ፖለቲካዊ ሰልፍታት የድልያዶ ኣየድልያን?

2019-07-21 08:14:55 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1682 times

ዝኾነ ይኹን ቃልሲ ግዜ ከይበልዐ ቅልጡፍ ወይ በቋራጭ ዓወት ክጎናጸፍ ኣይክእልን እዩ። እዚ ብዙሕ ምኽንያታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። በሓጺሩ ግን ነቲ ደጋዊ ይኹን፥ ከባብያዊ፥ ዘለዎ ጽልዋ ገዲፍና፥ እቲ ቀንዲ ሽግር ሓደ ዝተጸንዐን ስነፍልጠታውን  ኣገባብ ሒዝካ ዘይምኻድ ካብቲ ቀንዲ ግዜ ዝበልዕ እዩ። ሓደ ካብቲ ዓቢ ሽግር ድማ ንህላዌ ሰልፍታት ዝነጽግ ወይ እውን ክህልዋ የብለንን ዝብል ሓሳብ እዩ።

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከም መደናጐይቲ ዓወት ኢየን ተባሂለን ስለዝግመታ እዩ እቲ ቀንዲ ምኽንያት። ኣብ ክንድኡ እኩብ ወይ ብዝሒ ህዝቢ (mob) ህዝባውነት ወደባ እዩ ቅልጡፍ ዓወት ዘምጽእ ዝብል እምነት ይትካእ ኣሎ። በዚ ዝኣክል “ውደበይ ውድብካ ኣየድልን እዩ” ፖለቲካዊ መደብ ዕዮአን ገዲፈን ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክጽንበራ ኣለወን እናተባህለ ይዝረብ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ግን እቲ ህዝቢ እንታይ ከምዝደሊ፥ ንዓኡ ዝምእምኦ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ጋን ክኣትዎ ምዃኑ ዘይምርዳእ እዩ። እዚ ማለት እቲ ገዛኢ ወይ ጨቋኒ ጥራሕ ይተኣለ ብምባል ንግሩህ ልቢ ሰብ ዝማርኽን፥ እቲ ህዝቢ እዘን ውድባት ኣይረብሓን ኢየን።  ብዝብል መለዓዓሊ ይጥቀምሉ። እዚ ከኣ እቲ ጨቋኒ ምስተኣልየ ርህው ዝብሎም ዝመስሎም ብዙሓት ኣለዉ። 

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ወይ ውደባ፡  ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ መሰጋገሪ መሳርሒ ምዃነን ክንርዳእ ይግባእ። እዚ ሓጺር ጉዕዞ፡ ነቲ ጽባሕ እንታይ ክወልድ እዩ ዝብል ፈጺምካ ስለዘይሕሰበሉ ዘምጽኦ መዘዝን፥ ነቲ ስነፍልጠት ጥሒስካ ብፊን ዝበለካ ናይ ምኻድ ኣንፈት የኸትል። በዚ ዝኣክል ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብሓጺሩ ንስልጣን ጥራይ ዲየን ዝወዳደራ ወይ ድማ ንስልጣን ጥራይ ዲየን ዝቃለሳ ዝብል ሓሳብ ንምርዳእ ይሕርብቶም ይኸውን። ኣብዚ ጉዳይ እቲ ስልጣን ዝህብ ወይ ዝኸልእ እቲ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ስልጣን ክኸልእ ይኹን ክህብ ብዛዕባ እንታይነት ናይ መንግስቲ፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ክርዳእ ኣለዎ። ነዚ ከኣ እተን ሰልፍታት ነናተን መደብ ዕዮ ዘለወን ነቲ ህዝቢ ዓቢ ዓውዲ ምህርቲ ፍልጠት እዩ ዝኾኖ። በዚ ምኽንያት ሰልፍታት ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ ዲሞክራሲያዊ ምስግጋር ስለዝኾና ህላዌአን ኣገዳሲ እዩ።

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ነቲ ናብ ህዝቢ የርብሕ ኢለን ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮአን ዘቐመጠኦ ዕላማ፥ ዘብጸሐን  መሳርሒ እዩ። ህዝቢ ቆጽሊ ዘውደቐለን ድማ ስልጣን ተውዳዲረን ይጭብጣ። እዚ ስለዝኾነ ግን ንስልጣን ጥራይ ኢየን ዝቃለሳ ኢልካ ውዱእ ሓሳብ ምሓዝ ግን ካብ ስነፍልጠት ዝረሓቐ ኢዩ። ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ ንሰላሳ ዓመት ዝወሰደ ብረታዊ ሰውራን ከምኡውን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ንምልኪ ኣሊኻ ስርዓት ዲሞክራሲ ንምንጋስ ዝግበር ቃልሲ ምስ ህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተኣሳሰር ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ሰባት ኣብ ሓደ ጉዕዞ ንዘለዎም ሽግራት ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ብምምስራት፥ ኢሂን ምሂን ብምባል ንምፍትሑ ዝገብርዎ መሳርሒ እዩ። ኣብ ሰውራ ኤርትራ እውን ውድባት ስለዝነበራ፥ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ሓይሊ ንኽኣሊ ኣብተን ዝነበራ ውድባት ኢዩ ተጸንቢሩን ተቓሊሱን። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ታሪኻዊ ኣጋጢሙ ረኺቡ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ውድብ ህዝባዊ ግንባር እዩ።

ነዚ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸስተ ጭቆና ድማ፥ ከሎ ገና ንእንታይነት መሪር ጭቖና ስርዓት ኢሰያስ ዝተረደኣ ወድባት፥ ኣብ ግዳም ተወዲበን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ይቃለሳ ኣለዋ። እቲ ሕቶ ክሳብ ሕጂ እንታይ ገይረን ዝብል ነጽንሓዮ እሞ፥ ንምንታይ እየን ተወዲበን ዝቓለሳ ዘለዋ፣ ብፍላይ ኣብ'ዚ ዘለናዩ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምእላይ እንታይ እዩ ግዲአን? ውድባት ንምልኪ ንምእላይ ክቃለሳ እንከለዋኸ መተካእታ ህግደፍ ድየን ክኾና፣? ወይ ከም'ዚ ሓደ ሓደ ዝብልዎ፡ ነቲ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኤን ኣቐምጠን ጽባሕ ህግደፍ ምስ ወደቐ እቲ ቅዋም ኣፍ ሃሊዩዎስ “ሕጂስ ሓላፍነትክን ተሰካማ” ዲዩ ክብለን፣? እዝን ወዲ ከምዝን ንፖለቲካዊ ሰልፍታት ንስልጣን ስለዝቓለሳ ንሕና ድማ ህዝቢ ምድሓን ስለ እንቓለስ ኣየድልያን ዝብሉ ንብዙሓት ካብ ምውዳብ  ኣርሒቖም፥ ነቲ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር ቀንዲ ተዋሳእቲ ምዃነን ዝሓክኽ እዩ። ፖለቲካዊ ሰልፍታት በቲ ዝሓንጸጸኦ ፖለቲካዊ እምነትን መብጽዓ ዝገበራኦ፥ ካብቲ ህዝቢ ዝሓንጸጾ ቅዋም ከይወጻ፥ መንግስቲ የቚማ።  ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ዝቖመ መንግስቲ ብልሽው ምሕደራ ምስ ዘካይድ እተን ኣብ ውድድር ዝተሳዕራ ውድባት ብወገንን ተቓወምቲ ይኾና እሞ ዲሞክራሲ ውሕስነት ከምዝህልዎ ንምኽኣል ነቲ ቅኑዕ ምሕደራ ዝሰሓተ መንግስቲ ኣገባቡ ክእርም ይቃለሳ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተወዳዲሩ ዝሰዓረ፣ ወይ ዝተሳዕረ ኣሎ ድዩ? ነየናይ ስልጣንከ እዩ ዝወዳደር? እዚ ፈጺሙ ስለዘየለ በቲ ንቡር ከም ኣብ ዘዘለናዮ ሃገራት ግደን ዕላማን ሰልፍ ዘሎ ኣብ ኤርትራ የለን። ንዘየለ ድማ ግዜ ምጥፋእ ጽቡቕ ኣይኮነን። ስለዚ  እቲ ንቡር ንሱ ካብ ኮነ እተን ዘለዋ ውድባት እንታይ እዩ  ስርሐን ምስ እንብል ፣ ውድባትን ሰልፍታት ኤርትራ ሓንትን ንጽሩነትን ነዚ ስርዓት ኣሊኻ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ምምስራት እዩ። ስለዚ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ስረሐንን ሓልፍነትን ንምልክን ምልካዊ ኣተሓሳስባን ምድምሳስ፥ ኮይኑ፡ ብግዝኣተ ሕጊ ዝኣምንን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምግባርን ውሑስ ዝገብራ እየን።

Last modified on Sunday, 21 July 2019 10:18