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን ዘመሓድሩ ሰባት መሪጹ ዝወጽአ ኣኬባታት ብምንባሩ ፍሉይ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ብሓፈሽኡ ኣብዚ ኣኬባታት'ዚ ዝተመርጹ ኣካላት ኣብ ምውዳብ መዓልቲ ነጻነት ተዋፊሮም ዕውት ጽምብል ነጻነት ከምዝሓለፈ ክግምገም ይከኣል።
እዚ ዝተራእየ ለውጢ ብዝተፈላለያ ናይ ሬድዮን ተለቪጅን ማዕከናት ዝዝርጋሕ ብምንባሩ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዝርከብ ህዝብና ዝነበሮ ናይ ቦታ ርሕቀትን ናይ ሓበሬታ ብኩራትን ብምምላእ ክቀራረብን ተረድኦኡ ከመሳስልን ከስፍሕን ሓጊዙ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ቃልሲ መንፈሱ ከበራትዕ'ውን ተራእዩ ኢዩ።
እዚ ቅድመ መዓልቲ ነጻነት ዝነበረ መድርኽ፣ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብ ብዙሕ ከተማታትን ሃገራትን ዝተካየደ ህዝባዊ ውዳቤታት ጥራይ ኣይተሓጽረን። ሓደ ካብቲ ፍሉይ ተበግሶ ክበሃል ዝከኣል ብኣጋጣሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ካብ ዕለት 8 ክሳብ ዕለት 10 ኣብ ፍራንክፈርት ዝተካየደ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ዝተሳተፍዎን ዝደገፍዎን ሰሚናር ኢዩ። እዚ ሰሚናር'ዚ ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ ካብ 3ክሳብ 6 ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ (ፖለቲካዊ ውድባት፣ሲቪክ ማሕበራትን ህዝባዊ ውዳቤታትን ምሁራትን) ዝሓቁፍ መኣዲ (ዋዕላ) እተዳሉ ካብ ኩሉ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽአት ብደቂ ኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝቕመት ኮሚተ መሪጹ ወጺኡ። እዛ ኣካል'ዚኣ ብ"ኮሚተ ንቕሎ ኣዲታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን" ዝብል መጸዋዕታ ትፍለጥ ኮይና ነቲ ዝተዋህባ መደብ ስራሕ ኣብቲ ዝተመደበላ ጊዜ(ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019) ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ኣበርትዓ ትንቀሳቐስ ኣላ።
እቲ ካሊእ ኣገዳሲ ኣብዚ መድርኽዚ ዝተራእየ ተበግሶ እቲ ካብ 16 ክሳብ 20 ማዝያ ኣብ ስቶኮልም ዝተካየደ 2ይ ጉባኤ "ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ" ክጥቀስ ይከኣል። እዚ 18 ዝኣክሉ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ዝሓቁፍ፣ ኣብ 2011 ኣብ ሃዋሳ ዝተመስረተ ጽላል'ዚ፣ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ደውታን ውሽጣዊ ቁርቁስን፣ ርእሱ ክኢሉ 2ይ ጉባኤኡ ምክያዱ ጥራይ ዘይኮነ፣ሕሉፍ ተሞክርኡ ብነቀፌታዊ ዓይኒ ገምጊሙ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ምውጽኡ ንኣባላቱ ኮነ ንኤርትራዊ ደምበ ደላይ ፍትሒ ተስፋ ዘመንጨወ ተበግሶ ምንባሩ ክስትውዓል ዝግባኦ ኢዩ። ብተወሳኺ ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ዝተከፋሉ መሓዙት ውዱባት ክልተ ክፋላት ሰ.ደ.ህ.ኤ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ኣባላት መድርክን ካልኦትን ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ቅሩብነት ንሓባራዊ ተግባር ነቲ ዝጸንሐ ዝምድናታት ዘቀራርብን ዘመሓይሽን ኮይኑ ክንበብ ዝክእል ኢዩ።
ናይ "ይኣክል" ማዕበል ንኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝሓቖፈ ፍሉይ ተርእዮ ምንባሩ ዝሕብር ብዙሕ ምልክታት ኣሎ። ኣብ ስቕታ ዝጸንሓን ደገፍቲ ዝነበራን ኣዴታት ኣብ ቅሉዕ ባይታ ወጺአን "ይኣክል" ኢለን ክምድራ ምስማዕ ሓዱሽ ተርእዮ ኢዩ። ብዙሓት ካህናት ናይ ዝተፈላለየ ማሕበራት ክርስትናን ኣመንቲ ምስልምናን ኣብ ቅሉዕ ባይቶ ወጺኦም ዘምሓላለፍዎ መንፈሳዊን ፖለቲካዊን መልእክትታት ብስለት ዝመልኦ ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ ምልክት ናይ ኣብ ህዝብና ማዕቢሉ ዘሎ ዓሚቕ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምኳኑ ተገንዚብና ክንሰርሓሉ ይግባእ። እዚ ተበግሶታት'ዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ'ውን ምቅልሑ እቲ ሚዛን ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ሰፊሑን ዓሚቑን ከምዘሎ ንጹር መርኣያ ኢዩ።ካብዚ ዘይፍለ ካልእ ተርእዮ እቲ ብኤርትራውያን ምሁራትን ምኩራትን ክካየድ ዝጸንሐ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝጀመረ ናይ ሓባር መኣዲ ዘተን፣ንህልውን መጻእን ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ዘመንጭውዎ ዘለዉ ጽሑፋትን ሓሳባትን ኢዩ። ኣብ ገለ ሕቶታት ፍልልይ ዝርአ'ኳ እንተመሰለ ብልዙብን ክፉትን መንፈስ ተታሒዙ ኣብ ባይታ ክወሃሃድ ዘጸግም ኣይመስልን።ብዓቢ ውሕልነትን ሓላፍነትን ክተሓዝ ናይ ግድን ይከውን።
እዚ ውህሉል ድምር ተበግሶታት'ዚ፣ መበል 28 መዓልቲ ነጻነት ብሰፊሕን ድሙቕን ኣገባብ ክብዕል ዘክኣለ
ንጥፈታት ምንባሩ ምግንዛቡ ኣገዳሲ ኢዩ። ከምቲ ጽንብል በዓል ነጻነት ብድምቀትን ስፍሓትን ዘሕለፍናዮ መጠን ድማ ጽምብል በዓል ሓርነት ከነኽብር ትምኒትናን ተስፋናን ከነንምብረሉ ይግባእ ። ይከኣል ከምዝኮነ ኣሚና ቃልስና ከነበርትዕን ድሕሪ "ይኣክል" ክስዕብ ዝግባእ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ክንቅይስን የድልየና ኣሎ።
ካብዚ ንንየው'ከ ናበይ? እቲ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ማዕበል ዘንቀለን ዘተሓቛቖፈን "ይኣክል" ዝብል መራሒ ሓሳብ ክቕጽል ይክእል'ዶ ወይስ ሰሓብነቱ ኣብቂዑ ኢዩ? ኣብቂዑ እንተኮይኑ'ከ መተካእትኡ እንታይ ኢዩ? ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ የድልየና ኣሎ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝሕብርዎ ናይ "ይኣክል"መድርኽ ከምዘብቅዐ ኢዩ። "ይኣክል"ን እቲ ምስኡ ክቃላሕ ዝጸንሐ ጠለባትን፣ እቲ ኣረመኔ ስርዓት ክትርጉመልና ንሓቶ ዘሎና ዘስምዕ ትርጉም'ውን ይወሃቦ ኢዩ። ኮይኑ ግን እዚ መራሒ ጭርሖ'ዚ ዘፍረዮ ፍርያትን ዘውረሶ ጸጋታትን ዓወትን ኣነኣኢስካ ዝርአ ስለዘይኮነ ባኺኑ ከይተርፍ መተካእታ ክርከበሉ ናይ ግድን ኢዩ።
ብዝተፈላለዩ ናይ ምሁራት መጽናዕቲ ጉጅለታትን ሓይሊ ዕማማትን ዝተፈላለዩ ሰነዳት ይዝርግሑ ኣሎዉ። መድርኽ "ይኣክል" ሰጊርና ናብ መድርኽ "ሓዞ ሓዞ" ክንእቱ ኣለና ዝብል መተካእታ'ውን ይስማዕ ኢዩ፡፡ "ሓዞ ሓዞ" ህድማ ናይቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ዝእምት ጭርሖ ኮይኑ፣ቃልስና ነዚ ውልቀመላኺ ስርዓት ካብ ስልጣን ንምእላዪ ዘተኮረን፣ቅዋምና ባዕልና ክንትርጉም፣ዶብና ንሕና ክንሕጽጾ፣እሱራትና ባዕልና ክንፈትሕን ገደብ ኣልቦ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" መንእሰያትና ባዕልና ክንስርዞን ከምዝኮና ኣሚንና ክንብገስ ኣለና ዝብል ኢዩ። ናይ "ይኣክል" ምልዕዓል ዝፈጠሮ ባይታ ዝይዳ ክድልድልን ቀጻልነቱ ከረጋግጽን ናብ ሓደ ናይ ዘተ መኣዲ ክንመጽእን፣ከስረሓና ዝክእል ሰነዳት ብምድላው ብዝተሓተ ኩሉና ንሰማማዓሉ መደብ ስራሕ ኣጽዲቕና ኣብ ሓባራዊ ተግባር ክንከይድ የድልየና ኣሎ። ኣብዚ ሜዳ'ዚ ምሁራት ዜጋታትን ፣ምኩራት ፖለቲከኛታትን ግብኦም ከበርክቱ ዓቢ ሃገርዊን ህጹጽን ሓላፍነት ይጽበዮም ከምዘሎ ክፈልጡ ይግበኦም። ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ዝኮነ ዜጋ፣ኣብዚ እዋን'ዚ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግብኦም ኣገደስቲ ሕቶታት ኣለልዩ ናብ ሓባራዊ ተግባር ዝመርሕ መገዲ ክጥምት ግቡኡን መሰሉን ምኳኑ ክግንዘብ የድሊ ኣሎ።
ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ኩነታት ብምትእስሳር ኣብዚ እዋን'ዚ "ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን" እንታይ ከበርክት ይክእል? ብከመይከ? ዝብል ሕቶ ክበርህ ዘለዎ ኮይኑ ይርአ።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣እዚ ተበግሶ'ዚ በተን ከም ኣደ፣ሓብቲ፣በዓልቲ ሓዳርን ጓልን ኮይነን ኣብ ሕብረተሰብና ዘይተኣደነ ተራ ዝጻወታን፣ ኣብ ጊዜ ቃንዛን ስቓይን ብቐዳምነትን ብዝያዳን ዝሳቐያ ክፋል ሕብረተስብና ዝኮና ደቂኣንስትዮ ዝነቐለ ምኳኑ ፍሉይ ኣቃልቦ ክወሃቦ ዝግባእ ኢዩ። "ንርስቲ ይወጋኣላ ኣንስቲ" ክበሃል ከሎ ብመሬተንን ብሂወት ስድራቤተንን ንዝመጸን ዘይዕጸፋን፣ክበጽሖኦ ዝደልያ ሽቶ ከይወቕዓ ጠጠው ዘይብላ ቆራጻት ምኳነን ዘመልክት ምሳሌ ኢዩ፡ ስለዚ ነዚ ተበግሶ'ዚውን ሽቶኡ ከይወቕዐ ጠጠው ከምዘይብላ ምሉእ እምነት ኣሎ።
እዚ ንቕሎ'ዚ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝተጻዕረሉን ብዝተፈላለየ ምክንያታት ሽቶኡ ክወቅዕ ዘይከኣለን ናይ "ሓድነት" ወይ ድማ ብናይ ሓባር መደብ ህዝብኻ ኣዕሲልካ ጸላኢኻ ከተዳኽመሉን ክትስዕረሉን ትክእል ባይታ ምጥጣሕ ዝዓለመ ኢዩ። ካብዚ ዕላማ'ዚ ብምብጋስ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ዜጋ (ፖለቲካዊ ውድባት፣ሲቪካዊ ምንቅስቓሳት፣ህዝባዊ ምጥርናፋት መሁራትን ምኩራትን ዜጋታትን መራሕቲ ሃይማኖታትን ) ዝሓቁፍ ሓደ ባይታ ንምድላው ተዓጢቐን ተሲአን ኣለዋ። እዚ ተበግሶ'ዚ ካብ ምረትን ጭንቀትን ተበጊሰን ክጅምርኦ ከለዋ ናተን ዕማም ጥራይ ከምዘይኮነን፣ ንበይነን ከካይደኦ ዘለወን መደብ ጌረን ኣይቆጸርኦን። ካብ መጀመርታ ኣትሒዘን ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ክፍልታት ደለይቲ ፍትሒ ሕብረተሰብና አእጃሞም ከብርክቱን ኣድማዒ ተራ ክጻወቱን ጻዊዒተን ቀጻሊ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን።
እቲ ክውቃዕ ዝድለ ሽቶ ኣብ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝቅበሎ ዝተሓተ እዋናዊን ኣገደስቲን ሕቶታት ብምርድዳእ (ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ብምፍጣር) መደብ ስራሕ ተሓንጺጹ፣ ብኤውሮጳ ደርጃ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ እትሓቁፍን እትውክልን ናይ ሓባር መሪሕነት መሪጽካ ምንቅስቓስ ኢዩ። ኣቃሊልካ ዝረአ ዕማም ከምዘይኮነ ኩሉ ዝግንዘቦ ሓቂ ኢዩ። ቅድሚኡ ክዳሎ ዘለዎ ንዝተፈላለየ ሕቶታት ዝምልከት ሰነዳት ክቕረብ ናይ ግድን ኢዩ። ቅጥዒ ኣወካክላ ተሳተፍቲ ከመይ ይኸውን? ኣቋውማን ዕማማትን እታ እትምረጽ ኣካል ከመይን እንታይን ክኸውን ከምዘለዎ ክንደፍን ብግሉጽ ክዝተየሉን ክውሰንን ከድሊ ኢዩ። ካሊእ ኣገዳሲ ዝበሃል ፖለቲካዊን ተክኒካዊን ጉዳያት ክህሉ ከምዝኽእል'ውን ዝከሓድ ኣይኮነን። እዚ ዕማማት'ዚ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብ ብርኪ ብዝግበር ርክብ ከመሓደር ኣብ ትጽቢት ኣሎ።
ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ህዝብና ጊዜ ዘይህብ ምልክታት ይልእክ ከምዘሎ ኩልና ንዕዘቦ ዘለና ኢዩ። እዚ ምልክታትዚ ኣቃሊልና ክንርእዮ ዘለና ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ቅዱስ ዕላማ'ዚ ንምዕዋት ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኣበርክቶኡ ክልግስ ሃገራዊ ጻውዒት ይቀርበሉ ኣሎ።
ዓወትና ብሓባራዊ ቃልስና፡
ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ኢዩ፡
ስውኣትና ንዘለኣለም ይዘከሩን ይከበሩን።
ደስበለ መሓሪ፣
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ እነፍቕራን እንፈትዋን ጓልና ነፍሰ-ይምሃር ፈለግ ኣንገሶም ኣብ ዕሸል ዕድሚኣ ብድንገት ብምዕራፋ፡ ንምጽንናዕና ኣብ መሕዘኒ ቦታ ዝተመላለስኩም፡ ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተረኸብኩም፡ ብጸሎትን ብዜማን ዘሰነኹማ ቤተ ክህነትን፡ ብቴለፎን/ብስልኪ፡ ኮታስ ብኹሉ ዓይነት መራኸቢታት ዘጸናናዕኩምናን ናይ ሓዘን ተኻፋልነትኩም ዝገለጽኩምን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ መዛኑኣን መማህርታን ፈለጥታን፡ ብልቢ እንዳኣመስገና፡ ክብረት ይሃበልና ሕሰም ኣይትርከቡ።
ንነፍሰ-ይምሄር ፈለግ ጓልና ድማ መንግስተ ሰማያት የዋርሳ እንዳበልና፡ ካብ ሎሚ ንዳሓር ሓዘና ከምዝዓጸና ብኣኽብሮት ነፍልጥ።

ኣኽበርትኹም፡
ወ/ሮ ወይኒ መምህር ሰመረ
ኣቶ ኣንገሶም ገብረመስቀል
ምስ መላእ ስድራ ቤት
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ግዱሳት ኤርትራውያን
ብምቕዳም ናይ ክብሪ ሰላምታና ነቕርብ። ኣስዒብና ከምቲ ወርትግ እነዳልዎ ድራር ነቶም ምእንቲ ሃገርምን ህዝቦምን ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ጸሓይን ደሮናን ኣብ ሃገር ሱዳን ምስ ኩሉ መውጋእቲ ስቓይን ተወሳኺ ጸቕጢ ደምን ሽኰርን ካልእ ሕማማትን ወዘተ----ተሳቒዮም ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን፣ ብጾትናን ሓደ ምሸት ድራር ክንዝክሮም ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ሓላፍነትን፣ ሓልዮትን ምዃኑ ንዓኻ፣ ንዓኺ ዝስወር ኣይኰነን፣ እሞ ኣብዚ ንዕለት 22-06-2019 ኣብ SAALBAU Gallus ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ ሰዓት 23.00 ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ሰዓታት ብጉዳዮምን፤ ብጠቕላላ ማሕበራዊ ጉዳያትናን፤ ብወግዒን ብዋዛ ምስ ቁምነገርን፤ ዕላልናን ገርና ከነማሲ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
ግዱሳት ደቂ ኣንስትዮን ኤርትራውያንን ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን
ሓበሬታ ቦታ፣ ካብ Hauptbahnhof ብ Straßenbahn 11 Richtung Höchst, 21 Richtung Nied und S14 ደይብኩም ኣብ Gallus ወሪድኩም ንየማን ጸግዒ ጸግዒ ቀዳመይቲ ኣንጐሎ ንየማን ትኽ ኢልኩም ትኸዱ ኣብ መወዳእታ ንጸጋም ስግር ዘሎ SAALBAU Frankenallee 111 60326 Frankfurt a.Main ትረኽብዎ።
ምናልባት ኣብዚ ናይ ድራር ምሸት ብስራሕ ክትካፈሉ ዘይከኣልኩም በዚ ሕሳብ ባንክ ወፈያኹም ክትሰዱ ትኽእሉ።
Bankverbindung: Postbank
Eritreischer Verein 2010 für Menschen mit Behinderung
IBAN: DE 96500100600790750601
ደቂ ሰባት ካብ ካባቢኦምን ዘጋጥሞም ምዕብልናን ተበጊሶም እንተስ ንኣውንታ እንተስ ንኣሉታ ትምህርቲ ተመኩሮ ይቐስሙ። ኣሉታ ደኣ መምሃሪ ይኸውን ዲዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል ይኸውን። ብልክዕ እቲ መልሱ እወ እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ እቲ ኣሉታ ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ስራሓትካን ምስ ደቂ ሰባት እትግብሮ ርክባትን ምስቲ ተፈጥራዊ ባህሪኻ ተኣሳሲሩ ዝህቦ ውጽኢት ስለዝኾነ መምሃሪ ክኸውን ናይ ግድን እዩ።
ደቂ ሰባት በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ካብቲ ዕለታዊ ዝዋስእዎ ወይ ኣብ ተግባር ዘጥርይዎ ልምዲ በቲ ንዓኦም ዝምችኦም ወይ ዝሰማምዖም ገይሮም ከምዝቐርጹ ርዱእ እዩ። እዚ በቲ ዝረኸብዎ ተመኩሮን ተግባርን ከኣ ዘይጋገ ፍጡር ስለዘየለ ግጉይን ኣሉታውን ተግባራት ክፍጽሙን ውሁብ እዩ። ይኹን እምበር ሓደ ሰብ እንተተጋግዩ ካብ ጌጋኡ ክመሃር ወይ ይቕረታ ክሓትት ድልዊ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ካልኦት ሓሳብ ክቕበል ድልው ኣይከውንን። ካልእ ሰብ ከምዚ ግበር ከይበለካ፡ ባዕልኻ ጌጋኻ ኣሚንካ ይቕረ ምባል ምቕሉልነትን ምዕባለን ክኸውን እንከሎ፡ ጌጋኻ ሓቢእካ ምኻድ ድማ ድንቁርናን ናይ ዘይማዕባል ባህርን እዩ።
ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ዘይብልካ ክንስኻ፡ ኣፍካ ዝሃበካ ብዛዕባ ካለኦት ክትፈርድን ኣብ ስነፍልጠት ዘይተመስረተ ክትዛረብን እንከሎኻ እዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሪ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከምኡ እናበለ ከይተኣረመ እንተ ቀጺሉ እቲ ኣብ ንሓድሕዱ ከሰማምዖን ከተኣሳስሮን ዝኽእል ጠቓሚ ሓሳብ ብናተይ ስምዑ ጥራሕ ይዕብለል እሞ እታ ቅንዕትን ሓቅን ንኸይትወጽእ ናይ ምዕጋት ተራ ይህልዎ።
ሓንሳብ ጌጋ ዝፈጸመ ብዓንተቦ እንተዘይተዓጊቱ፡ ቀጻሊ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ከምቲ ግቡእ ግና ጌጋ ከም ዝፈጸምካ እንተተረዲእካ ወይ ብዝተረደኦም እንተተነጊሩካ፡ በቲ ዝተፈጸመ ጌጋታት ወይ ኣሉታታት ምቕጻል ዘይኮነ፡ ነቲ ናብ ጌጋታት ዘብጸሐካ ወይ ዝደፈኣካ እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ናይ ኩሉ ህይወት ዘለዎ ፍጡር ግደ እዩ። እቲ ሽግር ግን ነቲ ጌጋታት ቅድሚ ሽሒ ዓመት ንዝተፈጸመ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተናተወናጀለ ክኸይድ ግን ቁምነገር የብሉን። ንኣብነት ኣብ ኣርበዓታት ኣንድነትን ራቢጣ ኣልእስላምያን ተባሂሉ ዝተፈጥረ ማሕበራት ነይሩ። ነዚ ማሕበራት ዝመስረቱ ኣቦታትና ካብ ምንታይ ነቒሎም ነዚ ኣበጊሶሞ? ከምኡ ንምግባር ዝደፋፍኦምከ ብቑዕ ምኽንያት ዲዩ? ወዘተ ዝብሉ፡ ንሳቶም ዝምልስዎን ሓላፍነት ዝወስዱሉን እዩ። ንሕና ከኣ ንዝጸፈጸምዎ ጉድለታት ንመሃረሉ እምበር ደቆምን ደቂደቆምን ክኽሰስሉ ርትዓዊ ኣይኮነን።
ንሕና ኤርትራውያን ሎሚ ብዛዕባ እቲ ሕሉፍ ዲና ክንጸባጸብ ወይስ መፍትሒ ከነምጽእ ክንጽዕር ዝግበኣና? ወይ ብዛዕባ ኤርትራ ሃገርና ከይተሸርመመት ከይተቖርመመት ሓድነታ ዓቂባ እትቕጽለሉ ኢና ክንሓስብ ዝግበኣና? ከምዝመስለኒ ሎሚ ንናይ ኣንድነትን ራቢጣ ኣልእስላምያን፥ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ወዝተ ዝኣመሰሉ ሓደ እዋን ኣዛረብቲ ዝነበሩ ፍልልያት ኣልዒልና እነፍርዮ የለን። እዚ ታሪኽ እዚ ምስ ኩሉ እወንታኡን ኣሉታኡን ኣብ መዝገብ ተሪኽ ሰፊሩ መምሃሪ እምበር መፈላለዪ ክኸውን የብሉ።
ምኽንያቱ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ሓዲሽ ምዕራፍ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ወጺእና፡ ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃንና እንሕበነሉ ናጽነት ዝረኸብናሉ እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና ካብ መጀምርታ ብኣሉታታት ዝመልአ ኣእምሮና ናበይ ክወስደና ከም ዝኽእል ኣይሓሰብናሉን። ሕጂ እውን እንተኾነ ሃገርና ኣብ ክንዲ ሓድነታ እትሕልው፡ ብብሄር ይኹን ብሃይማኖት ወይ ብኣውራጃ ወይ ኣውን ብኻልእ ትሕቲ ሃገርነት ስምዒታት ንኸይትከፋፈል ክንሓስብን ክንሰርሕን ይግባእ። ኣብ ክንዲ ነቶም ዝሓለፉ ምኽሳስ፡ ንሕና ባዕልና ካብቲ ናቶም ጌታት ተማሂርና ዝሓሸ ምስ እንሰርሕ ኢና እምበኣር ካብቲ ተመኩሮ ተማሂርና ክንብል እንኽእል። ንዝሓለፈ ግጉይ ተመኩሮ ምድጋም ግና ናይ ጌጋ ጌጋ እዩ እሞ ነስተብህለሉ።